"ከም ቀደም  ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን"
ምስላ ቀዳሞት ወለዲ።

ወለድና፣ ድሕሪ ነዊሕ ተመኲሮን ትዕግስትን፣ እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይ ፍላጥ ንዘጋጥሞም ዝነበረ ብግሉጽን ብረቂቕን ንምስትብሃሉ ዘጸግም ምትላላትን ምድንጋራትን ምስ ነቑሑሉ፣ ጸላኢኦምን ፈታዊኦምን ምስ ኣለለዩን፣ ብንቕሓት ሓደ ኮይኖም ያዕ ንበሎ ምስ በሉ ዝተመሰለ ምስላ እዩ።
 
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ምዑታት ተቓለስቲ መላእ ህዝብታት ኤርትራ!!!

ኣብዚ ተሃዋሲ መድረኽ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ነዚ ምስላ እዚ ዘምረጸኒ ቀንዲ ምኽንያት ኩልና ከም እንፈልጦ ብታሪኽ ዝተማሃርናዮ ዘይኮነስ ህዝብታትና ኣብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕን ሰዓትን መዓልትን ብመከራ እናነበረ፣ መዓስ ኮን እፎይ ኢለ ዝሓደረላ ሃገር ትህልወኒ እንዳበለ ለይትን ቀትርን ከብዱ ሓቝፉ ዝቝዝምን ዝሳቐን ዘሎ ሕብረተሰብ ምዃኑ ግደፍዶ ንዓና ንወገኑ፣ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ፈሊጥዎ ዝማጎተሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ናይ ቀትሪ ምስጢር ኢዩ።
 
ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ድሕሪ መርየታዊ ምሕራር ኤርትራ፣ ህዝብታትና ብሕማቕ ዕድሎት ኣብ ዘይተጸበናዮ ስዉር መግዛእቲ ብምቝራን፣ ኣብ ታሪኽ ዝተፋላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ርእይዎን ተመኲርዎን ዘይፈልጥ፣ ብሽሙን ቋንቁኡን ባህሉን እንዳ ተዛረበ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ድሑር ሜላን መርዛም ጥበብን እንዳ ተጠቐመ እነሆ ናብ 19 ዓመት ብልሽው ናይ ኣሽካዕላል ምሕደርኡ ከነብዕል ንሻባሸብ ኣሎና።    
                                         
ናጽነት ኤርትራ ምብዓል ማለት እቲ ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ብፖለቲካን ብቁጠባን ብወታህደራዊ ረጽምን ዝተኻየደ መሪር ናይ ህዝብታትና ቃልስን ዝተኸፍሎ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ንዋትን ንያትን ንምዝካሩን ምኽባሩን ኢዩ። ነቶም ዝጠለምዎን ዝኸድዕዎን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። በንጻሩ ኣብ ስደት ከርተት ዝብሉ ዘለዉን ንምእንቲ ክብረቱን ሰብኣዊ መሰላቱን ኣብ ሃገሩ ከም ድላዩ ክኸውንን እሱ ዝውንና ኤርትራ ክትኮነሉን ኣብ ቅድመ ግንባር ጽሩይ ማይ ከይሰተዩ ድፋጭኦም ዝሰትዩ ዘለዉ ምዑታት ተቓለስትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ እሱራት ዜጋታትን፣ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብማዕረ ዝብጽሖን ርዱእ ስለ ዝኾነ በብዘለናዮ ክንዝክሮን ከነብዕሎን ይህልወናን ይግባኣናን።
  
ክቡራንን ክቡራትን!! መርየታዊ ናጽነት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምልቃቕ ሓሊፉ ባዕሉ ንዝመርጻ ባንዴራ ካብ ምንብልባል ዘይሓለፈን መገዲ ምዕባለን ሰላምን ፍትሕን ዝኾለፈን ብግዝኣተ ሕጊ ዘይቅየድ ሃላሊ ወታህደራዊ ስርዓት እዩ ተኺሉ። ብኢደ ወነኑ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምስ ተወጠሐን ምስ ነገሰን ንኹሉ ዓቕምታት ሕብረተሰብና ጨፍሊቑ ተቛጻጸሮ። ነብሶም ዝሸጡ ሃሱሳት ካብ ኩሉ ሕብረተሰብና ኣፍርዩ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን መርበብ ስለላኡ ዘርጊሑ፣ ናይ ፈጠራ ሓሶት እንዳ ፈልሰፈን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ክብትን፣ ናይ ተንኮል መራኽቢታቱን ፍሉጣትን ንኸተለልዮም ዘጸግሙ ሃሱሳትን እንዳዋፈረ ክዘርገና ጸኒሑን ኣሎን።
 
ኮይኑ ግና ደንበ ተቓውሞና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳና ድሕሪ ነዊሕ ሓጎጽጎጽን ምእካብን ምፍንጣሕን ሕድሕድ ምንጽጻግን ምውንጃልን ብኣነ ይዓቢ ኣነባ ዝብል ዘይደሞክራስያዊ ባሓቲ ባህሪ፣ ብትዕግስትን ብልዙብን ውሕሉልን ኣጋባብ ቃልሲ ብምኽታል ዝወገደን ዝኣረመን ካብ ሕሉፍ ተመኲሮ ብምምሃር ወከልቲ ንመሰረታዊ፣ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምንጋስ ዝቃለሱ በርገሳዊ ማሕበራትን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን፣ ነጻ ናይ ዜና ማዕከናትን፣ ዘጋበአ ጉባኤታት ክካየድ ድሕሪ ጸኒሑ። እነሆ ኣብዚ እዋን እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝብል ስም ተጠሚቑ ብመላእ ሕብረተሰብና ዝተወከለን፣ ዝተደገፈን ኮይኑ ኣሳናዳኢት ሽማግሊኡ ብደሞክራስያዊ ኣጋባብ መሪጹ ብዕቱብነት ስርሑ ጀሚሩ ይዋናጨፍ ምህላዉ ዓቢ ብስራት ንውጹዕ ተቓላሳይ ሕብረተሰብና ብምዃኑ በዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እንቋዕ ደስ በለካ ደስ በለና ከይበልክዎ ክሓልፍ ኣይመርጽን።
 
ዉጹዕ ተቓላሳይ ህዝብና እዚ ምዕባለ እዚ ሕጂ’ውን እንተኾነ ብቓልስኻ ንፖለቲካዊ ውድባትን መሪሕነታተንን ካብ ተመኲሮኻ ብምምሃር ዳግም ከይትጥለምን ከይትኽዳዕን ከም ተመን ከይገበላ፣ ብዕሸልነተን ክትእርመንን መንነተን ፈሊጥካ ከተለልየንን ከምቲ ምስላ ወለዲ ዝብሎ “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ ሞቝሎኣ ከላ ነይስሕታ” ስለ ዝኾነ ስልጣንካ ከም ህዝቢ ክትፈልጥን ክትርከብን መታን እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከይዕንቀፍን ኣብ ዝተባህለ ግዜን ቦታን ብዕዉት ክዛዘም ኩሉ ደላይ ሰላምን ራህዋን ብልጽግናን ፍትሕን ደሞክራስያዊ ለውጥን ንምምጻእ ዝቃለስ ኩሉ ሎሚ ቅድሚ ጽባሕ ዓቕሙ ጸንቂቑ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ግዲኡ ከበርክት ብህጹጽ መድረኽ ይጠልብ ኣሎ።
 
ክቡራንን ክቡራትን!! ኣብ ዝመጽእ ህዝባዊ መጸዋዕታይ ክሳብ ንራኸብ ሰላም።
 
ህዝቢ ተንስእ ተባራበር ጸላእትኻ ኣለሊ!!!
ዓድኻ ተመሊስካ ስድራኻ ክትኣሊ!!!
ሃገራዊ ዋዕላ ከተዐውት በጋባብ ብዕሊ!!!
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...