ግርህነት ነውሪ ኣይኮነን። ነውሪ ዝኽውንሲ ምስዝደጋገም ጥራይ ኢዩ። ዝደጋገም ግርህነት ምስ ዕሽነት እንተተጸብጸበ ድማ ናቱ ረኸበ። ምቕሉልነት እውን ትሕትና ኢዩ፡፡ ኣመና ምምቕላል ግን ምስ ምጅጃው ይምደብ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት፡ ንግርህነትን ምቕሉልነትን ህዝቢ፡ ከም ዕሽነትን ፍርሕን መዝሚዙ ክጥቀመሉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ገይሩ ኢዩ። ገና እውን ይቕጽሎ ኣሎ። ነዚ ዝስዕብ ውሑድ ኣብነታት ንርአ።

ጉዳይ ስዉኣት።   

ናይ መላእ ኤርትራ ሓርነት ድሕሪ ምርግጋጹ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ብ20 ሰነ 1991፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣስመራ ንህዝቢ ኣኪቡ ዘቕረቦ መደረ፡ ንስዉኣት ዘለዎ ኣኽብሮትን ብስድራቤቶም ዘለዎ ሻቕሎትን ብዘንጸባርቕ ኣገባብ ዝተዳለወ ኢዩ ነይሩ። ንብዓት ሓርገጽ እናነብዐ ናይ “እመኑኒ ፍተዉኒ፡ ኣነ ኢየ ኩሉ’’ ዘስምዕ ቃላት ደርዲሩ፡፡ ማእለያ ዘይብሉ ዘይትግበር መብጸዓታት እውን ኣትዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ለዋህ ተመሲሉ ክርኣየሉ ዘኽኣሎ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣብ ሓራ ኤርትራ ቦኽሪ መደረ ዘቕረበላ ዕለት፡ 20 ሰነ፤ ብስም “ምዝዛም ሻድሻይ ወራር’’ ተመኽንያ፡ “ንኽብሪ ስዉኣት ዝተዋህበት ዕለት’’ ተመሲላ፡ ክትዝከር ክትነብር ከኣ ኣዊጁ። ዕላማን ባህግን ስዉኣት ግን ተተግበረ’ዶ፧ ስድራ ስዉኣት’ከ ተዘከሩን ከበሩን’ዶ፧ መዓስን ብኸመይ ኣገባብን፧

ኣብ’ቲ ፈለማ እዋን፡ ነቦን ነደን፡ ወይ ንደቅን በዓልቲቤትን፡ ብህይወት እንተልዮም ጥራይ ዝፍቀድ፡ ብሕሳብ ዓሰርተ ሽሕ ብር ክወሃብ ዝተባህለ፤ ኣቦ ወይ ኣደ ሞይቶም እንተኾይኖም ግን ብፍርቂ ዝጎድል፡ ክልቲኦም ብህይወት እንተዘየለዉ፡ ከኣ ፍጹም ዝተርፍ ናብ ሓውን ሓብትን’ኳ ዘይሰግር ገንዘብ፡ ከምኡ እውን ብሃታሃታን ብዘፈቐደን ዝተሓናጠጠ ኣብ መንደቕ ዝንጥልጠል ናይ ወረቐት ሰርትፊኬት ከምዝተዋህቦም ይዝከር። እንተኾነ ኣብ’ቲ እዋን ብስም “ንስድራ ስዉኣት ንምንባይ’’ ዝተኣከበን ብሓገዝ ዝተረኽበን ገንዘብ ማእለያ ኣይነበሮን፡፡ ኢሰያስ ብልሳኑ “ንነብሲ ወከፍ ስዉእ ዓዓሰርተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ከም ካሕሳ ክንከፍል ኢና’’ ኢሉ ተጃሂሩ ነይሩ ኢዩ። እንተኾነ ንስድራስዉኣት መለመኒ ገይሩ፡ መምልኢ ጉጅለኣዊ ካዝንኡ ኢዩ ገይርዎም። እዚ ድሒሩ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ “ሓሓደ ስድራ ስውእ ሓግዙ’’ ዝብል መዳህለሊ ሜላ እውን፡ ናብ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምድላብ ዘድሃበ ምዃኑ ኩሉ ዝግንዘቦ ኢዩ። ብሓፈሻ እምበኣር ስድራቤት ስዉኣት፡ ብሕልፊ ከኣ እቶም ዝነበርዎም ውላድ ዝነገፉ፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት መነባብሮ ኢዮም ወዲቖም ዘለዉ። እዚ ከይኣክል እቲ ጨካን ስርዓት፡ ወርሓት ሰነ ኣብ ዝቐርበሉ እዋናት ንስድራ ስዉኣት ብምጽዋዕ፡ ካሜራታት ኣዋዲዱ፡ ንመጓዓዝያኦም እኳ ዘይበቅዕ ቁሩብቁራቦ ፈይ እናበለ ንፕሮፖጋንዳን ንተወሳኺ ልማኖን ይጥቀመሎም ምህላዉ ኢዩ። እዚ ነቲ ነገራዊ ወይ ንዋታዊ ዝምልከት ኮይኑ፡ ብኣውርኡ ግን፡ በዚ ጨካን ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ስዉኣት ከኣ ብፍላይ ወሪዱ ዘሎ ሞራላዊ ማህሰይቲ ይገድድ።

ሃገር፡ መሽካዕለሊት ናይ’ዚ ኣመንዝራን ሰኽራንን ዘይሓላፍነታዊ ሽፋታ መንግስቲ ኮይናትሉ ኣብዘላ እዋን፤ ሃገር ናይ ሰበይሰብካን ናይ ጉቦን ምጥፍፋእን ኮይናትሉ ኣብዘላ እዋን፤ ሃገር ብኣበሳ ኢሰያስ ተለኪማ ብጥሜትን ሕሰምን ትቕጸዓሉ ኣብዘላ እዋን፡ ብኣውርኡ ከኣ ብሰር’ዚ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ’’ ዝመትከሉ ጋኔን ስርዓት፡ መጻኢ ኩነታታ ይድብዝዘሉ ኣብዘሎ እዋን፤ ስድራቤት ስዉኣት ዝተረስዐ ሓዘኖም ይደግሶም፡ “ደቅና፡ ወለድና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናንሲ ነዚ ኢዮም ጠፊኦም፧’’ ኢሎም የስተማስሉን፡ ብዒሕታ ይድወኑን ይማስኑን ኣለዉ። ብሓፈሻ ከቢድ ሞራላዊ ሃስያ ወሪድዎም ይርከብ።

እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ስርዓት ኢሰያስ፡ ብመጻኢ ወይ ብቐጻልነት ኤርትራውያን ስድራቤታት ፈጺሙ ከምዘይግደስ፡ እቲ ዘገድሶስ ስልጣኑን ካልእ ኣጀንዳኡን ምዃኑ ዘግሃደ ኢዩ። ናይ ዝቐደሙ ከይኣክል፡ ኣብ’ቲ ባዕሉ ከምዝወልዖ ኣብመጋባእያ ዝተኣመነሉ ብዶብ ዝተሳበበ ውግእ፡ ካብ ሓደ ገዛ ክሳብ ሽዱሽተ ትንፋስ ብምኽታት፡ እንተላይ ደቂስዉኣትን፡ ካብ ስዉኣት ዝተረፈ ሓደ ነዲኡን ከይነሓፈ፡ ስድራቤታት ዘጽነተን ዘብረሰን ስርዓት ኢዩ። ነቶም „“ “ይሕግዞም ኢየ’’ እናበለ ዝሽቅጠሎም ስድራቤት ስዉኣት፡ ብምኽንያት እቶም ባርነታዊ ኣገልግሎት ምስነውሖምን ምስመረሮምን ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡ መንእሰያት፡ “ደቅኹም ሃዲሞም’’ እናበለ ከከላብቶም፡ ክኣስሮምን ከዕድዮምን ጸኒሑን ኣሎን።

ስርዓተ- ኣልቦ መንግስቲ ኢሰያስ፡ ከምዝድላዩ ክዕምጽን ክግብትን ምእንቲ፡ ንዓሰርተ ትሽዓተ ዓመታት መመላእታ ንሃገር ብዘይ ሕግን ቅዋምን ዝረመሰ፡ ንመሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዝገሃሰ ዓማጺ ጉጅለ ኢዩ። ብሓፈሻ እዚ ስርዓት’ዚ ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለመ፤ ሃገር ሕድሪ ዘበሳበሰ፤ ደቂሕድሪ ዝበልዐ፡ ከዳዕ ኢዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግን ነዚ ዓይኑ ዘፍጠጠ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት፡ ከም ሓደ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ድቃስ ዝሰኣነ ሓላይን ጅግናን ናይ ሃገር ገይሮም ዝጥምትዎ ምህላዎም ኢዩ። ግርህነት ዲዩ ዕሽነት፧


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...