“ጃህራን ሓሶትን ዝሕለብ መልሓስን፡” ካብ ማህደር ዝሓለፉ ጽሑፋት።
ኣብ መወዳእታ ናይ ብዕለት ጥቅምቲ 25፣ 2007 ዝወጸ* ጽሑፍ ከምዚ ይብል።
“ዝሓስብ ሓንጎል ዘይብሉ ጓንጓ”

“ጠጃእን ጸማቑን ናይዚ ንብዙሓት ሰበ ስልጣን ዝለኻኽም ዘሎ ግናይ ስሚ ዝኾነ ኣቶ ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ነዚ ኩነታት፡ ካብዚ ንሱ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላው፡ ካብዚ ወሪዱ ዘሎ ጥፍሽናን፡ ካብዚ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ክብረቱን ዘድሕኖ መድምደምታ ክገብረሉ ክፍትን ከም ዝኾነ፡ ኣይንጠራጠርን ኢና። ነዚ እንታይነቱን እንታይነት ናይቲ “መንግስቲ” እንዳበለ ዝጀሃረሉ ስርዓት መንኬነኖታት ብግሁድ ዘመስከረ ኩነታት፡ ነዚ ኢሳያስ ባዕሉ፡ ብዘይካ ጃህራን ሓሶትን ዝሕለብ መልሓስን፡ ሽርሒ ዝበረኸቱ ተንኮለኛ ልብን፡ ዝሓስብ ሓንጎል ዘይብሉ ጓንጓ ከም ዝኾነ ዘረጋገጸ ተርእዮ፡ ናብ ውልቃዊ ተግባር ሚእቲ ድዮም ክልተ ሚእቲ ተጋደልትን ነጋዶን ብምልጋብ፣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሜዳ ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ዝተዓወተሉ፡ ንሱ ንበይኑ እንኮ ተጠቓሚ ወይ ረባሒ ኮይኑ ክወጽእ ክፍትን እዩ።”

ኮነ ኸኣ። ሎሚ መጋቢት 2010 እዩ። ስለዚ መን’ዩ እቲ “ዝሓስብ ሓንጎል ዘይብሉ ጓንጓ”? ሓንጎል እንተዘይህልዎ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣይምነበረን። ሕጅውን ተመሳሲሉን ዝወሃብ ሂቡን፣ መግለጽን፣ ቃለ መጠይቕ ብምግባርን፣ ነቶም ምስኡ ዝጸንሑን ዝድግፎምን ዝተሓዝ ሒዙ፣ ዝድርበ ኣሕሊፉ ብምሃብ ጌና ስልጣኑ ኣብ ምድልዳልን ኣተግበርትን ዓመጽትን ክምልምልን ክቕጽልን መደብ ከምዘለዎ ተዓዝብና ኢና። ይቕጽል እቲ ጽሑፍ።

“ብርግጽ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዘኮማስዖ፡ እታ ቀንዲ ክጥቀመላ ዝኽእል ሜላ፡ ስስዐ ነጋዶን፡ ብልሽውና ገለ ሰበ ስልጣንን እትብል ኣርእስቲ እያ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ብውሕልነትን ብልቦናን እንተዘይበዲህናዮ ግናይ ኣንፈት ክሕዝ ተኽእሎ ዘለዎ፡ ኢሳያስ ባዕሉ ዘሳወሮ ሓዊ ከምዝኾነ ዝጥርጠር ዘሎ ስራም ጉዳይ፡ “ወገናውነት ገለ ውልቀሰባት!” ንእትብል ሽርሒ፤ ከም ሓዳስ መጣልዒት ክጥቀመላ ገፊሕ ዕድል ዝህቦ ኣጋጣሚ ከም ዝኾነን፡ ብሰላሕ መላሕ ድሮ ጀማሚርዎ ከም ዘሎን ኣቐድምና እንዳሓበርና፣ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ “ሓደራ ኣይትገራህ! ኩልና፡ ብግፍዒ ኢሳያስ ንሳቐ ዘለና ኣሕዋት ኢና፣ ብዘይካ ግናይ ኣመል ኢሳያስ፡ የብልናን ጓና! ብዘይካ ኢሳያስ ካልእ ጸላኢ የብልካን! ጀነራላትን ኮረኔላትን ኤርትራ፡ ዝገበሩ እንተገበሩ፡ ምስ ናይ ኢሳያስ ዝዳረግ ኣበሳ የብሎምን፣ ጠንቁ ድማ፡ ንሱ ባዕሉ እዩ! ንሱ እዩ ሃንዳሲ፣ ንሱ እዩ መሃዚ! ገፋዒኻ፡ ኣስተምህሮ ኢሳያስ እዩ! ብዘይካ ንሱ ዘዋፈሮም ዕሱባት መጋበርያ፡ ካልእ ከታሪ የብልካን! ብዘይካ’ዛ ጀጅፍጁፋቶምን ሓሓተላኦምን ኣኻኺባ መንግስቲ ክትከውን ፈቲና ብጊሓቱ ዝፈሸለት ዕሱብ መንደልሓቕቲ፡ ካልእ ጸላኢ የብልካን! ብዘይካዛ ኣብ ግራት ስርናይ ክርዳድ፡ ኣብ ጽጹይ ዝነበረ መንገዲ ኳዂቶ ዝዘርአት ግናይ ስርዓት ህግደፍ፡ ካልእ ሓሳድ የብልካን! ስለዚ፡ ሓደራ ኣይትገራህ! ኣቐዲምካ ጉራሕ!’ ብምባል እንዳተማሕጸና፣ ሙሉእ ትሕዝቶ ጽሑፍና፡ ብቆጻጽራ ሰዓት ኤርትራ፡ ንግሆ ሰኑይ፡ ጥቅምቲ 29፡ 2007፣ ብቆጻጽራ ኣመሪካ ድማ፡ ሰንበት ምሸት፡ ጥቅምቲ 28፡ 2007፡ ክትከታተሉ ንዕድም።” ይብል። 

“ዝገብርሲ ነዲኡ ዘይነግር”

ወይ ጉድ፤ “ብውሕልነትን ብልቦናን እንተዘይበዲህናዮ” ሃየ….መን’ዩ እዚ “ንሕና” ዝበሃል ዝነበረ? “ክትበልዓ ዝደላካ ኣባ ጉንባሕሲ ዛግራ” ትብላ ከምዝበሃል እቲ ጽሑፍ ናብ ምንም ዓይነት ስልጣን ይኹን ንጥፈት ብዛዕባ ዝግበርን ዝውሰንን ዘይብሉ ሕዝቢ ኤርትራ ኢዩ ተላኢኹ። ሕዝብስ ኣብሊዑ ኣስትዩ ደቁ ሂቡ ምሁራትን ጽጉባትን ጽሙእቱን ኣወፍዩ እንታይ ረኺቡ? ኣብ ርእሲኡ ሸይ ሸይ ተባሂሉን፣ ካልኣይን ሳልሳይን ትውልዲ ንሳዋን መዓስከርን ኣገልግሎትን ተወሲዶም ልሙድ ናብራን ህይወትን ከይረኸቡ ተሪፎም። ብጥቅምቲ 2007? ሕዝብሲ ኣይፈልጥን እዩ ድዩ? መልእኽተኛታትከ “ዝገብርሲ ነዲኡ ዘይነግር” ክምዝበሃል ዝገብሩ እንተዝኾኑ እዚ ኹሉ ዘረባ እንታይ መድለየ?

ኢሳያስ እውን እኮ ብዙሕ ግዜ ኣጆኹም ኢሉ እዩ።

ብናይ ሳምሶንን ፍቕረን ጉዳይን ተኹስን ሞትን ኣሳቢብካ ካብ 20 ገጽ ንላዕሊ ጽሑፍ ምዝርጋሕ እንታይ ንምባል እዩ ነይሩ? እቲ ወረ ከም ወረ ምኣኸለ። ወይስ ሕዝቢ ኤርትራ ያኢ ዓቕሚ ሃልይዎ እዩ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ነንሕድሕዶም ተባኢሶም ኢሉ ኣብ ጽርግያ ክወጽእ? ሬሳ ይቕበር፣ ቀብሪ እዩ። ሕሙም ይብጻሕ፣ ተጎዲኡ። ገበነኛ እውን ሰብ ስለዝኾነ መሰል ኣለዎ ከም ሰብ መጠን። ኣብ ጽርግያ ኣስመራ ዝተራእየን ብምስጢር ዝሃለቐን ቤት ማእሰርቲ ስለዝጸበበን ጥራሕ ዝተረሸኑ ናይ ዓዲ ኣቤቶኸ?

እቲ ጽሑፍ ብ”ኣጆኹምን ….ኣለና ኣብ ጉድንኹም”…ወዘተ. ብምባል ቀዳማይ ክፋል ይዓጹ። ኢሳያስ እውን እኮ ብዙሕ ግዜ ኣጆኹም ኢሉ እዩ።

ይገርመናሎ!!! ጥራሕ ኢልካ ክሕለፍ ምተኽኣለ። እቲ ጽሑፍ ዝርዝር ናይቲ ተረኽቦ ብ15 ገጽ ይገልጽ። ነቲ ሕዝቢ ዝምልከት ግን ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል “ብምትሕባባር ኣብ ኣስመራን ኣብ ወጻእን ዘለዉ ደለይቲ ሰናይ ህዝቢ ኤርትራን ተደጋገፍቲ ኣዝማሪኖን ኣብ ምድላው ዝርከብ እዋናዊ ጽሑፍ፡ “ሰብ ዝጨነቖ ንፋስ ይብርቁቖ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ካብ ጽባሕ ሰንበት ጥቅምቲ 28፡ 2007 ኣትሒዙ፡ ኣብ ኣዝማሪኖ ክቓላሕ እዩ” ብማለት “ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡” ብምባል ይጅምር።

እዚ ጽሑፍ እዚ እንደገና ብክፋሉ ዝወጸሉ ምኽንያት ከም መዘከርታ ብዛዕባ ናብ “ሕዝቢ” እናተባህለ ዝወጽእ ጽሑፋት ኣብነት ናይዚ ዝሓለፈ ዓመታት ስለ ዝኾነ እዩ። ብሕዝቢ ዘይተመረጸ ኣካል “ንሕና” እትብል ቃል ኣይትምልከቶን እያ። "ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና" ግን ንበይና ጭርሖ 2010 እያ።


*ንሰብ ዝጨነቖ፡ ንፋስ ይብርቁቖ። ስርዓት ህግደፍ፡ ካበይ? ናበይ? ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል ብጥቅምቲ 25፡ 2007 ዝወጸ ጽሑፍን ናይ ረዲዮ መደብን”


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...