ናብ ኸበርካ ሓውና ምናሴ ዮሴፍ:
 
ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ አብ ክልተ ተከፋፊሉሉ አብ ዘሎ እዋን፣ ጸግዒ ናይ ደግፍቲ ስርዓት ኢሰያስ ወሲድካ ትርከብ። አብቲ ብደግፍቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ዝፍኖ ናይ ረድዮ መደብ ምስ ሓደ ብጻይካ ”ብስጋ ሓውኻ” ቀሪብካ፣ ሓቂ ክትደፍንን ነውራምን ሕማቕን ተግባራ ናይ ደገፍቲ ኢሰያስ  ክትሸፋፍንን፣ ብጋዜጣታት ሽወደን ንዘይተባህለን ንዘይተጻሕፈን ከምዝተባህለን ከምዝተጻሕፈን አምሲልካ መልስን ትንታኔን  ክትህብ ምፍታንካ፤ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘሕዘነን ዘቆጠዔን እዩ። እዚ ስለዝኾነ ነቲ ዝበልካዮ ሓደ ብሓደ  ብፍላይ ነቶም ክትዛረብ ከለኻ ዘይሰምዑኻን ክሰምዑኻ ዕድል ንዘይረኸቡን ከነብርሃሎም ክንፍትን ኢና::

ብቐዳምነት ግና እዛ አብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት  ”ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ አብ ክልተ ተከፋፊሉሉ አብ ዘሎ እዋን” ትብል ሓረግ ከነብርሃ ንደሊ።  እወ። ሎሚ እቲ ሓደ ወገን አብ ኤርትራ ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት እንተተኺሉ፣ ብሰንኪ ዝጸንሖን ዝገበሮን ገበናት ብሕጊ ከይሕተት  ሰጊኡ፣ ናይ ስድርኡ፣ ናይ  የሕዋቱ፣  ናይ ብጾቱ ጸገማት ይኹን ማእሰርቲ  ከይገደሶ፣ ንናጽነት ኤሪትራ ተባሂሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከይዓጠጦ፣ ውልቃዊ ጥቅምታቱ ጥራሕ አቐዲሙን፣ ቀሲኑ ክነብርን ምእንቲ ኢሰያስ አፈወርቂ ደው ይበለለይ ይብል። እቲ ሓደ ወገን ድማ  ሕድሪ ሰማእታት አለኒ እንዳበለ ሃገረይ፣ ህዝበይ፣ ወገነይ ዝብልን፣ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ካብ ምድሪ ኤርትራ ሓግሒጉ ንምጉሓፍ ዝቃለስ ተባዕን ሐቀኛ ኤሪትራዊ እዩ።

ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ክምለስ!
1.
ጋዜጣ GT አብ ሕታሙ፣ አብ የተቦሪ ዝርከብ  ናይ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት፣ ካብ  መንግስቲ 343 ሽሕ ሓገዝ ከምዝረኸበን እቲ ማሕበር ድማ ናይ ራድዮ ፕሮግራም ከምዘለዎን፣ ደገፍቲ መንግስቲ በቲ ረድዮ  አቢሎም ንተቃወምቲ ዲክታቶር ኢሳያስ  ንምፍርራሕ ይጥቀምሉ ከምዘለዉ  ከምዘቃልዔ  ኩሉ ዝምስክሮ እዩ::  ምናሴ፣ እቲ ጋዜጣ ከምዚ ኢሉ ከብቕዕ እቲ ጋዜጣ ዘይበሎን አብ ሕታሙ ዘየስፈሮን ዘይጸሓፎን ኣርእስቲ  ቅይር አቢልካ  መንግስቲ ንራድዮ ኢሉ 343 ሽሕ አይሃበናን::  ንሰማዕቲ ከተታልልን ጋዜጣታት ሽወደን  ሓስወትን ንዝተባህለ ከየጻረዩ ዝሓትሙ ዝዓይንነቱን ኣንጻር ኤሪትራውያን መርገጺ ዘለዎም እዮም ብምባል  ናይ ምድንጋር ቃል ክትህብ  ፈቲንካ።
 
ንምንጻር ዝአኽል እቲ ጋዜጣ በለ እቲ ረድዮ ናይ ማሕበረሰብ ምዃኑን እቲ ማሕበር ድማ ካብ መንግስቲ ሓገዛት ከምዝረክብ  እዩ። ስለዚ እቲ ጌጋ አባኻ እዩ ዘሎ።

2.
ብዛዕባ አብቲ ራድዮ ዝተሰደዱ ጉዕዙይ ጸርፍታት ኪሒድካ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓሶት ከምዝኾኑን ሰባት ኮነ ኢሎም ናይ ቃላት ጉጉይ ትርጉም ከምዝሃብዎም ሓቢርካ። ምናሴ ዘገርም እዩ። አብ የቶቦሪ ልዕሊ 4000 ሽሕ ኤርትራዊ ኣሎ። ዝበዝሕ ድማ ነቲ  አብ ረድዮ አብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተባህሉ ነውራም ጸርፍታት ብፍላይ ብአለም ዘሞን አሮን ጳውሎስን ዝበልዎ ኩሉ ተኸታቲልዎን ዓገብ ዝበሎን እዩ።

ስለዚ ምናሴ ዮሴፍ ስለምንታይ ኢኻ  ኣብ ከምዚ ረሳሕ ስራሕን ናይ ሓሶት ምስኽርነት ክትህብ ዝደለኻ? ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ ዘይኮነ ብተደጋጋሚ ” ከዳዓት ” ”ሃሱሳት” ”ሽዩጣት ” ”ናይ ዘመና አንድነት”  ”ሸየጥቲ ሃገር” ”ታሪኽ ናይ አቦታቶም ዝደግሙ ” እንዳበሉ  አብ ራድዮ ዓንገረር ክብሉ አይሰማዕካን ዲኻ? ዋላስ እዚ ጸርፊ ኮይኑ አይተሰማዓካን?
 
እቲ ዝኸፍኤ ድማ ኣብቲ ኣንጻር ዲክታቶር ኢሰያስ  ሰላማዊ ሰልፊ አብ ዝግበረሉ ሰዓት{ ንመንእሰያት{ ምስ ወለድኹም መጺእኩም{  ካመራ ሒዝኹም ነዞም ከዳዓት ሰኣልዎምን{ ንህዝቢ የተቦሪ  ናብቲ  ሰላማዊ ሰልፊ  ንክመጽእን ብተዘዋዋሪ ስጉምቲ ንኽውስዱ  መጸዋዕታታት አይገብሩን ድዮም? ካብኡ ተበጊሶም’ዶ አይኮኑን  “መልሓሶም ክንቆርጾም ኢና”;  “ባዴላ ተሸኺሞም ደድሕሪ ወያኔ መቃብር ኤሪትራውያን ሰማእታት ዝፍሕሩ ዝነብሩ” ዝበሉ::

3.
 
እዚ ራድዮ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ኣይኮነን። ብዛዕባ ጽርግያ ሕክምና ምዕባለ  እንተቕረበ ፕሮፐጋንዳ አይኮነንን ኢልካ።  ኣዝዩ እዩ ዘገርም። እስከ ንድሕሪት ክመልሰካ? አብ ግዜ ወራር፤ አለም ዘሞ እንታይ  ኢሉ ክጭድር ይውዕል ኔሩ? አብታ ራድዮ ብዛዕባ ጉጅለ 13 ይኹን ጉጅለ 15 እንታይ ከምዝተባህለ ረሲዕካ ዲኻ? እስከ ሓቂ ተዛረብ ምናሴ።

ሓንቲ መዓልቲ አብታ ረድዮ ንስርዓት ዲክታቶር ኢሳያስ ዝነቅፍ ጽሑፍ ሰሚዕካ ትፈልጥ ዲኻ?  ንህዝቢ ኣብታ ራድዮ ብዛዕባ መርበብ አስማሪኖ እንታይ ከምዝተባህለ አይትዝክርን ዲኻ?  ኢንተርነት አይትኽፈቱ፣  ኢንተርነት ከም እንዳ ጉሓፍ ፊስቶ እዩ ዝብል ቃል ኣብታ ረድዮ ብዘይሕፍረት ክፍኖ ሰሚዕካ አይትፈልጥን ዲኻ?  እዚ ድሓን ይጽንሓልና።

ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ፣ ናይታ ረድዮ አሰናዳኢ አለም ዘሞ፣ ብዛዕባ እዛ ራድዮ አብ  ቲቪ  8  ቀሪቡ  ግልጺ ንሕና ምስ መንግስትና ኢና ኢሉ  ዕላምኡ አየነጸረን  ድዩ?  መንግስቲ ኢሳያስ ዲሞክራሲያዊ እዩ ኢሉ  ከይሓፈረ ክጣበቕ አይፈተንን ድዩ? ስለምንታይ ኢኻ ወይ ናበይ ክትበጽሕ ወይ ንመን ንምኽልኻል ኢኻ ምናሴ ዮሴፍ እዚ ራድዮ ካብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ነጻ እዩ ኽትብል ዝበቕዕካ?  አይትስከፍን ዲኻ አብ ቅድሚ ህዝቢ የተቦሪ ከምዚ ክትብል???

አየናይ መዓልቲ እዩ በዛ ረድዮ፣ ነጻ ዝኾነ ጽሑፍ ናብ ህዝቢ ዘቕረበ?  አየናይ መዓልቲ እዩ  ካብ ናይ  ህ.ግ.ደ.ፍ. ፍልይ ዝበለ አረኣእያ ዘለዎ ሰብ አብታ ረድዮ ቀሪቡ ንህዝቢ ብነጽ ርእይትኡ ክህብ ዝተፈቕዶ?  ብዙሕ ግዜ ንዓሊ ዓብዱ ይኹን የማነ ገብረአብ ቃለ ምልልስ  አብ ዝገብርሉ ብዛዕባ መሰል ዳዊት ሓቲቶም ይፈልጡ ድዮም?   ስለምንታይ ዳዊት ንኽልተ መዓልቲ ነጻ አብ ዝነበረሉ እዋን ዓበድበድ ዝበሉን ስጋዕ አስመራ ብምድዋል ሓቂ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝሓተቱን ዘጻረዩን? ተስፋ ይገብር ሕልናካ ክትሓትት ምናሴ።
 
 4.
ብዛዕባ ዳዊት ኢሳቕ ድማ ብወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ  ብተደጋጋሚ መልሲ ተዋሂቡና እዩ ሕጂ ዘደጋግም የብልናን ኢልካ። ሓቕኻ ንስኻ ደቕኻ ሓቂፍካዮም ትሓደር አለኻ። ደቂ ዳዊት ኢስሓቕ ግና አቦ ሲኢኖም ድሃይ ዘይብሎም ንልዕሊ 8 ዓመት ብዘይ አቦ አለዉ።  ምናሴ  ካባኻ ካብ ኤርትራዊ  ከምዚ ዓይነት ቃል  ክትሰምዕ ኣዝዩ ዘሕንኽ እዩ::  ምናሴ  ኣእምሮ እንዳሃለወካ ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ ንልዕሊ 8 ዓመት አብ ጸላም ክዕበጥን ክሳቀ እንዳረአኻ አብ ክንዲ ዓገብ ምባል መልሲ ተዋሂቡና እዩ ኢልካ ክትዘሎን ንጌጋ  ከም ንቡር ክትወስዶ  ግርማ የብሉን። 
 
መልሲ ተዋሂቡና ኢልካ። ካብ ኩሎም ዝተዋሃበካ መልሲ ኩሉ በበይኑ ምዃኑ እንዳፈለጥካ ስለምንታይ ኩሉኹም በበይኑ መልሲ ትህቡ ኢልካ ክትሓትት ዘይምኸኣልካን  ነቲ ዝወሃበካ መልሲ ናይ ሕቶ ምልክት ዘይምንባርካ ዘገርም እዩ።

5.
ኣብ ናይ ካልአይ መዓልቲ መደብ ራድዮ ድማ፣ ሓደ ሰብ ምስ ሰበይቱን ምስ ክልተ ደቁን ተመዝጊቡ ስጋዕ 80 ሽሕ ረድኤት ዝተዋህበ አሎ ኢልካ ንስኻ ምስ ካላአይካ። እቲ ሰብ ድማ መጺኡ አብዚ ረድዮ ይዛረብ ኢልካ?   ሓሶት!!!!!!!

ኮነ ኢልካ አብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ሓሶት ጸለመ ንምንዛሕ ምዃኑ ሩዱእ እኳ እንተኾነ ስለምንታይ ናብ ከምዚ ዓይነት ክትአቱ ከምዝደለኻ ግና ብሩህ አይኮነንን። እቲ ሓቂ ግና
አብ ሃገር ሽወደን ብደርጃ ማሕበር ተጠርኒፍካ፣ 4  አባላታ ሒዝካ፣ ስጋዕ ክንድ’ዚ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ክትወሃብ አይኮነንን ከም ማሕበር ክትቀውም ከማን ዝፍቀድ አይኮነንን። ስለዚ እዚ ዝበልካዮ ኮነ ኢልካ  ባዕልካ ዝፈጠርካዮ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እዩ። ዝፍቀድ እንተዝከውን መንግስቲ ኢሰያስ ንኩሉኹም አባላት  ህ.ግ.ደ.ፍ. ብደረጃ ስድራ ክትምዝገቡን ሰልዲ ከተምጽኡን አይምኣዘዝኩምንዶ?

6.
አነ ሳትላይት የብለይን፣ እዛ ራድዮ  ግና፣ ድሃይ አደይ ድሃይ  ጽርግያታት ሓጽብታት ከመይ ይስራሕ ከምዘሎ  ተምጻአለይ ኢልካ:: ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ’ኸ ስለምንታይ  እዛ ራድዮ ዘየቃለሔት ኢልካ ዘይሓተትካን ከምቲ ንስኻ ድሃይ ናይ አዴካ ትረኽብ፣ ደቂ ዳዊትከ ድሃይ አብኦም ንክረኽቡ  ንስኻ ዘይሓተትኻን ነታ ረድዮ ድማ አቃልሒ ዘይበልካያን?

ይቅጽል!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...