ብእገዳ፤ ኢትዮጵያ፣ መመኽነይታ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን……

ካብ ናይ ሞጎስ ተኸስተ ጹሑፍ ዝተወሰደን ብኣዝማሪኖ ስታፍ ዝተተርጎመን።
 
እዚ ጽሑፍ እዚ ቀጻሊ ናይቲ ብ22 ጥሪ 2009 ዝወጸ ኤርትራ ኣብ ናይ እገዳ መሓውር ትኣቱ ዝበል ጽሑፍ እዩ። ከምዝዝከር ብታሕሳስ 23፣ 2009 ቤት ምኽሪ ሕ.መ. “ኣብ ሶማል ብእትጻወቶ ተራ”ን ብድሕሪ ናይ ጁቡቲ ጉዳይ ወተሃደራታ ካብ ዶብ ስለዘይሰሓበት”ን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ወሲኑ። ኣብ ክንዲ ብጌጋኦም ምጥዓስን ኣሰራሕኦም ምዕራይን፣ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ሰዓብቶምን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘይውዳእ “መኸተ” ብምክያድ፣ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዓዘቕቲ የእትዉን፤ ነዚ ንምግባር ድማ ጥልቀት ሓበሬታ ዝንቕንቖ ቃላትን ክትዕን ክጥቀሙ ይረኣዩ ኣለዉ። ኣብዚ ስርሖም ድዩ ዘይተራቐቐ? ወይስ ካልእ ጸወታ ኣሎ?   እዚ ዝገብርዎ ዘለዉ፣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ ዘለዎም ዘይዓግብ ሽውሃት ንምርዋይ ኣብ ወጻኢ ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ “ሃገራውነት” ስምዒት ብምምዝማዝ ክኸውን ይኽእል እዩ።  ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ወተሃደራዊ ሚዛን ዝምልከት፤ገለ ሰባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቑጠባ መወዳድርቲ ዝገብሩ ኣለዉ። ድዩኸ?

ነዚ ናይ ወተሃደራዊ ሚዛን ንምርዳእ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቑጠባውን ናይ ሰብ ዓቕምን ክትንተን ኣለዎ።

 

ቁ.1 - ናይ ጂዲፒን ቁጽሪ ሕዝብን

ሃገር               ጂዲፒ            ጂዲፒ ምስ ዓለም   ቁጽሪ ሕዝቢ         ቁ. ሕዝቢ ምስ ዓለም
ኤርትራ         $3.83 ቢልዮን       160               5,647,168                108
ኢትዮጵያ       $55.27 ቢልዮን       82              85,237,338               14
ኣሜሪካ        $13,820 ቢልዮን        1              307,212,123               3
ካናዳ          $1,263 ቢልዮን          13              33,487,208               37

 ምንጪ፥ Source: GDP and Others

ኤርትራ ነዚ ተጠቒሱ ዘሎ ርኡይ ኣሃዝ ብተዛማዲ ብተክኖሎጂ እውን ክትመልሶ ኣይትኽእልን እያ። ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ተክሎኖጂ ምናልባት ማዕረን ብሓቂ ግን (ኣነ ብዝግምቶ) ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ርግኣትን ናይ ቤት ትምህርትን ስርዓት ብኣገባብ ዝካየደሉ ሃገር ስለዝኾነ ካብ ኤርትራ ከይበለጸ ኣይተርፍን። ስለዚ ብምንም ዓይነት ኩነት ነቲ እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትጻወቶ ተራ፣ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትጻወት ኣይትኽእልን እያ።

ርሑቕን ጥልቕን ከይተባህለ፣ በዚ ሓጺርን ብቀሊል ክርአ ዝኽእል ኣገባብ ሓደ ግዙፍ ዝኾነ ናይ ወተሃደራዊ ናይ ሚዛን ፍልልይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሎ። ብተዛማዲ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ስለዝኾነት ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ካብ ኤርትራ ትበልጽ። ስለዚ ብምኽንያት ናይዚ እገዳ ዝመጽእ፣ ናይ ኣጽዋር ምዕጋት ነዚ ብዝተሓተ እዩ ዝጸልዎ። እገዳ ምኽንያት ብምግባር ጥራሕ፣ ንኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ክገብራ እዩ ዝብሉ ሰባት ብደዎም እዮም ዝሓልሙ ዘለዉ። ኢትዮጵያ ብተዛማዲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ደርማስ እያ።(1,104,300 km2 -- Ethiopia (country ranked 26th by area) እቲ ዘሕዝን ኣብ መንጎና ጌና ናይ ኲናት ስሚዒት ዘለዎም ስባት ምህላዎም እዩ። ብመሰረቱ ድማ ህ.ግ.ደ.ፍ. በዚ ሕማም እዚ ዝተጠቕዐ ኣካል እዩ። 

ነዚ ዝያዳ ንምብራህ፤ ሓደ ኣብነት ንውሰድ። ኣብ መንጎ ካናዳን ኣሜሪካን ኣዝዩ ልዑል ናይ ወተሃደራዊ ፍልልይ ኣሎ። ካናዳ ነዚ ዋላ ሓንቲ ክትገብሮ ኣይትኽልን እያ። ምኽንያቱ ብተዛማዲ ብቁጠባን ብቁጽሪ ሕዝብን ዝነኣሰት ስለዝኾነት። ናይ ኣሜሪካ ቁጠባ ክንዲ ኣብ ዓለም ናይ 11 ካናዳታት ቁጠባ ኣዩ። ቁጽሪ ሕዝቢ ኣሜሪካ ድማ ካብ ናይ ካናዳ ብ9 ግዜ ይበልጽ። ስለዚ ካናዳ ምስታ ደርማስ ጎረቤታ ኣሜሪካ ብሰላምን ስምምዕን ምንባር እዩ ዘዋጽኣ። ብሓቂ ኣሜሪካን ካናዳን ዝበለጻ ናይ ንግዲ መሕዙ እየን፤ ከምኡውን ቁጠበአን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ዝተሓዋወሰን ስለዝኾነ ኣብ መንጎአን ኲናት ከቶ ኣይውላዕን እዩ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብዘን ክልተ እዚአን ክመሃርኦ ዝኽእልኦ ነገር ኣሎ።

ነጻ ዕዳጋ ናይ ሃብትን ሰላምን መስርሕ እዩ።

ኤርትራ ምስ ቁጠባውን ጆግራፊኣውን ዓቕማ ዝመጣጠን ብዝሒ ሰራዊት ክህልዋ ኣለዎ። ወተሃደራዊ ሚዘን ክሕሎ ተባሂሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ውድድር ንመንእሰይ ሃገር ኣብ ማእቶታዊን፣ ቁጠባውን ውጺኢት፣ ዘይርከበሉ ዘይውዳእ ባርነት ናይ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እዩ ዘእቱ። እዚ ንቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ንድሕሪት ዝወስድ ስጉምቲ እዩ። ኤርትራ ፍልይ ዝበለ መንገዲ ብምውሳድ ናይ ሰላም ፊታውራሪ ክትከውን ትኽእል ኣያ። ኣብ ታሪኽ፣ ካብ ድኽነት ንምውጻእን፣ ቁጠባዊ ሃብቲ ኣብ ምምዕባልን ምኩር መስርሕ ናይ ነጻ ዕዳጋ መስርሕ እዩ። ኤርትራ ነጻ ንግድን ናይ ርእሰ ማልን ጉልበትን ምንቅስቓስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ክትገብር እዩ ዘለዋ። ኣብ ትሕሪ ህ.ግ.ደ.ፍ. እትርከብ ኤርትራ ዘይኖርማልን ምስ ጎረባብታ (ምስ ኩለን ብዝተፈላለየ እዋንን ምኽንያትን ስለዘይተሰማምዐት) ፍጹም ዘይትንግድን ሃገር ኣያ። ቁጠባ ኤርትራ ካልእ ስም የብሉን። ኣብ ላዕለዋይ ናይ ስልጣን ቦታ ናይ ዝርከብ ኣካል ዝካየድ ኣካል እዩ። ስለዚ ድማ ብድኽነት ዝተጠቕዐት ሃገር ኮይና እትርከብ። ቁጠባአን ዝተተሓሓዘን ዝተጠናነገን ሃገራት ኣይበኣሳን እየን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ መንጎአን ንዘጋጥም ዘይምርድዳእ ብኲናት ኣይፈትሕኦን እየን። እዚ ግን እንተድኣ ብዘይርጉኣትን ፓራኖያ ዝዓሰሎም መራሕቲ ዘይካየዳ እነተኾይነን ጥራሕ እዩ። በዚ ኣገባብ ካብ ኲናትን ምርጻምን ጉዝፍ ወተሃደራዊ ኣካል ካብ ምህላው ክደሓን ይከኣል። 

መጀመርታ ግን መጀመርታ ከምዝበሃል፤ ኩሎም ሰላምን ደሞክራስን ዝኣምኑ ኤርትራውያን እዚ ናይ ሕ.መ. እገዳ መሊሱ ክተርርን ንህ.ግ.ደ.ፍ. ብሱር መሰረቱ ካብ ኤርትራ ንምጥፋእ ክሕግዝን ተስፋ ክገብሩ ኣለዎም።

*****************************************************************************************
ስራሓ ትሰርሓ ኣላ ኢትዮጵያ
ስራሓ ኣይገደፈትን ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሶፍያ
ስራሕኩም ስርሑ ሰብ ዲሞክራስያ 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...