ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር መደባት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.
ኣውስትራልያ  ጥሪ 07 / 2010
 
ህላወን ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ እናንቆልቆለን እናኸፈአን ይኸይድ ከምዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ብሩህ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብሰንኪ’ቲ ብዕሉግ ፖሊሲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከቢድ ጥምየት፡ ራዕዲ፡ ሕጊ ኣልቦ፡ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማእሰርቲ፡ ዝኣመሰሉ ሽግራት ደረት ተሳኢንዎም ኣሎ። ህልቂት መንእሰያት ኣብ ምደረበዳታት ሳሓራን ማእከላይ ባሕርን፡ ቃፍላያት ስደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝተራኣየሉ ዘስካሕክሕ እዋን እዩ ክባሃል ይኽእል። ነዚ ድማ እዩ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብባጫን ኣሽካዕላልን “ፓሳጆ እዮም ከይዶም ዘለዎ ክምለሱ እዮም” ኢሉ ብጥፍእትን ህልቂትን መንእሰያት ከላግጽ ዝወረሐ። እዚ ዘሕዝን ህልቂት’ዚ ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ዝትንክፍ ክንሱ፡ ገለ ብደዎም ዝለመሱ፣ ሰዓብቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢና በሃልቲ መንጠሊና ሕፍረት ተጎልቢቦም ክንሶም ጥፋኣትን ህልቂትን አሕዋቶምን ህዝቦምን ምግላጽ ዘሕፍሮም ጉዳመኛታት ምህላዎምከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
 
ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ምስ ኩነታት ሃገርና ብዝተእሳሰር ኣገዳሲ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባ፣ እቲ ብሕቡራት ሃገራት እብ ልዕሊ’ቲ ሕገ ኣልቦ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንጎረባብትን ከባብን ዝህውኽ ናይ ሽበራ ፖሊሲኡ ዝዓግት፣ ምንቅስቃስ ሰበ ስልጣናቱ ዝድርት፣ ምንቅስቓስ ንብረትን ገንዘብን ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ ዓቀይተቶም ዘደስክል፣ ሸመተን መሸጣ ኣጽዋርን፣ ዝኽልክል ውሳነ ሕቡራት ሃገራት፣ ብወገን ህ.ግ.ደ.ፍ. ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቕነዐ እገዳ እዩ ብምባል ከእምን ከንቱ ፈተነታት የካይድ ብምህላዉ እዩ።

ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ህዝቢ ንዘጋጥሞ ተነጽሎ መኸተምታ ስልጣኑ ምዃኑ ስለዝፈልጥ እዩ ምስ ህላወ ህዝብን ሃገርን ብምትሕሓዝ ኩሉ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሕታቱ ናብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ብምቕናዕ ዎዮ ኣምሰሉ ከማሳስል ዝጽዕር ዘሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ምስቲ ኣብ ሓምሳታት ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝቖረነ ዉሳነ ሕቡራት ሃገራት ከመሳስሎን ንህዝቢ ኤርትራ ርኣዩለይ ስምዑለይ ይብል ኣሎ። ናይ’ዚ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ፍልልይ ዘለዎ ክልተ ብመንቀሊኡ ይኹን ዕላምኡ ዘይራኸብ ውሳኔታት ክትገልጽ ምፍታን፣ ኣብቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ህውታት ኣቲኻ ንሰማዕን ኣንባብን ግዜ ምጥፋእ ስለዝኾነ ተመራጺ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ልዕሊ ኹሉ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፈ ናይ 50ታት ታሪኹን ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዙ ብመራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ጎረባብትናን ከባቢናን ክግበር ዝጸነሐ ዕንደራን ዕብዳንን ኣዳዕዲዑ ስለዝፈልጥ ኣስተምህሮን መደረን ዘድልዮ’ውን ኣይኮነን።
 
ኣብ መደምደምታ ኣብዚ ንመበል 8ይ ዓመት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ማዕረ ማዕረ ጓይሎኦምን ዳንኬረኦምን ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብስንኪ’ቲ አዕናውን ፋሉላው’ን ፖሊስታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ዓለም ተነጺሉ ድራር ዕለት ሰኢኑ ይስቐ ብምህላዉ ሓዘናን ሻቕሎትናን ልዕሊዝኾነ እዋን ሰማይ ዓሪጉ ምህላዉ ክንገልጽ ንፈቱ። ብኣንጻሩ ድማ ኣሰቃቒ ኣመራርሓ ህ.ግ.ደ.ፍ. መዕጸዊ ንኽግበረሉ ኩሉ ዘይመስረታዊ ፍልልያት ተኣልዩ ዝተወሃሃደ ናይ ሓባር ስራሕ ንኽካየድ ምስቶም ሰብ ንያት እጃምና ከነበርክትን ኣብ ምዕራፉ ክነብጽሖን፣ ሰብ ሞራልን፣ ትስፍዋትን፣ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ ከይገለጽና ክንሓልፍ ኣይንደልን።
 
ኣዳላዊት ኮሚቴ ሰላማዊ ሰልፊ ኣውስትራልያ
ኤርትራዊ ዲሞክራያዊ ኪዳን ጨ/ ኣውስትራልያ
 
ጥሪ 07/2010
 
 
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...