አብዚ እንዛዝሞ ዘሎና ዓመት 2009፡ ኩነታት ሃገርና፡ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ክርአ እንከሎ፡ አብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ንኩልና ብሩህ ኮይኑ ጸኒሑ አሎ። ቁጠባ ሃገርና ዓንዩ፡ ህዝብና ንልማኖን ጥምየትን ዓጸቦን ተጋሊጹ፡ ስድራ ቤታት ተበታቲነን፡ ከም ሳዓቤኑ’ውን ማሕበራዊ-ቅልውላው አኽቲሉ አሎ። ስደት፡ ብፍላይ ናይ መንእሰይ ወለዶና ናህሪ ወሲኹ፡ ብዙሓት አብ ምድረ-በዳን ውቅያኖሳትን ጠፊኦም እዮም። ገለ አብ ቤት ማእሰርቲ ሓሪሮም፡ ገለ ከአ፡ አብ ኢድ ባዕዳውያን-ሃገራት ፖለቲካዊ ዐቁባ ዝሐቱ ስደተኛታት ክንሶም፡ ብኢ-ሰብአዊ አተሐሕዛ አብ ቤት ማእሰርትታት ይሳቀዩ አለው። ገለ ከአ፡ ብዙሐት ሃገራት ጢሒሶም፡ ሐያል ወጻኢታት ገይሮም፡ አብ ገለ ሃገራት አውሮጵን አሜሪካን በጺሖም፡ ፖለቲካዊ ዐቁባ ዝረኸቡ’ውን፡ ናይ ናብራ ብድሆታትን፡ ስነ-አእምራዊ ቅልውላውን የጋጥሞም አሎ። እቶም ዝበዝሐ ቁጽሮም ስደተኛታት ኤርትራውያን እውን፡ አብ መዓስከር ስደተኛታት ናይ ጎረባብቲ ሃገራት አብ ሕማቅ መነባብሮ ሂወቶም ብኸንቱ ይባኽንን ይሳቀዩን አለው። 

ኤርትራ ሃገርና እምብኣር፡ ብፍትሕን፡ ብቅዋምን፡ ብግዝአተ-ሕጊን ዘይትመሐደር ሃገር ኮይና አላ። ከም ነጸብራቅ ናይ’ዚ ከአ፡ ርክባት ወጻኢ-ጉዳያት ሃገር ማህሚኑ፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ተነጺላን ተአጊዳን አላ። አብ ዜጋታታ ትፍጽሞ ዘላ ደረት-አልቦ ግህሰት ሰብአዊ-መሰል’ውን፡ ንማሕበረ-ሰብ-ዓለም አስደሚሙ አሎ። ከም መልሰ-ግብሪ ናይዚ አብ ላዓሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኩነታት ሃረርና፡ ዓመት 2009 ብአወንታዊ መዳዩ ክርአ እንከሎ፡ ዋላ’ውን ከምቲ ዝድለ አይኹን፡ አብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ፡ አብ ሃገሩ ለውጢ ንምምጻእ፡ ብመምዘኒ ዝሓለፉ ዓመታት ክርአ ከሎ፡ ቃልሱ ክብ አቢሉ እዩ።

በቲ ሐደ መዳይ፡ ምቋምን ምንቅስቃስን ሲቪካዊ ማሕበራት ንዲሞክራስን ሰብአዊ መሰልን፡ ስርሓት ማዕከናት ዜናን ጋዜጠኛታትን፡ ምንቅስቃስ መንእሰያት፡ ከምኡ’ውን ምንቅስቃስ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ስቃይ ህዝብና ንምቅላሕ ዝሰርሑሉን ዝመጎቱሉን፡ ብሐጺሩ አብዚ ዓመት’ዚ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራት ካብ ዝሐለፉ ዓመታት ክብ ኢሉ እዩ። ካብ ተሞኩሮይ፡ ዳርጋ አብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት አውሮጵን አሜሪካን፡ ጥርኑፍ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንለውጢ ዝሰርሐ ማሕበራት ዘይብላ ከተማ ዳርጋ የላን። እቶም ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ኤርትራውያን፡ አብቲ ጥርኑፍ ምንቅስቃሳት ዘይተጸንበሩ እውን፡ ኩነታት ሃገርና ብነቀፌታዊ ዓይኒ ክገልጹን፡ ንለውጢ ብዓውታ ክጠልቡን ዝጀመርሉ ዓመት እዩ።

በቲ ካልእ መዳይ እውን፡ አብ ደምበ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዝረኤ ዘሎ፡ እዚ አብ ሐድሽ ዓመት ክፍጸም ዝስርሓሉ ዘሎ ምጽንባር አርባዐተ ውድባት፡ ካብ ጸቢብን ቅርሕንታዊ ራኢ፡ ውድበይ-ውድንካን፡ ጀብሃ-ሻዓብያን መድርኽ ወጺአን፡ አብ ተምሳል አይዲዮሎጂን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን አሚነን፡ አብ መትክላዊ ሐድነት ምምጽአን ቀሊል ለውጢ አይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ክምነዮ ዝጸንሐ ሐድነት ውድባት ስለ ዝኾነ ከአ፡ ብመትክላዊ ራኢን ብደሞክራስያዊ ዓላማታትን አሚነን እንተድአ ሰሪሔናሉ፡መቀይሮ ማአዝን ፖለቲካዊ ሂወት ሃገርና ክኽውን ይኸእል እዩ። እተን ዝተረፋ ፖለቲካዊ ውድባትና እውን፡ ናይዘን ዝውህዳ ዘለዋ አርባዓተ ውድባት አሰር ተኸቲለን፡ በብተምሳል ፖለቲካዊ ራኢኤንን ፕሮግራማታተንን ተጠራኒፈን ክሰርሓን፡ አብዚ ሐድሽ እንአትዎ ዘሎና ዓመት 2010፡ ንህዝቢ መጻኢ ፖለቲካዊ ምሕዳራ ሃገርና መትክላተንን መደባት- ስርሐንን ክገልጻን ሐያል ጎስጋስ ከካይዳን፡መተካእታ ክኮና ብቃዓተን ከረጋግጻን ትምኒተይ እዩ። 

አብዚ መድርኽ’ዚ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ አብ ሐደ ተአፋፊ፡ ታሪኻዊ ቃራና መገዲ መአዝን መቀይሮ ንደሞክራሲን ሰብአዊ መሰልን ስለ ዝርከብ፡ ኩላትና ደሞድራስያውያን ምንቅስቃሳት ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ማዓከናት ዜናታታን ጋዜጠኛታት፡ ምንቅስቃሳት መንእሰይ፡ ከማኡውን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ነባሪ ትካላዊ አሰራርሐ ከነማዓብል፡ ግሉጽነት፡ ተጻዋርነትን፡ ተሓታትነት ከነሕይል ይግባእ። ሰብአውን ንዋታውን ዓቅምና ድሩት ምኻኑ አሚና፡ ሃገራዊ ሐድነትና አሐይልና፡ ብፍላይ አብዚ ዘየላቡ እዋን፡ ቀዳምነት ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ሂብና ክንሰርሕ እንዳተላቦኹ፡ 2010 ዓመት ዓወት ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትኾነልና ትምኒተይ ይገልጽ። 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
                                                      
                             
 
 
 
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...