ሶፊያ! ማይን ሓመድን መታርፍቲ ኢየን። ናይ ኢሰያስ ጠበቓ ኣብ ኣመሪካ ሶፊያ፣ ኣብ ጀርመን ማንሃይም ድማ ዕውለማ።

ሶፍያ ተስፋማርያም
ብዛዕባ ጉጅለ 15፣ ተቓወምቲ ብጉዳዮም ፈልዮም ገና ከም ሕቶ ኣየዓልውምን። ህዝብን ብጾቶምን ኢዮም ከብዶም ተሓሚሶም ብዝለዓለ ድማ ጉዳይ ሃግሮም ስለ ዝኾነ ዝሓሙን ብተደጋጋሚ ዘልዕልዎምን ዘለዉ። ንዓኺ ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኹን ዝምልከተኪ ነገር የለን። ከም ኤርትራዊት ኣይምልከተክን ኣይኮነን ዝብለ ዘለኹ። እቲ ዝተፈጸመ ካብ ሓደ ኣፍ ኣብ ከወታ ብለይቲ ሕሹኽ ተባሂሉኪ ይኸውን። እቲ ሕሹኽ በሃላይ እውን ከውታ ኢዩ ዝፈቱ። ኣጸልሚቱ ይሑገስ፣ ስምዒቱ የርዊ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ተሓቢኡን ኣጸልሚቱ የዕኑ። ንስኺ እውን ብስዉር ብሕትዊ መሰልኪ ኢዩ ከተሰንይዮ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ግን ብፍላይ ኣብዚ ትዛረብሉ ዘለኺ መግለጺ ከም ኣዕጽምቲ ምውታት ዝሓቖፈት ጋህሲ ብዙሕ ዝተቐብረ ምስጢር ቀርቂራ ትርከበሉ ብዘይ ግቡእ ክትኩዕቲ ኣይመድለየክን። ትጭልፍዮ መጨልፊ ኢደ-በይዛ ስለ ዘይብልኪ በታ ኣዝያ ንእሽተይ ኣጻብዕትኪ ሕንጥል-ሕንጢሊተይ ዘተንክፍ ፍልጠት የብልክን። እንታይ ፈውሲ ዓበቕ? ኣይትቕረብ ኣይትቕረብ። ከም ዝመስለኒ ኣብ ኢትዮጵያን ወጻኢን ስለ ዝዓበኺ፣ ብመጠኑ እነ እውን ከምኡ፣ ሓንቲ ምስላ ኣምሓርኛ ክምጥወኪ እፈቱ። ኣምሓሩ ክምስሉ ከለዉ ከምዚ ይብሉ። ,,ኣላዋቂ ሳሚ ንፍጥ ይለቀልቃል።“
እስከ ገለ ካብ መግለጺኺ በብቑሩብ ክደግመልኪ። ምስኡ ድማ ገለ መብርሂ ክህበኪ ድማ እመርጽ። እዞም ጉጅለ 15 ምስ ህዝቦምን ምስ መጋድልቶምን ኣለዉ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ። ግን ምስ ስድርኦምን ምስ ደቆምን ግን ኣይበልክን። እቲ መባእታዊ መሰል ሰብ (First and Cardinal Principle of the Human Right) ድማ ይተኣሰሩ እንበር- ስድርኦም፣ ሰብ ቃል-ኪዳኖም፡ ደቆም ክበጽሕዎምን ክሪእዎምን መሰል ኣለዎም ይብል። ሕጂ እውን ብኣምሓርኛ ክምልሰኪ። ከባለ ቤቱ በላይ ያወቀ ሰው ቡዳ ነው፣ ይብሉ። ስድርኦም ዘይፈለጥዎ ንስኺ ትፈልጥዮ እንታይ ነገር ኣሎ?
ኢሰያስ ኣብ 2007 ክምድር ከሎ፣ ከዳሚ ክህሉ ኣለዎ! ወኪል ነቲ ስትራተጂ ዘገልግል ምባሉ እዝከር። ኣቀዲሙ ብዛዕባኺ ዝገለጾዶ ኣይመስለክን። ወሓጥዮ ተበክዋስ ትጎስሞ!! ዘገርም ትንቢት። ቅድሚ ሎሚ ዝበልክዮ ረሲዕኪ ኣለኺ። ክቅንጸሉ ኣለዎም ክትብሊ ከም ዘይነበርኪ፣ ግልብጥ ኢልኪ They are not ordinary criminals (ተራ ገበነኛታት ኣይኮኑን) ክትብሊ ገሊጽኪ። ናይ ኢሰያስ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ዘለኪ ኣይመስለንን። እንተ ትፈልጥዮ ኣይምሓነጅክን። ከምቲ ቢቲ ቢቶ ዝበሎ ,,ዘበን ተሓናጂኹ ኣረበሽቶ ኣለና“ ከይኾነኪ ጥንቅቕ በሊ። ወይስ እቲ ዕሉም ሃዳናይ ምሳኺ ኩሉ ክጻወር ጀሚሩ ኣሎ? ብትግርኛ ኣይፈልክን ብትግረ ድማ ኢፋልኪ በሃላይ ኢየ። ጀጋኑ ንሃገሮም ምስ ንእስነቶም ብዙሕ ዘገልገሉ ኢዮም ትብል መግለጽትኪ ተጠንቀቕላ። ገለ ስኽፍክፍ ዝበለ ነገር ኣሎ ይመለኒ። ምስ መን ኢኺ ክትዕረቒ ትደልይ ዘለኪ? መተዓረቒት ኮይና ትግለጽ ዘላ ኢያዶ ክብል!!! እመትስ ስድሪ ኣላታ!! በዛ ጀሚርክያ ዘለኺ ላህጃ ንኣስመራ ትበሪ ኣይትመስልንን። ንለባም ኢኻ ትቕየሞ እሞ ዝቕየመኪ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ካብ ዓሻ ፈታውስ ለባም ጸላኢ ይሓይሽ ዝብል ኣገላልጻ ወለድኺ ከዘኻኽረኪ እፈቱ። በቲ እንዳ ኣያ መዓሾ ድማ ኣብ ግብጅኡ እንድሕሪ ውዒልካ ብዙሕ እንዲዩ ዝሰማዕ፣ ገለ ሰባት ዝገለጽዎ ሰሚዕክስ ወስ ትብሊ ኣለኺ። ዝሓገዝክዮ መሲሉኪ ከምቶም ዝተገርሁ ከይኣግርሂ። ትኽስ ዱሙስ መዘንግዕ ኣንጭዋ ትበሃል ምልክት ቆብ ኣቢልኪ ኣብታ ዘለኺያ ቦታ ክትኣርጊ ፈትኒ። እቲ ሰለምለም ዝብል ሓኽሊ ዱሙ ኣያኺ መዘንግዕ ገና ኣይፈለጥክዮን። ክንድይ መጥፊኢኦም ተበሪህዎም ዘይጠፍኡ። ክሳብ ሎሚ ግን ደሓን ኣለኺ። ,,ንእስነት ዕዳ እንድያ“ ሎሚ ኣብቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዕድመ ትገማገሚ ስለ ዘለኺ፣ እታ ኣይትቕረብ ኣይትቀራረብ ትብል ማዕዳ ደኣ ቀጥ ኣቢልኪ ሓዝያ። ዕድል ዝገበረ ድማ ኣብ ዓራቱ ኢዩ ዝዓርፍ። ንስኺ ድማ ኣብዘይ ዓራትኪ ከይትዓርፊ ዝምዕዱ ክትረኽቢ ፈትኒ። ገለ ወራሲ ድማ ይሃብኪ።
ነዚ ኣብ ስልጣን ኩጢጥ ኢሉ ዘሎ ሚዛኑ ሃብና እንተ ዝብሉኺ? እንታይ ምሃብኪ? ነዊሕ ቁመቱ። ካብ 85 ክስብ 95 ክብደቱ፣ ሓለንጋይ፣ ጽቡቕ፣ ዓረብ እንግሊዝን ዝመልኽ ዶ ምበልኪ። እዚ ሚዛን ትንታነ ናይ ስልጣን መዐየሪ ኣይኮነን። ከማኺ ዕድል ዘይረኸባ ኣብ ጥቑኡ ከይቀረባ ምኽኽ ዝብላ ኣይተሳእናን። ከምቲ ናትኪ መግለጺ ገይረን እውን ምገለጽኦ። ግን እዝስ መለክዒ ስልጣን ግን ኣይኮነን። መንግስቲ ኣብ 3 ትምቀል ክበሃል ሰሚኪዶ ትፈልጢ? ወይ 3 ኣካላት ኣለዋ ክብሉ ሕሹኽ ዝበሉኺዶ ይህልዉ። ንሱኳ እኳ ንሕርሙ ጥብ ኣየብልን። ሃገር ባዕሉ፡ ህዝቢ ገላውኡ። መሬት መርገጺት እገሩ። መንግስቲ ከም ግንቦ ኢድ 5 ዘይኮናስ 3 ጥራይ ኢየን ዘለውኣ። ሓጋጊ፣ ፈጻሚ፣ ፈራዲ ኣካል (Three organs of a democratic state. 1 Legislative body, 2. Judiciary, and 3. Executive body)። እዘን ሚዛናት እዚኤን ኣብ ኣስመራ ከም ዘየልዋ ትፈጢዶ? ግን ዘገድሳኺ ኣይመለንን። ብገበን ዝተኸሰ ሰብ ወይ ኣካል ክሳብ 8 ዓመታት ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ወይ ከይቀረቡ ተሰዊሮም ክነብሩ ብሕግን ፍትሕን ኣይፍቀድን። ተቓወምቲ ድማ ብዛዕባ ምእሳሮም ኣይኮኑን ዝሓቱ። እንታይ ደኣ ይመስለኪ? ብዛዕባ ስሩዕ ፍራዳዊ መስርሕ ኣብ ኤርትራ የለን ዝብል ኢዩ መግለጺኦም።
ሕጊ ከም ትፈልጢ ድማ ናይ ክድዓት (Treason) ፍርዲ ብናትኪ መግለጺ (Penal Code) ሞት ኢዩ ትብሊ። ሶፊ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ዝተወልደት (መሪ ኣንቶነት ሰበይቲ ናይ ፈረንሳዊ ንጉስዶ ክብለኪ)። ኢሰያስ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝተመረቑ ፈረድቲ፣ ጋዘጠኛታት የብልናን ክብል ይምድር ከም ዝነበረ ገለ ትዝዶ ይብለኪ? እሞ ክሳብ ሎሚ ፈራዶን ጋዘጠኛታት ኣብቲ ባዕሉ ዝሃነጾ ኮለጃት ኣመሪቑ ድዩ ብድሕሪኡ 3 መሳርዕ ወይ ኣካላት መንግስቲ ከመቅል ይመለለኪ። ብድሕሪኡ ቀጺሉ ከሲሱ ፍርዲ ክህብ። ኢሰያስ ስሙ ብስውር ስላሴ ኢዩ ዝበሃል። ብሓጺሩ ስላሴ ክንደይ ይኾኑ? ሓደ ይኾኑ ሰለስተ ድማ ይኾኑ። ከመይ ኢሎም? ስላሰ ክበሃሉ ከለዉ ሓደ ይኾኑ። ኣብ፣ ወልድ፣ መንፈስ-ቅዱስ፣ ክበሃሉ ከለዉ ድማ ሰለስተ ይኾኑ። ኢሰያስ ድማ መንግስቲ ክበሃል ከሎ ሓደ ይኸውን። ሓጋጊ ባዕሉ ሓደ በልለይ። ፈራዲ ባዕሉ ክልተ በልለይ። ፈጻሚ ባዕሉ ሰለስተ በልለይ። ስለዚ ኣብ ዓለም መሰታ ዘይብሉ መለኮታዊ ፕረዚደንት ማለት ወዲ ኣፎም ብሪ ጥራይ ኢዩ። ልዕሊ ፍጡር ስለ ዝኾነ ዝመውት መሲሉዱ ይረኣየኪ? ከሕዝነኪ ኣይደልን ኢየ። ኣጆኺ ኣይመውትን ኢዩ። ኣንተ ሞተ ድማ ኣብ ጎድንኺ ይቕበር ይኸውን። እሱ እውን ዓቢ ተስፋኺ ዶኾን ይኸውን። ዕሽነትኪ ንጎድኒ ገዲፈስ ከምኡ ኣይምነየልክን። ትልብሚ ትኾኒ። ኣይኮነን ሞይቱስ ሃልዩስ ኣምላኽ ተዓሪቑኪ ልቢ ገለ ኣዝማድኪ ይሶቕርልኪ ይኾኑ።
እዞም G-15 ንከንቱ ኣይተኣስሩን ኢልኪ። ብከንቱ ከም ዘይተኣስሩ ኣዐረየ’ውን እፈልጥ ኢየ ኢልኪ። ከመይ ገርኪ ትፈልጢ? ንምንታይ ከም ዝተኣስሩ ህዝቢ ኤርትራ፣ ስድርኦም እውን እንተኾነ ኣይፈለጡን። ኣብ ጸልማት ይበልዩ ኣለዉ። ኩላህና እውን ከም ዝተኣስሩ ንፈልጥ። ምህላዎም ዘይምህላዎም ግን ብርግጽ ኣይተገጸልናን። ብግምትና እውን መብዛሕትኦም ህልዋት ኣይኮኑን። ብናትኪ ኣዘራርባ ምስ መጋድልቶም ኣለዉ ትብሊ። ምስ ኣየኖት መጋድልቶም ንዝብል ሕቶ ምመለስክያዶ? ሶፊ ቀውፊ ኢኺ ናይ በሓቂ።

ሙሴ ተስፋሚኪኤል
G-15 is a movement ኢልኪ። እንታይ ኢዩ እቲ ገበን? ምንቅስቓስ ጌጋ ዲዩ? ምንቅስቓስ እኮ ናይ ምእራም ስጉምቲ ኢዩ። ብጾቱ ኢዮም። ክቐትልዎን ክቕንጽልዎን ተኽእሎ ነይረዎምኮ ኢዩ። ሕጋውያን ስለ ዝኾኑ ኢዮም ናብ ህዝቢ ከወርዱ ፈቲኖም። ገበነኛ ተሓቢኡን ኣጽቂጢን ኣጸልሚቱን ይቐትል። ጽባሕ ብዛዕብኦምን ኣማውቶኦምን ዝቕላዕ ሓቂ ኣብ ቃልዕ ክወጽእ ኢዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ደገ ንምንታይ ዘይቀትልዎ ነይሮም ክብል ኢዩ መግለጺ ዝህብ። ግን ንሶም ምእራም እንበር ምቕንጻል ከም መትከል ኣይኣመኑሉን። ንነብሶም ኣሕሊፎም ኢዮም ንሓቂ ክብሉ ተወፍዮም። ኣይተጋገዩን ተጋግዮም ዘዋጽእ ኣይኮነን። ሓቂ ንምፍላጥ ግን ብግሉጽ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ነይርዎም። ኣብ ፍርዲ ይቕረቡ ዝብሉ ሰባት ቅኑዓት ኢዮም።
ኣብ ዓለምና ድማ ፍርድን ፍትሕን ርትዓዊ መስርሕ ኢዩ።

ጀርማኖ ናቲ
ሶፊ ኤርትራ ደቃ ትሓንቕ ከም ዘላ ጠፊኢኪ ማለት ዲዩ። እዚ ኩሉ መንእሰይ ብሓቂ ከምቲ እዚ ተሓቢኡ ዝምድር ዝብሎ ጌርኪ ድኺ ትግምትዮም። ሎሚ መጻኢ ዕድል ዝሰኣኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ፈቐድኡ ክሳብ ብመክሲኮ ኣብቲ ዘለኽዮ ሃገር ክኣትዉ ዝህቅኑን ዝኣትዉን ዘለዉ ሃገሮም ጸሊኦም ኣይኮኑን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፓናማ ካናል ኣብ ሓንቲ መርከብ ኤርትራውያ ከም ዝተታሕዙ ሰሚዕዶ ተፈልጢ? ከምቲ እቲ ዓጃው ዝብሎ ሲ ኣይ ኤ (CIA) ስለ ዝዓደመቶም ኣይኮኑን ነነፊጾም ዝጠፍኡ ዘለዉ።
በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሳባ ሃይሉ ዘይበለቶ ንስኺ ኣይትበሊ። ንሳ ትፈልጦ ብዙሕ ነገር ይህሉ። ተራእያን ተዛርባን ኣይትረልጥን። መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ኣተሓሕዛ በዓልቲ ቤቱ ከም ኢሰያስ ኢዩ ነይሩ። ቅድም ቅድሚ ሕልናኺ ኣፍኪ ኣጽርይ። ንሃገርና ፈጺምኪ ኣይተልጥያን ኢኺ። ናይ ህዝብኺ ጋሻ ኮንኪ ተጋየሺ። ካብ ናይ እንዳ ኣማትኪ ንእዲ ጽላል ሃገርኪ ምሓሸኪ። ግን እንታይ እሞ ትርጉም ኣለዎ። ዘይተረዳኣኪ ነገር ክህሉ ከም ዘለዎ እንተ ትግምቲ ኣብቲ ዘይምልከተኪ ጉዳይ ኣቲኺ ንነብስኺ ኮነ ንኣእምሮኺ ረቢሽክያ። ዕረፍትን ቅሳንትን ኣብ ኤርትራ ሳላ ማሓዛኺ (ብውርዙው ኣገላልጻ) ጠፊኤን ኣለዋ። ናትኪ ግን ኣብ ዘይውራይኪ ስለ ኢድኪ ዘጨቀኺ ሕልናኺ ከም ዘይዓርፍ ገርኪ፣ ንቤተ-ሰብኪ ከይተረፈ መግሃዪት ሰባ ክትኮነ በቒዕኪ። ፈታዊኺ ንሃገር ንስኺ ድማ ንፈለጥኺን መቕርባኽን ኣብ ከቢድ ድቕድቕ ጸልማት ኣእቲኹሞም። ንሱስ ንስልጣኑ፣ ብርግጽ ንስልጣኑን መርወይ ስስዑኡን፣ ናትኪኸ ንረብሓ መን ክትብሊ ኣብ ገበን ትድቕደቒ? ገለ ናይ ፖለቲካዊ ጽቡቕ ጎድኒ ክሕብረኪ።
ኣብ መስርሕ ፖለትካዊ ጉዕዞ፣ ሓደ ሞያዊ ባህሪ ከም ኣወንታዊ ዝረአ፣ ጸላእትኻ ነኪኻ፡ ፈተውትኻ ምብርካት ዝብል ኣምር ቀንዲ መለለይ ቅርጺ ሓደ ለባም ወይ ሓንቲ ለባም ሞያዊ ወይ ሞያዊት ኢዩ። መላኽን ጨፍላቕን ግን እንዳ ሓደረ ንነብሱ ጥራይ ዘይኮነስ ሃገርን ህዝብን ኣብ ተነጽሎን ጋህምን የብጽሕ። መንግስቱ ሃይለማርያም ንዚምባብወ ክፍርጥጥ ከሎ ንብርሃኑ ባየ ወይ ድማ ንፍቅረስላሰ ወግደረስ ተማሊኡ ኣይከደን። ንገለ ዝረኸብኦ ዝነበራ ወይዘራዝር እውን ኣይተማለአን። ነታ ብእኡ ለፋዕ ዝበለት ሓሳረኛ በዓልቲ ቤቱ ሒዙ ኢዩ ዝሃደመ።
ኢሰያስ እውን ንዓኺ ከም ዘይማላእኪ ማንም ዘይስሕቶ ሓቂ ኢዩ። እንተ ክኢልኪ ነቲ ኣሰርኪ ዝኽተል የማነ ገብረኣብ "ማንኪ" እውን ሓብርዮ። ኣብታ ንሱ ዝሃድመላ መዓልቲ ኣብ ናይ ጥልያን ኤምባሲ ሓንቲ ክፍሊ ሓዙለይ በሎም ኢልኪ ሓብርዮ።
ማዕዳይ ተቐበሊ።
ኣቦኺ ተስፉ ዘውደ።