ኣብ ጀርመን ማንሃይም ድማ ዕውለማ።  

ሶፍያ ተስፋማርያም ኣየ ሶፊያ! ክብረትኪ ከም ሓንቲ ሃገራዊት ንምዕቃብ ኣብ ትፈልጥዮ ክትዛረቢ እንበር ኣብቲ ኣዝዩ ዓርመሽሽ ገበን ዝተፈጸሞ ባሕሪ ጥፍኣት ክትቆማጥዒ ጭቃ ደም ምምራጽኪ ተጋጊኺ። ከምቲ ኮርታዕ ኣፍኪ ዕሸል ከም ዝኾንኪ ኢኺ ሓቢርኪ። ሰብ ገለ ነገር ቅድሚ መግለጺ ምሃቡ፣ ብዛዕባ መግለጺኡ ጭቡጢ ምእካብ የድልዮ። ነቲ ጭብጥታት እውን ግዜን ኩነታትን ድማ ዘሰንዮ ረቛሒታት ኣዛሚዱ የቐርብ። ኣብ ሓደ ተኣፋፊ ጉዳይ ኣቲኺ ክትሕንብሲ ናይ ሕልና ሞት ይኸበኪ ከም ዘሎ ክትግምቲ ነይሩኪ። እወ እቶም ትዛረብሎም ዘለኺ ተጋደልቲ ደቅን ስድራን ጥራይ ዘይኮኑስ ተጋደልትን መጋድልቶምን ህዝብን እውን ኣለውዎም።  

ብዛዕባ ጉጅለ 15፣ ተቓወምቲ ብጉዳዮም ፈልዮም ገና ከም ሕቶ ኣየዓልውምን። ህዝብን ብጾቶምን ኢዮም ከብዶም ተሓሚሶም ብዝለዓለ ድማ ጉዳይ ሃግሮም ስለ ዝኾነ ዝሓሙን ብተደጋጋሚ ዘልዕልዎምን ዘለዉ። ንዓኺ ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኹን ዝምልከተኪ ነገር የለን። ከም ኤርትራዊት ኣይምልከተክን ኣይኮነን ዝብለ ዘለኹ። እቲ ዝተፈጸመ ካብ ሓደ ኣፍ ኣብ ከወታ ብለይቲ ሕሹኽ ተባሂሉኪ ይኸውን። እቲ ሕሹኽ በሃላይ እውን ከውታ ኢዩ ዝፈቱ። ኣጸልሚቱ ይሑገስ፣ ስምዒቱ የርዊ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ተሓቢኡን ኣጸልሚቱ የዕኑ። ንስኺ እውን ብስዉር ብሕትዊ መሰልኪ ኢዩ ከተሰንይዮ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ግን ብፍላይ ኣብዚ ትዛረብሉ ዘለኺ መግለጺ ከም ኣዕጽምቲ ምውታት ዝሓቖፈት ጋህሲ ብዙሕ ዝተቐብረ ምስጢር ቀርቂራ ትርከበሉ ብዘይ ግቡእ ክትኩዕቲ ኣይመድለየክን።  ትጭልፍዮ መጨልፊ ኢደ-በይዛ ስለ ዘይብልኪ በታ ኣዝያ ንእሽተይ ኣጻብዕትኪ ሕንጥል-ሕንጢሊተይ ዘተንክፍ ፍልጠት የብልክን። እንታይ ፈውሲ ዓበቕ? ኣይትቕረብ ኣይትቕረብ። ከም ዝመስለኒ ኣብ ኢትዮጵያን ወጻኢን ስለ ዝዓበኺ፣ ብመጠኑ እነ እውን ከምኡ፣ ሓንቲ ምስላ ኣምሓርኛ ክምጥወኪ እፈቱ። ኣምሓሩ ክምስሉ ከለዉ ከምዚ ይብሉ። ,,ኣላዋቂ ሳሚ ንፍጥ ይለቀልቃል።“

እስከ ገለ ካብ መግለጺኺ በብቑሩብ ክደግመልኪ። ምስኡ ድማ ገለ መብርሂ ክህበኪ ድማ እመርጽ። እዞም ጉጅለ 15 ምስ ህዝቦምን ምስ መጋድልቶምን ኣለዉ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ። ግን ምስ ስድርኦምን ምስ ደቆምን ግን ኣይበልክን። እቲ መባእታዊ መሰል ሰብ (First and Cardinal Principle of the Human Right)  ድማ ይተኣሰሩ እንበር- ስድርኦም፣ ሰብ ቃል-ኪዳኖም፡ ደቆም ክበጽሕዎምን ክሪእዎምን መሰል ኣለዎም ይብል። ሕጂ እውን ብኣምሓርኛ ክምልሰኪ። ከባለ ቤቱ በላይ ያወቀ ሰው ቡዳ ነው፣ ይብሉ። ስድርኦም ዘይፈለጥዎ ንስኺ ትፈልጥዮ እንታይ ነገር ኣሎ?  

ኢሰያስ ኣብ 2007 ክምድር ከሎ፣ ከዳሚ ክህሉ ኣለዎ! ወኪል ነቲ ስትራተጂ ዘገልግል ምባሉ እዝከር። ኣቀዲሙ ብዛዕባኺ ዝገለጾዶ ኣይመስለክን። ወሓጥዮ ተበክዋስ ትጎስሞ!! ዘገርም ትንቢት። ቅድሚ ሎሚ ዝበልክዮ ረሲዕኪ ኣለኺ። ክቅንጸሉ ኣለዎም ክትብሊ ከም ዘይነበርኪ፣ ግልብጥ ኢልኪ They are not ordinary criminals (ተራ ገበነኛታት ኣይኮኑን) ክትብሊ ገሊጽኪ። ናይ ኢሰያስ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ዘለኪ ኣይመስለንን። እንተ ትፈልጥዮ ኣይምሓነጅክን። ከምቲ ቢቲ ቢቶ ዝበሎ ,,ዘበን ተሓናጂኹ ኣረበሽቶ ኣለና“ ከይኾነኪ ጥንቅቕ በሊ። ወይስ እቲ ዕሉም ሃዳናይ ምሳኺ ኩሉ ክጻወር ጀሚሩ ኣሎ? ብትግርኛ ኣይፈልክን ብትግረ ድማ ኢፋልኪ በሃላይ ኢየ። ጀጋኑ ንሃገሮም ምስ ንእስነቶም ብዙሕ ዘገልገሉ ኢዮም ትብል መግለጽትኪ ተጠንቀቕላ። ገለ ስኽፍክፍ ዝበለ ነገር ኣሎ ይመለኒ። ምስ መን ኢኺ ክትዕረቒ ትደልይ ዘለኪ? መተዓረቒት ኮይና ትግለጽ ዘላ ኢያዶ ክብል!!! እመትስ ስድሪ ኣላታ!! በዛ ጀሚርክያ ዘለኺ ላህጃ ንኣስመራ ትበሪ ኣይትመስልንን። ንለባም ኢኻ ትቕየሞ እሞ ዝቕየመኪ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ካብ ዓሻ ፈታውስ ለባም ጸላኢ ይሓይሽ ዝብል ኣገላልጻ ወለድኺ ከዘኻኽረኪ እፈቱ። በቲ እንዳ ኣያ መዓሾ ድማ ኣብ ግብጅኡ እንድሕሪ ውዒልካ ብዙሕ እንዲዩ ዝሰማዕ፣ ገለ ሰባት ዝገለጽዎ ሰሚዕክስ ወስ ትብሊ ኣለኺ። ዝሓገዝክዮ መሲሉኪ ከምቶም ዝተገርሁ ከይኣግርሂ። ትኽስ ዱሙስ መዘንግዕ ኣንጭዋ ትበሃል ምልክት ቆብ ኣቢልኪ ኣብታ ዘለኺያ ቦታ ክትኣርጊ ፈትኒ። እቲ ሰለምለም ዝብል ሓኽሊ ዱሙ ኣያኺ መዘንግዕ ገና ኣይፈለጥክዮን። ክንድይ መጥፊኢኦም ተበሪህዎም ዘይጠፍኡ። ክሳብ ሎሚ ግን ደሓን ኣለኺ። ,,ንእስነት ዕዳ እንድያ“ ሎሚ ኣብቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዕድመ ትገማገሚ ስለ ዘለኺ፣ እታ ኣይትቕረብ ኣይትቀራረብ ትብል ማዕዳ ደኣ ቀጥ ኣቢልኪ ሓዝያ። ዕድል ዝገበረ ድማ ኣብ ዓራቱ ኢዩ ዝዓርፍ። ንስኺ ድማ ኣብዘይ ዓራትኪ ከይትዓርፊ ዝምዕዱ ክትረኽቢ ፈትኒ። ገለ ወራሲ ድማ ይሃብኪ።  

ነዚ ኣብ ስልጣን ኩጢጥ ኢሉ ዘሎ ሚዛኑ ሃብና እንተ ዝብሉኺ? እንታይ ምሃብኪ? ነዊሕ ቁመቱ። ካብ 85 ክስብ 95 ክብደቱ፣ ሓለንጋይ፣ ጽቡቕ፣ ዓረብ እንግሊዝን ዝመልኽ ዶ ምበልኪ። እዚ ሚዛን ትንታነ ናይ ስልጣን መዐየሪ ኣይኮነን። ከማኺ ዕድል ዘይረኸባ ኣብ ጥቑኡ ከይቀረባ ምኽኽ ዝብላ ኣይተሳእናን። ከምቲ ናትኪ መግለጺ ገይረን እውን ምገለጽኦ። ግን እዝስ መለክዒ ስልጣን ግን ኣይኮነን። መንግስቲ ኣብ 3 ትምቀል ክበሃል ሰሚኪዶ ትፈልጢ? ወይ 3 ኣካላት ኣለዋ ክብሉ ሕሹኽ ዝበሉኺዶ ይህልዉ። ንሱኳ እኳ ንሕርሙ ጥብ ኣየብልን። ሃገር ባዕሉ፡ ህዝቢ ገላውኡ። መሬት መርገጺት እገሩ። መንግስቲ ከም ግንቦ ኢድ 5 ዘይኮናስ 3 ጥራይ ኢየን ዘለውኣ። ሓጋጊ፣ ፈጻሚ፣ ፈራዲ ኣካል (Three organs of a democratic state. 1 Legislative body, 2. Judiciary, and 3. Executive body)። እዘን ሚዛናት እዚኤን ኣብ ኣስመራ ከም ዘየልዋ ትፈጢዶ? ግን ዘገድሳኺ ኣይመለንን።  ብገበን ዝተኸሰ ሰብ ወይ ኣካል ክሳብ 8 ዓመታት ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ወይ ከይቀረቡ ተሰዊሮም ክነብሩ ብሕግን ፍትሕን ኣይፍቀድን። ተቓወምቲ ድማ ብዛዕባ ምእሳሮም ኣይኮኑን ዝሓቱ። እንታይ ደኣ ይመስለኪ? ብዛዕባ ስሩዕ ፍራዳዊ መስርሕ ኣብ ኤርትራ የለን ዝብል ኢዩ መግለጺኦም።  

ሕጊ ከም ትፈልጢ ድማ ናይ ክድዓት (Treason) ፍርዲ ብናትኪ መግለጺ (Penal Code) ሞት ኢዩ ትብሊ። ሶፊ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ዝተወልደት (መሪ ኣንቶነት ሰበይቲ ናይ ፈረንሳዊ ንጉስዶ ክብለኪ)። ኢሰያስ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝተመረቑ ፈረድቲ፣ ጋዘጠኛታት የብልናን ክብል ይምድር ከም ዝነበረ ገለ ትዝዶ ይብለኪ? እሞ ክሳብ ሎሚ ፈራዶን ጋዘጠኛታት ኣብቲ ባዕሉ ዝሃነጾ ኮለጃት ኣመሪቑ ድዩ ብድሕሪኡ 3 መሳርዕ ወይ ኣካላት መንግስቲ ከመቅል ይመለለኪ። ብድሕሪኡ ቀጺሉ ከሲሱ ፍርዲ ክህብ። ኢሰያስ ስሙ ብስውር ስላሴ ኢዩ ዝበሃል። ብሓጺሩ ስላሴ ክንደይ ይኾኑ? ሓደ ይኾኑ ሰለስተ ድማ ይኾኑ። ከመይ ኢሎም? ስላሰ ክበሃሉ ከለዉ ሓደ ይኾኑ። ኣብ፣ ወልድ፣ መንፈስ-ቅዱስ፣ ክበሃሉ ከለዉ ድማ ሰለስተ ይኾኑ። ኢሰያስ ድማ መንግስቲ ክበሃል ከሎ ሓደ ይኸውን። ሓጋጊ ባዕሉ ሓደ በልለይ። ፈራዲ ባዕሉ ክልተ በልለይ። ፈጻሚ ባዕሉ ሰለስተ በልለይ። ስለዚ ኣብ ዓለም መሰታ ዘይብሉ መለኮታዊ ፕረዚደንት ማለት ወዲ ኣፎም ብሪ ጥራይ ኢዩ። ልዕሊ ፍጡር ስለ ዝኾነ ዝመውት መሲሉዱ ይረኣየኪ? ከሕዝነኪ ኣይደልን ኢየ። ኣጆኺ ኣይመውትን ኢዩ። ኣንተ ሞተ ድማ ኣብ ጎድንኺ ይቕበር ይኸውን። እሱ እውን ዓቢ ተስፋኺ ዶኾን ይኸውን። ዕሽነትኪ ንጎድኒ ገዲፈስ ከምኡ ኣይምነየልክን። ትልብሚ ትኾኒ። ኣይኮነን ሞይቱስ ሃልዩስ ኣምላኽ ተዓሪቑኪ ልቢ ገለ ኣዝማድኪ ይሶቕርልኪ ይኾኑ።  

 

እዞም G-15 ንከንቱ ኣይተኣስሩን ኢልኪ። ብከንቱ ከም ዘይተኣስሩ ኣዐረየ’ውን እፈልጥ ኢየ ኢልኪ። ከመይ ገርኪ ትፈልጢ? ንምንታይ ከም ዝተኣስሩ ህዝቢ ኤርትራ፣ ስድርኦም እውን እንተኾነ ኣይፈለጡን። ኣብ ጸልማት ይበልዩ ኣለዉ። ኩላህና እውን ከም ዝተኣስሩ ንፈልጥ። ምህላዎም ዘይምህላዎም ግን ብርግጽ ኣይተገጸልናን። ብግምትና እውን መብዛሕትኦም ህልዋት ኣይኮኑን። ብናትኪ ኣዘራርባ ምስ መጋድልቶም ኣለዉ ትብሊ። ምስ ኣየኖት መጋድልቶም ንዝብል ሕቶ ምመለስክያዶ? ሶፊ ቀውፊ ኢኺ ናይ በሓቂ።

ስምዒ እቶም መንካዕ ተባሂሎም ዝተኣስሩ ሃለዋቶም ተጋዳላይ ከይፈለጠ ተረሺኖም። ምስኦም ተኣሲረ ነይረ። ዕለት 11.08.1975 ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ተሰሪዖም ክርሸኑ ክኸዱ ከለዉ ካብቶም ዝረኣይዎም እሱራት ሓደ ነይረ። ጥሪ 1977 ግን ናይ  ሞት ፍርዶም ንውድባዊ ጉባኤ ብዕሊ ተገሊጹ። ኩሉ ድማ ሽዑ እቲ ፍርዲ ዝብየን ዘሎ መሲልዎም። ክሳብ 1979 በመኣት ደገፍቶምን ነቲ ሞት ዝተቓወሙ ተረሺኖም። ብዘይካ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ፍትሒ (Justice) እንተዘይ ኮይኑስ ካልእ እይጠለቡን። ከሳሲ ባዕሉ፣ ፈራዲ ባዕሉ፣ ፈጻሚ ድማ ባዕሉ። ናይ የሚን፣ ናይ ብጻይ ጎይትኦም ምንቅስቓስ ንምእራም ዝተበገሱ ንጹሃት ተጋደሊ ብብዝሒ ተቐንጺሎም። ኣስማትን ቁጽርን እኮ ክወሃብ ምተኻእለ። እዛ ሃገር ቁስላ ከይትሓክኽ፣ ሃገር ከም ሃገር ክትቀውም ተባሂሉ ንታሪኽ ክግለጽ ተጸቢና።  

G-15 is a movement ኢልኪ። እንታይ ኢዩ እቲ ገበን? ምንቅስቓስ ጌጋ ዲዩ? ምንቅስቓስ እኮ ናይ ምእራም ስጉምቲ ኢዩ። ብጾቱ ኢዮም። ክቐትልዎን ክቕንጽልዎን ተኽእሎ ነይረዎምኮ ኢዩ። ሕጋውያን ስለ ዝኾኑ ኢዮም ናብ ህዝቢ ከወርዱ ፈቲኖም። ገበነኛ ተሓቢኡን ኣጽቂጢን ኣጸልሚቱን ይቐትል። ጽባሕ ብዛዕብኦምን ኣማውቶኦምን ዝቕላዕ ሓቂ ኣብ ቃልዕ ክወጽእ ኢዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ደገ ንምንታይ ዘይቀትልዎ ነይሮም ክብል ኢዩ መግለጺ ዝህብ። ግን ንሶም ምእራም እንበር ምቕንጻል ከም መትከል ኣይኣመኑሉን። ንነብሶም ኣሕሊፎም ኢዮም ንሓቂ ክብሉ ተወፍዮም። ኣይተጋገዩን ተጋግዮም ዘዋጽእ ኣይኮነን። ሓቂ ንምፍላጥ ግን ብግሉጽ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ነይርዎም። ኣብ ፍርዲ ይቕረቡ ዝብሉ ሰባት ቅኑዓት ኢዮም።

ኣብ ዓለምና ድማ ፍርድን ፍትሕን ርትዓዊ መስርሕ ኢዩ።

ሓደ ካብ ጂ15 ፈራሚ ናይ ቅሉዕ ደብዳበሌባ ጥራይ ኢዩ ዝሕባእ። ንኢሰያስ ሌባ ትብሎ ኣለኻ ትብልኒ ትኾኒ። ገንዘብ ክንደይ ከም ዝሰረቐ ክፈልጥ ኣይክእልን። እቲ ዝዓበየ ሌባን ቅጥምን ንዓይ ኢሰያስ ኢዩ። ”ናይ ቅዋም ሌባ”። መጋድልቱ ድማ ኢየ ነይረ። ግቡኤይ ምእንቲ ሃገረይ የማነይቲ እግረይ ወፍየ። ተደጋጋሚ እውን ተወጊኤ፡ ክነኣደሉን ክጀሃረሉን ኣይደልን። ፈትየን ረድየን ኢየ ኣትየዮ። ኣብ ክንዲ ኣብ ዝፈትዋ ሃገረይ ዝነብር፣ ከም ዑቕበኛን ስደተኛን ኮይነ ክነብር ኣይምፈተኹን። ሃብትን ድኽነትን ድማ ንዓይ ፍሉይ ትርጉም ኣይህበንን። ቁራስ እንጌራ ኣብ ሃገረይ ምሓሸኒ። ግን ብመስከረም 1979 ናይ ሞት ብይን ተዋህቡኒ ነይሩ። ኣብ ገምገም ሱዳን ስለ ዝነበርና ድማ ወተሃደራት ሱዳን ኣድሒኖምኒ። ዝደሓንኩ ስንኩል ኢየ ሶፊ። ከማይ ስንኩላት እውን እኮ ኣብ ማይሓባር ብጥይትን ብትእዛዝ ወዲ መምህር ተቐንጽሎምን ቆሲሎምን ኢዮም። ክሃድሙ ንዘይክእሉ ስንኩላት ብጥይት። ዕጥቅን ብረትን እውን ኣይነበሮምን። መሓውሮም ኣካላቶምን ዝሰእኑ ጀጋኑ ከም ዕላማ ብጥይት ተመልዒሶም። ናይ ምንቅስቓስ ዓቕሚ ዘይብሎም ኢዮም ተጻህዮም።

ሶፊ ኤርትራ ደቃ ትሓንቕ ከም ዘላ ጠፊኢኪ ማለት ዲዩ። እዚ ኩሉ መንእሰይ ብሓቂ ከምቲ እዚ ተሓቢኡ ዝምድር ዝብሎ ጌርኪ ድኺ ትግምትዮም። ሎሚ መጻኢ ዕድል ዝሰኣኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ፈቐድኡ ክሳብ ብመክሲኮ ኣብቲ ዘለኽዮ ሃገር ክኣትዉ ዝህቅኑን ዝኣትዉን ዘለዉ ሃገሮም ጸሊኦም ኣይኮኑን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፓናማ ካናል ኣብ ሓንቲ መርከብ ኤርትራውያ ከም ዝተታሕዙ ሰሚዕዶ ተፈልጢ? ከምቲ እቲ ዓጃው ዝብሎ ሲ ኣይ ኤ (CIA) ስለ ዝዓደመቶም ኣይኮኑን ነነፊጾም ዝጠፍኡ ዘለዉ።  

በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሳባ ሃይሉ ዘይበለቶ ንስኺ ኣይትበሊ። ንሳ ትፈልጦ ብዙሕ ነገር ይህሉ። ተራእያን ተዛርባን ኣይትረልጥን። መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ኣተሓሕዛ በዓልቲ ቤቱ ከም ኢሰያስ ኢዩ ነይሩ። ቅድም ቅድሚ ሕልናኺ ኣፍኪ ኣጽርይ። ንሃገርና ፈጺምኪ ኣይተልጥያን ኢኺ። ናይ ህዝብኺ ጋሻ ኮንኪ ተጋየሺ። ካብ ናይ እንዳ ኣማትኪ ንእዲ ጽላል ሃገርኪ ምሓሸኪ። ግን እንታይ እሞ ትርጉም ኣለዎ። ዘይተረዳኣኪ ነገር ክህሉ ከም ዘለዎ እንተ ትግምቲ ኣብቲ ዘይምልከተኪ ጉዳይ ኣቲኺ ንነብስኺ ኮነ ንኣእምሮኺ ረቢሽክያ። ዕረፍትን ቅሳንትን ኣብ ኤርትራ ሳላ ማሓዛኺ (ብውርዙው ኣገላልጻ) ጠፊኤን ኣለዋ። ናትኪ ግን ኣብ ዘይውራይኪ ስለ ኢድኪ ዘጨቀኺ ሕልናኺ ከም ዘይዓርፍ ገርኪ፣ ንቤተ-ሰብኪ ከይተረፈ መግሃዪት ሰባ ክትኮነ በቒዕኪ። ፈታዊኺ ንሃገር ንስኺ ድማ ንፈለጥኺን መቕርባኽን ኣብ ከቢድ ድቕድቕ ጸልማት ኣእቲኹሞም። ንሱስ ንስልጣኑ፣ ብርግጽ ንስልጣኑን መርወይ ስስዑኡን፣ ናትኪኸ ንረብሓ መን ክትብሊ ኣብ ገበን ትድቕደቒ? ገለ ናይ ፖለቲካዊ ጽቡቕ ጎድኒ ክሕብረኪ።  

ኣብ መስርሕ ፖለትካዊ ጉዕዞ፣ ሓደ ሞያዊ ባህሪ ከም ኣወንታዊ ዝረአ፣ ጸላእትኻ ነኪኻ፡ ፈተውትኻ ምብርካት ዝብል ኣምር ቀንዲ መለለይ ቅርጺ ሓደ ለባም ወይ ሓንቲ ለባም ሞያዊ ወይ ሞያዊት ኢዩ። መላኽን ጨፍላቕን ግን እንዳ ሓደረ ንነብሱ ጥራይ ዘይኮነስ ሃገርን ህዝብን ኣብ ተነጽሎን ጋህምን የብጽሕ። መንግስቱ ሃይለማርያም ንዚምባብወ ክፍርጥጥ ከሎ ንብርሃኑ ባየ ወይ ድማ ንፍቅረስላሰ ወግደረስ ተማሊኡ ኣይከደን። ንገለ ዝረኸብኦ ዝነበራ ወይዘራዝር እውን ኣይተማለአን። ነታ ብእኡ ለፋዕ ዝበለት ሓሳረኛ በዓልቲ ቤቱ ሒዙ ኢዩ ዝሃደመ።

ኢሰያስ እውን ንዓኺ ከም ዘይማላእኪ ማንም ዘይስሕቶ ሓቂ ኢዩ። እንተ ክኢልኪ ነቲ ኣሰርኪ ዝኽተል የማነ ገብረኣብ "ማንኪ" እውን ሓብርዮ። ኣብታ ንሱ ዝሃድመላ መዓልቲ ኣብ ናይ ጥልያን ኤምባሲ ሓንቲ ክፍሊ ሓዙለይ በሎም ኢልኪ ሓብርዮ።

ማዕዳይ ተቐበሊ።
ኣቦኺ ተስፉ ዘውደ።


Help Andom, an Eritrean-American, get elected to Congress by donating at  andomforny.com/donate 

Latest

ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ፡  ብኣካል ኣብ ቤትና መጺእኩም፡ ከምኡ’ውን ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ...

Eritrea: ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥን

ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን...

ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት’ዩ ብትግረ።

Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል...

ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም...

Eritrea: ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት:

እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት...

Eritrea: ምድማር'ዶ ወይስ ምፍዃስ?

ማንኪ፡ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር፡ ምሳኹም ክንድመር ንወያነ ኣጥፉኡልና። ዶ/ር ኣብይ፡ ክቡር ማንኪ፡ ጀመርቲ ስለ ዝኾና ገና ምድማር ኢና ዘለና። ንስኹም ግን ቀዲምኩም ኣብ ምፉዃስ (elimination) ኢኹም በጺሕኩም። ግዜ ሃቡና...