ቀይሕ ባሕርን ኣል ሸባብን ኣጽዋርን ምሻጥ

መንእዮም ኣልሸባብ ንዝብል ሕቶ ናብ ኣቕረብቲ ዜናን ኪኢላታትን ገዲፍና ብዝመጽዎ ይምጽኡ ንሶማል ኣባላሽዮም ሎሚ መራክብ ብምኽታር ዝረኸብዎ ሃብቲ ስለዝመቀሮም ተግባራቶም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘለዉ ከተርቲ እዮም። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራኽብን ሰባትን ብምጭዋይን ነዚኦም ንምፍታሕ ዝኽፈል ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብን እናረኸቡ ድማ ንርግኣት ዓለም ሰላም ከሊኦም ንኩለን ሃገራት ተንኪፎም ይርከቡ።

ኣል ሸባብን መሰልቶምን ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ እታ ዝሓዝዋ ሶማል፣ እምነተ እስልምና ጉልባብ ብምግባር ንደቀ ኣንስትዮ ብምዕባስን ምቕታልን ምድቋስን ዘለዎም ጭከና ኣይርእዮም እዮም። ዝተመርጸ ወክለና ዝበሎም ሕዝቢን መንግስትን ኣብ ዘይብሉ ናይ ገበናት ዳኛታት ብምዃን ፍርዲ ይህቡ።

ኣብዛ ሕሉፋውያን ዝቖጻጸርዋ ኣካል ሶማል ኣል ሸባብን መሰልቶም፣ ኣብ ውልቃዊ ናብራ እናኣተዉ መዓልታዊ ቁጽጽር ናይ ነፍስ ወከፍ እናገበሩ ብፍርሕን ራዕድን ይገዝኡ ኣለዉ። ሰብ ብስርዓት ሰሪሑ ንኸይኣቱን ኣብ ስሚዒትን ኣብ ምንብርካኽን ጥራይ ተሸኺቱ ናይ ዝኸተርዎ ገንዘብ ዝበልዑሉ ህሞት ጥራይ ስለዝርኣዮም ኣብዚ መንጎ ናይ ጊዜ እዚ ዝሞተ ይሙት ዝጠፍአ ይጥፋእ ክግድሶም ኣይክእልን እዩ።

እቲ ዝግድሶ ናይ ሶማል ሕዝቢን ፕረሲደንትን ድማ ንሕብረት ኣፍሪቃን ሕ.መ.ን ኣሜሪካን ብምምሕጻን ብዝከኣሎ ሓንቲ ሰላምን ርግኣትን ዘለዋ ሃገር ክሃንጽ ይፍትን ኣሎ። ስለዚ ንናይ ኢሳያስ ተራ ኣብዚ ምንዋጽ እዚ ንምብዳህ ጊዜኡ ኣኺሉ እዩ።

መጋሎማንያ ኢሳያስ

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃን ኣብዩዎ እዩ እምበር እንተተኻኢሉ ንዓለም፣ እንተወሓደ ድማ ንኣፍሪቃ፣ ምናልባት እዚ እንተ ዘይተኻኢሉ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ክገዝእ ምደለየ። ንኢትዮጵያ እውን ሓሲቡላ ኔሩ ግን ኣይሰለጦን። እዚ ናቱ ድሌት እዩ። ስለዘደለየ ድማ እታ ሕልሙ ኣብ ግብሪ ዘየውዓለትሉ ኤርትራ ድከታ ትሰቲ ኣላ። ኢሳያስ ግን ጽሉል ኣይኮነን ምኽንያቱ ጽሉል ን40 ዓመታት (1970-2010) ኣብ ናይ ሓልፍነትን ስልጣን ቦታ ንኽጸንሕ ዘኽእሎ ናይ ኣእምሮ ምህዳእን ናይ ምውሳን ክእለትን የብሉን።

እቲ ንዝበዝሕ ንናይ ሶማል ተጻባእቲ ምሕጋዝ እምበኣር ንኢሳያስ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊን ጽልዋ (influence) ዘርእየሉ እዩ። ኣብ ኣስመራ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲን ናይ ሱዳንን ካልኦትን እዩ ዝእንግድ። እዚ ብስምዒትን ስትራተጂካውን ታክቲካውን ምስ ጊዜ ዝለዋወጥ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝኸይድ ዘሎ ዲክተተር እዩ። ኤርትራ ሎሚ ብዓለም ከም ናቱ ግዳይ እትፈለጥ ንእሽቶን “ነግራምን” ሃገር ኮይና፣ ንሱ እንተኸይዱ ግን ተስፋ ዘለዋ ሃገር ምዃና እናተገንዘበ እዩ ዓለም። ሕዝባ ድማ ብወገኑ ነዚ ይፈልጥ እዩ።

እዚ ብዛዕባ ሶማልን ናይ ባሕሪ ኽትራንን ገበንን ዘስዕቦ ዘሎ ኣስጋእነት ኣብ ዓለም ምስ ናይ ንግድን ብሰላም ናይ ምንባርን ሕቶን ከምኡ እውን ናይ “ሸፋቱ”(rogue states) ሃገራት መዕቆቢ ናይ ገበነኛታትን ኸተርትን ናይ ቅሳነት ምብራዝን ምንጪ ክኾና ከምዝኽእላ ርዱእ እዩ። ናይ ምዕራብ ዜና ኣይንኣምንን እንተተባሂሉ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዜና ዝከተታተልን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኣካላት ብቐጥታ ምርኻብን ክረጋገጽ ዝኽእል ጉዳይ እዩ። ኣብ ጎድኒ እቲ ብስነ ስርዓት ዝኸይድ ዓለም እቲ ብገበነኛታትን ቀረጽ ዘይከፍሉን ኣብ ዝኾነ ይኹን ረመጽን ኩናትን ኣትዮም መኽሰብ ክረኽቡ ዝደልዩ ኣካላት ኣለዉ። እዚእቶም “ሓሰኻ ደንበ ኣብ ዝለመለመሉ” ከምዝበሃል ስነ ስርዓት ኣብ ዘለዎ ቦታ እግሮም ከኣትዉ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ሽግር ኣፍሪቃን ኤርትራን ንወጻእተኛታት ጥራሕ ከምዚ ጌሮምና ከምቲ እናበልካ ምኽሳስ፣ ግዳይነት ምንዋሕን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምትካል ዘድሊ ናይ ነፍስ ወከፍ ርእሰ ተኣማንነት ምጉዳልን እዩ ዘስዕብ። እዚ ድማ ብጊድኡ ነቲ ምስ ገፋዒ ስርዓት ኮይኑ ዝብድልን ነቲ ስርዓት ደው ክብል ዝድግፍን ዘሎ ኣካል ድማ ሓይልን ተወሳኺ ሞራል ይህብ።   

ዓለም ሕሉፍነትን ኣስጋእነትን ትምክት

ገለ ከም ኢራንን ሰሜን ኮረያ ዝኣመሰሉ ሃገራት ሃብታማት ኮይኖም ግን ናይ ዓለመ ለኻዊ ሓይሎምን ናይ ዓለም ፖሊሲ ናይ ምቕያር ዘለዎም ተኽእሎ ጎዲሉ ዝስምዖም ይህልዉ። ኢራንን ካልኦት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ብዲክተተራት ዝካየዱ ሃገራት፣ እቲ ብጥንቲ ዝነበሮም ኢምብርጥራውነት ብስምዒት ብምጉስጓስ ምስታ ናይ ዓለም ሓያል ዘላ ኣሜሪካ ክወዳደሩ ይደልዩ ግንከ ስለዘይተዓወቱ ጠመተኦም ናብ ካልእ ከድህብ ይረአ። ንናይ እስራኤልን ፍልስጢኤምን ሕቶ ከም ዘለዓለማዊን ንኹሉ ደቅ ሰብ ዝምልከቶ ጌሮም ብምውሳድ ኣብ ዓለም ናይ ባዕሎም ተቐባልነትን እምነቶም ምዝርጋሕን ንኸተግብሩ ዝፈጥርዎ ምስምስ እቲ ዝደሚ ዘሎ እቲ ድኻን እቲ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዘሎ እዩ ዝበዝሕ። ድሕሪ ናይ መስከረም 11 መጥቃዕቲ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ንሓያል ክብድሁ ከምዘይክእሉ ምስተረድኦም ኣቓልቦኦም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን፣ ሩሑቕ ኣስያን፣ ኣፍሪቃን ኣእዳዎም ብምስዳድ ንሰላም ክብርዙ ይርኣዩ። ስለዚ እዚኣቶም እውን ናይ ዓለም ጸጥታ ኣብ ኣስጋኢ ኩነት ከብጽሕዎ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ ስለዝግመት ናይ ሎሚ ሕ.መ. ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብመሰረቱ ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፍለጥ ተመኲሮ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ይርከብ።  

ስርዓት ዘይብሉ ቦታ ብዕዋላን ሽፍታን ከታርን መታርን ዝኾነ ኣካል እዩ ዝመሓደር። ዘይሰራሕካሉ ገንዘብን ጥጡሕ ናብራን ድማ ስለዝምቅር ክሳብ እታ ብረት እትወርድ ናይ ሰሪቕካ ናብራ ኣይግደፍን እዩ። እዚ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ኢርትራ ክግበር ዝበሃል ዘሎ ተወሳኺ እገዳ እምበኣር ነቶም ነታ ሃገር ዝዝውርዋን ውሳነታት ዝውስኑን ንምእጋድን ካብቲ ዘለውዎ ቦታ ሓሊፎም ናብ ካልእ ንኸይትንክፉ ዝግበር ናይ ንጥፈታት ምድራት ውሳነ እዩ።

ዓለም ናታ ጉዳይ እያ ትገብር።

(ይቕጽል…)

“ኣይትረስዕ ዕላማኻ ከይብዝሕ ዓንቃፊኻ”

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...