ጋዜጣ ፍራንክፈርት ሩንድሻው (Frankfurter-Rundschau) ዝተባህለ ፍሉጥ ናይ ጀርመን ጋዜጣ  ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት16.12.2009 ሕታሙ ኣብቲ ናይ ስፖርት ዓምዱ ብዓቢይ ኣርእስቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ ስደት ኣምሪሓ (Eritreas Fußball-Nationalmannschaft  der Flucht)  ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣውጺኡ።          

እዚ ዜና እዚ ኣቐዲመ እኳ ሰሚዐዮ እንተነበርኩ ኣራኣእያ ናይቲ ጋዜጠኛ ንክፋልጥ ተሃወኽኩ። ጽሑፉ በቲ ዓላማይ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ነጋሽ ተክሊት ኢዩ ዝጅምር። „ኣቶ ነጋሽ ተክሊት ዕድል ዝገበሮ ጋንትኡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ዝግበር ናይ ኣፍሪቃ ካፕ ውድድር ይኹን ወይ ኣብ ናይ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ውድድር ኣብ 2010 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘይምሕላፋ ኢዩ ይብል። ምኽንያቱ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምልእታ ናብ ስደት ስለ ዘምረሐት፤ እቲ ዓላማይ ብዘይካ ሓደ ተጻዋታይ ጋንትኡ ኢዩ ንሃገሩ ተመሊሱ“ ይብል።

እቶም ብተጻወቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ „ኣግማል“ ተባሂሎም ዝጽውዑ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ከንያ ዝተግብረ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይ ኣፍሪቃን (Cecafa)፤ ኣብ ፊፋ-ሊስታ መበል 151(Fifa-List) እዛ ጋንታ ኤርትራ ምስ ታንዛንያ ዝተብረ ራብዓይ ዙር ኢያ ተሳዒራ ተፋኒያ። ምኽንያቱ እቶም ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ክንዲ ምዕዋት ብኩዕሶ፤ ሓንጎሎም ብካልእ ሓሳባት ኢዩ ተመሊኡ ነይሩ ይብል። ኣብ መጨረሽኡ ሓደ እኳ ካብቶም 14 ተጻወቲ ንሃገሩ ክምለስ ኣብ ናይ ከንያ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ከንያታ ዝተረኽበ ኣይነበረን። ንኣስመራ ዝተመልሱ ዓላማይ ኣቶ ነጋሽ ተክሊት ምስ ካልኣዩ በዓል ስልጣን ጥራይ ኢዩ ነይሩ ይብል።

„እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን ሰበስልጣን መንግስቲ ኢሳያስ ኩሎም ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብደሓን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፤ ኩሉ ካልእ ወረታት ግን ጸላእቲ ኤርትራ ዘውርይዎ ወረ ኢዩ ዝብል መግለጺ ይህቡ ምህላዎም ኢዩ“ ይብል።

ብኣንጻሩ ሓላፊ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይ ኣፍሪቃን (Cecafa) ዝኾነ ኣቶ ኒኮላ ሙሶንይ ግን ኩሎም ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ከምዝተረፉን ኣብ ሞንጎ ኣብ ናይሮቢ ዝቕመጡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ተሓቢኦም ከምዘለዉን ብወግዒ ንቢቢሲ (BBC) ሓቢሩ። እቲ ዘሕዝን ግን ንሓዋሩ ኤርትራ ምናልባት ዋላ ንሓደ ተጻዋታይ እኳ ንወጻኢ ምስዳድ ከይትኽክል ኢዩ በለ::

ካብዛ ካብ ዓለም ተጨውያ ትነብር ዘላ ሃገር ኤርትራ፣ እዚ ዓይነት ተርእዮ ንመጀመርያ ዝተፈጸመ ጉዳይ ኣይኮነ። ኣብ ጥቅምቲ 2004 ሰለስተ ተጻወቲ ኣብ ሱዳን ዑቑባ ሓቲቶም። አብ ግንቦት 2006 አርባዕተ ተጻወቲ ናይ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ናይሮቢ ተሪፎም። ኣብ መጋቢት 2007 ሽዱሽተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግረ ኤርትራ ኣብ ኣንጎላ ዑቑባ ሓቲቶም። መንግሰቲ ኤርትራ ሽሕኳ ንወጻኢ ዝኸይድ ስፖርተኛ ክሳብ 5000€ ትሕጃ ከትሕዝ እንተሓተተ በዚ እውን እታ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ጠጠው ክትብል ኣይካአለትን።

መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ገደብ ዘይበሉ መጽቐጥትን ንስፖርተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ንብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ናብ ስደት ከምዘምርሑ ገይሩዎም ኢዩ። ጸብጻብ ሕቡራት መንግሰታት ዓለም ከምዝሕብሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 62,000 ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ከምዘምርሑ ይሕብር።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዓመጸኛ ኣማራርሓ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሰዓብቱን ክኾኑ እንከለዉ፤ ፍትሕን ሕግን ሰላምን ዘይብላ ሃገር ንደቃ እኳ ክትከውን ከምዘይትኽአል ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ዓቢ ሕቶ ንኩሉ ኤርትራዊ ግን እዚ ኩነታት እዝስ ክሳብ መዓስ ኢና ክንጻወሮ ኢዩ?

ርሑስ በዓል ልደትን

ዓወት ዝመልኦ ሓዲሽ ዓመትን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...