ኣእዋም ተኣኪቦም ንጉስ ኣብ ልዕሊኦም ከንግሱ ተሰማምዑ'ሞ፡ ንተኽሊ ወይኒ "ንስኻ ንገሰና" በሉዎ። ወይኒ ግና፡ "ኣብ ልዕሌኹም ንክነግስ ኢለስ፡ ነቲ ንልቢ ሰባት ዘሓጉስ ተፈታዊ ጣዕመይ ክገድፍ፧ ይትረፈኒ ደኣ" በለ። ቀጺሎም ናብ በለስ ከዱ እሞ፡ "በለስ ንዓ ንገሰና" በሉዎ። በለስ ብግዲኡ፡ ኣብ ልዕሌኹም ክነግስ ኢለስ ነቲ ተፈታዊ ጣዕመይ ክገድፍ፧ ይትረፈኒ" በለ፡፡ ብድሕሪኡ ናብ እሾኽ ከይዶም፡ "ንገሰና" በሉዎ። ንሱ ግን፡ "ኣነ ክነግሰኩም እንተኾይነ ኩልኻትኩም ኣብ ትሕተይ እተዉ። ካብ ትእዛዘይ ምስእትወጹ ግና ሓዊ ይመጽእ'ሞ ይበልዓኩም።" በሎም። ሕራይ ከኣ በሉ። ሽዑ ከምቲ፡ ኣቦታትና ክምስሉ "ምስ እሾኽ ዝተጸግዐ ቆልቋልሲ ክነዝዕ ይነብር"፤ ኣምሓራ ክምስሉ እውን "ከእሾህ ጋር የተጠጋ ቁልቋል ሲያለቅስ ይኖራል" ዝብልዎ ከኣ ኮነ።

ኤርትራውያን እውን እዚ ዝዓይነቱ ምርጫ ኢና ወሲድና። ነቶም "ናይ ጥበብ መጀመርታ፡ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ" ዝበሉ "የጥፍእኩም" ኢልና፡ በቲ ዝወርዶም ዝነበረ ግፍዕታት ጸባ ሰቲና፡ ካብ ገዛእ ሃገሮም ብዘይፍታዎም ሰጒግናዮም። ነቶም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት ከኣ፡ "መጺእካለይዶ ክጽበየካ" እናበልና ተቐቢልናዮም። ስለዚ ሕጂ ነገር ኩሉ እናከፍኣ ምስ ከደ ኩላትና እቲ ዝትንክፈና ዘይመሰለና ሽግር ኣብ ኣፍ ደገ ገዛና ምስ መጸ፡ ዲሞክራሲ ከም ዘየለ ተረዲኡና፡ እምበር ከምቲ "ገብረ እንታይ ገበረ፧ ዝበሉዎ ኢዩ ዝገበረ" ዝበሃል፡ እዚ ስርዓት እዚስ ሓድሽ ዝገበሮ ነገር የለን። ከምቲ "ድሙስ ነይገድፍ ግብሪ እሙ" ዝበሃል፡ እታ ዝኽእላን ዝፈልጣን እዩ ዝገብር ዘሎ። ስለዚ ናይዚ ኩሉ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሽግር እንኮ መፍትሒኡ ገጽና ናብ እግዚኣብሄር ምምላስ እዩ።

እግዚኣብሄር ንህዝብና ብዓይኒ ምሕረት ይጠምት።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...