“ኣዳም እብ በላ በለው መይት ህላ” ብድሕሪ ተ.ሓ.ኤ. ንገብረመስቀል እንድርያስ ሓዉ ንኣብርሃ እንድርያስ ኣብ ከረን ብ1960ታት ምስቀተልዎ ዝተባህለ ዘረባ እዩ። ገብረመስቀል ሓደ ከብቲ እናሸጠ ዝነብር ነጋዳይ እዩ ኔሩ። ገብረመስቀል እንድርያስ መንግስቲ ሃይለ ስላሴ ኣብ ከረን ንተጋደልቲ ናይ ምሕናቕ ፍርዲ ሂቡ ኣብ ተግባር ምስ ኣውዓሎ፣ ኣብቲ ናይ ማሕነቕቲ ቦታ ብዝሕ ዝበለ ሰብ ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ቆማላት፤ ሕጂዶ ይሓይሽ ቋንጣ ምዃን” ክብል ሰሚዕናዮ ኢሎም ንተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ስለዝተነገረሉ፤ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ደልዮም፣ ረኺቦም ኣብ “ቦጉ” ዝተባህለ 4 ኪሎ ሜትር ካብ ከረን ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝሽየጣ ከብቱ ክገዝእ ምስከደ፣ “ደይብ ኣብቲ ከውሒ” ኢሎም ብጥይት ቶኪሶም ቐቲሎሞ ይብሃል። ብድሕርዚ እንታይ ድኣ ተረኺቡ ምስተባህለ፤ “ኣዳም እብ በላ በለው መይት ህላ” ክብል ሓደ ሰብ ተሰሚዑ። “ሰብ ብበላካ ለኽዓካ ይመውት ኣሎ”።

ኣብቲ እዋን እቲ ተ.ሓ.ኤ. “ኣንጻርና እዩ”፣ “ሓስዩ” “ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ነጊሩ” እናበሉ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነስ ብናይ ውድብ “ፍርዲ” ዝገበርዎ ናይ ቅትለት ስጉምቲታት ኔሩ እዩ። እዚ ታሪኽ እዩ።

ጽንሕ ኢሉ ድማ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብኸምዚ “ተባሂሉ” “ኢሉ” “ሓስዩ” ብምባል ክንደይ ሰብ እዩ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ተቐንጺሉ? ኣስቴር በዓልቲ ዋና ናይ ዕምባባ ገዛ ጥቓ ሲኒማ ኣስመራ ከም ኣብነት። መን እዩ ንውድብ ፈራዳይ ዝገበሮ? ካልኦትከ ጌና ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጡ ብህ.ግ.ሓ.ኤ. ጠፊኦም እንድዮም። ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ብ1980 ኣቢሉ ካብ ኤርትራ ስለዝወጸት ታሪኻ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ኣብቂዑ እዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ግን ካብ 1970 ክሳብ ሎሚ ጌና ዘይብቀዐን ዝቕጽልን ዘሎ ናይ “ዒም ዝበለ” ምፍርራሕን ነቲ ሕብረተ ሰብ ኣብ ጥርጠራን ዘይምትእምማንን ኣብጺሖሞ እዮም።

ብ2002፣ ሓደ ከም “ዘገንፎ” ዝዓይነቱ ሰብ “ኣድጊ ብምንታይ ትጠፍእ? ብመንደፍ፣ ሕዝቢ ኤርትራኸ ብምንታይ ይጠፍእ? ብህ.ግ.ደ.ፍ.፣” ይብል ኔሩ። ነዚ ሰሚዖም ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣሲሮም ምስኣውጽእዎ፤ “ኣድጊ ብምንታይ ትጠፍእ? ብመንደፍ፤ ሕዝቢ ኤርትራኸ ብምንታይ ይጠፍእ? ብሃተፍተፍ” በለ ይበሃል።

ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ደቅ ሰብ ኣለዎም ዝበሃል መሰላት እምበኣር ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል እዩ። እዚ መሰል እዚ ብባህርይን ብፍጥረትን ዝተለገሰሎም ኮይኑ ግን ኣብ ዓለማዊ ኣገባብ ኣብ ብዙሕ ቅዋማት ጸዲቑ ይርከብ። ኩሉ ሰብ ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ክሳብ ብኣገባብ ተጻርዩ ዝፍረድ ከም ንጹሕ እዩ ዝቑጸር ዝብል ኣብ ኩለን ምዕራብውያን ሃገራት ዘሎ ኣገባብ እዩ። ሓደ ሕብረተ ሰብ ኣብ ናይ ኣኽብሮት ውልቀ ሰብን ናይ ደቅ ሰብ ክብሪ ድማ ኩሉ ዜጋ ንኣስተግባረ ሕጊ ክሳተፍን ክዕንግልን ክዕቕብን ተኽእሎ ክህልዎ እዩ ዝሓይሽ። መዘከርታ ንጋዜጠኛታትን ነጻ ማዕከን ተኸላኸልትን።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...