ናብ ኣዳለውቲ መርበብ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም(ደሊና)
                 
ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራስን ፍትሕን ንምምጻእ ብሞያኹም ሓርኮትኮት ትብሉ ዘለኹም ክቡራት ኣሕዋት ኣዳለውቲ መርበብ ኣዝማሪኖ-ናጻ ማዕከን፡፡

ሎሚ  ምሳኻትኩም ክላለ ተበጊሰ ኣለኹ’'ሞ ደሃይኩም ከይፍልየኒ እምሕጸን፡፡ ናይ ትግርኛ ዓምዲ፡ ኣብ መርበብ ኣዝማሪኖ ዳግማይ ምጅማርኩም ንኩላትና እንቋዕ ሓጎሰና፡፡

ክቡራት ኣዳለውቲ፡ መጀመርታ ክላለየኩም እፈቱ። ጆን-ፊፊ እበሃል፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኣዲስኣበባ ኢየ። ኣብ’ዚ ግዜ'ዚ ኣብ ኣዲስኣበባ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም እርከብ፡፡ ካብ’ዛ ንፈለማ ግዜ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ጀሚረ፡ ናይ ወትሩ ተሳታፊ ክኸውን ድማ ተስፋ እገብር፡፡
 
ክቡራት ኣዳለውቲ፡ እቲ ኣብ’ዚ ግዜ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ቀዳማይሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዘካየድኩሞ ሰፊሕ ቃለመሕተት ኣዝዩ እዋናውን ኣገዳስን’'ዩ ክብል እደሊ፡፡ እንተኾነ መብዛሕትና ኣብ ኢትዮጵያ እንርከብ ክንከታተሎ ኣይከኣልናን። እቲ ምኽንያት፤

1.ድምጺ(audio)ንክትሰምዕ እኹል ዓቕሚ ዘለዎ መሳለጥያ ስለዘድሊ፡ ነቲ ድምጺ ክንከታተሎ ኣይከኣልናን።
2.ከይነንብቦ ድማ ብጽሑፍ ኣይሰፈረን(ነቲ ሕቶታት ጥራይ ኢኹም ጽሒፍኩም)

ስለ'ዚ ክቡራት ኣዳለውቲ፡ ብዛዕባ ክንከታተሎ ዘኽእለና ዝያዳ ሓበሬታ ካባኻትኩም ንጽበ። ብፍላይ ነቲ ብድምጺ ዘሎ ጸዒንና(download)ጌርና ክንሰመዓሉ እንኽእል መንገዲ እንተትገብሩልና ጽቡቕ ነይሩ። ኣነ ብወገነይ መሊአ ኣብ ሽመልባን ማይዓይንን ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዓቕመይ ምለኣኽኩሎም ነይረ። መልስኹም ብሃንቀውታ እጽበይ።

ምስ ናይ ክብሪ ሰላምታ
 ጆንፊፊ
ካብ ኣዲስኣበባ 

መልሲ ካብ ስታፍ ኣዝማሪኖ፤
ዝኸበርካ ጆን ፊፊ፤ ስለተሳታፍነትካን ተገዳስነትካን ነመስግን።
ከም'ቲ ዝጠቐስካዮ ብመንገዲ ኮምፕዩተር ድምጺ ንክትሰምዕ ሓያል መሳለጥያ የድልየካ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቃለመጠይቕ ብመንገዲ ሬድዮ ድምጺ መሰልና ደሊና ከምኡ'ውን ብተለቪዥን ደሃይ ኤርትራ ክፍኖ ኢዩ። ብጽሑፍ እውን ኣብ ቀረባመጻኢ ክንዝርግሖ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ ንኩላቶም ተኸታተልቲ ዝማሪኖ ክንሕብር ንደሊ። ተሳትፎኻ ይቐጽል። የቐንየልና።

ስታፍ ኣዝማሪኖ

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...