ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓለም ብኣንክሮ ክርእዮ ዝኸኣለ ቃልሲ ብምክያድ፡ ማለት ኣንጻር ካብናቱ ዝተዓጻጸፈ ሓይሊ ንዝነበሮም ገዛእቱ ብዝተናውሐ ኩናት ገጢሙ ሰዓሪ ኮይኑ ብምውጻእ፡ ሃገራዊ ነጻነቱ ክውን ኣብምግባር ተዓዊቱ ጅግንነት ዘመስከረ ህዝቢ ኢዩ። ግን እቲ ነጻነት ብቐረባን ኣብ ሓጺር እዋንን ክኸውን ዝኽእል ከም ዘይምዃኑ ጌሩ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፡ ድሓር ከኣ እቲ ነጻነት ምስ ተረኽበ ክዕምጽ ዝኽእል-ኣካል ክህሉ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ስለ ዘይሓሰበ፡ ከምኡ’ውን በቲ "ስለሃገራዊ ነጻነትን ሓርነት ህዝብን ኢና ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ንቃለስ ዘለና እምበር ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ" ዝብል ሓቅነት ዘይብሉ ኣባሃህላ ናይቶም ቃልሲ ዝመርሑ ዝብልዎ ዝነበሩ ተደናጊሩ ስለዝኣመኖም፤ ነቶም ምእንቲ ዝጎደለ መሰላቱ ሕቶ ዘልዕሉ ኣካላት ደጊፉ ኣይተቓለሰን፤ ብተስፋን እምነትን ጥራይ ኢዩ ብቕንዕና ብረታዊ ቃልሲ ኣሰንዩ።

እንተኾነ ግን እቶም ኣሚኑ ኩሉ ክገብሩሉ ዝተጸበዮም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ውድድር ስልጣን ኣትዮም ክቀናጸሉ ዝጸንሑን ጠቕሞም ቅድሚት ዝሰርዑን ስለዝኾኑ፤ ብዛዕባ መንግስቲ ናይ ምትካል ዝነበሮም ተኽእሎ ሓጺር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሱሩ እውን ናብ መንግስቲነት ክሰግሩ እንከለው፤ እቲ ኣብ ቃልሲ እናተቓተሉ ዘምጽእዎ ስልጣን ምስ ህዝቢ ተሓዊሶም ሃገራዊ ክገብርዎ እንተደኣ ኮይኑ፡ እቲ ስልጣን ካብ ኢዶም ክሞሉቕ ምዃኑ ስለዝፈለጡ፣ ከምዘለናዮ ብዘይመንግስቲ ምንባር ይሓይሽ ብምባል ስልጣኖም ከይትጠፍኦም ክብሉ ሃገር ብዘይመንግስቲ የንብርዋ ኣለው።

እዞም ዓመጸኛታት እዚኣቶም ምርጭኦም ከምኡ ስለዝኾነ ደኣ ኢዮም ሃገር ረሚሶም ህዝቢ ዘጽንቱ ዘለው እምበር፡ ገለ ኣመት ናይ መንግስትነት ስለዘይፈልጡ’ውን ኣይኮኑን።

ብሕጽር ዝበለ ሓደ መንግስቲ ብውሕዱ ሂወትን ንብረትን ናይ ዜጋታት እናሓለወ ኣብ መንግስትነት ከም ዝነብር ደኣእምበር እናቐተለን እናዘመተን ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን መንግስትነት ጌሩ ክነብር ዝከኣል ከምዘይኮነ ክጠፍኦም ኣይክእልን ኢዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ዘሎ ሃገራዊ ሽግርን ወጽዓ ህዝብን ኣብ ግምት ዘእተወ ህዝባዊ ምልዕዓል ግዜ ዝጠልቦ ጉዳይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ፈሊጥና፡ ብኹሉ ዘለና ዓቕሚ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ክንብገሰሉ ኢዩ ዝግባእ።


ኣቦታትና "ባዕለን ዝሰበሮኦስ ሓጺበን ከምዘንበራኦ" ከምዝብልዎ ጉዳይ ሃገርና ብድምጺ ኩላትና ክግበርን ክጽየቕን ኮይኑ እንተዝኸውን መምለሲ ኣንጎሎ ምረኸብናሉ፡ እንተ ሕጂ ግን እቶም ጸየቕቲ ንኸዐርይዎ’ውን ከቢድ ኢዩ። ካብ ጉዕዞ እንተዘይተማሂርካ ጌጋ ኣብምምድግጋም ኢኻ እትነብር። ካብ ታሪኻዊ ጉዕዞና እንረኽቦ ትምህርቲ እንተድኣተጠቒምናሉ ጌጋ ኣይክንደግምን ኢና። እቲ ሽግር ዝመልኦ ጉዕዞ ታሪኽና ድማ ዓቢ መምህር ኢዩ።

ስለ’ዚ ንሓርነታዊ ቃልስና ህዝባዊ ጌርና ኣብዛ እዋን እዚኣ ብስርዓት ዝግዛእ መንግስቲ እንተኽለሉ ኩነታት ክንፈጥር እንተዘይክኢልና ሓርነታዊ ቃልስና ክዳናጐ ወይ ዘይምኣዝኑክሕዝ ምዃኑ ንኹላትና ብሩህ ክኸውን ኣለዎ።
 
ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ከኣ፡ ዲሞክራሲያውያን ዝኾኑ ባእታታት ምስዘካይድዎ ጥራይ ኢዩ ከምቲ ዝድለ ኮይኑ ክትግበር ዝኽእል። ዲሞክራሲያውያን ማለት ከኣ ኩላቶም እቶም ተሞክሮኣውን ግብራ ውን ኣተሓሳስባታት ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝውንኑን፡ ዲሞክራሲያዊ ኣታሓሳስባ ዘለዎም ምሁራትን ኢዮም።

ብመሰረት ኣበጋግሳ ብረታዊ ቃልስና ምስእንሓስብ፡ እቶም ዝጋደሉ ዝነበሩ ምእንቲ ህዝቢ ክስዋኡ፡ ብፍረመስዋእቶም ህዝቦም ኩሉክረክብ ዝብል መንፈስ ሒዞም ኢዮም ድማ ኩላቶም ሰማእታትና ሓሊፎም።

እቶም ዝሓለፉ ጀጋኑና ምስ እዞም ዝገዝኡና ዘለው ጠላማት ዝዛመድ ባህርያትን ኣታሓሳስባን ኣይነበሮምን። ጀጋኑና ካልኦት፡ ቀጥቀጥትና ድማ ካልኦት፡ ክልተ ክቀራረብ ዘይክእል ኣታሓስባ ዝውንኑ ኣካላት ድማ ኢዮም። ዲሞክራሲ ምስቶም ዝሓለፉ ስማእታትና ተቐቢራ ኢያ። ስለ’ዚ ንኹሉ ሓሲብና ሕጂ ንበገሰሉ።                                      

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...