በላይ መስፍን ናይ ዜጋታት ተባላሓትነት ብነጻ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከም ዘለዎ ክሳዕ ዘይተገብረ ሽግር ክፍታሕን ሃገር ንቕድሚት ክትስጉምን ኣይትኽእልን ኢያ፣ ዝኾነ ይኹን ነዚ ናይ ውልቂ ተባላሓትነት ዝዕንቅፍ ሕጊ ይኽን ተግባር ናይ ሓደ መንግስቲ፣ ዓጋቲ ምዕብልና ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ጠቕሚ የብሉን፣ ሃገር ብምኽሪ ትምራሕ፣ ሽግር ድማ ብብልሓት ኢዩ ዝፍታሕ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ክቃለስ ኢሉ ንሜዳ ምስ ወጸ፣ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝመርሕዎ ዝነበሩን ክሳዕ ሕጂ ብመገዶም ኣብ ርእሲኡ ሸይሸይ ዝብሉ ዘለውን፣ ኣብ ጊዜ ቃልሲ’ውን ድሕሪ ዓወት ማለ ት፣ጸላኢ ምስወጸ እንታይ ዝመስል መንግስቲ ከም ዝህልዎ፣ ከይሓስብን ብዛዕብኡ ከይዛረብን፣ ኣበይ ንምብጻሕ ኢዩ እናበሉ ብዛዕባ እቲ ናይ ሽዑ መጻኢ እዚ ንርእዮ ዘለና ጸልማት ንህዝቢ ንኸይራኣዮ እሞ ንብሩህ ራኢ ከይቃለስን ንዕሩይ ምሕደራ ካይባላሓትን ዓጊቶምዎ ጸኒሖም ኢዮም።

ኣብ ርእሲ እዚ ነቶም ዝኾነ ይኹን ብልሓት ክፈጥር ዝኽእል መንቋሕ ቋሕታ ዝነበሮም ጀጋኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እናቐንጸሉ ንኹሉ ብምር ዓድ ነንሕድሕዱ እናተዳማመጸ ተሳማሚዑ ከምቲ ልምዲ ኣቦታቱ ብኣፍ ልጦ፣ ምእንቲ ከይምራሕ፣ ኩሉ ማዕረ ኢዩ ብዝብል ነንሕድሕዱ ከይሳማ ማዕ፣ ዝገብር ብልሓታት ፈጢሮም፣ ነቲ ዝፈልጦ ዘይብሉ የዋህ ህዝቢ ከ ይፈለጠ ከምዝነብርን ዝሕሾ ከምዘይሓስብን ብምግባር ተበላሓትነቱ ኣጥ ፊኡ፣ ከም ዝዕውን ጌሮምዎ ኢዮም።

ነቲ ኣብ ሕድሕዱ ዝነበረ ናይ ምክባባር መንፈስ እውን ጨሪሱ ከም ዝጠፍእ ጌሮም ጽን ተባሃሂሉን ተረዳዲኡን መሰሉ ንምልላይ ከምዘይበ ቅዕን፣ ኢሂን ምሂን ተባሃሂሉ ጌጋ ንምእራም ከፍትን ከምዘይክእልን ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ መርበብ ስለላ የጨንቕዎ ኔሮምን ኣለውን።

ስለ’ዚ እታ ምግዳድ እትብሃል ነገር ክትሳዓር ኣለዋ፣ በቲ ኩሉ ካብ ሕጊ ወጻኢ ከሎ ከም ሕጊ ክገብርዎ ዝደልዩ፣ ህዝብና ዘይባህሉን ዘይልምዱን ክሕዝ ተገዲዱ ኢዩ፣ ብኽቱር ፍርሒ ንባህሎም ከም ባህሉ ክቕበል ነቲ ጭዋ ዝኾነ ባህሉን ልምዱን ክድርቢ ተገዲዱ ኢዩ፣ ስምምዕ’ውን የብሉን ብዛዕባ ህዝቡ ይኹን ሃገሩ ዝነበሮ ድሙቕ ሕልናዊ ስሚዒት ከም ዝሃስስ ጌሮም፣ ክመክር ዝኽእል ዝነበረ፣ ተመኺሩ ዘይሰምዕን ነንሕድሑ ዘይሳማ ምዕን፣ ሕብረተ-ሰብ ከም ዝኸውን ጌሮም በቲኖምዎ ኢዮም።

ነዝን ክንድዝን ኣለሊና ነቲ ጠፊኡና ዘሎ ነገራት ናብ ንቡር ክንመልሶ እንተዀና፣ ኩልኻ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘለኻ ሃሉ እናዘተኻ መፍትሒ ፍጠር ውልቃዊ ተበግሶታት ተኣኪቡ ኢዩ፣ ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ክተክል ዝኽእል፣ ስለ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ መፍትሕ ሽግሩ ዝኾነ ሃገራዊ ዋዕላ ክገብር የድሊ ኣሎ።

እቲ ዋዕላ ብህዝቢ ተጀሚሩ ብህዝቢ ክውዳእ ኣለዎ እተን ኣካሉ ዝኾና ውድባት ብሙሉኤን ኣብቲ ዋዕላ ከሳትፈን ኣለዎ፣ እቲ ዋዕላ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ተወዲኡ ቅርጺ ሓደ ብሕጊ ዝቕየድ መንግስቲ ምቕራጽ ክሳዕ ዝክኣል ተኻይዱ፣ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክተክል ዝስየም ኣካል ብማሓላን ካልእ መቐየዲ ሕግታትን ስልጣኑ፣ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ ጥራይ ክትከውን ኣለዋ።

እቲ ኣነ ይበልጽ ኣነባ ኣብ ዝብል ናይ ኣውዲቕካ ሕለፍ ጭርጭር ዓበደ ምጽዋት ናብ ካልእ ኣብ ዓለም ዘሎ ልሉይ ኣሰራርሓ ከስግር ዘይክእልን ካብ መድረኽ ህለኽ ዘየውጽእን ስለዝኾነ ማዓልቱ ከእክል ኣለዎ፣ ካብ ሎሚ ንድሓር ህዝቢ ተጸባያይ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይኹን ዋና ሃገራዊ ዋዕላን ብኡ ኣቢሉ ድማ ዋና ስልጣኑን ክኸውን ኣለዎ።

ዝኾነ ኮይኑ እቲ ኩሎም ተቓለስቲ ክሳዕ ሕጂ ዝገብርዎ ዘለው ዝንዓቕ ዘይኮነስ እቲ መድረኽ ተደራቢ ሓይልን ብልሓትን ይሓትት ኣሎ፣ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣድላይነቱ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ሽግሩ እናውሰኸ ኣብ ዘስካሕክሕ ደረጃ ይድይብ ኣሎ፣ ስለ’ዚ ሃገራዊ ዋዕላ ምቅልጣፍ ዕድመ ሽግር ህዝብና ምሕጻር ምዃኑ ክርዳና ኣለዎ።

ሎሚ ህዝብና ብዝደለዮ መልክዕን ምስ ዘድልዩዎን ኮይኑ ብውልቁ ድዩ ተጠርኒፉ ክቃለስ የብሉን ዝብል ኣካል፣ እንተሃልዩ፣ በቲ ኣነ ዝደለኹዎ ኣገባብ ተጠርኒፍካ፣ በቲ ኣነ ወይ ንሕና እንብለካ እያ እታ እንኮ መፍ ትሒ ብዝሓንጸጽናዮ እንተዘይተመሪሕካ ካልእ ቅቡል ኣይኮነን ይብለካ ኣሎ ማለት ኢዩ፣ በቲ ንህዝቢ ይጠቅም ኢዩ ተባሂሉ ዝማዕበለ፣ ስነ ሓሳብ ናይ ኣገዛዝኣን ኣማሓድራን ድኣምበር ናይ ተጠርነፉ ኢሉ ዝጥርን ፈካ፣ ጥርናፈ ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ኣየብጽሕን ኢዩ። ዘብጽሕ እንተ ዝኸውን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ተማእዚዙ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ብመገዲ ጥርናፈ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ የለን።

ብሃገር ኩሉ ሸነካዊ ምዕብልና ክመጽእ እንተድኣ ኮይኑ ግን ኩሉ ብዘዘለዎ፣ ምብልሓት ምስ ዝመስልዎ ከማዕብልን ክሰርሕን እንተድኣ ክኢሉን ኩሎም በብወገኖም ንሃገራዊ ጠቕሚ ዝኽውን፣ ዝተበላሓትዎ ብምውህሃድ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ምስ ዝኽእሉን ጥራይ ኢዩ፣ እቲ ናይ ሓቂን ኩሉ ዝደልዮን ውጽኢት ክርከቦ ዝክኣል።

ናይ ኤርትራውያን ክሳዕ ሕጂ እንፈልጦ ኣጣራንፋ ግን ከመይ ጌረ ሓዪለ፣ ወይ ምስ ዝሓያለ ተጸጊዔ ስዓራይ ኮይነ ይወጽእ ዝብል ኢዩ፣ እዚ ግን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕሱም፣ ተሞክሮኡ ኣጸቢቑ ኣለልዩዎ ዘሎን ኣብዚ ዘሎ ሕሰም ዝመልኦ ፖለቲካዊ ውድቀት ኣብጺሑዎ ዘሎን ኣጣራ ንፋ፣ ስለ ዝኾነ ፍሹል ኢዩ፣ ቁሊሕ ኢልና፣ ክንርእዮ የብልናን።

ጥርናፈ ዝብሃል ነገር ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕሱም ተጎዲእናሉ ኢና፣ ባህሊ ኮይኑ ስለ ዝተረፈ ድማ ከም ኣብ ከክፍለን ዝተዓጽዋ ማሕስእ ተገሪህና ሓደ ገጽ ሓደ እናራኣየ ኣብ ክንዲ መምስ ዝመስልዎ ኮይኑ ብልሓት ብምፍጣር ኩሉ ዝቕበሎን ንህዝቢን ሃገርን ከድሕን፣ ዝኽእልን ሓሳብ ኣብ ክንዲ ምድህሳስን ምብልሓትን ኣይንቕድሚት ኣይንድሪት ተሳሓ ሒቡ፣ ጠጠው ከምዝብል ኮይኑ ኣሎ፣ ስለ’ዚ ክቡራት ኤርትራውያን፣ ኣብ ዘለኹምዎን ብዝመስለኩምን ንሃገር ይደምዕ ኢዩ ንህዝብና ካኣ ካብዘለዎ ሓሳረ መከራ ከናግፍ ይኽእል ኢዩ ዝበልኩምዎ ሓሳባት ኣማዕብሉ፣ህዝቢ ካብ ዘለዎ ሽግር ንኽገላገል ኣብ ዘዘለዎ ክምህለል ኢዩ ዝውዕል ዘሎ።

እስከ ኣነ ቁሩብ ዝመስለኒ ምብልሓተይ ክዝርዝር፣ ምብልሓት ንዝዕንቅ ፈካ እናልገስካ ካብ ከተልግሶ ዘይትኽእል እናተኣለኻ ብጥዕና ኣብ እት ደልዮ ምብጻሕ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ንሃገራዊ ዋዕላ ካብ ውህሉል ተሞክሮኡ ተበጊሱ ሓደ ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ዝልዓለ ዓወት ክጭብጠሉ ዝግባእ ናይ መወዳእታ ፍረ ቃልሱ ዝሓፍሰሉ ኢዩ ክገብሮ ዘለዎ፣ ዋንኡ ድማ ባዕሉ ኢዩ፣ ውድባት ዝሰርሕዎ ኣብ’ዚ ደረጃ እዚ ንምብጻሕ ሓጊዙ ኢዩ፣ ዝኾነ መሰናኽል ሰጊሩ ድልድል ቃልሲ ከም ዘይስበርን ቃልሲ ጠጠው ንኸይ ብልን ጌሩ ኢዩ፣ ሕጂ ግን ኣብ ዓወት ኣብጺሑ ንሱ ነጻነት ክባርኸልና ኣይንጸበ፣ ድሕሪ ሕጂ ንሕና ኢና ብሕጋዊ መገዲ ስልጣን ንባርኸሉ፣ እቲ ብብረት ንኹሉ ዝተኸፍለ መስዋእትን ስንክልናን ረጊጹ ጠሊሙ፣ እዚ በታሓሳስባ ሃገር ኣብ ምዕራይ ዝዋሳእ ዘሎ፣ መኻይድና ኢዩ ኣብ ዘብሎ የብሉን፣ ግን ዓይንኻ ከፊትካ ክትጉዓዝ ናይ ግዲ ይኽውን፣ ኩሉ መስል ዋጋ ንቕሓትካን ቃልስኽን ኢዩ።

ሕጂስ እንታይ ዝመስል መንግስቲ የድልየና ኣሎ፣ ኣብ ዝብል ኣቲና ዳኣ ብመገዲ ሃገራዊ ዋዕላ፣ መጻንሒ መንግስቲ ኣብ ስደት ንግበር፣ እዚ መንግስቲ እዚ ምእንቲ ምሉእ ሓገዝ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክረኽብ ንድላይ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸብርቕ ኮይኑ ህዝቢ ምሉእ ቅሳነት ኣብቲ ዝተኸሎ መንግስቲ፣ ክረክብ እንተዳኣ ኮይኑ፣ ህዝቢ ኣብቲ ዝትከል መንግስቲ ዋና ናይ ኩሉ ምሕሳብን ምብልሓትን ክኸውን ኣለዎ፣ ስለ’ዚ ንሃገራዊ ዋዕላ ብጀካ ህዝቢ፣ ካልእ ዋንኡ ክኸውን ኣይክእልን ኣይግብ ኦን’ውን።

ስለ’ዚ ኩሉ ይሓስብ ኢየ ይፈለጥ ኢየ ዝብል ኤርትራዊ ሎሚ ኣይደቅስ በብዘለዎ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ጥራይ መደብ የውጽእ፣ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነ ዝኾነት ትኹን ውድብን ዝኾነ ይኹን ጥርኑፍ ማሕበርን ምስ ህዝቡ ክካፈል ከምዘለዎ ክግበር ኣለዎ፣ ሃገራዊ ዋዕላ ንኹልና ዝጥርንፍን ስሙር ውጽኢትን ክህልዎ እንተዳኣ ኮይኑ፣ ኣብ ምጅማር እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ሓደ ጥንቁቕ ኣላዪ ኣካል ከድሊ ኢዩ፣ ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ካኣ መሰጋገሪ መደብ ዕዮ ኮይኑ፣ ነዚ ትመርሕ ካብ ኩሉ ሕብረ-ተሰብና ዝተዋጽኤት መሪሕነት ትህልዎ፣ ድሕር’ዚ እዛ መሪሕነት እዚኣ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ ወኪላ ነቲ ዕማም ክሳዕ’ቲ ዝተዋህባ ጊዜ ተካይዶ፣ ሃገራዊ ዋዕላ ብዘየማትእ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኢዩ፣ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ካኣ ኣብጺሕካ ምለስ ኢዩ፣ ካብ ከምኡ ዝበለስ የድሕነና ዳኣ ሎምስ።

ቅርጻ መንግስትና ካኣ ከምዚ ዝስዕብ ክመስል ይድለ ኣሎ፣ እቶም ኣብ ዋዕላ ዝቐርቡ ሊቃውንቲ ተወሲኾም ድሕሪ ምዝታይ ምምሕያሹ ወይ ዝሓሸ መተካእታ ምግባር ይክኣል።

ኤርትራ መበል 14 ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ ካብ ምዃን ካብ ትጋላገል ድሮ 19 ዓመታት ኮይኑ፣ 9 ክፍላተ ሃገራት ዘለውኣ ልዑላዊት ሃገር ድማ ኮይና ኣላ።

ንሳተን ካኣ፣

1. ሳሕል ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ ናቕፋ ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን፣ ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

2. ሰንሒት ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ ከረን ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

3, ባርካ ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ ኣቚርደት ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

4. ጋሽን ሰቲትን ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ ተሰነይ ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን፣ ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

5. ሰራዬ ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ መንደፈራ ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

6. ኣከለ-ጉዛይ ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ ዓዲ-ቐይሕ ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

7. ሓማሴን ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ ኣስመራ ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

8. ሰምሃር ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ ባጽዕ ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን፣ ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

9. ደንከል ከም ቀደማ ርእሲ ከተማኣ ዓሰብ ኮይኑ፣ ባይቶኣን ኣማሓደርታን፣ ዘለዋ ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ክትከውን ኢያ።

ነብሲ ውከፈን 75 ኣባላት ባይቶ ክህልውወን ካብኦም 15 ናብ ማእከላይ መንግስቲ ክልእካ ኣለወን ስለ’ዚ ድምር ኣባላት ባይቶ ማእከላይ መንግ ስቲ ኤርትራ 135 ክኾኑ ኢዮም ማለት ኢዩ።

ነብሲ ወከፈን ናይ ዝሰድኦም ኣባላት ብቕዓት፣ ንጠቕሚ እታ ክፍሊ ሃገ ርን፣ ንጠቕሚ መላእ ሃገርን ስለ ዝምልከት 9ኤን ክፍሊ ሃገራት ብቕን ዕና፣ ይኹን ብቕዓት ዝልለዩ ልኡኻት ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ኣለወን።

እዚ ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ሃገርና እንታይ ዝመስል መንግስቲ ክህለዋ ከምዘለዎ ንዘለዎ ራኢ ከቕርብን ንሃገራዊ ዋዕላ ክቕረብን ካብ ዝብል ኢየ ኣቕሪበልኩም ዘለኹ እሞ ሃዬ ንባላሓትን ንዳህስስን፣ ሎሚ ካኣ ከም እቲ ዝሓለፈ ኣብ ዓወት ምስ በጻሕካ ስዑርን ጽቑጥን ካብ ምዃን ከም እንድሕን ዳኣ ንግበርን ንጠንቀቕን።

ንምብርሁ ዝኣክል ኣብ ሰማይ ገነትን ሲኦልን ኢየን ዘለዋ፣ ነናተን ኣፍደገ ድማ ኣለወን ሲኦል ረጊጽካ ናብ ገነት ምሕላፍ ኣይካልን ብኣ እንተዳኣ ኬድካ ሓሪርካ ኢኻ ትተርፍ፣ ስለ’ዚ ንገነት ብቲ ኣፍ ድጊኣ ክትኣትዋ ኣለካ፣ ሎሚ ኤርትራ ዝዓበ ዝንኣሰ በሪሩ ዝነፍጸላ ሲኦል ኢያ ኮይና ዘላ ገነት ክትኮነልና ሓዲሽ ኣፍደገ ክንደልየላ ኣለና፣ እቲ ኣፍ ደገ ኩልኻ ኮንካ ሃገራዊ ዋዕላ ብህዝቢ ኣብ ቅድሚ ወይ ብታዓዛብነት ሕብረ ተ-ሰብ ዓለም ክውዳእ እሞ ውዱእ ቅርጻ መንግስቲ ናይዛ 9 ክፍላተ-ሃገ ራት ዘለዋኣ ኤርትራ ሒዝካ ነቲ ተጠሊሙ ዘሎ ህዝቢ ስልጣኑ ከተረክቦ ጥራይ ኢዩ ዘለካ፣ ሎሚ በላዕን ተበላዕን ኮንካ ምእታው ካብ ዕሽነ ትካልእ ትርጉም የብሉን፣ እዚ ስርዓት እዚ ድሕሪ ምእላይ ሂወት ኤርትራዊ ክብርትን ውሕስትን ጥራይ ኢያ ክትከውን፣ ኣይንሕመቕ ዓወት ናይ ህዝቢ እቲ ማንም ዘይብድሆን ዘይተርፍን ኢዩ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...