ብዛዕባ ነጻነት ብዙሕ ክዝረብ ይኽእል። ጠለብ ነጻነት ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምስ ትሕዝትኦም ይፈላልየ'ዩም። ንኣብነት ሰባት ቁጠባዊ ነጻነት፡ ማሕበራዊ ነጻነት፡ ባህላዊ ነጻነት ይደሊዩ፡፡ እዚ ማለት ብተራ ኣዘራርባ ርእስኻ ናይ ምኽኣል፡ ሰሪሕካ ይኹን ነጊድካ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ትጽቢት ብምርጫኻ ምስ ሙሉእ ነጻነትካ ነፍስኻ ከተማሓድር ምድላይ'ዩ።


ይኹን'ምበር ካብ'ዚ ፍልይ ዝበለ ሓደ ኣገዳሲ መሰረታዊ መሰል ነጻነት ኣሎ።ውሽጣውን ግዳማውን ነጻነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል'ዩ። እዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል፡ ደቂ ሰብ ክሓስቡ፡ ሓሳቦም ክገልጹ፡ ክጽሕፉን ንውሽጣዊ ስምዒታቶም ምስ ከባቢኦም ከመዓራርዩ ዘኽእሎም መሰረታዊ ነጻነት ምውናን'ዩ። እዚ ግን ቦታ ክህልዎ ይግባእ።

ብባህሪያቱ ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰብ ምስ'ዚ ኩሉ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ምዕባለ ሓደ ዘይቕየር ሕቶ ጉዳይ ምንባር፡ ሂወት፡ ሰላም፡ ነጻነት'ዩ። ደቂ ሰብ ከባቢኦም ብዝዀነ ይኹን ተጻብኦታት እንተድኣ ዘይተረቢሹን ዘይተሃዲዱን፡ ቀዳማይ ጠለባቶም ብሰላም ናይ ምንባር'ዩ። ሎሚ እቲ ጥንታዊ ግርጭት ኣብ ምንጎ ደቂ ሰብን፡ እንስሳ ዘገዳምን (ኣራዊትን) ተፈቲሑ፡ ደቂ ሰብ ነቲ ሰላም ዝኸልእ፡ ምንባር ዘስግእን ዘጸግምን ዝነበረ ተቋጻጺርዎ ብተዛማዲ ሓባራዊ ናይ ኣነባብራ ሜላ ተፈጢሩ። እዚ ሜላ'ዚ ኣብ ሓድሕድ ነጻነትን ምክብባርን ዝተመስረተ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ'ዩ። እዚ ሓባራዊ ናይ ምንባር ሜላ ግን ምስ'ቶም ኣብ Zoo  ወይ  Park (መካነ እንስሳታት) ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽር ዝርከቡ እንስሳ ዘገዳም ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። እንስሳ ዘገዳም ንመሰሎም ክቃለሱ፡ ደቂ ሰብ ንመሰሎም ዕሽሽ ክብሉ ክትርኢ ክትሰምዕ ካብ'ቲ ዘገርም ተርእዮ'ዩ።

ኣብነት
ኣብ ከባቢ ማሳይ ዝተባህሉ ዓሌት ዝነብሩሉ ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ከባቢ ሰረንጌትን ኬንያ፡ ጎርንጎሮ ታንዛኒያን ዝተባህለ ቦታታት ጥሪቶም ሰቦም በቶም ዓበይቲ እንስሳ ዘገዳም ይቕተሉ ነይሮም፡ ሎሚ ግን ዓሌት ማሳይ ከባቢኦም ፈሊጦም፡ እቲ ንኣራዊት ዝግባእ ፈሊጦም ካብ ቀደም ሎሚ ንኩነታቶም ተቆጻጺሮም ብሰላም ይነብሩ ኣለዉ። ግን ሓሓሊፉ ሓደጋታት ኣይርከብን ማለት ኣይኮነን። እቶም እንስሳታት ዘገዳም'ውን ዶባቶም እንተጢሒሶም ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቑ ይፈልጡ ስለ ዝዀኑ ተጠንቂቖም ይኸዱ። እቲ ኣራዊት ዘገዳም ኣብ ልዕሊ ሰባትን ጥሪቶምን ዝገብርዎ ዝነበሩ መጥቃዕቲ፡ ከም ተቃውሞ ተወሲዱስ፡ ሓረስቶት ከባቢኦም ክጥሕሱ ከም ዘይብሎም ዝተገብረ መጽናዕቲ ሎሚ ውጽኢት ተረኺብሉ። እቲ ህዝቢ ፈሊጡ፡ እቶም እንስሳታት'ውን ፈሊጦም። ምእንቲ'ዚ በዚ ሕጊ ናይ ሰረንጌቲ እንተኸይድካ፡ ካብ ኣብ ኤርትራ ምንባር ኣብ ሰረንጌቲ ምንባር እቲ ዝሓሸ ምርጫን ውሕስነት ሂወትን ዘለዎ ኮይኑ ትረኽቦ። ደጊም እንስሳታት ነጻነቶምን መሰሎምን ክኽበረሎም ካብ ደለዩ፡ እቲ ንኹሉ ኣዛሚዱ ዝሓስብ ክቡር ወዲ ሰብ ነጻነት ክደሊ፡ መሰሉ ክሓትትን ብመሰሉን ክብሩን ነጻነቱን ክሓስብን ግድን'ዩ።

ኣብ'ዚ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ነጻነት፡ ድሌት ሰላምን ከም ኣብነት ክጥቐስ እቶም ብመንጽር እቶም ብዘይረኽብዎ ነጻነት፡ ብዘይረኽበዎ መሰል፡ ብዘይረኽብዎ ክብሪ፡ ነጻነት ከም ዘለዎም፡ መሰሎም ከም ዝተሓለዎም፡ ክብሪ ከም ዘለዎም ገይሮም ክሓስቡ ናይ ዝደሊዩ ደቂ ሰባት መብዛሕትኦም ምስ ዕሉላት ምልካውያን መስተንክር ዝምድናታት ዘለዎም'ዮም።

ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ኣሎ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ን18 ዓመት ስልጣን ብሒቱ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት'ዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብዝዀነ ይኹን መዕቐኒ ብዛዕባ መሰረታውን ፍሉይን ዝበሃል መሰልን ነጻነትን ደቂ ሰብ በዚ ሎሚ ፈጺሙ የልቦን ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይሕሰብ'ውን'ዩ። ኣብ ኤርትራ ንምልክት፡ ንይምሰል ዝበሃል መሰልን ክብርን ደቂ ሰብ የልቦን።

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ነጻነት ህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ስለ ዝተቆጻጸሮ፡ ነጻነትን ክብርን መሰልን ስለ ዘልመሶ፡ ብዛዕባ መሰልን ክብርን ነጻነትን ኣብ ኤርትራ ክትዛረበሉ ትርጕም ዘለዎ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ ሓንቲ የልቦን።

እዚ ጉዳይ ኣንጻር ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸምን ዝፍጸም ምህላው ግን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ መሰሉን ነጻነቱ ክብሩ ክሕለወሉ ዝደሊ ህዝቢ ኣሎ። እቲ ንመሰል ነጻነት ክብሪ ዝሕሉን ዝከላኸልን ሕግን ግን የልቦን።

ኣብ ኤርትራ መሰልን ነጻነትን ክብሪ ደቂ ሰብ ሕልዉ'ዩ ዝብል ዜጋ ኣሎ ኣይብልን። ክህሉው'ን ኣይክእልን'ዩ። ምኽንያቱ መርኣያ መሰል ነጻነት ክብሪ ክዕቀነሉ ዝኽእል ተርእዮ፡ ስርሓት፡ ኣገባብ ምሕደራ ስለዘየለ'ዩ። ሓደ ደረቐኛ ሰብ፡ ማይ ዘይብላ ብርጭቆ ከም ማይ ዝመልአት ገቢሩ ክዛረብን ክካታዕን ይኽእል'ዩ። ብጉዳይ መሰል ነጻነት ክብሪ ኣብ ኤርትራ ከኣ ብኸምኡ መልክዕ ጥራሕ'ዩ ክዛረብ ዝኽእል።

ስለምንታይ'ዮም ገገለ ዜጋታት፡ ኣብ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ከም ዘሎ፡ መሰል ነጻነት ክብሪ ሰባት ከም ዝሕሎ ገቢሮም ዝገልጹ ዝብል ሕቶ ኣብ ብዙሓት ይለዓል ይኸውን። መንቐሊ እቲ ሕቶ ግን መብዛሕትኡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብሓለንጊ ሕጊ ዝግዛእን ግዳይ ጭቆና ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘንቕሎ ኣይኮነን።

እቲ ሕቶ ኣብ መብዛሕትኡ ሸነኻት፡ ካብ'ቶም ብቐጥታት በቲ ስርዓት ዘይምሓደሩ፡ ብቀጥታ ኣብ መደባትን ስርሓትን ናይ'ቲ ምልካዊ ስርዓት ዘየለዉ'ዮም። ንኣብነት ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከቶም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ወርሓዊ ደሞዝ ካብ'ቲ ስርዓት ዘይኽፈሉ፡ ኮታስ መዓልታዊ መነባብርኦም በቲ ስርዓት ዘይጽለዉ ዜጋታት'ዮም።

እዞም ዜጋታት ብኣውራኡ ንመሰሎም ነጻነቶም ክብሮም ዝኸሓዱ'ዮም። ነጻነት ዘይብሎም፡ ነጻነት ኣሎና ዝብሉ፡ መሰል ዘይብሎም መሰል ኣሎና ዝብሉ፡ ክብሪ ዘይብሎም ክነሶም፡ ክብሪ ኣሎና ዝብሉ'ዮም።

እዞም ዜጋታት ካብ ነዊሕ ምስ'ቲ ስርዓት ዝጸንሖም ዝምድና፡ ብኣካይዳ ናይ'ቲ ስርዓት ዝተመረዙ፡ መሰሎም ክብሮም ሓኺኾም ከይተርፍ፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሰብ ክኣስር እነከሎ፡ ሰብ ክቐትል እንከሎ፡ ህዝቢ ከጥሚ እንከሎ፡ ኵናት ክኸፍት እንከሎ ተድላን ሓጎስን ዝዓስሎም፡ ብስቕያት ህዝቢ፡ ብጥፍኣት ህዝቢ ፍስሓን ሓጎስን ዝዓስሎም ናብ ሓደ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ናብ ሰክት (Sect) ዝተቐየር ጉጅለ ኣተሓሳስባ'ዩ።

እምበር ከኣ እዞም ሰባት ስምዒታት መሰል ነጻነት ክብሪ ኣለዎም ዶ ? እወ፡ ብዘይጥርጥር ኣለዎም። ክሒዶሞ እምበር ከም ማንም ሰብ ብሰላም ናይ ምንባር መሰልን ነጻነት ክብሪ ኣለዎም። ድሌቶም ናይ ምርካብ መሰል'ውን ኣለዎም።

እሞ ደኣ ነቲ ዝወሃቦም ወይ ዝፍቐደሎም መሰል እኹል ገቢሮም ዝወስድዎ ደኣ ከይኾኑ ? ኣይፋሉን ዝተዋህቦም ዝተፈቐደሎምን መሰል'ውን የብሎምን። ካብ መጀመሪያ ክሳብ መወዳእታ ኩሉ ነገሩ ብኣንጻሩ'ዩ። ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝሃቦምን ዝፈቐደሎምን መሰልን ነጻነት የልቦን፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝወስዶ ስጉምቲ ብኣንጻር ናይ'ቲ ሎሚ ክውንንዎ ዝነበሮም ክብሪን መሰልን እዩ። ሓንቲ ዝተዋህቦም ዝተፈቐደሎምን መሰል የልቦን። እቲ ቅድም ቅድም ዝወሃብ ኣፋዊ መብጽዓታት'ውን፡ ሎምስ ተሪፉ'ዩ። መብጽዓታት መሰል ነጻነት ክብሪ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ ፈጺሙ የልቦን።

እንታይ ደኣ'ዩ እቲ ጉዳይ ? ብምንታይ'ዩ ክግለጽ ዝኽእል ? እወ፡ ገገለ እዋን ኣብ ብዙሓት ደገፍቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ እንታይ ገደሰኒ ኣተሓሳስባ ዝሰፈኖም'ዮም። እንታይ ገደሰኒ ምስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከይተጻላእኹ ዓደይ በጺሐ ዘይመጽእ ዝብል ናይ በለጽ፡ ክሕደት፡ ጥልመትን'ዩ።

ኤርትራ ብመቁጸሪ ዘይብሎም ሂወቶም መንእሰያት ብዝተኸፍላ ነጻነታ ዘረጋገጸት'ያ። እዞም ነጻነት ዘምጽኡ፡ ኣማስይኡ ሓንቲ ክብሪ፡ ዝኽሪ ዘይረኸቡ ክነሶም፡ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ዘካየዱን፡ ገዛ ተጣይሶም መነባበሪ ኣባይቲ ዝሰርሑ፡ ንብረቶም ልዕሊ'ቶም ሂወቶም ዝወፈዩ እሞ ሓንቲ ዘይረኽቡ፡ ዝተሰውእሉ ዕላማታት ኣብ ዘይተረጋገጸሉ፡ ንድሕነት ህዝቢ ተሰዊኦም ክነሶም መቑጸሪ ዘይብሎም ደቂ ሃገር ኣሰር ዘይብሎም ክጠፍኡ፡ ክእሰሩ፡ ኽጭወዩ፡ ክስደዱ፡ ንብረት ደገፍቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ናፍቆት ደገፍቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ንሰብኣዊ መሰሎም፡ ንሰብኣዊ ነጻነቶም፡ ንሰብኣዊ ክብሮም ከም ዝኽሕዱ፡ ብስስዐ ዓዊሮም፡ ካብ ዝገብርዎን ካብ ዝሰርሕዎን እምበር መሰል ተሓሊዩ ዝገብርዎ ኣይኮነን።

ካብ'ዚ ተበግሲም ከኣ መሰሎምን ክብሮምን ነጻነቶም፡ በቲ ላህመታዊ ክብርን መሰሎም ዝተሓለዎሎም ኮይኑ ዝስምዖም፡ ብነገራዊ ትሕዝቶን፡ ውልቓዊ ግን ከኣ ግዚያዊ ሓጎሰ፡ ንመሰረታዊ መሰሎም ዝነጸጉ'ዮም።

እቶም ነጻነቶም፡ ክብሮም፡ መሰሎም ክሒዶምን፡ ነጺጎምን ኣብ መስርዕ ምልካዊ ስርዓት ጠጠው ዝብሉ፡ ምስ ሙሉእ ኣእምሮኦም ክሳብ ዝሃለዉ ብፍቓዶም ባርነት ዝተቐበሉ፡ ብፍቓዶም ዕንወት ክሳራ ክቕበሉ ዝተዳለዉ። ብፍቓዶም ጅምላ ቅተለት፡ ስደት፡ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ጭቆና ዘካይድ ስርዓት ክድግፍዎ ዝመረጹ'ዮም። ናይ'ዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ከኣ ንመሰል፡ ነጻነት፡ ክብሪ ደቂ ሰባት ትርጕም ዘይብሉ መክዕ ነጻነት፡ መሰል፡ ክብሪ ደቂ ሰባት ከልብሱ ብታሪኽ ዝሕተቱ ዜጋታት ዝተራእየሉ መዋእል'ዩ።

 ሰላም ዎ ሰናይ

14 ሓምለ 2009
ኣንቶንዮ ተስፋይ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...