ክቡራት ኤርትራውያን ከመይ ቀኒኹም፣ ከም ዓለምና ክንከውን ከምቲ ዓለም ዝገብሮ ክንገብር ኣለና፣ ካብ ዓለም ፍሉያት ስለዘይኮና ዝተፈልየ መገዲ ክንሕዝ ኣይንኽእልን፣ ዓለም ብመልእታ ነዚ ናትና ዝመስል ወይ ዝገድድ ሽግር ከም ዘሕለፈት፣ ክንርስዕ የብልናን፣ ምእንቲ፣ በጺሖምዎ ዘለው ክንበጽሕ፣ ግን ካብቲ ንሽግሮም ክወጹዎ ከለው፣ ዝተጠቕሙሉ ኣገባባት ክንጥቀም ናይ ግድን ይኸውን።

ኩሉ ብዓለም ተበጺሑ ዘሎ ኣገባብ ምሕደራ፣ ተበጺሑ ዘሎ ፖለቲካዊ ክእለት፣ ተበጺሑ ዘሎ ጥበብ፣ ቀዲሕካ ምስ ዓለምካ ማዕረማዕረ ምጒዓዝ ኢዩ ዘሎ፣ ሎሚ ምምሃዝ ዘድልየሉ መዋእል ኣይኮናን ዘለና፣ ሎሚ ህዝቢ ዓለም ንኹሉ እቲ ዓለም ዝፈለጦ ንገራት ከም መምርሒ እናተጠቕመሉ ኢዩ ንቕድሚት ብሓባር ዝምርሽ ዘሎ።

ዲክታቶራት መን ካብ መን ይበልጽ ዝብላ ሓረጋት ነቲ ተራ ህዝቢ ብምንሳዕ ኣብ ኣከባቢኦም ዘሎ ህዝቢ ብትዕቢት ኣስኪሮም፣ ኣይብላዕ ኣይስተ ክግብርዎ ምርኣይ፣ ሓዲሽ ኣይኮነን ልሙድ ተግባሮም ኢዩ፣ ስለ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ጥዑይ፣ ናይ ትሕትናን ምክብባርን፣ ልምዱ ኣጥፊኡሉ ዘሎ እቲ ስርዓት ኢዩ።

እዚ ፈሊጥና ናብቲ ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ ዕሩይ ባህሊ ክንምለስን ንዘሎ ሕማቕ ባህሊ ከም ውርሻ ኮይኑ ህዝብና በኪሉ ንመጻኢ ከይተርፍ ክንቃለሶን ኢዩ ዘለና።

በሉ ክቡራት ኣሕዋት ዘለናዮ እዋን ኣዝዩ ሕሱም መድረኽ ኢዩ ሓቅን ሓሶትን ተሓዋዊሱ፣ ሓሶት ዝልዓለ ባይታ ሒዛ፣ ሓቂ ካብ ሓሶት ንምፍ ላይ፣ ዘጸግም ኮይኑ ዘለሉ እዋን ኢና ዘለና።

ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ነገር ጠፊኡዎ ኣሎ፣ ግን ካኣ ንዝጠፋኦ ከምልስ፣ ንዘለዎ ሽግር ከልግስ ካብ ዝብል ኣብ ሓደ ደረጃ ናይ ኣረዳድኣ ንምብጻሕ ካብ ዝብል ኢዩ ኩሉ በብዓቕሙ ኣብ ምጽሓፍን ምዝራብን ኣትዩ ምእንቲ ድሕነት ህዝቡ ዝደክም ዘሎ።

ይኹን እምበር ጌና ኣብ ሓደ ዓይነት ኣረዳድኣ ኣይተበጽሐን፣ እቲ ዘገ ርም፣ ህዝቢ ኤርትራ ንመዋእል ዝልዓለ ቓልሲ ኣካይዱ ከብቅዕ ኣብ ሓድሕዱ ስምምዕ ከዕቁብ ምኽኣል ተሳኢኑዎ ክትርኢ ከለኻ ኢዩ።

ኣብ ሓደሕዱ ስምምዕ ዘይብሉ ህዝቢ ንዘጋጥሞ ሓባራዊ ሽግር ብሓባር ስለዘይገጥሞ፣ ብቕልጡፍ ክእለ ዝግብኦ ሽግር ንነዊሕ ክሳቕዮ ክርኤ ዘገርም ኣይኮነን፣ ስለ’ዚ ካብቲ ሽግር ክትወጽእ፣ ንሽግርካ መሰረቱ ፈሊጥካ፣ ንምውጋዱ ጥዑይ ኣገባብ ኣፈታትሓ ደሊኻ ክትረኽበሉ ኣለካ።

ስለ’ዚ መኸላእታ ስጉምቲ ቃልስና ስምምዕ ዘይምህላውና ኮይኑ ስለዝር ኣየኒ ናብቲ ንኽንሳማማዕ እንታይ ክንሓስብ ከም ዝግባእ ኣብ ዝብል ክሰግር።

ንሕና ኤርትራውያን ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ላሕ ዝበልናን ካብ ወለዶታት፣ ብሽግር ዝተዳሃኽናን ህዝቢ ኢና፣ ኣብ ኩሉ መዋእል መግዛእቲ የጋ ጥም፣ ንዝነበረ ሽግራት ኣቦታትና ከከም ኣመጻጽእኡ ብዓቕሞም እናፈ ትሕዎ፣ ንኹሉ መዋእል ናይ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ብጥበብ ሓሊፎምዎ።

ኣብ እዋንና ዘሎ ሽግር ካኣ ሰብ-ቤት ንሕና ስለዝኾንና ብምትዕጽጻፍ ተባላሒትና ንህዝብና ካብ ዘለዎ ጸበባ ከነድሕኖ ብትሪ ክብ ዝበለ ጻዕሪ ከነካይድ ኣለና።

ብሓጺሩ ሓደ ህዝቢ ከይኮንካ፣ ሓደ ህዝባዊ ዝኾነ ንኹልኻ ጠሚሩ ከማሓድረካ ዝኽእል መንግስቲ ከተቕውም ፍልልያትካ ክትውግድ ከም ዘለካ ምግባር ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ፣ ናይ ህልኽ ቤት፣ ሓዊ ከይትጒዳ ትሓድር ከምዝብሃል፣ እንትዘይ ተሳማ ሚዕካ፣ ከተዐርዮ ትኽእል ነገር ከምዘየለ ምርዳእ የድሊ፣ ብዘይ ስኒት ኣሽንኳይ ሃገር ሓንቲ ቤት እኳ ከተማሓድር ኣይትኽእልን።

ካብ ሕሉፍ ተሞክሮና ብምብጋስ ንእንተኽሎ መንግስቲ ጥንቁቕ መምዘኒ ክህልወና ኣለዎ፣ ከም ዝኾነ ጌርካ ዝጠፍጠፍካዮ ንኽፈርስ ቀሊል ኢዩ፣ ስለዝኾነ ነቲ እንተኽሎ መንግስቲ፣ ከመይ ጌርና ጽኑዕን ነባርን ንገብሮ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና ክንተኽሎ ኣለና፣ ድሕሪ ሕጂ እቲ ግበሮ እሞ ኣይተጸብቆ ዝኾነ ኣሰራርሓ ማዓልቱ ከእክል ኣለዎ።

ካብ ሎሚ ንድሓር ዝግበር መደናጐዪ ወይ ዕንቅፋት፣ መደንጐዪ ሞት ጥራይ ኢዩ፣ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ዝዓይነቱ ብይኹን ይኽን ዝተገብረ ጥዑይን ነባርን ፍታሕ ኣየምጽእን ኢዩ።

ፍልልይ ዓለም ካብ ትፍጠር ዘሎን ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ዝቕጽልን’ዩ፣ ንንቡር ፍልልይ ፈሪሕካ፣ ንጥዑይ ፍታሕ ኣሕሊፍካ ምሃብ ንዕንወት ኣሜን ኢልካ ምቕባል ኢዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ስኣን ጥዑይ ሓሳብ ምርካብ ኣይኮነን ጠፊኡ ንኹሉ እቲ ዝሓለፈ ጉዕዞ እንተስተብሂልካሉ ብኣንጭዋ ጥሕለፍ ምእንቲ መጎጎ ዝብል ናይ ዒብ ብሂል ኢዩ ጠፊኡ።       

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፣ ኣብ ጀብሃ ይኹን ኣብ ሻዕብያ ክንደይ ጠቓሚ ሓሳባትን ራእን ዝነበሮም ሳባት፣ ኣቱም ሰባት ሃገር ከይትጠፍእ ብውግእ ሕድሕድ ዝብጻሕ ነገር ወይ ዝፍታሕ ጸገም የለን ኩልና ንሃገር ኢልና ኢና ወጺና ዝብሉ ሃግራዊ ሓልዮ ዘጥቅዖም ኔሮም ኢዮም።

ንኣብነት ኣብ ጅብሃ ውግእ መስተወልዔ ንሕና ነሕዋትና ኣይንቐትልን ኣብቲ ይኹን ኣብቲ ዘለና ንድሕነት ሃገርን ህዝብን እምበር ንድሕነት ውድብ ኣይወጻናን ዝበሉ ግደ ማእሰርትን ግደ ዝተፍላለየ ስቓያትን ኮይኖም ኢዮም።

ኣብ ሻዕብያ ካኣ ከምኡ ዝበለ ሓሳብ ዝነበሮም ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን ግን ሻዕብያ ብንግሁኡ ኣሽንዃይ ክትቃወምስ ርእይቶኻ ንኽትገልጽ ዘፍቅድ ውድብ ኣይነበረን፣ ተቃወምካ ማለት ሞት ስዓበትካ ማለት ኢዩ።

ስለ’ዚ እምባኣር ጀብሃ ትኹን ሻዕብያ፣ ዋላ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ዘሎ ኣስማት ምጥርናፋት፣ ንኤርትራ ከም ኤርትራ ጠጠው ኣቢሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ክኸብረሉን ክቐስነሉን ዘኽእል ኩነታት ንምጥጣሕ ዝቆመ ዳኣምበር ነቲ ኣስማት መተካእታ ዕላማታት ሃገር ጌርካዮ ግጉይ ተረድኦ ሒዝካ ክትነብር ጌጋ ኢዩ፣ ስለ’ዚ ጀብሃዶ ሻዕብያዶ ዝብል ቈየቛ ጠቓሚና ኣይኮነን ግን ዝሓለፍናዮ ሕማቕ ደዩ ጽቡቕ ንታሪኽ ገዲፍና ናይ ሓባር ውራይና ክንገብር ኣለና።

ክቡራት ኤርትራውያን ንሕና ብመገዲ ቃልሲ እታ እንኮ ሃገራዊ ንጻንት ብዝተረፈ ኣብ ቃልሲ ተጎዲእና ጥራይ ኢና፣ እታ ናጽነት ካኣ ውጽኢት እኩብ ድምር ቃልሲ ሰራዊ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ፍረ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኢያ፣ ብደቁ ንዘፍረዮ ሃገራዊ ናጽነት ይበኽየሉዶ ይሕጎሰሉ ኣሎ ንዝብል ኩልና ንርእዮ ዘለና ኢዩ።

ስለምንታይ ኢና ጠበቓታት ናይታ ብቐንዳ ኤርትራ ምዃን ገዲፍና ጠበቓታት ናይቲ ንኤርትራ ነጻ ከነውጻሉ ዝሰራሕናዮ ገዛውቲ ንዋጠጥ ጀብሃ፣ ሻዕብያ፣ ከም ቤት ምኽሪ ገዛውቲ ንሕሰበን ነዘን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝስርሓ ዘለዋ ውድባት ከም ናእሽቱ ክፍልታት ዘተ እሞ ንሕሰበን፣ ነዚ ምርዳእ ጽገም ክኾነና የብሉን፣ ህዝቢ ኤርትራ ንሕሰም ተፈሪዱ እናነበረ ንሕና ካኣ ሓለዋ ለይቲ ናይዘን ኣስታንሳታት ምዃን ገዲፍና በታ ሃገራዊ ኣራኣእያ ንሕሰብ ካልእ ተረኽቲ ብጥበቦም ንኹልና ከም ዝርዳኣና ግርም ጌሮም ክጽሕፍዎ ኢዮም።  

ብሓጺር ኣዘራርባ ጃብሃ ሻዕብያ ዝብል ኣባሃህላ ማዓልቱ ኣእኪሉ ንታሪኽ ክግደፍ ዘለዎን፣ ኣብ መተካእትኡ ከመይ ጌርና መንግስቲ ንተክል ኣብ ሾመንቲኤን ክፍላተ ሃገራት ኤርትራ ዝቖማ ባይቶታት ከመይ ክመስላ ኣለወን ኣብ ዝብል ኣቲና ናይ ሓቂ ስእልና እንተንገናጽል ምሓሸ። 

ማለት ክሳዕ ሕጂ ልኡላዊት ሃገር ብዘይ መንግስቲ ከምዘለናን መንግስቲ ክንተክል ምዃና ርግጸኛታት ክንከውንን ማለት ልብና ብተስፋ ክምላእ ሕልናና ንትግባሪ ቀሪብና ብዛዕብኡ ከንዛተን ይግባእ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...