ዘገርም ርእሲ ዓንቀጽ፡

ኣብ ኤርትራስ ያኢ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሎ?
መንግስቲ ኤርትራስ ያኢ ቅኑዕ ልምዓታዊ ፖሊስ ዘለዎን
ብዕላማ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝምራሕን ኢዩ?

ኣብ ናይ መጋቢት 17/2009 ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ`` ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር፡ ኣብ ኩሉ ክፋላት ሕብረ-ተሰብ ብምዕሩይን ተመጣጣንን ኣገባብ ይኸይድ ምህላው መርኣያ ንረብሓ መላእ ህዝቢኤርትራ ዝቐንዐ ቅኑዕ ልምዓታዊ ፖሊሲ ኮይኑ ምስ ሓያሎ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክናጻጸር እንከሎ ፍሉይነት ኣለዎ፡ምኽንያቱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ውሑዳት ብዘይርትዓዊ መንገዲ ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ተቖጻጺሮም ንምቾትን ተድላን ብሒቶም እናነበሩ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተ-ሰብን ዝበዝሐ ከባቢታት ሃገርን ዝኮነ ናይ ልምዓት ኣሰራት ዘይርከበሉ ሃዋህው ኢዩ ዘሎ፡፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ዘይፍትሓዊ ምዕባለን ዕብየትን ባህጊ መንግስትን ህዝቢ ኤርትራን ኣይኮነን``ይብል ዘገርም አእሰዓንቀጽ፡፡
 ቁጠባ እኮ ስቕ ኢሉ ባዕሉ ኣይኮነን ዝዓቢ፡ሰብ ኢዩ ዘዕብዮ፡፡

ነቶም ቁጠባ ሃገር ከዕብዩ ዝኽእሉ ሓይልታት ማለት ንኹሎም መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት ተታሒዞም እንከለውን ካብዚኦም ዕድል መምሎቒ ዝረኸቡ ነብሶም ከድሕኑ መዓልታዊ ናብ ስደት እናወሓዙ፡ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ቤት ትምህርቶም ተዓጽዩ ንሳቶም እውን ናብቲ ናይ ባርነት ኣገልግሎት እናተጸንበሩ ከለውስ ፡ ምሁራትን ነጋዶን ኮንትራክተራትን ናይ ምስራሕ ዕድሎም ጸልሚቱ ናብ ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ካልኦት ሃገራትን   እንዳተሰዱ እንከለውስ ፡ ሓረስቶት መሬቶም ብሓይሊ``ብመንግስቲ``ተመንዚዑ ንኣብ ወጻኢሃገራት ዝነብሩ መጋበርያ ናይዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ዝኾኑ ተበለጽትን ጨካናትን ኤርትራውያን እንዳተዓደለን ንናይ ወጻኢ ሸርፊ ምሻጡ ከይኣክል፡ ነቲ ዘፍረይዎ ምህርቲ ብሕሱር ዋጋ ናብ መንግስቲ ክሸጥዎ እናኣገደዶም እንከሎ ፡ክልተ-ሰለስተ ርብዒት እኽሊ ሸይጦም  ንጨው- በርበረ ክኾኖም  ናብ ከተማታት ክኣትው እንከለው ወተሃደራት ኣብ መንገዲ ጸኒሖም እኽሎም ኣሕዲጎም ንነብሶም እናኣሰርዎም እንከለው፡

 ብዘይካ`ዚ ነቶም ካብቲ ናይ ባርነት መዓስከሮም ኣምሊጦም ዝጠፍእዎም መንእሰያት ንወለዲ ደቅኹም ሃዲሞም ብዝብል ምኽንያት 50 ሺሕ ናቕፋ ክፈሉ እንተዝይከፊልኩም ክትእሰሩ ኢኹም ኢሎም እናኣሰርዎም እንከለውስ ብኸምዝን ካልእን ምኽንያት ስለዝተሳቐዩ ንሳቶም`ውን ዕድል ኣብ ዘዝረኸብሉ እናተሰዱ እንከለው ፡  ኣብዚ እዋን`ዚ እሞ   መምህራን ብብዝሒ  ቆልዓ ሰበይቲ ከይተረፈ ናብ ስደት ዝኸድሉ ግዜ በጺሑ እንከሎ፡ ንትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ ዶብ ክትሰግሩ ሓሲብኩም ብዝብል ምኽንያት ብተመልከተለይ ብልኡኻት ኢሳያስ እናተረሸኑ ከለው፡ ከመይ ጌሩ ኢዩ ቁጠባዊ ዕብየት ክመጽእ ዝኽእልን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝህሉን?

   ልምዓታዊ ፖሊሲ ምስ ጎረባብትኻ ዘለዋ ሃገራትን ካልኦትን ንእትገብሮ ናይ ልምዓት ስርሓትን ውዕላትን ዘጠቓለለ ኢዩ፡፡ ነቶም ክኢላታትን ሙሁራትን ነቲ ናይ ልምዓት ውዕል ከርቅቑን ከዳልውን ዝኽእሉ ገሊኦም ተኣሲሮምን  ገሊኦም ተሰዲዶምን  ኢዮም፡፡ ነተን ናይ ልምዓት ስርሓት ዝፍጽማ ሃገራት፡ `` መንግስቲ ኤርትራ``ንጎረባብቲ ሃገራት ንኹለን ለኺፍወን ጥራይ ዘይኮነስ ውግእ ከፊቱለን በማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ  ዘየድልን ውግእ ጠቢሱን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሪር ሓዘን ኣእትዩን ኢዩ፡፡

   ነተን ካብ ጎረበት ኤርትራ ወጻኢ ዘለዋ ሃገራት ካኣ በቲ ዘይ እዱብ መልሓሱ ጸሩፍወንን ኣስተናዒቕወንን  ኢዩ፡፡ ``ኣበይ ኣለኻ ዘይበልዎስ ኣብዚ ኣለኹ ይብል ከምዝብሃል `` ንሳቶም  እኳ ኢሳያስ ጎረርኡ ክሳብ ዝነቅዕ እንተተጻረፎም ዕጅብ ኣይብሎምን ኢዩ፡ ምኽንያቱ እቶም ኢሳያስ ዝጸርፎም ዘሎ መንግስታት ንህዝቦም ብኽብርን  ስነ-ስርዓትን ዝሕዙን ፡ብቅዋምን ሕግን  ዘመሓድሩን ስለዝኾኑ፡፡

   እሞ ከምዚ እንዳገበርካ ድዩ ቅኑዕ ልምዓታዊ ፖሊሲ ዝህሉ? ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ዘሎ መንግስቲኸ ብዕላማ ማሕበራዊ ፍትሒዝምራሕ ኢዩ ክበሃል ይከኣል ድዩ? ኣብ ኤርትራ ብሂወት ናይ ምንባር ዕድል ዘየሎስ ብዛዕባ ቁጠባዊ ዕቤትን ልምዓታዊ ፖሊሲ`ባ ማሕበራዊ ፍትሒ`ባ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጻዕዳ ሓሶት ኢዩ፡፡

  ሕሉፍ ሓሊፎም ክኣ ከይሓፈሩ ምስ ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣወዳዲሮም  ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝበለጸ ርትዓዊ ኣካፋፍላ ሃብቲ ሃገር ከምዘሎ ጽሒፎም፡፡ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ናይ ምንባር መሰሉ ተንፊግዎ እንዳሃለወስ እዚ ኩሉ ዝተዘርዘረ ነገራት ክኣ ክርከብ፡፡
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ``መንግስቲ ኤርትራ ብማዕረ ዝረኸቦ ነገራት ኢሰብኣውን ፡ኣረሜናዊን  ኣተሓሕዛ  ጥራይ ኢዩ፡፡ 

      ``ጋዜጠኛታት`` ``መንግስቲ ኤርትራ`` ድኣ ስለምንታይ ኢዮም ዘዝተመርጸ ቃላት ደርዲሮም ``ንመንግስቲ`` ኤርትራ ዝውድስዎ? ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣውራጃ ባርካ ዝዞረ ገብረመስቀል ገረዝጊሄር ዝብሃል ``ጋዜጠኛ`` ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሓዘን ኣእትይዎን ብጥሜት ኣሳቕዩን ደም ዘንብዖ ዘሎ`` ፕረሲደንት ኢሳያስ`` ``ኣብ ልቢ ህዝቢ ዝሓደረ ፕረሲደንት`` ዝብል ሪፖርታጅ ኣብ ቲቪ ኤረ ኣቅሪቡ፡፡
 ከምዚ ዓይነት ሪፖርታጅ ይኹን ከምዚ ሕጂ ቀሪቡ ዘሎ ርእሲ ዓንቀጽ ዝጽሕፉ ``ጋዜጠኛታት`` ብስም ጋዜጠኝነት ንዕላማ ጋዜጠኝነት  ዘቋሽሹ ኢዮም፡፡
   ኣብዚ ዓለም ሎሚ ኣብ ሓደ ትመጸሉ ዘላ እዋን ፡ንኤርትራ ተነጽሎ ኣውሪዱላ ዘሎን ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓንቲ ባኒ ወይ ቁራስ እንጀራ ስኢኑ ብጥሜት ዝማሰነ ህዝቢ ተገቲሩ፡ ``ህዝቢ ሓንቒቑዩ`` 3ሸሓኒ 2ሸሓኒ ፓስታ ዝበልዕ ዝነበረ ሓደ ሸሓኒ ፓስታ ክበልዕ ኣለዎ።። ካብ 8000 ካሎሪ ናብ 3000 ካሎሪ ከውርዶ ክክእል ኣለዎ ኢሉ፡ እናላገጸስ ክንድ`ዚ ወደሳ ክግበረሉ፡እንከሎ ንዕላማ ጋዜጠኝነት የማራስሕዎ ከምዘለው ኣይርድእዎን ድዮም? ወይስ ንሕና ንንበር እምበር ንሱስ ባዕሉ ይፈልጥ ይርሳሕ ይማራሳሕ ኢሎም ኢዮም፡፡
    ከምዚኦም ዝዓይነቶም ``ጋዜጠኛታት`` ልክዕ ከምቲ ገበነኛ ``ፕረሲደንት ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይፍጽሙ ኣለው ማለት እዩ፡፡ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ሓበረታ ዝሕብሩን ንህዝቦም ዝጣበቑን ነቲ ገበነኛ``ፕረሲደንት``ሓስዮም ይምስክርሉ ብምህላዎም ኢዩ። ሓሳው ምስክር ብህዝቢ ኣዝዩ ዝተጸልኤን ዝተፈንፈነን ኢዩ።

     ---ስለምንታይ ሰብ ይቕተል?--ስለምንታይ ሰብ ይእሰር?---ስለምንታይ እሱር ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀርብ?--ስለምንታይ እሱር ጠበቓ ጌሩ ንኽሱ ክካላኸል ዘይፍቀደሉ?
ስድራቤቱን ፈተውቱን ክበጽሕዎ ዘይክኣል? ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ሕቶታት ብጋዜጠኛታት ክቐርቡ ኢዩ ዝግባእ ኔሩ፡፡  እቶም ወደስቲ ጋዜጠኛታት ግን ነዚ ሕቶታት ጎስዮም ኢዮም ዝሓልፉ፡፡ ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ መንግስቲ ስለዘየለ  ንዲክታቶር ምውዳስ ገዲፍኩም እቲ ልክዕ ሓበሬታ ኣናኣቃለሕኩም ኣብ ጎድኒ ህዝብኹም ደው ክትብሉ ጻዊዒተይ የቕርበልኩም፡፡

 

ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ
ዝኽሪ ንሰማእታት
 ጽገ መንገሻ

 ጀርመን፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...