ምሕረታ!

 
ልጻይ መምበስብስታ

ቁኑን ጭንገዕታ

ናይ ዕድመይ መሰታ፡

ጉንዖዶ ጌራታ

ብኡንኮ ሰላምታ

ልበይ ወሲዳታ

ካብ ጎድነይ መንሺታ።

***

ኣቤት ጣጣ

ኣነ ዘይፈልጣ
 
ብልሓት ናይ ምሕረታ፡
 
ዛ’ቐጣን መዓንጣ
 
ድርብ መቐነታ፡
 
ጸጉራ ተመሺጣ
 
ብማዕዶ ትፍለጥ
 
ብነዊሕ ቁመታ፡
 
ፍቓድ ከይጠየቐት
 
ሕሳብ ከይዓጸወት
 
ውነይ ገዚኣታ
 
 ዕዳጋ ከይውጽአት።
 
***
 
ኣየ’ዛ ምሕረታ
ልዕሉ’ዩ ትዕድልታ
 
ኩሑሎት አ’ዒንታ
 
የማን ጸጋም ክብሉ
 
ይፍንዉ ማሕታ
 
ሓባሪ ዝውልዕ
 
ተስፋ ተጸበይታ።
 
***
 
ብሌን ናየ’ዒንታ
 
ቅርኒብ ዝኸዳኖም
 
ጸሊም ጻዕዳ ሕብሮም
 
ኣብ ሰፈሮም ኮይኖም
 
ሕቡጭቡጭ የብሉ
 
 ከስዐ ዝጠመቶም።
 
***
 
ምሕረታ ወሓለ
 
ክሳዳ ብርለ
 
ልምጽምጽ ዝበለ፡
 
ከም ባህሊ ዓደ’ቦ
 
ምሰ’ልባሶ ቁኖ
 
ንመልክዕ ክኾኖ፡
 
ስልማት ውቃጦ
 
ብእሾኽ ወረጦ፡
 
ሓወልቲ ናየ’ኽሱም
 
ባሕሪ ናይ ገርግሱም፡
 
ጸድፊ እምባሶይራ
 
ኲሓ ምስ መጠራ
 
ቁልቁል እምባትካላ፡
 
ጽፍሒ ናይ መውስቦ
 
ንጸኒሕ ዝተወቐሮ።
 
***
 
እንታይ’ሞ
 
እንታይ’ሞ
 
ደናጉኣ ጥርሞ
 
 ኣብ ግዝየይ በጺሑ
 
ኣመሉ ረሲዑ
 
ግንጽል ምስተሳእሎ፡
 
መንገዲ ተዓጽዩ
 
ሓሳባት ጠፊኡ
 
ተጠራጢረንዶ፡
 
ንመን ከም ዝኣምኖ
 
ኣብ’ዛ ልበይ ዘሎ
 
ምስመን ከምዘዕልሎ።
 
***
 
ምሕረታ ወለሎ
 
ግንባር ገጻ በሪኽ
 
ከም’ምባ ቶዂሎ፡
 
ሕድሪ ክስቀሎ
 
እዝጊ ዝጠረሮ
 
ንመጻኢ እዋን መርትዖ ክኾኖ።
 
***
 
ምሕረታ ዓባይ ሰብ
 
ስታያ ማይ መረብ፡
 
ካብ ሓኒሽ ካብ ዙቑር
 
ክሳብ ዳህላክ ከቢር፡
 
ዓሳታት ኣዕቊቡ
 
 ደሴታት ዝሓቁፍ
 
ባሕሪ እንከሎ ዘይነጽፍ።
 
ተኸዊሉ ዘሎ’ስ
 
መኣዲ ዘግፍሕ
 
ሓሳባት ዘንጽፍ፡
 
ካብ ባጽዕ ናብ ዓሰብ
 
መራኽብ ዘአንግድ
 
መድረኽ ኣጣጢሑ
 
ዘፋቕር ዘናብር።
 
***
 
ናይ’ዛ እዋን ሰበብ
 
ኣቤት ዝ’ወድሰብ
 
ብስራሕ ብኽብረት
 
ክንዲ ዝጸባጸብ
 
ዝከናኸን ሞሰብ፡
 
እንዳኡ ረጊጹስ
 
ንርሑቕ ይስደድ።
 
ቁሩብ ከይዝክር
 
ንሕማም ተላገብ
 
ጸበል ከም ዝንጸግ፡
 
ዶባት ንኽጥረር
 
ውዕል ንኽፍረም
 
ብዝሽፍጥ መርገም
 
ብጥይት ክሕሰብ
 
ኣእምሮ ይቕሰብ።
 
ንኡሱ ዓቢኡ
 
ካብ ስደት ነቒሑ
 
ክንዲ ዝበራበር፡
 
ብሓሳድ ብፈገር
 
ብዓኾር ብጸጸር
 
ክመሳሰል ሓመድ፡
 
ክሳብ መኣስ ኮን’ዩ
 
ተሓግዩ ዝኽረም።
 
***
 
ምሕረታየ ሰገን
 
ካብ ጠረር ናብ ደንደስ
 
ካብ ስግር ናብ ደረት
 
ንሕና ንቆማመት፡
 
ሰኣን እሂን ምሂን
 
ፋሕ ንብል ንብተን።
 
***
 
ምሕረታ ወለሎ
 
ሂወት ማዕዶ-ማዕዶ
 
ለቢሱ ጸለሎ
 
ግዜ በ’ልዓ’ሎ
 
ኣትይዎ ሰለሎ
 
ይጽበየና’ሎ
 
ንበሎ ነዕልሎ።
 
***
 
ነገር ናይ ሃንደበት
 
ንኣይ ዝረኸበት፡
 
ቐዳም ኣጋ ምሸት
 
ጸሓይ ምስ ዘሓለት
 
ኣብ ዕዳጋ ቁሸት
 
ምስ’ቶም መዓብይተይ
 
ኩዕሶ ክጻወት፡
 
ምሕረታ’ሞ መጽአት
 
ከመ’ዓልኩም በለት።
 
በለስ እናሓሸሸት
 
ጎቦ ና’ጠመተት
 
ክምስ እናበለት፡
 
ከም ንፋስ ደሮና
 
ኣዒንተይ ደፊና
 
ብኡንኮ ሰላምታ
 
ልበይ ወሲዳታ
 
ካብ ውሽጢ ጎትጒታ።
 
ፍሪግሪግ ከይትብል
 
ቀርቂራ ኣብ ቱሽቱሽታ።
 
***
 
ኣየ’ዛ ምሕረታ
 
መኣዛ ዕላላ
 
ዝዛሪ ፍሽኽታ
 
ብፍንጃል ዝሙቕነን ጽገናይ ወለላ
 
እንታይ ኮንይኸውን
 
ከም ትጽቢት ናይ ባህላ
 
ኣብ ጎድነይ ክትርዕም
 
 ልባ ዝመልኣላ።
 
***
 
 ኣቤት ተዓዲላ
 
በ’እዳው ናይ ፈጠርታ፡
 
ኣደል ጸጉሪ ርእሳ
 
ክዳኑ ነጸላ፡
 
ላዕ ... ሊ! ሰፊሩ’ምበር
 
ተ’ዝዓልብ ባያታ
 
ከም ናይ መረብ ሻኻ
 
ከም ተሓግ ዋለኻ
 
ከም ሳዕሪ ናይ ባርካ
 
ሓሊፉ በጃኻስ
 
መበለ ኣጆኻ
 
መሕድረ ሰበ’ሓ።
 
***
 
ምሕረታ፡ ምሕረታ
 
ሕጽብቲ መዓንጣ
 
ድርብ መቐነታ፡
 
ካብ ርሑቕ ቀረባ
 
ጎምበለ ኣኪቡ
 
ንዕላል ዓዲሙ
 
መናኒ ዝዝብሕ ቅርጺ ኣካላታ።
 
ዋይ-ኣነ ዋይ-ኣነ
 
ክሳብ መኣስ’የ ዝነብር ደኒነ።
 
ደጊም ክነቅል’የ ጸሪበ ጎበጣ
 
ሓሳበይ ከፍልጣ።
 
ምስ ወረድቲ መርዓ
 
ዓዲመ እምብልታ
 
ካብ’ንዳ መረታ፡
 
ጭራ ዋጣ’ውሒሰ
 
 ካብ’ቶም ሰብ’ንድርታ 
 
ሃረምቲ ኮቦሮ ካብ ደቂ ኣበላ
 
ሽማግለ’ምሪሐ ክሰድድ’የ ቡስጣ
 
ክኣቱ መብጽዓ
 
ማሙቑለይ ክብላ
 
ኣብ’ታ ሓንቲ ንእደይ ክመቕላ ኮበርታ
 
ሞባአይ ኣውዲቐ
 
ክጽበ’የ ኣነ፡ ክምነ ምሕረታ
 
ካብ’ታ ዓባይ ዋልታ
 
ኣዲኡ ንጎይታ
 
ንፍቕሪ ንሰላም ክገፍሓሎም ባይታ
 
ንስምምዕ ልዝብ ክወሃቦም ተርታ።
 
03/08/16
 
ዳንኤል ተ/ዮ ተኽለጊዮርጊስ  This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...