ዕላል! ምስ ሄዋን።

 
እቲ ቐደም-ቀደም
 
ከም’ዚ ሕጂ እዋን ከይከነበት፡
 
ወ’ዘሪት ሄዋን ቀዳመይቲ ፍጥረት
 
 ኣብ ለምለም ገነት፡ ሓዳራ ምስ ወጽአት’ሲ፡
 
ናይ ክረምቲ ጥለት ናይ ሓጋይ ሙቐት
 
ናይ መላእኽታት ስምረት ናይ ኮዋኽብቲ ድምቀት
 
ናይ ቀላያት ዑምቀት፡ ናየ’ኽራናት ቁመት
 
ከይኣክል፡
 
ጸምይዋ፡ ናይ ናብራ ኡንኮ-ዓይነት!
 
መዓልልቲ ሃሰስ ክትብል
 
ንላዕልን ታሕትን፡ ሓሳባት ከተውጠንጥን
 
 ም’ዓል ምሕዳር ጀመረት።
 
 ማለት’ሲ ምናልባት ፍልይ ዝበለ ምንብባር፡ ዘለዋ
 
ካልኣይቲ ሰፈር እንተትርከብ’ሲ፡
 
“ክሳብ ሽዑ ገሃነም ናብ መድረኽ ስለዘይቀረበት”
 
ሓዲአን ንቓኤል ሓዲአን ድማ ንኣቤል
 
መውጽኢ ሓዳሮም ምኾና ኔረን።
 
ብዝዓይነቱ ሃረታ ክትመራመር፡ ስለ ዘንቀለት ሄዋን፡
 
ካብ’ታ ናይ ፍልጠት ኦም ተባሂላ ዝተሓዝአት ዓባይ ድማ፡
 
ካብ ጎረቤት ንዝረኸበቶ ሓበሬታ ተኣማሚና  
 
ንርእሳ ቆሪሳ፡ ንኣዳም ኣኾሊሳ፡
 
ቀዳመይቲ ኣገባብ ናይ ለውጢ ብተግባር ፈተነት።
 
ሻቡ ብቕጽበት!
 
ዓ............ባይ! ተኣምራት ተጋህደት
 
ጎቦታት ተወዛወዙ’ሞ ኣኻውሕ ክሳብ ዝፍንቀሉ
 
መሬት ኣንፈጥፈጠት።
 
ትዘጋሕ! ወያ ክሳብ ሽዑ ደበና ሸፊኑዋ ትመስል
 
ዝነበረት ጸሓይ ጥዋዕ ኢላ በረቐት።
 
ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እዛ ንእሽቶ ሃንቀውታ- ለውጢ ናይ ሄዋን
 
ዝወልዓታ ጥዋፍ፡ ብዝሰፈነ ብርሃን
 
ኣቦና ኣዳም ጥራይ-ነብሱ ክነብር ከም ዝጸንሐ ተሰወጦ።
 
ሻቡ፡ ኣቑጽልቲ ሸምጢጡ ሸምጢጡ
 
ቀዳመይቲ ነጸላ ክሳብ ዝኣልም
 
ማዕጾ መደቀሲኡ ሸገጦ።
 
 እቲ ዝገርም፡ ኣዳም ካብ ጥሪቱ ዝፍለየሉ
 
ሕፍረቱ ዝኸድነሉ
 
ስረ ስለዘዕጠቐት........ ሄዋን’ሲ
 
ብሚዛን ኢስታብሊሽመንት!
 
ኮንሰርቫቲቭ! ኣይኮንክን ተባሂላ
 
ካብ ኣባልነት ምምሕዳር ገነት ተሰረዘት’ሞ፡
 
ጽህያን ጎልጒላን ንቓኤልን ኣቤልን
 
ትከናኸነሉ ጉዕዞ ሊበራልነት! ክትጅምር
 
ካብ’ቲ ከይሰራሕካ ትበልዓሉ፡ ድቅ ...... ስ! ትውዕለሉ ገነት
 
ሓንሳብ ንሓዋሩ ተፈናቐለት።
 
ይኹን ደኣ’ምበር ንሕዱርን ድስኩልን
 
ብተሓድሶ ዘምውቕ ሰናይ ድሌት
 
ምጥርጣር ምስ እምነት
 
ምዕባለ ምስ ውድቀት
 
ከም ዝሕውስ ኣንጊሃ ዘመስከረት፡ ኣደና ሄዋን፡
 
ብዓርበ ሮቡዕ ኣቢላ
 
ናበ’ስመራ እንተትቕልቀል’ሞ
 
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ገማግም ንግስተ ሳባ ዝሓረሰትሉ
 
ሩባ ማይበላ ዘሎ ሃለዋት፡ ርኢቶ እንተትሕተት፡
 
እንታይ ኮን ምበለት?
 
ምናልባት፡ ከም ኣመላ ዓወት ብኲናት ተዓቂና
 
ፈተውታ ቀቢራ፡  ምስ ጓይላ ተፋቒራ
 
 መማቕርቲ ድራር ዝናን ዝናን ባህታን ክትከውን
 
ኣብ ሞቕሎ ክትልሎ እንተዘይሓፊራ፡
 
ኣደና ሄዋን፡ ነ’ጋዕዝ ኣስመራ
 
ኣንትን ንንግስተ ሳባ ዝገዓታ ኣደታትክን
 
ደቀ’ስመራዶ’ይኮንክንን?
 
ኣብ ሎሚ በጺሕክን ደኣ እንታ’ዩ ዓዚሙክን?
 
ንፈጣሪዶ ዝነግረልክን ስኢንክን?
 
እታ ንእሽቶ ናተይ ሕቶ’ኳ ክሳብ ክንደይ ዘቖጠዖቶ
 
ነዚ ዕድልክን እንተዝርኢ ደኣ እንታይ ምተሰምዖ
 
ምናልባት ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ከምዝዘንግዖ፡
 
ብወገነይ እንክሓስብ
 
ታሪኽ’ውን ዕሽሽ ዝበሎ’ዩ ዝመስል ሃለዋትክን።
 
ከመይ’ሲ ብጥሜት ደቒቕክን፡ ብንብዓት ዓዊርክን
 
ብናይ ሞራል ውድቀት ተገዲዕክን፡ እንተዘይኮንክን፡
 
ዓወት’ሲ፡ ነዛ ንኽትነብር ትንፋስ ንኽትሰኩዕ
 
 ኣብ ከብዲ ዓድን ዓውድን  
 
ጸላኢ ዝብል ባንዴራ ሰቒላ
 
ነ’ቦታት ኣሰር ደቆም፡ ብባሕርን ብምድረ በዳን በቲና፡
 
ኣብ ኮምብሽታቶ ክሳብ ትሕንቅቕ
 
  ብፈኸራ ክትዝቕብብ፡ እናረኣኽን
 
ኩርምይ ኢልክን፡ ትጠማመታ ንሓድሕድክን!
 
ዋ! ..ዝሓይሽ የምጽኣልክን።
 
ክሳብ ምባል ኣይምበጽሓንዶ ኣደና?
 
ምናልባት’ውን እዛ ዓወት ወርቂ ስናስ!
 
ጋማ ለውጥን ዕርቅን ተጠምጢማ
 
ክንዲ ተሳፍሕ ትዝርግሕ መሓውራ፡
 
ክሳብ ትቑንድፍ፡ ሰራውራ ክትጠጥፍ
 
 ኣብ ገበላ ተኣሲራ ካብ ትውዕል፡
 
ዝተኣስረትሉ ማሕለኻ በቲኽክን
 
ከም ቀደምክን ሩባ መረብ ስግር ምባል
 
ነውሪ’ብሉን ኢልክን፡ እንተትሕውሳ ምሳልክን
 
መሳፍሒ ምገፈሓልክን
 
ኣይምበላንዶ ወላዲትና?
 
ዝኾነ ኾይኑ
 
ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ዝተወልደ ዝብህጋ
 
 ዝወደቐ ሓመዱ ነጊፉ፡ ዝቕይረላ መንጸፉ
 
ዝሓለፈ ሓሊፉ
 
ንሕሰምን መከራን ምእንቲ ክገብረልና ንሱ ዝኣንፉ
 
ናይ ሄዋን ሕቶ ብተደጋጋሚ እንተተገንጺሉ መጽሓፉ
 
እንዳ ለውጥን ዕርቅን ኣይክርሕቕን’ዩ ምዕራፉ።
 
ዳንኤል ተ/ዮ ተኽለጊዮርጊስ 02/19/16
 
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
 
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...