ስርሓት መደበር፡ ኣዳነ መሽረፈት ዘመድ መንቀርቀር

ዳገት ውሻጠ ንዋት ምድሪቤት፡

ካብ በረካ ክሳብ ኣወል ቁም ነገራ ምእንቲ ክዝከር

በታ ነዋሕ እዝና እንዳ ስታር ባክስ ተ’ትስቀል፡

ምኣመኑዶ ፈረንጂ ዕማማ ተ’ዝፍቀድ።

ቡን ምስ ተቖልወት፡ ካብ ቅርዓት ክሳብ ኣፈፈት፡

ተኺኻ ምስ ጨነወት፡

ቲ’ዝነጉዕ መረቕ ንኸይብል ጨብረቕረቕ፡

ከየስተማሰለት፡ ዝሑልን ውዑይን ከይበለት፡ ብዓቐን እናመጠነት

ብሱልን ጥረን እናፈላለት ጽጽዮን ኩርኩሮን ንኸይደባለቕ፡

መቐነት’ያ መዛነቕ፡

ኣብርሀት ናይ መኣዲ ዓዘዘት።

ምስክር ኢደ ጥበብ፡ ሚዛን ምስ መቐረት

ደመት ፍልስፍና እሂንምሂን ዘማዕበለት

ምስጢራት ስታረት ናይ ውሻጠ መሰረት

ወግዒ ቐዳሞት ሰኒቓ ጽን ምብህሃል ዘማዕረገት፡

ኣብ ሎሚ በጺሓ፡ ኪኖ ገዛ ታኒካ ምሕባኣ፡ ፈሪሃዶ ሓኒኻ።

መኳንንቲ ዝመስሉ፡ ኣብ ኮምብሽታቶ ዝውዕሉ፡

ካልእ ከይመሃዙ ብመደበር ክሓፈሩ ምስ ተዓዘበትኮ’ያ፡

ሚዛን ብመርዓታ ካብ ንእዲ ሕጽኖታ ነፊጻ ዝሓከለት።

ሽዑ’ያ ሰኣን መሽረቕረቕ’ሲ ገባላ እንዳ’ባ ብሓዋወስቲ ዝተደናገረት፡ ጆብሮቕሮቕ ዝበለት።

መሽረቕረቕ ጠፍናቕ፡ ጥልቅዕቲ ጥውቕዋቕ፡

ከይቐጥን ዝቋቕ መዓዛ ንምድማቕ፡

ቡን ተቖልያ ምስ ተወቕጠት፡ መሰኽተቲ ዝኸውን ብልክዕ ምሰ’ብጽሐት

ተጸብያ ትውስኸላ፡ ተጸናትያ ትቕበላ፡ ጀበና ፈሊሓ ቅድሚ ምግንፋላ።

ኣብ መወዳእታ ዓቂና ኣዛኒቓ፡ ምስ ጭልቃ ተዓጢቓ፡

ንቡር ኣድሚቓ ንውዕሎ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ስለዘልመደት ኣናግሃ፡

እነሆ ክሳብ ሎሚ ይበሃግ ነጸብራቓ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተ/ጊ 11/20/13


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...