ይኣኽለና ዘሎ ባርነት

ዘጽነተ ኤርትራዊ መንነት፡

ትዕድልትና ኮይኑ ተዋሪድና

ን20 ዓመት ካብ ዓለም ተፈሊና

እንስሳ ተቖጺርና ሰብ ከለና

ጓኖት ወጽዮም ተረጊጽና በሕዋትና፡

መንእሰይ ጸኒቱ ኤርትራዊ ሕፍረት ተቐኒቱ

ወላዲ ጸምይዎ ኣብ ዕብየቱ ቀባሪ ስኢኑ ኣብ ሙሟቱ፡

ዝኣመናዮም ጠሊሞምና ሕሱም ባርነት ኣግዚሞምና

ናጽነት ኢሎም መከራ ሸሊሞምና

ብዘይ ሕፍረት ሸይሸይ ኢሎሙልና፡

ሕጂ ከኣ.... መንእሰይ ኣብ ምንቃሉ

ስመር ኢሉ ክመልስ መሰሉ

ተላዒሎም ቃልሱ ክዘርግሉ ተሰሚዖም ሓባራዊ ዘተ ክብሉ፡

ወይ ጉ......ድ ንጽጉን ባርነት እዚ ኩሉ ኣውሎ

ተወሳኺ 20 ዓመት ንባርነት ክንዳሎ

ክሉ ደቀይ መንእሰይስ እነይውዕሎ

ባዕሉ'ለዎ እቲ ናቱ ንቕሎ

ክገጥማ'ዩ ንህግደፍ ድሎ ብድሎ

ኢድኩም ኣክቡልና ባዕልና ክንዘሎ፡

ኣደብ ግበሩ ይትረፍ ጽገና ክነተግብሮ ኢና

ወግዓዊ ፍትሕና ሕጊ እንዳባ ክንተክል ኣብ ዓድና፡

እንታይ ጽገንኡ!! እዋይ ክኸፍእ ምስምዑ

ዳግማይ ብህዝቢ ክትጣልዑ ዝተረፉ ህጻውንቲ ክትበልዑ

ካልእ 20 ዓመት ህዝቢ ክተንብዑ፡

ኣይፋልኩምን ግደፉ ግደፉ ቃልሲ መንእሰይ ኣይትኹለፉ፡

ይኣክል ስስዐ ይኣክል ገድላዊ ብድዐ

መን ኣሎ ብኣኹም ዝኾርዐ መን'ከሎ ብኩርማጅኩም ዘይተቐጽዐ

ህዝቢ ክጠሚ ንስኹም ክትበልዑ ልግዐ

መን'ዶ ኣሎ'ዩ ብዘይካኹም ዘኾምስዐ?

ፍትሒ ይንገስ!

 ወልዱ ተኽለ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...