ኣብ ኤርትራ ዘለኹም
ቲቪ ኤሪ. ከየደናግርኹም


ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 04/04/2013/ Norway

ወድ ዓደይ ኣይትእመን ቲቪ ኤሪ
ይዋእካ ኣስመላሽ ሓሶት ከተፋሪ
ብሃሰስ ዘይረአኻዮ ካብ ተውሪ
ብትንባኾ ዓቢ ሕማም ከይተጥሪ
ህደም ከም ሰብካ ኩሊትካ ክጸሪ
ብዛዕባና ረሳዓዮ ባዕላትና ከነውሪ

እዚዩ እቲ ሓቂ

ኣኸባ ህግደፍ ብሕቡእ ከም ሰራቒ
እኹል መርትዖዩ ከምዘይብሉ ሓቂ
ህዝብና ኣጥሚዮም ዝጋጨቡ ብኣረቂ
ብዓል ጓይላ ስንቀን ናይ ሃገርና ጸይቂ
ህግደፍ ዝኣዘዘን ክሽለማ ብሩረ ወርቂ

ንኸዳምቓሉ ኣብ ዕቡጥ ኣብ ጽምዋ
ዝራኣኹመን ኣብ ቲቪ ኤረ ክቃናጀዋ
ሓንጎለን ብርኳን ተሓጺበን ዝጨነዋ
ሰብ ዝፈነፈነን ንጹላት ምሳና ዘየለዋ

ዝተኻረይወን ክስዕስዓሎም ክጭፍራ
ክትሪአን ድሁላት ተምሰል ኣመንዝራ
ህግደፍ ዝፈጠረን ንኑጹሃት ከደናግራ
ማዕቢልና እናበላ ሓሶት ወረ ክስንዝራ

ክዘላ ከጣቕዓ ክዕልላ ብኹንትራት
ከምቲ ኣብ ዓዲ ንመርዓ ንጥምቀት
ገንዘብ ዝኽፈሎ ዋላውን ንጣቒዒት
ህግደፍ ኣባላሽይዎ ንኩሉ ባህልታት

ተዓጢቐን ብደምና ዝጨቀወት ባንደራ
ቆለኤን ከራግፋ እምቢሕ ናላ ብጨፈራ
ከም ከማኽን ክትወልድ ተሕዝን ኤርትራ
ክበራ ወርዝያ ኢልናክን ካብ ዘይትኸብራ
ንዓኽን ጉሒፋ ክትክእያ ለባማት ዝማሃራ

ኣውኡ ዝወዓሉ መበቆሎም ዘይፍሉጥ
ካብ ገለ ዝተኣራረዩ ጎሓፋት ገፈጥ መፈጥ
ድሕር ዘይብሉ ተንኮል ህግደፍ ንምስላጥ
ኣለዉ ድማ ሓደሓደ ንሕና በሃልቲ ገሳርጥ

ኣለዉ ውን ዓናጅል ወዲ ዓድናዩ በሃልቲ
ብወገን ዝሰኸሩ ዘይግድሶም መቕዘፍቲ
ግፍዒ ህዝብና ዝወስዱዎ ከም መጻወቲ
ንንጉሥ ኣስመራ ዝሰግዱ ከም መላእኽቲ
ዝተፈንፈኑ ተረፍ መረፍ ጭራ መቛጽርቲ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...