ናእሽቱ ደበና ኣብ ላዕሊ ከቢበን
እንተ ዝሰምዓና እቲ ንዛረበን
ጽሙእ ምረወየ ካብ ዓሚ ሎሚ ዘመን

ኣትን ደመና ንዕነ ተኣከባ
ዓዲ ከይተውዕላ ‘ዛራይት ሩባ
ብጠመታክን ዓይኒ ኣይተረብርባ

ናይ ካልኦት ዓለም ዘረር እናበላ
እዘን ናታና ግን ላዕሊ ዝስቀላ
ጸሓይ ድያ ንፋስ ትምንቀየን ዘላ

ቕናት ደመናክን ኣበይ’ያ ጠፊኣ
ነዊሕ’ኮ ጌራ እንካብ ዘይንሪኣ
ቦታ’ዶ ቀይራ ግብርክን ጸሊኣ

ንሳ እያ ኔራ ምሳክን ተራክብ
ናይ ምድሪ ጥርዓና ኣባክን ተቕርብ
ነጎዳ ኣንጕዳ ዝናብ እተስርብ

ኣብ ካልእ ቦታስ ኣላ ተዓጢቃ
እንሆ ትርኤ ዃዕ’ላ ደሚቓ
እዚ ናትና ግና ኣበያ’ መሊቛ

ከይተመቃቀልክን ዘይትኮና ሓንቲ
ቀትሪ እንተጸሊእክን ዘይትዘንባ ለይቲ
ሓጋይ እንተመሪሩ ኣሎንዶ ክረምቲ

ጣዕሚ ዘይብሉ ዝኣረገ ማሕላ
ሕፍረት ኣቃሊዑ ቀዲዱ ነጸላ
ሓዲኡ ክወለድስ ይፍትሓላ በላ

ጽንሕ ኢልካ ካፋ ኣለና መበሊ
ኣይ ንሳዕሪ ኣይ ንምበቖል እክሊ
ሕማቕ ጠመተ ዓይኒ መሐውለሊ

ኣጆክን እንዳበለ ዘይነቅጽ ባሕሪ
ቃላቱ ፈዂሱ ኮይኑ ተባራሪ
ክጭቅን ቀሪቡ በዚ ናትክን ሰሪ

ጆው እንዶ ኣብልኦ ይንጎድ ነጎዳ
ዕቡራት እንስሳ ኹለን ክስውዳ
ሃገር ከተተንፍስ ከምልማዳ

በራካን ምድረ ኣጻምእን ክሕጎሱ
ወሓዝትን ኣፍላግን መሊኦም ክፈሱ
ጸልእቲ ኣዝመራክን ከብዶም ክሕመሱ

ኣዒንቲ ዕውራት ኹለን ክክፈታ
ዕምባባታት ምድሪ ጥዑም ክሽትታ
ሓረስታይ ክድሕን ካብ ልቃሕ ሸመታ

ዓይኒ ማያትክን ቆሪጸን ተስፋ
ብዘይ ልሙድ ረስኒ ስለተገረፋ
ዓይነን ዓዊሩ በዚሕዎን ሃፋ

ለኣካን’ዶ እታ መለዃዅቶ
ቅድሚ ዝናብ ‘ትብል እቶ እቶ
ጸገም ክቅንጠጥ ክወቅዕ ‘ቲሸቶ

ጓህን እህህታን ካባና ክሃድማ
ኣዒንተን ክዓውራ ኣእዛነን ክጸማ

እዚ ኩሉ ጸሎት እዚ ኩሉ ምህለላ
እንታ’ዩ ጸገምክን ወረ እንታይ ትብላ
ሽግር’ኸ ኣሎ ድዩ ዘይፈትሖ ዋዕላ

ሓሪምዎም ድቃስ ለባማት ብፍርሒ
መእሰሪ ስኢኑ እዚ ናትክን ጕርሒ
ግናይ ከይውለድ ድሕሪ መሪር ቀዝሒ

ግደፋ ኢድ ባሕሪ ኣይትስበራ
ይትረፍ ናይ ትማሊ ናይ ሎሚ ግበራ
ከብዲ መን ተድርር ኣነ ኢልካ ፈከራ

ንሕናን ንስክንን ሃየ ንግበር ዘተ
ጎልሓም ዝብል ዓይኒ እንከይትዓመተ
ወርኡ ኣይጥዕምን እናረኤ ዝመተ

ትብሎ ዘይብልካ እዙይ’ምበር ኾይነ
ፍጡር እንተ ኣእተካ ኣብ ሕማቅ ፈተነ
መፍኾሲ ሚዛን’ዩ ፈካራ እልካ ኣነ

ሕቶ ንዘልዓለ ንምፍላጥ ኣበሳ
ገሊእክን ትንእሳ ገሊእክን ትነገሳ
ገለክን ትከበዳ ገለክን ትፈኾሳ

ኪዱ ሕተቱ ንሕንሳስ-ልደ ፋና
ንዓይ ንዒቃ ፍላይ ማንታ ባና
ኣይፋል ዝበለት ንግስነት ደመና

ነዚ ምስ ሰምዔት ማና ቦኹሪ ገዛ
ነጸላ ደርብያ ተስእነ ዝሕዛ
ሞጎተ ኮነ ጠጠው በለ ኣከዛ

ድሕሪኡ ከኣ ፡-
ባና ከይሓሰበት እናሃበት መልሲ
ንጸንሔ ቁስሊ ኾይና መራከሲ
በዚ ምክንያት’ዩ ስኢናሉ ፈውሲ
ዶ ? .................
እህምም ኣይውረድ’ዩ ዘብል
ሃና ክትቀንዕ ባና ትዝንብል
ማና ክትበኪ ፋና ትዕልል

ጽቡቅ ዘይፈትዋ ነገር ዘባልሓ
ህርዲግ ዝብላ ብኣፈን ክረብሓ
ፈተውቲ ኣበሳ ኣሎዋ ዝመርሓ

ኣብ ግዜ ሰላም ተነጸፍቲ ኣጎዛ
መዓልቲ ጸበባ ሰፈረን ዝሕዛ
ሓደ-ሓደ ኣሎዋ ኣንጻራ ንኣከዛ

ናይ መን ከዲንካ ናይ መን ክቅላዕ
ኣቦ ዳስ ግበራ መኣዲ ክስራዕ
ቁሩብ ትሕዝቶክን ብኣገባብ ክብላዕ

ኣይግድን ሕንፍሽፍሽ ዕዳጋ ሕምባሻ
ጮው ዘላታ ናተይ ሕብስቲ ቅመሳ
ናይ ኩለን ብሑቕ’ዩ ናተይ ተጠቢሳ

ሕስብ’ሞ ኣብላ ኣይጥፍእ ቀልብክን
ቀጥዒ ግበራሉ እዚ መኣድክን
የማነ ጸጋም ከቃልብ ንዓክን

ብሩህ ቆላላሕታ ንልቢ የሐጉሶ
ቅኑዕ ምግባር ንጌጋ ይድምስሶ
ወጊድ በልኦ ሰራም ዝቀደሶ

ጎሮሮ ነቂጹ እንተበለ ስመራ
ዘመን ፍለያ ኣፍቀርቲ ዳንኬራ
ዓይኒ ሰም ክብል ቦታ ኣይትቀይራ

ሓጋይ’ሲ ኣይትድለ መሓዛ
ዘይናታ ኣይትጠምት ናታ ሒዛ
ግዜኣ ሓልያ ትፈጽም ትእዛዛ

ስልማት ምድሪ ኣህዛብ ምስ እንስሳ
ትንፋሱ ሒዝክን መሰሉ ኣይትግሰሳ
ደበና’ውን የላን ጸሓይ እንተነጊሳ

መረጸ ኣስመላሽ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...