ክሳብ ማዓስ ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ ክትዕበሱ
ብህ.ግ.ደ.ፍ. ህዝቢ ይጸንት ንስኹም ትድቅሱ
እዝንኹም እንዳ ሰምዔ ኣፍኩም ተዓቢሱ
ናዓኹም ኣሚኑ ህ.ግ.ደ.ፍ/ ጥንቅሊዒት ደቂሱ               
ይኽደን ህዝቢ ህ.ግ.ደ.ፍ ሓዊሱ ከይገብረኩም ቁርሱ።

ዘክሩ እባ እቶም ምእንታና ዝወደቑ
ዘክሩ ነቶም ከምጨው ዝሓቐቑ
ዓገብ ምስ ጠለምቲ ሕድሪ ክትስሕቁ
እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ምስ ከደ መሊቑ።
 
ብሓደ ድምጺ ንበል ሆሆ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ክንብድሆ
ብሓደ ድምጺ ንበል ሆ ህዝብና ክረክብ መርሆ
ከይሃደመ ኣብ ብሎኮ ዓሪድና ክጸንሖ
ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ሱሩ ምስ ተሞሖ
ዝተዓጸወ ህድሞታት ክሮሖ ክሮሖ።

ሓዲሽ ምዕራፍ ክንከፍት ኣብ ታሪኽና
ኣብ ኣርባዓታት ዝጀመርዎ ኣቦሓጎታትና
ኣብ ጎረበት ሃገር ዋዕላ ክንገብር ንብገስ ኣሎና
ብሰንኪ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሃገርና ካብ ሓረመና
ብሰንኪ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሃገርና ካብ ኮነት ዑና
ብዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክንፈትሖ ሽግርና።

ህዝቢ ኣብ ትሒቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. መሲሉ ትኪ
ሕንኡ ዘይፈዲ ኣቦታትና ይብልዎ በትኪ
ኣይበዝሔ ዶ ኣነ እየ ናይ ህዝቢ ተሓላቒ
ነዚ ኩሉ ተቓዋማይ ረጊጽካስ ኣነ እየ ባዓል ሓቂ
ቁምነገር ግበር ካብ ትነጉድ ብዘይ በርቂ
ድሕሪ ውድቀት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣበደን ምልኪ ጸይቂ             
ህዝቢ ዝመረጾ እዩ ሃገር ዝመርሕ እዩ እቲ ሓቂ።

ጽቡቕ እንዳ በላዕካ ብሰላም እንዳ ነበርካ 
ንዋዕላ እንተተቓወምካ ሓቅኻ እንታይ ጎዲሉካ
ሓልዮት ህዝቢ ከምዘይብልካ ኣራጋጊጽካ
ንሱ እንተ ኮይኑ ትሕዝቶኻ ተሪፍካ ኣኺሉካ።

መንእሰያት ይጸንት ንስኻትኩም ትስሕቁ
ገለ ትሕጭጩ እንዳ በላዕኩም ጸጽቡቑ
ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓቢርኩም ህዝቢ ተሕቅቑ 
ክሳብ ማዓስ መስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክትማጻደቑ
በሉ ክሳብ ጋሻ ውሒጅ ዝወስደኩም ሳሓቑ
ጽባሕ ክወግሕ እዩ ምስ ተወገነ ጸጸይቑ።

ህዝቢ ቀቢጹ እንተ ተላዒሉ ኣኺልኩም
ብዘይ ነጎዳ ዝሃረመ ማይ ከይወስደኩም ምስ መራሒኹም
ነቲ ዝበደልኩምዎ ህዝቢ እቅረታ ሕተትዎ ቀልጢፍኩም
ድሕሪ ውድቀት ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይገደኩም ከይገደኩም።

 

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዓንገልቶምን

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...