ሰላም!
ጥዕምቲዶ  ክብለኪ ምቅርቲ
ለጋስዶ ክብለኪ ሕያወይቲ
ምልክዕቲዶ ክብለኪ ጽብቕቲ
ትሕዝቶኺ ልዕሊ ገንዘብ ርእሺ ሃብቲ።

ትቑጸሪ ለባም ትጽውዒ ሰላም
ትፈትዊ ህድኣት ዝመስል ገዳም።

ሰላም ከመ’ሎኺ
ጠፊኡንድ’ዩ ወረኺ፣
እምበርከ ደሓንድኺ
ሃለዋትኪ ጥዕናኺ።

ክሳብ ክንድኡ ደሃይኪ ጠፊኡ
ከም ዕንቊ-ባሕሪ ጠሊቑ።

መኣድኺ ገፊሑ  ደላይኺ በዚሑ
በሃግኺ ናፊቑ  ክዝክረኪ ተጨኒቑ
ኣብ ምጽባይኪ ደሪቑ።

ብሰንክኺ ኣዳም ተዋሪዱ
ምስ መሎቕኪ ካብ’ዛ ኢዱ
ካብ ገነት ተባሪሩ
ተዋሪዱ ከዕገርግር ጀሚሩ
ምናልባት ከምብሓዲሽ እንተተመሰለሉ።

ምኽንያቱ ንኣኺ ስኢኑ ከርተት ምስኮነ ዕድሉ
ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ
ክቃለስ ጀሚሩ ክነብር ብጻዕሩ።

ከም ብሂል ከም ወረ
ብስስዐ ምስ ተሳዕረ
ሕልንኡ ዞረ ዓይኑ’ውን ዖረ።

ሻቡ!
መሲሉዎ ዝሓይሽ ዝገበረ
ሓጹር ተሳገረ ደረት ተእዛዝ ሰዓረ
ካብ’ታ ፍረ……ተቐቢሉ ጠዓመ።

ከም ዛንታ ከም ታሪኽ
ናይ’ቲ መጽሓፍ በሪኽ!
ኣባ’ዥጎ እዚኣ ምስ ሰምዐ
ሓረቐ’ሞ  ተቖጥዐ! ኣዳም ከኣ ተቐጽዐ።

ይዋእ’ዩ!
ገለ ከየድምዐ
ዕራቖቱ ተቐልዐ።

ሰማያት ኣንጎድጎደ
መሬት ኣድለቕለቐ
ኮኾብ ሰላም ናብ ባይታ ወደቐ
ስርናይን ክርዳድን ተደባለቐ
ሽሻይ ኤደን ተጸንቀቐ
ኣብኡ ድማ ተዛዘመ ምዕራፍ ናይ ሕንቃቐ።

ካብ ሽዑ ንነጀው!
ብርሃን ተስፋ ረሓቐ ስግኣት ፍርሃት ደመቐ
“ብርሃጽካ ንበር” ዝብል ኣዋጅ ጸደቐ።

ሽሕ’ኳ!
ኣዳም ቀልጢፉ እንተተበራበረ
ተጣዒሱ እንተተማህለለ
ጉዳዩ ንኽጻረ ኣቤት እንተበለ
ከይብተን ወረ ዝገበረ እንተገበረ
ኣይረኸበን ፍረ።

እኳ ደኣ!
ሓንሳብ ንሓዋሩ
ቃል ዓለም ዘይብሉ፣
ዓለም ከምዝተቐየረ
ካብ ስሕታኑ ተማህረ።

እዚ!
ናይ ቀደም ትንግርቲ
ናይ ኣበው ትምህርቲ
ከይጠፍእ ምእንቲ፣

ሰላም ክትነግስ ምዕባለ ክትግስግስ
ክሳብ ሎሚ ዝተገብረ ቕልስ፣
መሊኡ’ሎ ተኸዚኑ
መጻሕፍቲ ይምስክሩ
ባህልን ወግዕን ይነግሩ
ሕግን ምዕባለን የናብሩ
ነቶም ዝደልዩ ካብ ሕሉፍ ክመሃሩ።
ጸለምቲ ጸዓዱ ካብ ኣዳም ዝተፈጥሩ
እንታይ ከምዝገበሩ መሊኡ’ሎ በብሰፈሩ።

እወ!
ሰላም ክረኽቡ ክደኽሙ ክጽዕሩ
ክበኣሱ ክፋቐሩ ክእከቡ ክብተኑ
እነሆ ኣሽሓት ዓመታት ተቖጺሩ።

ሰላም ብግደኣ ብታሪኽ ሰኪሓ
ትመሚ ተዳሉ ኣራቒቓ
ትፈሊ ትመርጽ ሕልና ጠዊቓ።

ብፍላይ!
ብማዕዶ ንዝስሕቃ ጎቦ-ልቡ ንዘድንቓ
ከይዕይና ከይጽይቓ ትሕልዎ ተጠንቂቓ
ለውጢ ተዓጢቓ።
ከምኡውን!
ምእንቲ ክስለም ወርቃ
ክሰቲ መረቓ
ኣዘንጊዑ ሓደጋ ከይወድቃ
ከይተሓለለት ትምዕዶ ምስ ደቃ
ክቕነት ዕጥቃ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...