Sidebar

ካበይ ይምጹ እቶም ዓበይቲ
ካበይ ይምጹ እቶም ተወፈይቲ
ካበይ ይምጹ እቶም መኽርቲ
ሕጊ ተኺሎም ሃገር መዔረይቲ

ህዝብና ይጸንት ኣሎ በብሓንቲ
ገለ ኣብ ዶብ ገለ ኣብ ማእሰርቲ
ገለ ብጥይት ገለ ብማሕነቕቲ
ገለ ብጨወይቲ ገለ ብመረዝቲ

ከይራዳድኡ ሓው ምስ ሓውቲ
ስኒትና ዘሪጎምዎ ተበለጽቲ
ባህልና ኣጥፊኦምዎ እዞም ዘረግቲ
ርህራሄ ዘይብሎም ንኹሉ ጨከንቲ
 
ሃገር ኣጽኒቱዋ ብሓለዋ ሰውራ
ገለ ሞይታ ገሊኣ ደንቊራ
ገለ ትጠፍእ ዝገበረት ጌራ
ገለ ትመናጭት ምስኣቶም ሓቢራ
እዚ ኮይኑ ፍርኡ እቲ ሰውራ
 
ሃገር ሓሚሶምዋ ሰብ ኣበሳ
ምስሎም ናይ ሰብ ፍጥረቶም እንስሳ
ብጾቶም ዝበልዑ ከም ናይ ባሕሪ ዓሳ
የሕዝነኒ ኤረ ከምዚ ተኻሒሳ
 
እታ ድልድል ከይትስበረና
ቀጥ ኢልና ንሓዞ ንቓልስና    
ፍትሕስ ከነምጻ ኢና ብዘበልና ኣቢልና
 
ዘይትጽመሞ’ዩ ሃገር ኩነታቱ
ኣንጻር ምልኪ ግዳ ዘይትኸቱ
ዓድና ክኸውን ዓዲ ዋናታቱ
ህዝብና ኮሪዑ ክወፍር ክኣቱ

ዝሓርስ ሓሪሱ ከእቱ ምህርቱ
ዝነግድ ነጊዱ ብድሓን ክኣቱ
ጊዜ ምስ ሓለፈ ከይትሕተቱ
ህዝብኹም ንምድሓን ኩልኹም ክተቱ
ኩሉ ክነብረላ ሃገር በበታ ክእለቱ
 
ምእንቲ ህዝብና ነሕስባ ርእስና
ኣፍና ይኹን ክንዲ ኣፍ ህዝብና
ብልሓት ንፍጠር ምእንቲ ሃገርና
ከይትተርፍ ሃገርና ኮይና ዑና
 
ብየማን ብጸጋም ምኽሪ ተቐበሉ
ጽልኢ ወጊድኩም ፍቕሪ ኣማዕብሉ
ብልሓት ተማሃሩ ሃገር ንኽትተኽሉ
ጸገም ሰጊሩ ኢዩ ዓለምና ማዕቢሉ
 
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ካኣ ነቲ ደም ዝበብዕ ዘሎ ህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...