ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ

እንታይ ንግበር ትም ኢልና ዶ
ብህግድፍ ንጥፋእ ዋላ ሓቢርና ንቃለስ

ኣነስ ኣይመርጽን ብህግደፍ ክንጠፍእ
እምኒ ደርቢየ ክሳብ ዝተርፈኒ መርፍእ
ክቃለስ እየ ክሳብ ዝመጸ ዝመጽእ

ሓደ ኣካል ኮይና ነብሎም ፋሓ ፋሕ
መዓልቲ ትቃራረብ ኣላ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ

ኖጎዳ ነጒዱ ማይ ወቂዑ
ወደባት በኣኹም ዉሑድ ዶ ተጸፊዑ
ህዝብና ነኣምላኹ እና ለመነ ደም ነቢዑ

ኣምላኽ ንህዝቢ ሰሚዕዎ ልመንኡ
ማይ ወቂዑ
ካብ ኣኽራናት ሃገርና ማይ ሓባር መሊኡ

ናዓኹም ለኻኪሙ ክከይድ ንባጽዑ
ቀዪሕ ባሕሪ ደም ከዳዓት ጎሲዑ

ንብዓት ህዝብና ሰሚዑ
ህዝቢ ናብ ኣምላኽ ኣመስጊኑ በኽዩ ነቢዑ

መን እዩ በዓል ደምና ይብልኣለኹ ዓውኢለ
ኣንጊሁ ኣብ ጎቦታት ዓላ ዝሓከለ
ሕልሙ ንምትግባር ላዕልን ታሕቲን ዝበለ

ዓማ እባ መንካዕ እባ እንዳበለ
ኣስላማይ እባ ክስታናይ እንዳበለ
ከበሳን መታሕትን እዳበለ ዝፈላለ

ከይንፈልጦ ኣብ ሞንጎና ዊዲት ዝፈጠረ
ኣየ ቲ ዕሽነትና ጉሩሃት ደቂ ኤረ
ሃየ ጸላኢና ንእለ ሓቢርና ብማዕረ ማዕረ

ትሸዓተ በሂራት ሾሞንተ ኣውራጃ
ኣንጻር ምልኪ ህግደፍ ናይሓባር ኣዋጀ ኣዊጃ
ቱሩጉም የብሉን ዝኾነ ምስ ኮነ እዚባ እቲባ

ንግደፎ ምባል ጀብሃ  ሻዕቢያ
ዓዲ ጀጋኑ ንደብሳ ነሕዊያ
ንወላዲት ጀጋኑ ቢሂወታ ከላ ብርሃን ነሪኢያ


እወ ንሪኢያ
ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና
ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክንዕወት ኢና
ምስ ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ሓቢርና

ሰናይ ቅነ ይቅጽል
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...