ሃገራዊ ናጽነትና ዝተረኽበሉ ዕለት መዘክር

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ዲሲን ከባቢኣን ፡ “እምቢ ንምልኺ፡ መኸተ ንፍሕን ልዕልና ሕግን”  ኣብ ትሕቲ ብዝብል ቴማ  ንመበል 19 ዕለተ ናጽነት ንምዝኻር ዓቅሙ ዘፍቀዶ ምድላዋት ጌሩ ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ብኣኽብሮት ይዕድም።

ግንቦት 24 1991 ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ብኽቡር ዋጋ ዝተረኽበ ዓወት ኢዩ። ነዚ ዓወት’ዚ ንምጭባጥ ኩሉ ኤርትራዊ ብዓቕሙ፣ ገሊኡ ብሂወት፡ ብገንዘብ፡ ብንዋት፡ ብሞራል ዝተሳተፎ ሃገራዊ ውራይ ኢዩ። ምእንት’ዚ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተሓዝኤ፡ ብህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዓሳኽሩን ጥራይ ዝብዓል ዕለት ኣይኮነን።

እዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝኾርዓሉን ዝሕበነሉን ኣብ ከብሒ ልቡ ዝተሰነደ ንዘልኣለም ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝወራረስ ታሪኽ ጅግንነትን መኸተን ጽንዓትን ኢዩ። ከብዕሎን ክዝክሮን ድማ ናይ ማንም ኣካል ፍቓድ ኣይሓትትን።


ቦታ፡ THURGOOD MARSHALL CENTER
1816   12th street.   N.W Washington DC, 20009
  
ዕለት ፡ ዓርቢ 28/2010
 
ስዓት፡ 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 11፡00 ናይ ምሽት
ብድሓን ምጹ
ንዝያዳ ሓቤረታ በዚ ቴሌፎን ተወከሱ

703 850 5454
202 706 1745
517 265 2690
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...