Svensk-Eritreansk organisation för demokrati och rättvisa i Göteborg

መግለጺ ብምኽንያት መበል 19 ዓመት ነጻነት ኤርትራ

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገርን ኮይኑ ሃገራዊ ነጻነቱ ዘረጋገጸሉ መበል 19 ዓመት ክዝክር ከሎ፡ እቲ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ መደምደምታ ምርካቡ ብሓጐስ ምብዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ፡ ብሓድሽ መልከዕ ናብ ዝኸፍአ ኣደዳ ስደትን ስቓይን ሞትን ተሳጢሑ ምህላዉ ብመሪር ሓዘን ክዝከር ዝግብኦ ፍሉይ ዕለት ኢዩ፡፡

እዚ ዕለት’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕግን ስርዓትን ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ባህሉን ልምዱን ንኸየማዕብልን ከየስተማቕርን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ብዘይካይ ነጻነት ዝህብን ዝኸልእን ካልእ ፖለቲካዊ ስልጣን የልቦን እናበለ ንዕስራ ዓመታት ዝኣክል ነቲ ተሰሪቱ ዝጸንሐ ሓቀኛ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘሪጉ፡ ንባዕሉ ድማ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ተኣጊዱን ተነጺሉን ናይ መወዳእታ ግብኣተ መሬቱ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ኢዩ፡፡

እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾኑ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ውድባትን፡ ውልቀ ሰባትን፡ ካብ ናይ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ሓድነቶም ኣደልዲሎም ንህግደፍ ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ ብምጽራግ፡ ኣብ ክንድኡ ብመትከል ዲሞክራስያዊ ሕገ መንግስቲ ትመሓደር፡ ሕግን ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ ከምኡ’ውን ኩሎም ኣብ ትሕቲ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ሰብኣዊ መሰሎም ተገፊፎም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት መሰላቶም ዝሕለወሉን ፍትሒ ዝረኽብሉን ባይታ ንምፍጣር ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እጃሙ ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ ሓልዮት ዝመልኦ ታሪኻዊ ጻዋዒትና ነቕርብ፡፡
 
ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን
ንዲሞክራስን ፍትሕን
የተቦሪ ሽወደን
 
21 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ፈ.
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...