ናይ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ናይ ዋዕላ ሽማግለ ቆይማ።

ብዕለት 22 ግንቦት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ደቡባዊ ካሊፎኒያ ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተረኽብዎ፣ "ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ" ሰሚናር ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ውዒሉ። ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ማለት ካብ ደቡብ ናይ ጎቦታት ተሃቻፒ (Tehachapi Mountains) ኣስታት 113 ኪሎሜተር ሰሜን ናይ ሎስ ኣንጀለስ ክኸውን እንከሎ፣ ብደቡብ ክሳብ ዶብ መክሲኮ ዝዝርጋሕ ብምዕራብ ብሰላማዊ ውቅያኖስ ብምብራቕን ነቫዳን ኣሪዞናን ኣውራጃታት ዘዳውብ እዩ። ኣብዚ ቦታዚ ዝርከብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ኣብ ከባቢ ሳንድያጎን፤ ሎስ ኣንጀለስን ሳን በርናርዲኖን እዩ ዝቕመጥ። እታ ዝወጸት ሽማግለ ነዘን ዓበይቲ ከተማታት እዚኣተን ኣብ ግምት ዘእተወት እያ።

ኣብ'ቲ ሰሚናር ዝተፈላለዩ ንዋዕላ ዝምልከት  ወረቓቕቲ ቀሪቦም። ከም'ኡውን ብዛዕባ ዋዕላ ዝተፈላለየ ሓሳባት ፈሲሱ። ኣብ መጨረሽታ፣ ኩሎም ኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውን ማሕበራትን ጌሮም ድምጾም ከስምዑ ንክኽእሉ እተሰርዕ፣ ንደቡባዊ ካሎፎርኒያ ንዝቕመጡ ኤርትራውያን ዘማእከለት ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብዝመጹ  ሽማግለ ቖይማ። ዕላማ ሽማግለ፣ ኤርትራውያን ተቐማጦ ደቡባዊ ካሊፎርንያ፣ ኣብ ዋዕላ ድምጾም ከስምዕሉ ዘኽእል ኣገባብ ፈጢራ ቀጻሊ ናይ ዘተ መስርሓት ከተሰላስልን ወከልቲ ህዝቢ ንዋዕላ ከተምርጽን ኢዩ። ኣብ'ዚ ሰሚናር’ዚ ነታ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብፍላይ ዘላ ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ዋዕላ ከም'ኡውን ነታ ብደረጃ ዓለም ሓላፍነት ተቐቢላ ዘላ ኣሰናዳዊት ዋዕላ ሽማግለ ብዙሓት ለበዋታት ካብ ተሳታፊ ሰሚናር ህዝቢ ቀሪቦም። ገለ ካብቶም ዝቐረቡ ለበዋታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

  1. እዚ ዋዕላ እዚ ህዝቢ ኣብ ናይ ጥፍኣት ኩነታት ከሎ ይግበር ምህላዉ ተስፋ ዝህብ እዩ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ዘሎ ህዝቢ ጉዳይ ስለዝኾነ ግን ዝያዳ ከም ህጹጽ ጉዳይ ክርአ። ብእኡ መሰረት ንኢ.ደ.ኪ. ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክቕይሮን ናቱ ሓጋግን ፈጻምን ኣካል ካብ ህዝብን ካብ ኤ.ዲ.ኪ.ን ክወጽእን።
  2. ሓደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ብሓደ እዝን ሓባራዊ ፖለቲካዊ ኦርየንተሽን ዝመሃር ንህዝቢ ዝከላኸልን ሓይልታት ምክልኻል ዘዐቁብን፣ ነቲ ግዜያዊ ቅዋም ወይ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎ መትከል ዝምእዘዝን ንመትከል/ቅዋም/ቻርተር ወይ ካልእ ስም ዘለዎ ብልዑል ሕጊ ባይቶ ተማእዛዝነት ዘለዎ ክኸውን ይጠለብ።
  3. ባይቶ ኤርትራ ናይ ድያስፖራ ኤርትራውያን ዓቕምታት ብምጥቃም ዝሰርሕ ብኹሎም ናይ ወጻኢ ወኪላት ዝምራሕ ሓደ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክህሉ።
  4. ሓደ ፈራዲ ኣካልን ንዘለዉን ናይ ቀደም ቅዋማትን ቻርተርን ጽላታትን (ኮቬናንትስ) ኣኻኺቡ ዘጽንዕ ናይ ሕግታትን ካልእ ኣካዳምያዊ ዓቕምታትንን ዘለዎም ኤርትራውያን ኣኻኺቡ ንህዝቢ ዘቕርብ ኮሚስዮን ክወጽእ። ኣብ ውሽጢ ንዘጋጥም ጸገማት ክንዲ ንቓልዕ ወጺኡ ህዝቢ ዘናውጽ ኣተጋግብርኡ ዝርኢን (ኤቲክስ ኮሚቴ) ከም'ኡውን ንፈጻሚት ኣካልን ሓጋጊት ኣካልን ዝፍትሽ ኣካል ካብ ባይቶን ህዝብን ክወጽእ።
  5. መሰጋገሪ መንግስቲ ወይ ካልእ ስም ዘለዎ ኣካል ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኣልጊሱ ስልጣን ንህዝቢ ዘረክብ ሓይሊ ብህጹጽ ክወጽእ ዘኽእል ክኸውን።
  6. "ሃገራዊ ዋዕላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ"ዝብል ሰነድ፣ ብሓልዮት መራኸቢ ሽማግለ ማኒፌስቶ ካስል ብ2006 ዝወጸ፣ ናይ'ዚ ዋዕላ'ዚ ገለ ካብ'ቲ መበገሲ ሰነድ ኮይኑ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ኩለን ዌብሳይታት ብስም እታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክወጽእ ወይ ብውሕዱ ኣብ'ቲ ናታ ወብሳይታት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከተውጽኦን ህዝቢ ኣፍልጦኡ ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ንከዕዝዝ ክሕግዝ።
  7. ዋዕላ ጌርካ እንታይ እዩ ክርከብ ዝብል ነገር ብንጹርን ሕጽር ብዝበለ ኣገባብን ንህዝቢ ትምህርቲ ክቐርብ።
  8. እዚ ዋዕላ'ዚ ናይ ሕቡራት ሃገራትን፣ ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍልጦ (Recognition) ክህብዎ ጎስጓስ ምግባርን ኣገደስቲ ስራሓት ምክያድን።
  9. መሰል ጽሑፋት ክተባብዕ ዘለዎ እኳ እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ውልቀሰባትን ዌብሳይታትን ኣብዚ ንሓድነትና ዝፈታትን ተኣፋፊ መድረኽ እዚ፣ ናይ ባርዕ ክርቢት ዝሽርጥጥ ተሓዋሲ (ሰንሰሽናል) መልእኽታት እናለጠፍካ ህዝቢ ምስንባድ ዘይሓላፍነታዊ ኢዩ ክብል ሰሚናር ኣስሚርሉ።

ብኣወንታዊ መንገድታት ተሳትፍነት ዋዕላ ከምዝሰፍሕን ንኹሉ ኣካላት ወካሊ መርኣያ ሕብረተሰብና ክኸውን ጻዕሪ ክግበርን ከኣ ኣተሓሳሲቡ።

Watch Seminar Video Clips posted on “YOUTUBE”

ዓወት ንህዝብና!
ኣምላኽ ሃገርና ኤርትራ ይባርኽ!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...