ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?
ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ

ከም ዝፍለጥ ፕረዚደንት ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተማሃራይ ሰመረ ከሰተ ብሰሉስ ዕለት 31/07/01 ከባቢ ሰዓት 7፡45 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ገዝኡ ብኽፍሊ ጸጥታ ካብ ዝውሰድ ንነው፡ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ተማሃሮ ዩኒቨርስትን ዘይምርድዳእ ክርአ ጸኒሑን ኣሎን። የዕሚቑ ንዝሓስብ ሰብ እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ (ማእሰርቲ ሰመረ ከሰተ) ሳዕቤኑ ተጸኒዑ ዝተገብረ ኣይመስልን ኢዩ።

ንዝኾነ ነገር ካብ ኣብ ጥርዙ ምስ በጽሐን ምስ ተፈንረካን ንምእላዩ ላዕልን ታሕትን ምባል፡ ከሎ ገና ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምዝታይን ኣድላዪ ኮይኑ ይስምዓና። ንነገራት ብጎነጽን ታህዲድን ክትፈትሕ ትፍትን እንተድኣ ኮይንካ ግን፡ ውጽኢቱ ከም ኣብ ባሕሪ ምሕራስ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

ናብ ቀንዲ መዛረቢ ነጥበይ ክኣቱ፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ሰመረ ከሰተ፡ ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘ ጠለብ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ጠለብ ከኣ ሕጋውን፡ ንዝኾነ ይኹን ዜጋን ዝግብኦን ከምምዃኑ መጠን ንምንታይ ብእዋኑ ተዘትዩሉን ተራእዩሉን ፍታሕ ዘይርከቦ? ምፍትሑ ቀሊል ዩ፡ እንተኾነ ግን ንነገራት ጓዕጺጽካን ናይ ምርኣይ መንፈስ ስለዘሎን ከይተተግበረ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ነዚ ዝርአ ዘሎ ንተማሃራይ ኣገዲድካ ውፈር ምባልን ምዕጻው ቤት መግብን መደቀስን ተማሃሮ፡ ብዓቢኡ ከኣ ምዕጻው ዩኒቨርስቲ ኣኸቲሉ ይርከብ። ቅድሚ ናብዚ ደረጃ ዚ ምብጽሑ ብዝቐልጠፈን ዝጸፈፈን ኣገባብ እተን ዝቐረባ ክልተ ነጥቢ ንጉዳይ ሰመረ ዝምልከታ ጠለባት ተተግቢረን፡ ተማሃራይ ብምሉእ መንፈስን ተበግሶን ኣብ ዝተባህለሉ ወፊሩ እንተዝኸውን እቲ ወፍሪ ዕዉትን ውጽኢታውን ክኸውን ምኽኣለ። ሕጂ ውን ማይ ኣይሓለፎን ዘሎ፡ ጉዳይ ሰመረ ከሰተ ብዕቱብን ብህጹጽን ተራእዩ ፍታሕ ረኺቡ ብዛዕባ ወፍሪ ይዘረብ። እንተዘይኮነ ግን ቤት መግቢ (ካፍተርያ)ን መደቀስን ተማሃሮ ዓጺኻ ንተማሃይ ከተሻቕል ምፍታን፡ ኣብ ርእሲ ጌጋ ጌጋ ምፍጻም ካልእ መኣዝን (ሳዕቤን) ከይሓዘን ምእላዩን ንምእላዩ ህጹጽን ፍትሓዉን ስጉምቲ ይወሰድ። እንተዘይኮነ፡ ፕረ.ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዶ/ር ወልድኣብ ዉን ባዕሉ ኣብ ኣፍደገ ዩኒቨርስቲ ንተማሃሮ “ኣይፈልጠኩምን ኢየ ዋላ ዉን ንገዛኹም ክትከዱ ትክእሉ ኢኹም” ስለዝበለ፡ ተመሃራይ ኣብዚ ብጥሜትን ብስእነትን መደቀስን ተሳቕዩ ንወፍሪ ብግዴታ ዝበገሰሉ ጉዳይ ኣይክህሉን ኢዩ። ስለዝኮነ ከኣ ተማሃራይ ነናቱ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ። ንዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ ከኣ ባዕሉ ፕረ.ዩኒቨርስቲ ዶ/ር ወልድኣብ ምዃኑ ብዓቢኡ ኸኣ ህዝቢ ክፈልጥ ይግባእ። ምኽንያቱ ናይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ናይ ቀረባ ተሓታቲ ንሱ ምበር ካልእ ኣካል ስለዘየለ።

ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ


ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-
ኣበድ ተስፋይ

እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መሪሕነት ህ.ግ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ክልተ ዓይነት ግርጭት ከምዘለዉ፡ እዚኣቶም ብስነ-ሞጎት መሰረታዊ ግርጭትን ዘይመሰረታዊ ግርጭትን ወይ ድማ ተጻራርን ዘይተጻራርን ግርጭት እዮም። ተጻረርቲ ወይ መሰራታውያን ግርጭታት ብረብሓ ፍጹም ዘይራኸቡ ብስዕረት ናይ ሓዲኦም ጥራይ ዝፍትሑ ምዃኖም፡ ንኣብነት ኣብ መንጎ ሰውራ ኤርትራን መግዛእቲ ኢትዮጵያን ዝነበረ ግርጭት ኪጥቀስ ይከኣል።

ዘይመሰረታውያን ዘይተጻራርን ድማ ኣብ መንጎ ናይ ሓባር ጥቕምን ረብሓን ዘለ ዎ ም ኣባላት ሕ/ሰብ፡ ኣብ ምቕያስ ስልትን እስትራተጅን ኣየናይ ዝሓሸ መገዲ እዩ ዘዐውት ኣብ ዚብል ሓሳብ ዚሰሓሓቡ፡ ወጽኢት ግርጭቶም ንምዕባለ ዚሕግዝ ወይ ዚደፍእ'ዩ። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ ግርጭት መሪሕነትና ዘይመሰረታውን ድፋኢ ምዕባለን ብምዃኑ ግዚኡ ሓልዩ ዝመጸ ተርእዮ እዩ። እንተኾነ ቅኑዕ ኣተሓሕዛን ኣፈታትሓን ጥራሕ'ዩ መርኣያ ዘየመሰረታውነት ዘረጋግጽ።

እዞም ግርጭታት እዚኣቶም፡ ቅድሚ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምጽኦም ኣይተሓጐስናሎምን ክውንነት ሃገርና ካብ ኣመጽኦምከ ብኸመይ ነኣንግዶም ዚብል ዓቢ ግድል ግን፡ ንኹልና ብጉዳይ ሃገርና ንግደስ ኤርትራውያን ዓቢ ሓላፍነት ክንስከም ክንክእልን እጃምና ከነበርክትን ይግባእ።

ግርጭት ብኣኼባን ዘተን ምጽውዋርን ጥራሕ'ዩ ዚፍታሕ። ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ደ.ፍ ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ኣገባብ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣይንቕበልን ድማ። ባይቶታት በቲ ህዝቢ ዝሃቦም ሓላፍነት ብደረጃታቶም ይፍትሕ ዎ ፡ ዘይተሰማምዑሉ ነጥብታት ድማ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ መዕለቢ ይገበረሉ። ነዚ ግርጭት'ዚ መዕለቢ ከይገበርካ፡ ጉባኤን ምርጫ ባይቶን ኪግበር ዚከኣል ኣይኮነን። ስለዚ መሪሕነትና፡ ግርጭት ብዘተ ይፍታሕ፡ እዚ ጉዳይ፡ ጉዳይ ፖለቲካ እዩ፡ ክሳብ ሕጂ ተረዲእናዮ ከምዘለና። ካልእ ጉዳይ ብልሽውና፡ ጉዳይ ጥልመት ሃገር፡ ጉዳይ ትሕተ ሃገራውነት እንተልዩ፡ ንሕጊ ስለዚምልከት ግዜ ከይወሰደ ምስ መርትዖታቱ ናብ ሕጋዊ ኣብያተ ፍርዲ ጥራሕ ከቐርብ ኣለ ዎ ። ክሳብ ክንድ'ቲ ንህዝብን መንግስትን ሓሸውየ ከብል ኣይግባእን።

ኣነ ከምሓሳብ፡ መሪሕነት ህ.ግ ግርጭት ፈቲሓ ተጻዋዊራ ከም ሓደ ግንባር ክትከይይድ ክትክእል ኣለዋ እየ ዝብል። እዚ እንተዘይተኻእለኸ? ኣነ ምስ ህ.ግ ነዊሑኒ፡ ምስ መስመራ ኣይሳነን'የ፡ ናተይ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መስመር'የ ክኽተል ዝደሊ፡ ንዚብሉ ሃገራውያን ድማ ህ.ግ ናጻ ዕድል ኪህብ ኣለ ዎ ።

ሕጊ ሰልፍታት ተወዲኡ፡ ኣብ ስራሕ ከምዚውዕል ኪግበር፡ ትግባረ ቅዋማዊ ስርዓትና፡ ጸገማትና ፈቲሕና ነቀላጥፎ። ብዝተረፈ፡ ተረዳዲእካ ኣብ'ዚ ግንባር ኪስራሕ ካብዘይተኻእለ፡ ግርጭታትካ ክትፈትሕ ካብ ዘይከኣልካ፡ “ካብ ግንባር ዚፍንጨል ወይልኡ፡ ፈትዩ ጸሊኡ ንህ.ግ ኪቕበላ ኣለ ዎ ፡ እንተዘየሎ ዚብል ግደ ምፍርራሕ ጸጥታን መቕጻዕትን ኪኸውን'ዩ” ዚብል ስዉር ተግባር እንተመጺኡ፡ ንስርዓትና ናብ ናይ ጸጥታን ወተሃደራዊ ስርዓትን ዘቐይርን ፖለቲካዊ መሰል ዜጋታት ዚግህስ፡ ርግኣትን ጸጥታን ህዝቢ ዝነፍግ ስለዝኾነ፡ እዚ ምርጫ ህ.ግ.ደ.ፍ ኪኸውን ኣይግባእን።

ኣብ ርሱን ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ኣብ ዘለናሉ ግዜ፡ እዋስኡ ንዚበሃሉ ሚኒስተራት ካብ ስልጣን ምእላይ መገደዲ ደኣ'ምበር መፍትሒ ግርጭት ኣይኮነን። ውሕሉላት መራሕትና ተጻዋርነትኩም ላሕሊሑ የሰክፈና'ሎ፡ ኮፍ ኢልካ ግርጭትካ ካብ ዘይምፍታሕ ንላዕሊ ዘሰክፍ እንታይ ኣሎ? ንወጥናት ሶቬት ሕብረት፡ ንመግዛእቲ ደርጊ፡ ንተጻብኦታት ሰውራ፡ ነዚ ሕጂ ዝመጸ ወራር መኪትኩም ኣፍሺልኩሞ፡ ሕጂ ኣብ ውልቃዊ ህልኽን ጽልእን ትኣትዉ፡ ንኣረኣእያታትኩም ቀዳምነት ትህቡ እዝስ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት'ዩ። እቲ ክልተ ሳዕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ጻምኡ ክፈል ዎ ፡ ታሪኽ ንድሕሪት ኣይምለስን'ዩ። ነገሩ “እታ እምኒ ጸምበለል በለት” “እታ ኩቦ ጠሓለት” ከይከውን ጉዳይና ብዓቢ ጥንቃቐን ተገዳስነትን ንሓዞ።

ኣበድ ተስፋይ
ደ/ምብራቕ ኣስመራ


ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎ
ቴድሮስ ካብ ከረን

ከም ዚፍለጥ ኣብ መጀመርያ ሓርነት ኤርትራ (1991) ዝተገብረ ገምጋም፡ ከረን ካብ ከተማታት ኤርትራ ደድሕሪ እታ ዋና ከተማና ኣስመራ፡ ብ2ይ ደረጃ እትርከብ ዝነበረት ከተማ ምንባራ ማንም ዚፈልጦ እዩ። ብድሕሪኡ ምስ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ምስ እነዋዳድራ፡ ነቲ ዘርኣይኦ ለውጢ ርኢኻ፡ ከረን ኣብ ትሕቲ ኣየናይ ማእከላይ መንግስቲን ከምኡ ድማ ፖለቲካዊ መግዛእታዊ ካርታን(political territorial map) ከምዘላ ንምፍራድ ኣብ ዘሸግር ሃዋህዉ ኣላ፡ እንተበልና ዳርጋ ብዙሕ ምግናን ኣይመስለንን። ጭቡጥ መርትዖ (ጭብጢ) ናይ'ዚ ድማ ዓይንና የማነ ጸጋም ኣብ ዘለዋ ካልኦት ከተማታት ግልጽ እንተበልናዮ እኹል ኮይኑ እስመዓኒ። ምስ ምምጻእ ናጻ ኤርትራ፡ ማለት (1991) ጠሓኒት እኽልን ቤት ቁርስን ጥራሕ ዝነበረን ከተማታትና፡ ሎሚ እንታይ ዓይነት ደረጃ በጺሐን ምህላወን ኩልና ንፈልጦ ሓቂ'ዩ። እዚ ክብል እንከለኹ ግን ሰይጣናዊ ቅንኢ ኣሕዲሩለይ ዘይኰነስ፡ እቲ ቈላሕታ ንኹሉ ዘይድህስሶ በሃላይ ስለዝዀንኩ እየ። ልዕሊ ኩሉ ከረን፡ ንንግዲ ይኹን ካልእ ነገራት ማእከል መራኸቢት ከም ምዃና መጠን፡ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ስትራተጂ እያ ትውንን። ኮይኑ ግን፡ ድሕሪ ናጽነት ዘርኣየቶ ለውጢ ዳርጋ የለን። እቲ መጺኡ ዚበሃል ለዉጢ ድማ፡-

1) መፍረ መድሃኒት ዚብል ስም ዝለበሰ፡ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ብእንዳ ቻይና ዚፍለጥ ጽፉፍ ናይ እኽሊ መኽዘን ዝመስል ህንጻን፡-

2) ምስኡ ለጊቡ ዚርከብ ዊናን ዶብዓትን ኩባንያ ህንጻ፡ ተባሂሉ ዚስመ ዘሎ (ናይ ብሓቂ ዶብዓት ዘብል'ዩ) ኣብዚ ግዜ'ዚ ዚበዝሕ ስርሑ ተሰላሲሉ ኣብ ምዝዛም ዚርከብ፡ ቪላ ዚብል ስም ተሓንጊጡ፡ ብነጸብራቅ ናይ ዚንጎ ዓይንኻ ዚደጉሕ ንኽትርእዮ ዘሰልቹ ገዛውቲ ኮይኑ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ኣብኡ ዝነበረ ገዛውቲ ኣምሓሩ ዚፈልዮ ነገር እንተሎ፡ ብራኸ ጥራሕ'ዩ፡ ምስ ተዛዘመ ድማ ብሕብሪ ኪበልጾ ይኽእል ይኸውን።

ንምዃኑ፡ ጎላጉል መጋርሕ ቪላታት ጥራሕ ንኽስራሕ ሕልና መን ፈቐዶ? ንከተማ ከረን ከማዕርግ ልዑል ትንቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ጎላጉል ከም ምዃኑ መጠን፡ ከምዚ ጌርካ ክትሓድጎ ካብኡ ዝዓቢ ሃየንታ ዘሎ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ከም ሓቂ፡ እዚ ጎላጉል'ዚ ወላ'ኳ ከም ናይ ሰምበል ኣይንበል'ምበር፡ ከም ናቱ ቅዲ (ቃቅዘቕዋቦ) ከምኡ'ውን እንተወሓደ ናይ መሬት ወሲኽካ፡ 2 ደርቢ ዝሓዘ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ኪኸውን ነይር ዎ ። ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ገለ ሰብ በዓል 3, 4..... ደርቢ ኪሰርሕ ምስ ዚደሊ፡ መሬትካ ክንድኡ ኣይስከምን'ዩ (ክሃምም'ዩ) ተባሂሉ መን ከሊእ ዎ ፡ ቪላ ከረን ኪሰርሕ ይግደድ። አረ ሕጅስ በዛ ነብሰይ ቀጢን ብምዃነይ፡ ንኣምላኸይ ብጣዕሚ'የ ዘመስግኖ። ምኽንያቱ ክብደት ዘለ ዎ ም ሰባት ኣብዚ ሓጺር ግዜ ክትሃሙ ኢኹም ከይተባህሉ ኣይክተርፉን'ዮም። እዚ ኮይኑ ከየብቅዕ መጋርሕ መንበሪ ገዛ ጥራሕ ኪኸውን ኣየናይ ነቢይ ተነብዩ ነይሩ? ምስኡ ዚተኣሳሰር ሕቶ'ዩ።

ብተመሳሳሊ፡ መደመርያ ናጽነት ኣቶ ሙሳ ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ዝሓንጸጾ መደብ ምልባጥ ካትራመ ጎደናታት ንድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ግርም መዛረቢ መደብ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ነዚ ኣርእስቲ'ዚ ቅድሚ ግብራውነቱ፡ ህዝቢ'ታ ከተማ በዝን ወዲኸምዝን እናተዘኻኸረ፡ ነቲ ተስፋ ቘሪጹሉ ረሲዕ ዎ  ዝነበረ ተስፋታት፡ ደጋጊሙ ንኺሰምዖ፡ ምስታ እንኮ ሬድዮና ዓቢ ጽልኢ እዩ ዘሕድር ዘሎ።

ካልእ ክብሎ ዝደሊ እንተድኣሎ፡ ከም ዝረዳኣኒ ከረን ዚምደቡ ኣመሓደርትን ኢንጅነርታትን፡ ምስታ ከተማ ወይ ምስቲ ህዝቢ እሉኽ ጽልእን ዝይሃስስ ቅርሕንትን ዘለ ዎ ም ጸረ ምዕባለ ዝጉዓዙ ሰባት ከይኮኑ ኣይተርፍን'ዮም። እዚ ሕቶ'ዚ ግን ንኣንባቢ ዘይኮነስ፡ ኣንቢቡ ምላሽ ኪህበሉ ንዚኽእል ኣካል ብዝያዳ ዚምልከት ኮይኑ፡ መልሲ ግን ኣብ ወረቐት ወይ'ውን ሬድዮ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ እንተኾነ ተመራጺ እመስለኒ።

ምናልባት ስምዒት ዘበገሶ ዘረባ ኪመስል ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ ነዚ እንዳረአኻ ስቕ ዘብል ስምዒት ዝተዓደለ ሰብ ኪህሉ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል'ዩ።

ቴድሮስ
ካብ ከረን


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...