መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

ኣብ'ዚ ቅንያት'ዚ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዩኒቨርስትን ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ልጡል ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚዚ ክሳብ ሞት ገለ ተማሃሮ ዘስዓበ ኩነታት መበጊሲኡ እንታይ ኮን ይከኸውን? ነዚ ሕቶ'ዚ ሰብ ነናቱ ትንታኔታት ክህበሉ ቀንዩ ኣሎ። ብዓቢኡ ከኣ እቲ መንግስቲ ብማዕከናት ዜንኡ ኣቢሉ ዝፈነ ዎ  ዘይምሉእ ሓበሬታ ተጸልዩ ክሳብ “ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጸጊቦም፡ ኣሕቐቶም ኣብ ምንታይ ክምዘሎዉ ዘንጊዖም” ወዘተ... ናብ ምባል ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። ንምዃኑ እዚ እምቢታ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ መኣስን ብከኸመይን እዩ ናብ'ዚ ደረጃ'ዚ በጺሑ? ናይ ሰሙን ናይ ሳልስቲ ድዩ? ቐላስ ፈከኸም ክብል ዝጸንሐ'ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምምርማር ዘድልዮም ኮይኑ ይስመዓና። እዚ ጽሑፍ'ዚ ከኣ ብመጠኑ ኣመዓባብላን ዝርዝራትን ናይ'ዚ ተከኸሲቱ ዘሎ ኩነት ክትንትን ኢዩ።

ቀዳማይ መድረኽ፡ (ድሕረ ባይታ)

ኣብ 1994 ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትንህርቲ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ኣብ ክረምታቒ ማእቶት ክሳተፉ ምዃኖም ንህዝቢ ሓቢሩ። ዕላማ ክረምታቒ ማእቶት ከኣ ከምዚ ኣብ ዝተፈላለየ እቐናት ዝተገልጸ ተሓቢሩ። ብኡኡ መሰረት ከኣ ኣብ ተማሃሮ ካልኣይ ደረደኸ ጥራይ ብሙቱኳር ይካየድ ነይሩ። ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ'ዚ ክረምታቒ ማእቶት ክሳብ'ዚ ቀረባ እቐን ይሳተፉ ኣይነበሩን። እንተኾነ ኣብ 1999 ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ወራር፡ ኩሉ ሰራቒት ኣብ ድፍዓት ኣብ ተጠንቀቕ ስለ ዝነበረ ተማሃሮ ኣብ ማእቶታቒ ስርሓት ዓቕሞም ከበርክቱ ተሓቲቶም። ኣብዚ እቲ ከይጠቀቓስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፡ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ቅድሚ ናብ ክረምታቒ ማእቶት ምውፋሮም ኣብ ቖጸራ ህዝቢ (census) ናይ ዞባ ማእከል ክትሳተፉ ኢከኹም ተባሂሉ፡ ነቲ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ኣብ ክፍልታት ብምእታው፡ ነቲ ክሰርሕ ዎ  ዝተመደበ ስራሕ ዝሕግዞም መምሪሒታት(orientation) ኣብ ምውሳድ እዮም ዘሕልፍ ዎ  ኔሮም። ቐላ'ኳ እቲ መደብ ቖጸራ ህዝቢ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ይቋረጽ፡ ተማሃሮ ንክረምታቒ ማእቶት ክትብገሱ ኢከኹም ምስተባህሉ ብዘይ ዕጻይምጻጻይ ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታታት ተበጊሶም። እቲ ዝበዝሑ ተማሃሮ ተመዲቦሙሉ ዝነበሩ ዞባ፡ ዞባ ጋሽ ባርካ እዩ ኔሩ። እዚ'ውን ሃንደበታውን ግዜ ዘይህብን እዩ ኔሩ። እዞም ተማሃሮ እዚኣቶም በቲ ዝነበሮም ልዑል መንፈስ ተበጊሶም ኣብ ባረንቱ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ዘይተጸበይ ዎ  ኩነታት ኣጋጠሞም። ምምሕዳር ከተማ ኮነ ዞባ፡ ምምጻእ ናይዞም ኣስታት 900 ዝኾኑ ተማሃሮ ሃንደበትን ዘይተሓበሮምን ምዃኑ ተፈሊጡ። እንተኾነ ንሳቶም'ውን ግዲኦም ገበሩ። ኣብ ፌስቲቫል ዞባ ጋሽ ባርካ(ኣብ ባረንቱ) ተጸሚዶም ብምንባሮም ካብ ቅድሚ ዓይኖም ንምእላይ ናብ ጎልጅ ከምዘምርሑ ገበሩ። ኣብ ጎልጅ ዝኾነ ይከኹን ናይ መግብን መደቀሲን ቀረብ ኣይነበረን። ምምሕዳራት ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝነበረ ፌስቲቫል ይሳተፉ ብምንባሮም ሰማዒ ኣይረከኸቡን። እተን ዝነበራ ንኣሽቱ ቤት ትምህርታት ብኣግኡ መሊኤን ዝበዝሐ ተማሃራይ ብዝናብን ቁርን እንዳ ተገርፈ ሰሙን ከም ሓንቲ መዓልቲ ኣሕለፈ። መግቢ ካብ ጁባኻ ኮይኑ፡ እቲ ዘለ ዎ  ነቲ ዘይብሉ እንዳ ተኻፈልና የሕሊፍናዮ። ኣብ'ዚ ኩሉ ከስተውዕለሉ ዘለ ዎ ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ትሑት መነባብሮ ዝመጸ ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ኣብቲ እቐን'ቲ ዝሕለፍ ዝነበረ መሪር ኩነታት፡ ከየቖጥዐን ኣረኣእያታት ኣብ ነገራት ከይቀየሮን ኣይተረፈን። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን መከራ ኣብ ጎልጅ፡ ብዘይ ዝኾነ ይከኹን ሓበሬታ ኣውቶቡሳትን ሎሪን መጺኤን ናብ ዓሊ ግድር ክንግዕዝ ተገብረ።

ኣብ ዓሊ ግድር ቐላ'ኳ ካብ'ቲ ናይ ጎልጅ ዝሓይሽ መግብን መደቀስን ተቀቓሪቡ እንተ ነበረ፡ ብዘይካ ሓላፊ መኽዘን ካልእ ዝኾነ ይከኹን ንጉዳይ ተማሃሮ ዝከታተልን ዝሰምዕን ጠረናፊ ኣካል ኣይነበረን። ኣብ ጥዕናቒ መዳይ'ውን ቐላ ሓደ ምቅርራባት ኣይነበረን። በዚ ዝኣክል ከኣ ብዙሓት ተማሃሮ ክሳብ ኣብ ትምህርቶም ምስንኻል ዘስዓበ፡ ለበዳ ዓሶን ካልእ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ግዳያት ኮይኖም። ካልኣይቲ ሰመêን ናይ ዓሊ ግድር ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ዘይውዱብ ኣተሓሕዛን ዘይቅሩብነትን ዝምልከቶም ኣካላት ብዘይ ዝኾነ ይከኹን ስራሕን ምንቅስቃቓስን ሓለፈት። ብድሕሪ'ዚ ተማሃሮ ብዝወሰድ ዎ  ናይ ገዛእ ርእሶም ተብግሶ ተጠርኒፎም ኣብ ሕርሻ ጡጥ ዓሊ ግድር ኣብ ጻህያይ ተቐፈሩ። ሒደት መዓልታት ብከኸምዚ ድሕሪ ምስራሕ ሓለፍቲ መዓስከር ሳቐ ምስ 9ይ ዙርያ ኣባላት ሃገራቒ ኣገልግሎት ናብቲ ቦታ መጺኦም፡ መረረን ነቀቓፌታን ተማሃሮ ካብ'ቲ ቦታ ብቤላ ቤሎው፡ ብዘይ ቅኑዕ መንገዲ ድሕሪ ምስናቖም ንተማሃሮ ኣኪቦም ምፍርራሕ ዝተሓወሶ ኣገባብ ምስኦም ተጠርኒፎም ክሰርሑ ምዃኖም ሓበር ዎ ም። ተማሃሮ ብወገኖም እቲ ኣገባብ ቁኑዕ ከምዘይኮነ፡ ተማሃራይ ድማ ሲቨል እምበር ወተሃደር ስለ ዘይኮነ፡ ብሲቪላቒ ጥርናፌን ሲቪላቒ ኣካይዳን ክመሓደር ይግብኦ ብምባል፡ ርእይቶኦም ኣብቲ ጉዳይ ቐላ'ኳ 'ተገለጹ፡ እቲ ተደኸሚሩ ዝነበረ ስራሕ ንኽሳለጥ፡ ዕማምን ሓላፍነትን ናይ ኩሉ ኤርትራቒ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ በቲ ዝተቐህቦም መምርሒ መሰረት፡ ነቲ ኣቀቓዲሞም ብተበግሶኦም ደኸሚሮሞ ዝነበሩ ጻህያይ ከምዝዕመም ገብሩ።

ኣብ ኣጋ ምዝዛም ናይቲ መደብ ስራሕ ከኣ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ምስ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ዞባ ናብ ዓሊ ግድር መጺኦም፡ መረረን ነቀቓፌታን ተማሃሮ፡ ኣኪቦም ድሕሪ ምስማዕ፡ ንልቢ ተማሃሮ ዘረስርስ ናይ ይቕሬታ መደረ ብምስማዕ ነቶም ኣብ'ቲ ቦታ ዝነበሩ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ መሰላት ተማሃሮ ኣኽቢሮም ክጓዓዙ ተላብዮሞም።

ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ቀዳማይ ዝተከኸተሎ ዘይሓላፍነታቒ ኣገባብ ከይኣክል (ማለት፡ ተማሃሮ ቀረብ ኣብ ዘይተዳለወሉን መደብ ስራሕ ኣብ ዘይወጸሉን ቦታ ንክረምታቒ ማእቶት ብምስዳድ ከምኡ'ውን፡ እዚ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ፡ ነቲ ኩነታት ዝከታተል ሰብ ብዘይምስዳድ) ንእንደገና ኣብ ሓደ መድረኽ ተመሳሳሊ ጌጋ ክደግም ተራእዩ። ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝበዝሑ ተመረቕቲ ተማሃሮ ኣብ ዓሊ ግድር ምህላ ዎ ም ብምዝንጋዕ፡ ነቶም ኣብቲ መደብ ከይተሳተፉ ኣብ ኣስመራ ከውደኽድከኹ ዝጸንሑ ተማሃሮ ናይ መመረቒ ጋ ዎ ንን ናይ ዕድመ ወረቀቓትን ዓዲሉ ወድኤ። ጸኒሑ'ውን ነቶም ኣብ ዓሊ ግድር ዝነበሩ ኣስታት 900 ተማሃሮ ብምርሳዕ ምዝገባ ተማሃሮ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ከምዝውዳእ ኣጠንቀቀቓ። ተማሃሮ ነዚ ምስ ሰምዑ ንሓለፍቲ መዓስከር ሳቐ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ዝሓጸረ እቐን ኣቃቓልቦ ሂቡ ናብ ኣስመራ ዝመልሳ ኣውቶቡስ ንከኸዳልወሎም ሓተቱ። እንተኾነ ሓለፍቲ መዓስከር ነቲ ጉዳይ ኣቃልቦ ብዘይ ምሃብ፡ ናይ ማእቶት ግዜ ምንውሑን ዝኾነ ይከኹን ተማሃራይ ካብ ካምቦ ዴሺ(ዓሊ ግድር) ከይወጽእ ኣጠንቀቀቓë። ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካብ ብሎኮ ተሰነይ ከይወጽኡን ኣብ ተሰነይ እንተተረኺቦም'ውን ከምዝቕየዱ ተገብሩ። ብዘይካ'ዚ ነቶም ኣብ'ቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ነቲ ተማሃሮ ዝሓተት ዎ  መሰላት ከምቲ ዘለ ዎ  ከየቕረቡ ናይ ፎእ በል ዎ ም ጎስጓስ ተኻየደ። እዚ ድማ ዕላምኡ ርዱእ እዩ። ንጌጋ ብጌጋ ኣብ ክንዲ ምሽፋን፡ ግን ሃናጺ ንከኹሉ ዘርብሕ ስጉምቲ ምውሳድ ምሓሸ ኔሩ።

እንተኾነ ተቃቓውሞ ተማሃሮ ስለ ዝሓየለ መካይን መጺኤን ንተመረቕቲ ተማሃሮ ብቀቓዳምነት፡ ብድሕሪኡ ከኣ ንከኹሎም ተማሃሮ ናብ ኣስመራ ኣግዒዘንኦም። ብድሕሪ'ዚ ተወከልቲ መሪጾም ናይቲ ከኹሉ ዝተፈጸመ ጌጋታት ናብ ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ጸብጻብ ኣቕሪቡ በዚ ከኣ ቅኑዕ ልቢ ተማሃራይ ዝተንከፈን ዘይወጽእ ቂም ዘሕደረን ፍጻሜታት ክረምታቒ ማእቶት ኣብ ዓሊ ግድር ብከኸምዚ ተዛዚሙ።

ካልኣይ መድረኽ፡-

ምኽታት ተማሃሮ ኣብ እቐን 3ይ ወራር

ኣብ'ዚ እቲ ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወተ፡ እቲ ከም ድልድል ኣብ መንጎ ተማሃሮን ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ከገልግል ተባሂሉ ብጽቡቕ ድልየት ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ተማሃሮን፡ ኣብ 1998 ዝቖመ ባይቶ ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ(ማ.ተ.ዩ.ኣ) እዩ። ንከኹሉ ዝነበረ ምዕባሌታት ናይ'ቲ ኣብ መንጎናን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ድሕሪ ምግምጋም፡ እቲ ቀቓጻሊ ብተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ንክከኸቱ ዕድል ክቐሃቦም ዝቀቓርብ ዝነበረ ብምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ይከኹን ብመንግስቲ ንኽምለሰሎም ኣገዳሲ ተራ ድሕሪ ምጽቐት፡ ብውዱብ ኣገባብ ዝተዓለሙ ተማሃሮ ናብ ግንባራት፡ ዘይተዓለሙ ከኣ ናብ ግዚያቒ መደበር ታዕሊም ጋሕቴላይ ከምዝከኸዱ ተገብረ። ኣብ ግዜ ካልኣይ ወራር'ውን እዞም ተማሃሮ እዚኦም ሽሕ እዃ ኣብ ግዜ ትምህርቲ ይንበሩ፡ ብልጡል ሃገራቒ ወንን ኒሕን ተበጊሶም፡ ኣብተን ናይ ቀዳመ ሰንበት ዕረፍቶም ከነጽንዕ ዝተቐሃበና ዕዮታት(ሽዘዘቕቐቦብቅቦtዘ) ክንሰርሕ ከይበሉ ወተሃደራቒ ታዕሊም ኣብ ዘñዘሮን ካልእን የካይዱ ኔሮም።

ድሕሪ ምዝዛም ሳልሳይ ወራርን ምኽታም ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ተማሃሮ ናብ ሰለማቒ መነባብሮኦም ተመሊሶም ትምህርቲ ክቕጽሉ ጸኒሖም። እቲ ንሕቶታት ተማሃሮ ንምምሕዳር ከቕርብ፡ ጠለባቶም ከማልኣሎም ንዝብል ዕላማታት ዝተመስረተ ውልዶ ማሕበር ተማሃሮ ዮኒቨርስቲ ኣስመራ(ማ.ተ.ዩ.ኣ) ንጥፈታቱ ኣብ ጉዳያት ተማሃሮ ቀጺሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማሕበር ተማሃሮ ዓበይቲ ብድሆታት ኣጋጣም ዎ ፡-

1. ንላዕለቐይ ደረጃ ትምህርቲ ናብ ዩኒቨርስስታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝለኣከኹ ተማሃሮ ናይ 150ሽሕ ናቕፋ ትሕጃ ከትሕዙ ብምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ዝወጸ ትእዛዝ።

2. እቶም ቅድሚ ናብ ዩኒቨርስቲ ምእታ ዎ ም ሃገራቒ ኣገልግሎት ዘማልኡ ተማሃሮ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣገልግሎቶም ከምዘይሕሰብን ሕጂ ከምብሓድሽ ከገልግሉ ምዃኖም ዝሕብር ብምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ዝወጸ መግለጺ።

3. ንጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ክረምታቒ ማእቶት።

ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ፡ ነዞም ዓበይቲ ብድሆታት ደው ኢሉ ተሟጊቱ፡ ኣብቶም ክልተ ቀዳሞት ብድሆታት ክዕወት እንከሎ፡ ኣብቲ ሳልሳይ ብድሆ'ውን ጸኒጡ እንዳ ሞገተ እንከሎ እቲ ጉዳይ(ኣንፈቱ ስሒቱ) ይርከብ።

ካልኣይ መድረከኸ፡-

ምስ እዚ ኩሉ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዝተጠቕሰ ኣተሓሕዛ ተመሃሮ ኣብ ቀዳማይ ማእቶት ዘስዓቦ ቂምታን ቅርሕንትን እዩ ኣምብኣር እዚ ናይ ካልኣይ ግዜ ማእቶት ብሃንደበትን ብዘይ ቅድመ ዝርርብ ምስ ተማሃሮን ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ክፍሊ መደብ ክረምታቒ ማእቶት ዝተኣወደኸ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ሃገራቒ ዕማም፡ እሞ ከኸኣ እቶም ዝርካቦም ናይ ኤርትራ ምሁራትን ተረከብቲ ሃገርን ዝሳተፍ ዎ  መደብ፡ ብዘይ ቐላ ሓደ ምምይያጥ ብዘይ ወላሓደ ናይ ኣተገባብራ ምርድዳእን ናይ ዓቕሚ ክእለትን ዳህሰሳ ክብገሱ ምዃኖም ብመረከኸቢ ብዙሃን ተሓቢሩ። ተማሃሮ ከኣ ብምህዝቦም ብመራከኸቢ ብዙሃን ክብገሱ ምዃኖም ፈሊጦም። ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ነዚ ምስ ሰምዑ ንርዱእን ቅቡልን ምኽንያታት ነዚ ተወጢኑ ዘሎ ክረምታቒ ምእቶት ከምዘይቅበል ዎ  ብመንገዲ ማሕበሮም(ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ) ገሊጾም።

ምኽንያታት ዘይመቀቓበሊ(ምንጻግ) ክረምታቒ ማእቶት ከኣ እቲ ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝወሃብ ዝነበረ ዕላማታት መተግበሪኡ ብሓጺሩ ምስ ደረጃ ትምህርቶም ዘይከይድ፡ ብቀቓëጠባቒ መዳይ'ውን ሓጋዚኦም ዘይሙዃኑ፡ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ዕድመታትን ኣገልግሎታትን(ሰብ ሓዳር፡ ተጋደልቲ፡ ሃገራቒ ግቡኦም ዝፈጸሙ፡ ግቡእ ታዕሊም ወሲዶም ናይ ዓመት ኣገልግሎት ዝተርፎምን ካልኦትን) ብዘለ ዎ ም ዝመልኤ ንሙዃኑ፡ ኣብ እቐን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ከኣ ዝሓለፍ ዎ  ስለዝኾኑ ዘይሳነ እዩ።

ኣብዚ ጠለብ እዚ ክልተ መኽሰብ ኣሎ፡-

1. እታ ሃገር ኩለመዳያቒ ህንጸት ትረክብ

2. እቶም ተማህሮ'ውን ኩሎም በበቲ ዝተማህርሉ ዓውዲ እንተሰሪሖም ንእግረ መንገዶም ተሞኩሮ ኣብቲ ዝጽንዕ ዎ  ዘሎዉ ዓውዲ ትምህርቲ ይኾነሎም። ብተወሳኺ'ውን ኣብ ዘይኣመሉን ስራሕ ከይድካ ትረኽቦ ዕግበት ስራሕን(ቖተሾ ዘሽtቕዘቖሽቀtቕተቦ) ኣብ ዝኣመንካሉን ዝጠለብካዮን ስራሕ ትረኽቦ ዕግበትን ሰማይን ምድርን እዩ። ምስ ዕግበት ስራሕ ዝመጽእ ፍርያምነት ከኣ ብኡ መጠን ዓቢን ዕዙዝን እዩ።

ድሕሪ ተከኸታታሊ ርክባት ኣብ መንጎ ኣስራሕቲ(መንገዲ ዶር. ወልደኣብ ኢሳቕ) ተመሃሮን(ብመንገዲ ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ) ኣብ'ቲ ማእቶት ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣይምልከትን ዝብል ኣምር ብመትከል ድሕሪ ምስምማዕ፡ ካልእ ተማሃሮ ዘድምዕሉን ንሃገር ዘርብሕን ክልተ ዓበይቲ ውጥናት ወጺኡ። እዚ መደብዚ ከኣ ብተማሃሮ ዓቢ ተቀቓባልነት ረኺቡ። ነቲ ብተደጋጋሚ ዝተጠቕሰ ፋይናንሳቒ(ቁጠባቒ) ጸገማት ተማሃሮ ኣብ ግምት ዘእቱው ክከኸውን ተስፋ ብምግባር ከኣ ኩለ-መዳያቒ ምቅርራባት ንክረምታቒ ስራሕ ክገብሩ ደኸመሩ። ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ(ማ.ተ.ዩ.ኣ) ነዚ ዕማም እዚ ንምክያድ ዕማም እዚ ንምክያድ ንነፍሲ ወከፍ ክኽፈል ተሓሲቡ ዘሎ ዓቀቓን ገንዘብ ምስ ተሓተተ ግን፡ እቲ ገንዘብ 800ናቕፋ 26.90 ናቕፋ ንመዓልቲ ምዃኑ ኩሉ መግቢ፡ መደቀሲ፡ ትራንስፖርትን ካልእን ወጻኢታት ካብኡ ከምዝሽፈን ብዶር. ወልደኣብ ኢሳቕ ተሓቢሩ። ምስቲ ዝነበረ ትጽቢት ተማሃራይን ዓይነትን ኣገዳስነትን ናይቲ ተታሒዙ ዘሎ ፕሮደኸክትታት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ዓቀቓን ገንዘብ እዚ ብከኹሉ መለክዒðታት ዘይእከኹልን ነቲ ስራሕ ብዓወት ክዛዘም ዘይሕግዝን እዩ። ማ.ተ.ዩ.ኣ ነዚ ጉዳይ ክፍሊት ብዝምልስ ዓሚቕ ዘተ ገይሩ። እቲ 800 ናቕፋ ዝብል ነገር ኣብ ምንታይ መለክዒታት ተሞርኪስካ ዝተገመተ እዩ? ርሕቀት ቦታ፡ ሕጽረት መሳለጥያ፡ ሕጽረት ትራንስፖርት፡ ብሓቂ ግምት ዘእተወ ድዩ? ኩነታት ክሊማ ተጸኒጡን ኣብ ግምት ኣእትዩ ድዩ እዚ ገንዘብ ተተሚኑ ድዩ? ዕዉት ስራሕ ብምትብባዕ ዝብል ኣምር ኣብ ግምት ዘእተወ ድዩ ዝብሉን ካልእ ሕቶታትን ብምልዓል ብዕምቖት ድሕሪ ምዝታይ ኣኼብኡ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ደምዲሙ።

1. እቲ ተተሚኑ ዘሎ ገንዘብ ኣዝዩ ዘይተጸንዐ፡ ሽግር ተማሃራይ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ኣገዳስነት ናይቲ ተታሒዙ ዘሎ ስራሕ ዝጎሰየን ኣዝዩ ግምታቒን፡ ስለዝኾነ ከኣ ዘይእከኹልን ዘይቅቡልን ምዃኑ ብምሉእ ድምጺ ደመዲሙ።

2. እቲ ጉዳይ ኣገዳስን ብዕሙቖት ክዝተየሉ ዘለ ዎ ን ምዃኑን ማ.ተ.ዩ.ኣ ስለ ዝኣመነን ንዶር. ወልደኣብ ኢሳቕ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ብቀቓጥታ ምስ'ቲ ዝምልከቶ ኣካል(ማለት ምስ'ቲ ነቲ ስራሕ ብደረጃ ሓላፍነት ሒዝ ዎ  ዘሎ ኣካልን ነዚ ናይ ባደኸት እማመ ዘቕረበ ኣካል) ክዘራረቡን ክላዘቡን ድሌት ከምዘሎ ዎ ም ገሊጾም። ነቲ ማሕበር ወኪላ ኣብ ኣተጋባብራ እቲ መደብ ኣብ'ቲ ነዚ ናይ ገንዘብ ክፍሊት እማመ ንምውጻእ ዝነበሩን ኣብ ግምት ዝኣተዉን መለክዒታት ምስ'ቲ ዝምልከቶን በይናቒ ውሳነ ዝወስድ ዘሎን ኣካል እትዘራረብ ኮሚቴ ከኣ ኣቚሙ።

እዘን ክልተ ጠለባት እዚአን ምስ ቀረባ፡ እቲ ናይ ገንዘብ ጉዳይ ውጹእን ክምሓየሽ ዘይክእልን ምዃኑ። ኣብ ክንዲ ነቲ ናይ ልዝብን ናይ ኣብ ሓደ ንከኹን ጠለብ ማ.ተ.ዩ.ኣን ሓንጎፋይ ኢልካ ምቕባልን ከኣ ሳዕቤኑ ብዘይ ምስትብሃል ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተራኺብካ ምዝርራብ ከምዘይክኣልን ከምዘሎ ዎ  ተቀቓቢሎም ከተግብር ዎ  ከምዘለ ዎ ም ብግበር ኣይትግበር ዝዓይነቱ ተሓቢሮም። እዚ ከኣ ብከኹሉ መለክዒታት ዘይግቡእን ንህልኻቒ ኣሰራርሓ ዝዕድምን እዩ ነይሩ። እዚ ስጉምቲ እዚ ከኣ ነቲ ጉዳይ ናብ ካልእ ኣንፈቱ ከትሕዞ ዝደኸመረ። ምናልባት ከኣ እዚ ዝርርብ እዚ ተቀቓባልነት ረኺቡ ብኣግኡ እንተዝግበር ነይሩ ናብ ዝሓሸ ናይ ምርድዳእ መንፈስን ፍታሕን ምከኸደ ነይሩ ዝብል ተሪር እምነት ኣሎ።

ድሕሪ እዛ ኩነታ እዚኣ ከኣ፡ ማ.ተ.ዩ.ኣ እቲ ዝተኣመመ ክፍሊት ከምዘይቅበሎ ገሊጹ። ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ(ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከኣ ካብዚ ንላዕሊ ዝርርብ ከምዘይ ቅጽልን ተማሃሮ እዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ግቡኦም ምዃኑ ፈሊጦም ናብ'ቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ ብዘይሕቶ ክሳተፉ እንተዘይኮይኑ ግን መስከረም ክምዝገቡ ከምዘይፍቀደሎም ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ ማ.ተ.ዩ.ኣ እዚ ዝርርብ ከምዘይተጸንቀቀቓን ናብ ካልእ ንኽልቲኡ ወገን ዘረዳድእ ነጥቢ ክሳብ ዝብጻሕ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ንተማሃሩኡ ኣፍሊጡ።

ማ.ተ.ዩ.ኣ ካልእ መንገዲ ኣፈታትሓ ናይቲ ጉዳይ እንዳፈተሸ ከሎን ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ'ውን እቲ ነገር ተማሃሮ ከምዘይዓገብሉን ከምዘይ ተሰማምዕሉን እንዳፈለጠ ብቀቓጥታ መደብ ስራሕ ኣብ ምስራዕ ኣትዩ።

እዚ ፍልልይ ከይተፈትሐ ከሎ እዩ እምበኣር ካልእ ነቲ ጉዳይ ዘነሃህርን ናብ ዘይኣንፈቱ ዘትሕዝን ኩነት ዝተፈጥረ። ንሱ ከኣ ፕረዚደንት ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ምሩቕ ሰምረ ከሰተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዉ እዩ። ካልእ ናብ ህልኽ ዝዕድምን ነቲ ጉዳይ ባርዕ ዝወሰከኸን ኩነት። ዝኾነ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ክሳብ ዘይተመስረተሉ ንጹህ ምዃኑ ብምእማን፡ ፕረዚደንት ሰመረ ከሰተ ገበን ምስ ዝህል ዎ  ኣብ ቤት ፍርዲ ቀቓሪቡ ክሱ ክፍለጥን ሃለቐቱ ንቤተሰቡ ክሕበርን፡ ገበን ምስ ዘይህል ዎ  ከኣ ብዘይ ዝኾነ ይከኹን ቅድመኩነት ክፍታሕን እዚ ክሳብ ዝከኸውን ተማሃሮ ንቀቓጻሊ ዝርርብን ስራሕን ድልቐት ከምዘይኮኑ ገሊጾም።

ክብደት ናይ'ዚ ዝቀቓረበ ቅድመ-ኩነት እዚ ብምንእኣስን ሳዕቤኑ ዕሽሽ ብምባልን ግን ነዚ ጠለብ ተማሃሮ ጸማም እዝኒ ተቐሂብ ዎ ን ዘይትርጉሙ ሒዙን። ቀላል ዝነበረት ጉዳይ ከኣ ብክንዲ ንነገራት ኣተኩሮ ሂብካን ሳዕቤናቱ ብኣጋ ተገንዚብካ ብልዝብ ምፍትሑ ነቲ ጉዳይ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ናብ ምትፍናን ከምዘምርሕ ተገይሩ።

እዚ ጉዳይ ኣብ ተኣፋፊ ሃቐሁ ተንጠልጢሉ ከሎ ከኣ ሕጂ'ውን ካልእ መጓሃሃሪ ባእታ ክውሰኾ ተገይሩ።

ተመሃሮ ኩሎም ኣብ ገገዝኦም ከለውን ሰላማቒ ፍታሕ እናተጸበዩን ከሎዉ ብሬድዮ ብቴለቪዥንን ብጋዜጣን፡ ተመሃሮ ነናብ ዝምልከቶምን ዝተመደበሎምን ቦታ ከምዝተበገሱን ብዘይካ እቲ ናይ 800 ናቕፋ ክፍሊት ከኣ መደቀሲን መግብን ክማልኣሎም ምዃኑ ዝገልጽ መግለጺ ወጺኡ። እዚ ንከኹሎም ተመሃሮን ወለዲን ዘገረመ መግለጺ እዚ ከኣ፡ ዝኾነ ኣካል ኣብ ዘየድሊ ህልኽ ኣትዩ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘነጸረት መግለጺት እያ ነይራ። እቲ ምንታይሲ እዚ ተወሳኺ መፍትሒ ናይቲ ጉዳይ መሲሉ ክርአ ዝተደልየ ተወሳኺ ናይ መግብን መደቀስን ምውሳኽ ስለምንታይ እዩ ብቀቓጥታ ነቲ ንቀቓጻሊ ፍታሕ ዝጽበይ ዝነበረ ማ.ተ.ዩ.ኣ ዘይተሓበሮን ኣብ መኣዲ ዘተ ቀቓሪቡ ምስ ተማሃሮ ክዝተየሉ ዘይተደልየን? ስለምንታይ እዩከኸ ብቀቓጥታ ብመራከኸቢ ብዙሃን ሃንደበት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተገብረ ምብጋስ ተመሃሮ፡ ዝተፈነወ? ስለምንታይ እዩከኸ ተመሃሮ ነዚ ሓድሽ ምምሕያሽ ይሰማምዓሉ ኣይሰማማዓሉ ከይተፈልጠን መልሶም ነዚ ምምሕያሽ ከይተዛተዩሉ ብመራከኸቢ ብዙሃን በይንኣቒ ስጉምቲ ዝተዘርግሐ? እዛ መግለጺ እዚኣ ከኣ ነቲ ዝተመርጸ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይ ዘነጸረት እያ ነይራ።

በዚ መግለጺ እዚ ክውቃዕ ዝተደልየ ዕላማ ከኸኣ ብተማሃሮ ብከኸም'ዚ ዝስዕብ ክትንተን ደኸሚሩ።

1. እቲ 800 ናቕፋ ንከኹሉ ነገር ክሽፍን ከምዘይክእል ክገልጽ ዝጸንሐ ተማሃራይ፡ እዚ ሓዲሽ መግለጺ(ኣብ ልዕሊ እቲ 800 ናቕፋ መግብን መደቀስን ብላዕሊ ከምዝተማልእ ዝገልጽ በይንኣቒ መግለጺ) ናብ ህዝቢ ብምዝርጋሕ ነቲ ተማሃሮ ጸጊቦም ዝብል ስምዒት ንምሕዳር ዝግበር ጎስጓስ ባይታ ንምጥጣሕ፡

2. እቲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈትሐ ገሊጽካ ነቲ ዝቕጽል ናይ ተማሃሮ ተቃቓውሞ ዘይምኽኑይን ቀበጥበጥን ከምዝኾነ ምግባርን ኣብ ህዝቢን ሰራቒትን ዘይመልክዑ ንምትሓዝን። ብዝኾነ ማሕበር ተማሃሮ በዚ ከይተደናገረ እቲ ኣቀቓዲሙ ተሓቲቱ ዘሎ ጠለባት ከይተማልአ ሕጂ'ውን ተማሃሮኡ ናብ ስራሕ ከምዘይተበገሱን ከምዘይብገሱን ደጊሙ ገሊጹ። ናይ ዝርርብ ከይተጸንቀቀቓን ኣብ ክንዲ ናይ ልዝብን ዘተን ምምራሕ ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ናብ ካልእ ናይ ህልኽን ናይ ምፍርራሕን መንገዲ እዩ መሪጹ።

ብዕለት 7ን 9ን ናይ መፈራርሕን እንተዘይኬድኩም ወይልከኹም ዘስምዕ ተሪርን መግለጺ ወጺኡ። ኩሉ ተማሃራይ ንዕለት 09/08/01 ነናብ ዝምልከቶን ዝተመደበሉን ናይ መላለዪ ትምህርቲ(ተቶቕቅቦtሽtቕተቦ) ዝወሃበሉ ቦታ ክብገስን ዝገልጽ መግለጺ ወጺኡ። ብዓቢኡ እቲ ሕቶታት ተማሃሮ ምስ ጉዳይ ተማሃራይ ሰመረ ዝተሓሓዝ ኣይተመለሰን። ብዓቢኡ ከኣ ንህላወ ማ.ተ.ዩ.ኣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝነጽግ ተርእዮታት ተከኸሲቱ። በዚ ከኣ ማ.ተ.ዩ.ኣ. በዚ ተሰናቢዱ መግለጺኡ ከምዘይልውጥን ተማሃሮኡ ናብ ዝኾነ ቦታ ከምዘይብገሱን ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ። ኣንጻር መርገጺታት ሒዝካን ተታፋኒንንካን ጉዕዞ ቀጺሉ። ዕርገት ናይቲ ጉዳይ ከኣ ብኡ መጠን እና ነሃረን ካልእ መልክዕ እናሓዘን መጺኡ። ኩሉ ስኣን ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ምልዛብን እሂን ምባልን።

ዕለት 9/08/01 ንግሆ ኣውቶቡሳት ተቀቓሪበን፡ ዝብገስ ተማህራይ ግን የለን። ተማሃሮ ሓደ መርገጺ ሒዞም ንመሰሎም ይሓቱ ምህላ ዎ ም እናተፈልጠ ደኣ'ሞ ስለምንታይ እዩ እቲ ጉዳይ ኣቶኩሮ ዘይተገብረሉን ቅጽበታቒ ንልቦናቒ ፍታሕ ዘይተናደየሉ? እዚ ኣብ ዝኾነሉ ዕለትን መዓልትን ንምሩቕ ፕረዚደንት ሰመረ ከሰተ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክሲ ግን ኣይተመስረተሉን። እዚ ከኣ ንከኹሉ ተማሃራይ ነቲ ጉዳይ ብቀቓረባ ዝከታተል ዝነበርኩሉ ናይ ሰላማቒ ፍታሕ ተስፋ ዝሃበ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ተመሃሮን ማሕበሩን ከኣ እቲ ክሲ ብዘይቀረበ ሰመረ ብነጻ ክልቀቕ ብምትስፋው ዳርጋ ኩሎም ናብ'ቲ ዝተመደበሎም ቦታ ክከኸዱ ዘድሊ ምድላቐት ደኸመሩ። እቲ ጉዳይ ከኣ ዝተፈትሐ መሰለ። ንከኹሉ ደላዪ ጽቡቕ ከኣ ተስፋ ዝህብ ፍጻመ ኮነ። ኣባላት ማሕበር ከይተረፈ'ውን እቲ ናይ ሰመረ ጉዳይ ዓርቢ ዕለት 10/08/01 ኣብ ቤት ፍርዲ ክዛዘም ብምትስፋው ንተማሃሮኦም ናብ'ቲ ዝተመደበሎምን ስራሕ ንኽብገሱ ደኸመሩ።

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን ግዳማቒን) ዘስዓቦን ፍጻመ ሒዛትልና መጺኣ። ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካብቲ ጉዳይ ፕረዚደንቶም ክሰምዕሉ ዝመጽኡሉ ቤት ፍርድን ካብቲ ደቂሶሙሉ ዝነበሩ ሓባራቒ መሕደሪኦም ተተገፊፎም ናብ'ቲ ንሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ንሃገራቒ ግቡኦም ዝተበገሱሉ ስታድዮም ክእከቡ ኣርፊዶምን ውዒሎምን። በዚ ስጉምቲ እዚ ከኣ ብከኹሉ መለክዒታት ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ዘይግባእን ዘይኢዶምን ንከኹሉ ሓላዪ ሃገር ዘሕዘነን ዘሰንበደን ሳዕቤናት ኣብ ግምት ዘየእተወን ኣብ ታሪኽ ሃገርና ጸሊም ነጥቢ ዝገደፈን እዩ።

እዚ ስጉምቲ እዚ ከኣ ብውሑዱ፡-

1. ኣብ መንጎ ተማሃሮን መንግስትን ዘይነበረ ፍልልይን ቅርሕንትን ንኽፍጠር ዝዓደመ።

2. ክብርን ነጻነትን ቤት ፍርዲ ዝገሃሰን ኣብ ስግኣት ዘእተወ

3. ኩሎም ወለዲን ኣዝማድን ተማሃሮ ብፍላይ ንከኹêሉ ኤርትራቒ ከኣ ብሓፈሻ ዘሰንበደን ዘጉሃየን

4. እታ ብምግሃስ ሰብኣቒ መሰላት ተወቀቓñሳ ዘይትፈልጥ ዝነበረት ኤርትራ ክትውቀስን ምስተን ሰብኣቒ መሰል ዜጋታተን ብምግሃስ ዝፍለጣ ሃገራት ክትጥቀስ ዝገብረን'ዩ ነይሩ።

ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡-

1. ነዚ ኣብ ብዙሕ ጽንኩር ኩነታት ሃገራውነቱ ዘመስከረን ድልውነቱ ንመስቐእቲ ከይተረፈ ዘረጋገጸ ተማሃራይ፡

2. ነዚ መብዛሕትኡ እንኮ ብትምህርቲ ዕድል ኣብ ትሕቲ ስድራቤቱ፡ ኣብ ሲቪላቒ ናብራ ዝርከብን ብጉዳይ ሃገሩ ከይደቀሰ ዝሓድርን ተማሃራይ፡

3. ነዚ እንተወሓደ ሓደ ሓው፡ ሓፍቱ ወይ'ውን ውለዱ ኣብ ግምባራት ዘሰለፋን ኣሰሊፉ ዝርከብን ተማሃራይ ከም'ዚ በደል ክፍጸምን ብሰንኪ ዘቕረቦ መሰረታቒ ናይ መሰል ሕቶ ከም ናይ ጸላኢ(ምናልባት'ውን ዘገድድ) ኣተሓሕዛ ክታሓዝን ከምዚ ክፍደይ ኣዝዩ ዘሕዝንን መዓንጣ ብዙሓት ዜጋታት ዘቀቓëሰለን ፍጻመ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ክሳብ ሕጂ ናይ ብሉጻት ተማሃሮ ይርጋ ዮሴፍን የማነ ተኬአን ሞት ዘስዓበን ናይ ልዕሊ 2000 ካልኦት ተማሃሮ ሂወት ኣብ ሓደጋ ዘውደቀቓ ኣተሓሕዛ እዚ ከኣ ብከኹሉ መደዩ ዘተሓሳስብን ጭካነ ኤርትራቒ ኣብ ልዕሊ ኤርትራቒ ዘርኣየ ፍጻመ ኮይኑ ኣሎን ከም ጸሊም ታሪኽ ተሰኒዱ ክነብርን ኢዩ።

ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...