ኩቡራት ኤርትራውያን ኣብ ዘለኹሞ ሰላምታይ ይብጻሕኩም
 
ብዘይ ምግናን እዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ፡ ብናተይ መለክዒ፡ ካብ ሊድ ሃገር እንግሊዝ ዝጀመረ መንፈስካን ሞራልካን ስምዒትካን ሰማይ ዘዕርግ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ፡ ብዓይነቱ ፉሉይ ተርእዮታት ዝገብሮ፡  ብተባዓትን በላሕትን ሰራሕቲ ታሪኽ ሓደስቲ ወለዶ ተካእቲ ዝሓለፉ ሓርበኛታት ኣያታቶም ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዝተጠቕሙሉ ኣገባብ ተቓዉሞ’ዩ።
 
ብሕጽር ዝበለ እቲ ኣገባብ ብልክዕ ንህግደፋዊ ሕማም ክፍውስ ዝኽእል ጹሩይ ፈውሲ ምንባሩ ኢዩ።
 
ነቲ ደላይ ፍትሕን ደላይ ሓቅን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ንደለይቲ ፍትሕን ደለይቲ ሓቅን መናእሰይ ሓድሽ ወለዶ ከዘኻኽሮም ከዘኻኽረን ዝደሊ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ሽግርና ብሰላም ንፍትሓዮ፡ ንራዳዳእ ማለት፡ ህግደፍ ሓያል ናይ ዓለምና ኢኹም ገለ ስልጣን ኣካፉሉና እምበር ንሱኹም ብዝደለኹሞ ሃገር ትመራሕ ከም ምባል ኢዮም ዝርድእዎ’ሞ፡ ስለዚ፡ እታ ሓንትን መተካእታ ዘይብላን ጉጅለ ኢሳይያስ ዝርዱኡዋን ቋንቋ፡ ቋንቋ ሓይልን ቋንቋ ህዝባዊ ማዕበልን ጥራይ ኢያ። ምኽንያቱ፡ ሰብ ብምንካስ ስጋ ሰብ ዝጣዓመ ከልቢ ሰብ ክርኢ ኮሎ ሰብ ክነክስ ኢዩ ዝጎይ። እንተሃዲምካሉ እንተፈሪህካሉ ውን ፉጹም ኣይገድፈካን ስለ ዝኾነ፡ እታ መዋጽኦ፡ ብትብዓት ብዝሓዝካዮ ኣስናኑ ከተርግፎ ኣፍንጭኡን ማሓዉሩን ክትሰብሮን ጥራይ ኢዩ ዘለካ ክትሰርር ክትድሕን እንተዳኣ ኮንካ።
 
ንህዝቢ ኤርትራ ገጢሙዎ ዘሎ ከልቢ ግና ዝነክስ ጥራይ ዘይኮነስ ዝውሕጥ ስለ ዝኾነ፡ ንህግደፍ ኣብዝኾነ ቦታ ኣብዝኾነ እዋን ኣብዝኾነ ሳዓት ኣብዝኾነ ሃገር፡ ኣብ መንገዲ ኣብ ገዛ ኣብ እንዳ መግቢ ኣብ ኣኼባ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እንዳ ሓዘንን መርዓን፡ ንጉጅለ ህግደፍ በቲ ዝርዶኦም ቋንቋ ክንዛረቦም ይግባእ። ስለዚ ጀጋኑ መናእሰያትና በቲ ኣብ ሊድ ሃገር እንግሊዝ ኣብ ኒውዮርክ ኣመሪካ ኣብ ስቶክሆልም ስዊድን ኣብ ጊሰን ጀርመን ኣብ ማልቦርን ኣዎስትራልያን ኣብ ኢትዮጵያን ካልእን ዝተኻየደ ውዕውዕ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸባ ሰትዩ ተሓቢኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኣዴታትና, ኣቦታትና, ኣያታትና, ኣሕዋትና, ኣሓትና, ደቅና ዝተሳተፉዎ ስለዝኾነ፡ ኒሕን ሕልናን ጅግንነትን ኤርትራውያን ደጊም ኣብ ቦቱኡ ከምዘሎ ኣመስኪርኩም ኢኹም ፈታውን ጸላእን ዝምስክሮ።
 
ብፍላይ ኣንቱም ኣብ ኒውዮርክ ነቲ ትርኢቱ ኣንጭዋ ተግባሩ ኣንጭዋ ዝኾነ የማነ ኣንጭዋ፡ ልክዕ ከምቲ ኣሞራ ነንጭዋ ዝሃድና፡ ደድሕሪኡ ብምስዓብ፡ ናዓ’ባ ገለ ዳኣ ዘይትዛረብ ኣንታ ከዳዕ ኣንታ ኣንጭዋ ንባዓል ጴትሮስ ጠሊምካስ ትዛወር ኣለኻ ደቂ ጴጥሮስ ዘኽቲሞም ወ.ዘ.ተ. ብምባል ዝወሰድኩሞ ሱጉምቲ ዘስማዕኩሞ ቃላት ብሓቂ ንትብዓትኩም ዝበቅዕ ቃላት የብለይን። እዚ ኣንጭዋ ተበላጺ ምስ ባዓል ጴትሮስ ጽግዕግዕ ይብል ከምዘይነበረ ዘበን ተገምጢሉ፡ እቶም ተዋጊኦም ዘዋግኡ ሓንጎልን ማሓውርን ህዝባዊ ግንባር ኮይኖም ነጻነት ኤርትራ ዝፈጠሩ ባዓል ጴትሮስ ሰሎሞን’ሲ ብብዓል ኢሳይያስ ክቕየዱን ዳሃዮም ክሃጥምን ሙጾታት ኢዩ።  
 
እቲ ህግደፍ ክሰርሕሉ ዝጸንሑ መታለሊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ዘለዎ ኣኼባታት ብምጽዋዕ፡ እቲ ኣቐዲሞም ብምውዳድ መን እንታይ ይዛረብን እንታይ ይሓትትን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ሃሱሳት ብምዝራእ ዝጥቀሙሉ ስልቲ፡ ኮምኡ ውን ናይ ገንዘብ ወፈያ ብምባል  ኣብ ኣኼባ ኣቐዲሞም ሰባት ብምድላው ንህዝቢ ንምዕሻውን ገንዘቡ ንምሕማጥን ዓመት ሰሪሖም ዘየእትውዎን ኣብ ስራሕ ዓለም ዘየለውን ኣብ ኣመሪካን ዩሮፓን ብትኳቦ መንግስቲ ዝናበሩ ዓዲ ውዒል፡ ነቲ ለዋህ ህዝብና ንምትላል ምእንቲ ንዓኣቶም ተኸቲሉ ገንዘብ ከወፊ፡ ሚእቲ $100 ከወፍዩ ዓቕሚን ድልየትን ዘይብሎም ክንሶም፡ ከታልሉ፡ ኣነን ባዓልቲ ቤተይን ንምክልኻል ሃገር $50,000 $10,000 $5000 $3000 $1000 ወ.ዘ.ተ. ኣወፊና ኣለና ብምባል ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝሶኽዑዎም ዝነበሩ መታለልቲ ጥራይ ከይኣኽሎም፡ ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ በዳሂ ሕቶታት ከየቕርቡ ንዝፈርህዎም ሰባት፡  ናይ ምሕታት ወይ ርኢቶ ናይ ምሃብ ዕድል ፉጹም ኣይዋሃቦምን ኢዩ። ምናልባት ኣቐዲሞም ዘይፈለጥዎም ሰባት ዕድል ረኺቦም ኣዋጠርቲ ሕቶታት ምስዝሓቱ ድማ፡ ንሕቶኦም ከይመለሱ ብምድሃልን ብሙግቡዕባዕን ብዘለፋን ይምልስሎም ነበሩ። 
 
እቲ ምስ ዱሁል ወዲ ገራህቱን ዓጀብቱን ኣብ ሊድ ዝጀመረ ብዱሎ ከይትዕሎ፡ ሕዝ ክሕዝ ዝዓይነቱ ተባዕን ሱሙርን ተቓውሞ ንኣኼባ ወዲ ገራህቱ ዝበተነ፡  ቀዳዊና ኮይኑ፡ እቲ ዝሳዓበ ውን ሓደ ካብቲ ካልእ ዘይሰንፍ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ሸኽ ምስ ቀሺ ኣስላማይ ምስ ክስታናይ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ፡ ንሓርነቱ በየናይ መንገዲ እንተተጓዒዙን ነየነይቲ መፍትሕ እንተተጠቒሙን ነየናይ ማዕጾ እንተሰቢሩን ነታ ብደም ዘምጻኣን ዝተሰረቐትን ሓርነቱ ካብቲ ተሰዊራቱሉ ዘላ ካብ ኢድ ሰረቕቲ ንኢድ ሰረቕቲ ጠውዩ ብሓይሊ ምምላሳ ጥራይ ሙዃኑ እቲ ምርጫ ኣሚኑሉ ይርከብ። 
 
እዚ ኢሳይያስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝመጸሉ፡ ኣያይ ተቐምቂሞም ኣብሻይ ተቖኒነን ዝነበረ ናይ ተስፋ ዝቖረጹ ምርኢት ኮይኑ፡ ንሰባት ጸቕጢ ብምግባር  ለይትን ማዓልትን ብምድዋል ድሕሪ 10 ዓሰርተ ዓመታት እኳ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ ተማወቱ ኣይትትረፉ ናይ ሞጓዓዝያ መንግስቲ ክሽፍኖ’ዩ ብምባል ብፍላይ ነቶም ተደለልትን ተበለጽትን ኣለሊኻ ዝተጠራቐመ 3000 ሰለስተ ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ፡ ብዓይነት ሰባት እንተሰፊርካዮ፡ ውሑዳት ፉሉይ ሓለፋታት ብህግደፍ ዝግበረሎም እንዳፈለጡ ዝጋገዩ ተበለጽቲ ገዲፍካ፡ እቶም ርብዒ ድማ ካብ ድሕረት ዝምንጩ ጸቢብን ዱሑርን ዝምባለታት ዘለዎም ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ዝበዝሑ ግና፡ ብዘይ ምግናን፡ ኑቡር ሂወት ዘይመርሑ ዘይመርሓ፡ ማሃይማት በቲ ንዕስራን ሰላሳን ዓመታት ዝተቐመጡሉ ሃገር ቋንቋ ሰሜን ኣመሪካ ብጹሑፍ ሓሳቦም ሓሳበን ክገልጻ ክገልጹ ዘይክእሉ፡ ወትሩ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝጽሕፈሎም ሰብ ሃሰው ዝብሉ ዝብላ፡ ዝኾነ ሞያ ይኹን ክእለት ስራሕ ዘይብሎም ዘይብለን፡ ሓዳሮም ዝፈትሑ ዝፈትሓ ወዲኒታት፡ ብትጓቦ  መንግስቲ ካናዳን ኣመሪካን ሂወቶም ሂወተን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝመርሑ ዝመርሓ፡ ጓይላን ዳንኬራን ፈስቲቫልን ኣኼባን ንዓኣቶም ንዓኣተን፡ ከም መተንፈሲ ነቲ ዘይትስፉው ዘይሑጉስ ጽምዋ ዝሰፈኖ ሂወቶም ሂወተን ከም መዘናግዒ ኢዮም ኢየን ዝጥቀማሉ ዝጥቀሙሉ እምበር ብኣፍልጦን ብዕላማን ኣይኮነን፡ ኮምኡ ውን ብህግደፋውያን ተነጽሎ ከይገጥሞም ኢዮም እዚ ኩሉ ፈንጠርጠር ዝተባህለ። 
 
እምበር እቲ ብልቦናን ኣስተውዒሉን ኣዛዊሩን ዝሓስብን ዝመዝንን ኑቡር ሂወት ዝመርሕን ሰሪሑ ዝኣቱን ብነብሱ ዝታኣማመን’ሲ፡ ሎሚ ንህግደፍ ፈንፊኑዎን ቀቢጹዎን ስለዝኾነ፡ እቲ ዝቃወም ክቃወም ውዒሉ፡ እቲ ዝበዝሐ ድማ፡ ኣደቡን ሸረፉን ሒዙ፡  ነቶም ብግልጺ ዝቃወሙ ብጋህድን ብልቡን ኣየ ትብዓት ኣናብስ ክብሎም’ዩ ውዒሉን ዘሎን፡ በብቁሩብ ድማ ካብ ታዓዛባይ ናብ ብጋህዲ ተቓዋማይ ይሰጋገር ኣሎ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ልዕሊ 120,000 ኤርትራዊ ኣሎ፡ ኣብ ካናዳን ኣመሪካን ማለት ኢዩ። እሞ እንታይ ዳኣሎም እዞም ተስፋ ዝቖረጹ በብሓደ ዝዋሓዱ ህግደፋውያን ካብ ልዕሊ 120,000 ህዝቢ ኤርትራ 3000 ሰለስተ ሽሕ ዝኾኑ ተኣኪቦም ኢልካ ክንድዚ ሸኾርተትን ወደኽደኽን። 
 
እቲ ንኢሳይያስ ክቃወም ናብ ኒውዮርክ ዝገስገሰ ተቓዋሚ ኤርትራዊ ግና ዝተኸፍለሉ ሞጓዓዝያ ይኹን ዝተኸፍለሉ መደቀሲ ሆቴል ኣይነበሮን፡ ኩሉ ከካብ ጁቡኡ ኢዩ ነብሱ ኪኢሉ ብዘይ ጸቕጥን ብዘይ ምድፍፋእ ብድልየቱን ብፍቓዱን መሪሹ። ሕጂ ውን ደጋጊመ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣንቱም ተስፋ ሃገር ሰራሕቲ ታሪኽ ምናእሰያት ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ሊድ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ጊሰን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ማልቦርን ካልእን ዝተፈጸመ ታሪኽ ዳግማይ ክድገም ኣለዎ። ኮምኡ ውን ብጠቕላላ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፍካዮ መከራ ኣይዋሓደን እሞ ቁሩብ ተጸሚምካ ብሓባር ሳቦያ እንተ ኢልካ፡ ህግደፍ ከም ሓዊ ዝበዝሖ ድንሽ ፈጋዕጋዕ ክብል ኢዩ ሓርነትካ ድማ ናይ ግድን’ዩ።
 
ኣብ መደምደምታ፡ ነቶም ተበለጽትን ተደለልትን ዝበረቐት ጻሓይና ዝነገሰ ኑጉስና ባሃልቲ ክብሎም ዝደሊ፡ ፍተው ጽልኡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ተሳዒሩ ነበረ ክኸውን ኢዩ።

ንመን ንምርባሕ’ዩ ክንድዚ ዕሽነት 
ነዚ መታለሊ ዘይብሉ እምነት
ንስልጣኑ ክብል እከያት ዝኣልም 
ኣብ በረኻ ኣብ ዓዲ ብጾቱ ዝጠልም 
ብመደብ ዝሰርሕ ህዝቢ ክብል ህልም
 
ኣየ’ቲ ድፍረትኩም እዋይ ክትዕሽው
እታ ሕልናኹም ኣበይ ኮን ትህሉ 
ዝነገሰ ኑጉስና መትከል ጉሓላሉ
 
ህዝቢ ክጸንተልኩም ክትብሕትዋ ሃገር
ሞጉሃይቲ ሱዉኣት ባዓል ፈገር መገር
ኢሳይያስ ክነብረልኩም ኣብ ዙፋን ኣብ መንበር
እዚ ፉንፉን ኢሳይያስ እዚ መጥፍእ ሃገር
ብዘይካ ኣብ ህውከት ኣብ ሰላም ዘይነብር
 
በለጽ ዓሚቱኩም ከይትማራመሩ 
ኢሳይያስ ክሞሖ’ዩ ካብ ጉንዱ ካብ ሱሩ
ነበረ ምስ ኮነ እንታይ’ኹም ክትገብሩ 
ታሪኽ ሓያል ኢዩ ወላ ቡቑቡሩ
ሽሙ ምስዝኸፍእ መቶም ጎሓላሉ 
ሓቂ ምስዝዝለፍ ብሓሶት ኣንጻሩ
 
ኣለኹ’ዩ ዝብል ብነድሪ ካብ ቀብሪ 
ንሓቅን ፈጠራን ምእንቲ ከጻሪ
 
ፈንጠርጠር ኑቡር’ዩ ምስ በጻሕካ ኣብ ደንደስ 
ቃናኻ ቀይርካ ብህዝቢ ክትግደስ
 
ከተምስል እምበር መደብካስ ካልእ’ዩ 
እንተሰሚሩልካ እንተበጺሕካዮ
ዘበት’ዩ ግን ፉጹም ሕልምኻ ክፍጸም 
በቲ ገበናትካ ብዘፍሰስካዮ ደም
ህዝቢ ክፈርድ’ዩ ኣብ ባይቶ ክዕደም
 
ሕጂ’ዶ ይሓይሽ ምሕናቕ ብጎሮሮ 
ጎበዝ ተላዒሉ ዕድሜኻ ከሕጽሮ
ፈውስኻ ኣለና ኣንታ ሰንካም መንሽሮ
ንማዕበል ናይ ህዝቢ የለን ዝኽልክሎ
ኩቡራት ኣንበብቲ ክሳብ ዝመጽእ ጹሑፈይ ሰላም ቅነ
 
ሳልሕ ዓብደላ
 
ካብ ለምለም ካናዳ
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...