ግን ሓደ መልክፅና ዝመልክዑ ቋንቋና ዝቋንቑኡ፡ ከምቲ ዓይኒ ጤል ናብ ጤጠም ዓይኒ ነብሪኸ ናብ ጤል ዝብልዎ ንሕና ንናጽነት ምስ ጸላኢ እናተዋጋእና፡ ንሱ ካኣ ኣብ ጽኑፅ ብደምን ኣፅጽምትን ጀጋኑ ዝተሓጽረ ሕቡእ ባዓቲ ኮይኑ እታ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍላ ናጽነትና ዘሚቱና፡ ብሕቡእ ብዙሓት ደቂ ሓወቡኡ ክኣኻኽብ ጸኒሑ፡ ምስ ደልደለ መንዩ እቲ ምርጫዶ ስርዓዶ ዝብል ኣብ ናይ ብሕተይ ንብረት ይብለና ኣሎ፡፡

ናይ ብሕቱ ምዃና በቲ መሬት ናይ መንግስቲ ኢሉ ዝኣዋጆ መሰረት ሕጋዊት ናይ በይኑ ሃገር ጌሩ ስለ ዝወሰዳ ኢዩ፡ ምኽንያቱ መሬት ናይ መንግስቲ ኢሉ ክእውጅ ከሎ ኣበይ ዘሎ መንግስቲ፡ ባይቶ ጌርካ ኢዩ መንግስቲ ዝብሃል ዝብሎ ኣይረኸበን፡ ሎሚ ግን ንዓ ኩሉ ነገር ጠፊኡካ ኢዩ ዘሎ፡ ባይቶ ክንገብር መንግስቲ ክህልወና ደሊና ኣለና ውረድ ንብሎ ኣለና፡ ንሱ ካኣ ኣበይ ጸኒሕኩም፡ ሎሚ መን ኣባራቢሩኩም ኩሉ ዘዝበልኩኹም ሕራይ ትብሉዶ ኣይነበርኩኹም፡ ይብለና ኣሎ ማለት ኢዩ።  
           
ይኹን እምበር ንሱ ዝብሎ፡ ንሕና እቶም ንቃለስ ንብሎ ዘይኮነስ፡ ዝዛረብ ዘሎ ዲዩ ስቕ ዝበለ ኩሉ እቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮን ዝጽበዮን ዘሎ መንግስቲ ኩልና ኴና ናይ ኩልና ምዃኑ ንህዝቢ እና ሓበርናን እናረዳእናን ኣሚኑና ምሳና ሓቢሩ ክቃለስ ከም ዘለዎ እንተ ዘይጌርናዮ ውጽኢት ናይ'ዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ መወዳእትኡ ንምፍላጥ ዘሸግር ኮይኑ ዝራኣዮ ብዙሕ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ህዝብና መስተውዓልን ብሓያል ተሞክሮ ዝበሰለን ስለ ዝኾነ፡ ኣነ ዝበለ መንግስቲ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ፡፡ 
          
ስለ'ዚ ሎሚ ንሓደ ኣብ ልፅሊኡ ኮይኑ ወሳኒ ተራ ሃልዩዎ ዝህብ ዲዩ ዝኸልእ ኣካል ኣብ መጻኢት ኤርትራ ቦታ የብሉን፡ ንሕና ድሕሪ ሕጂ ብሕግን ብባይቶን ዝምራሕ ሓደ ጥዑይ መንግስቲ ተኺልና፡ ከካብ ዓደቦና ብተሞክሮን ብልቦናን ዝልለዩ ሰባት መሪጽና ብባይቶ ዝምራሕ መንግስቲ ኣቍምና፡ ህዝቢ ከነቕስንን ሃገር ከነርግእን ኣብ ንደልየሉ መድረኽ ኢና ዘለና፡ መተካእታ እዚ ኮይኑ ዝቐርብ ዝኾነ ይኹን ኣታሓሳስባ ካኣ ቦታ ይብሉን፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ፡ ኩልና ንመሰልና ቀጥ ኢልና ተኻላኸልቲ ናይ ኩሉ እቲ ይግባኣና ኢዩ እንብሎ መሰል ይኹን ካልእ ጸጋታት ሃገርና ዋናታት ክንከውን ኢዩ ኩሉ እንትናዊ ናይ ሎሚ ቃልስና፡፡ 

ስምዑ ኤርትራውያን ኣሕዋተይ፡ ንምታይ ንሃገርና ኩልና ተቓልስና ናይ ኩልና ዘይ ንገብራ ጥራይ ዳኣ ይኹን ኣታሓሳስባናን ፅላማናን፡ ኩልና ብሓባር ኣንጻር ንበይነይ ዝብሉ ተቓሊስና ናይ ኩልና ንግበራ ጥራይ ኢየ ዝብለኩም፡ ብሓጺሩ እዚ ንኣይንኣይ ዝብል ኣታሓሳስባ ምስቲ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ወጺኡ እሞ ሓቂ መሲሊዎ ዘይትኣደነ መስዋእቲ ከፊሉ ግደ ሞትን ስቓይን ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ዝቃዶ ኣይኮነን፡ ሎሚ ንኡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበደለ ብኸመይ ንኽሕሶ፡እቲ ነባሪ ሰላምከ ብኸመይ ይመጽእ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ኢዩ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ። 
                         
ብሕጽር ዝበለ ብሓባር ነዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ንሳተፎ ኢዩ፡ እቲ ናይ ኩልና ስልጣንን ሃገርን ናይ ኩልና ዝኸውንን፡ እቲ ኩልና እንደልዮ ሓቀኛ ለውጢ ካኣ ዝመጽእን፡ ዓወትና'ውን ዝቃላጠፍን፡ ነዚ ቃልሲ ኢድኩም ሓውሱሉ፡ ብዘይ ናይ ኩልና  ተሳትፎ ከምቲ ኩልና ንደልዮ ከኸውን ኣይኽእልን ኢዩ፡ ካብቲ ንስቕ ዝበለ ከተተስእ ነቲ ጫውጫው ዝበለ ከተህድእ ይቐልል፡ ስለ'ዚ እቲ ጫውጫውና ንነገራት ፈላሊኻ ካብ ዘይምፍላጥ ጥራይ እዩ፡ እምበር መዳእትኡ ኣብ ሓደ ክመጽእ ምዃኑ ዘጣራጥር ዝብሃል የብሉን፡ ኣብ ሞንጎ ተቓለስቲ ዘሎ ፍልልያት ጊዚያዊ ዳኣ እምበር ነባሪ ኣይኮነን፡፡ 

እቲ ስቕ ግን ተንኮል እዩ፡ ስቕ ባሃልቲ ቅጭኦም በሲሉ ዘሎ ኮይኑ ስለ ዝርዮም፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ካኣ ስለ ዘይግድሶም ኢዮም፡ ንሕና እቶም ስለ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ጫውጫው እንርከብ ግን መእሰሪና ሓደ ማኣዶ ኢዩ፡ ሓደ ህዝቢ ኢና ተጻሊእና ንተርፍ ኣይኮናን፡ ጸላእቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እቶም ደም እናነብዐ ዝሕጭጩ ዘለው መሰነይታ እቲ ስርዓትን እቶም ኢዱን እግሩን ኮይኖም ኣብ ምእሳርን ምስቓይን ህዝቢ ዝውፅሉን ዝሓድሩን ዘለው መጋበያታቱን ጥራይ ኢዮም። 

እዚ ስርዓት'የ ንኤርትራ ካኣ ብግቡእ የማሓድራ ኣለኹ፡ ይሃንጻ ኣለኹ ንመጻኢ ድማ ካልእ ክትከውን ኢያ፡ ክሓልፈላ ኢዩ ሲንጋፖር ክትከውን ኢያ፡ እናበለ ብምትላል ኣብ ልፅሊ ህዝብና ሸይሸይ እናበለ ዝነብር ዘሎ ሃላሊን ዓማጽን ዲክታቶር ዝብሎ ሰሚዖምን ኣሚኖምን፡ ነቲ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ጸይቂ ከም ሓቁን ከም ግቡእን ከይርእዩ ዓይኖም ተዓሚቱን ልቦም ተደፊኑን ዘለው ኤርትራውያን ብዙሓት እኮ ኢዮም፡ እዚ ካኣ ኢዩ ብዙሕ ዘዛርበናን ከይደቀስና ዘሕድረናን ዘሎ።

እዞም ንበረልና ዝብሉ ዘለው ከማና ውጹዓትን ክፋል ህዝብናን እኮ ኢዮም፡ ንሃገርናን ህዝብናን ንገብር ኣለና ባሃልቲ ካኣ ኢዮም ንሕና ካኣ ካብ ባፅዳውያን ነጻ ዝኾነት ሃገር ክትህልወናን፡ ህዝብና ካኣ ሰላም ረኺቡ ብቕሳነት ክነብርን ክርህዎን ተቓሊስናስ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንምንታይ ንኣና ብዝመስሉን ኣሚንና ናትና ብዝበልናዮምን፡ካብቲ ብባፅዳውያን ዝካየድ ዝነበረ ስቓይ ዝመልኦ ኣገዛዝኣ ዝገደደ ሽግርን መከራን ይወርደና ኢና ንብል ዘለና፡ ሕማም ኩልና ኢዩ ዘቐንዝወና ዘሎ፡ ናይ በይንና ፍሉይ ቃንዛ የብልናን፡ ይኹን እምበር ሓደ ዓይነት ኣረዳድኣ ክሳፅ ተጥሪ ዝርከብ ፖለቲካዊ ጸገም ኢዩ። 

ንምንታይከ ኣብ ገዛእ ሃገርና፡ ኩሉ ዘለና ክነስና ኩሉ ንስእን ኢልና፡ ንነገራት ኣብ ንቡር ክንመልስን ኣብ ገዛእ ሃገርና ብኽብረት ሰላም ረኺብና ክንነብርን ኣብ ዝብል ሃገራዊ ኣታሓሳስባ ተሞርኵስና ጥራይ ኢና ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ንቃለስ ዘለና፡እዚ ተረድኦ እዚ ኩልና ማፅቢልና ክሳፅ ንውንኖ ድማ እቲ ጸገም ነባሪ ኢዩ።
  
ስለ'ዚ እቲ ዝፈላልየና ዘሎ ንሃገርናን ህዝብናን በየናይ መገዲ ንርእዮምን ብኸመይከ ንሕዞምን ኢዩ፡ እስከ ሕራይ እቲ ቀደምሲ ነቲ ክጋደል ዝወፈረ፡ ኣብ ተጋደልቲ ፍልልይ ከይርኤ ወዲ ዓደይ ወዲ ዓድኻ ኣይትበሉ፡ ኩልና ንሞት ስለ ዝወጻእና፡ ንሞት ብዓይኒ ባህሊ ኣይትርዩዎ፡ ምስዋእቲ ኢዩ፡ ጾሎትዶ ምህልላ ዘድሕን እንተዝኸውን፡ ንምታይ ንቃለስ፡ እዚ ስቕ ኢልካ ምስ ተፈጥሮ ዘይቃዶን፡ ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ኢዩ፡ እናበለ ነቲ ክጋደል ዝወጸ ኩሉ ካብ ባህሉን ልምዱን ኣውጺኡዎ፡ ካብ እምነቱ'ውን ኣርሒቑዎ'ዩ፡፡ 
                           
ነቲ ናብ ቃልሲ ዘይወጸ ካኣ፡ ሓደ ተጋዳላይ ዘይመውት ሓጺን ለበስ ኣምሲሉ ብምግናን ናብ ህዝቢ ንዝኾነ ተጋዳላይ፡ ከም ኩሉ ክኢላን ልፅሊ ፍጡር ወዲ ሰብን፡ ኣምሲሉ ብምቕራብ እናኣዓሸወ፡ ኩሉ መንእሰይ ጅግናን ተጋዳላይን ምእንቲ ክኸውን ጽርግ ኢሉ ንሜዳ ወጺኡ፡ ኣንጻር እቶም ህዝብና ውሑድ ኢዩ፡ ብጥበብ ክነቃልሶ ኣለና እናበሉ ኣብ ሓልዮ ህዝቢ ዝተሞርኮሰ ኣካይዳ ወይ ሜላ ውግእ ዝጠልቡ ዝነበሩ ብምኻድ ካኣ፡ ነቶም ናብ ሜዳ ዝዋሓዙ መንእሰያት ኣድላዪ ዘይኮነ ኵናት እናጻሕተረ ዝና ክረክብ ከም ናብ እቶን ተሳውሮ ፅንጸይቲ ብጸፍጻፍ እናኣሳወረ ክጠፍኡ ከም ዘለዎም ጌሩ ኢዩ፡፡ 

ኣሳራርሕኡ ካኣ ካብ እቲ ልሙድ ቅዲ ኩናት ወጻኢ በታ ተኸዲኖምዋ ዝነበሩ ጨርቅን ነታ ሒዞምዋ ዝመጹ ኣካሎምን ተጠቒሙ ብዘይ ገለ ቀረብን ምሉእ ዝኾነ ምቅርራብን ንቕሉፅ ዝኾነ መስዋእቲ እናሳጥሐ ህዝቢ ኤርትራ ክጠፍኡ እናገበረ ዝመጸ ስርዓት ኢዩ ዝቕጥቅጠና ዘሎ፡ ነቶም ንሜዳ ዘይወጹን ኣብ ስደት ዝኸዱን ካኣ ደድሕሪኦም እናሳዓበ፡ እቲ ዝልዓለ ሓላይ ሃገር ተመሲሉ ንሃገርካ ንእሽቶ እንተጌርካ ዓቢ ነገር ኢዩ፡ ኩሉ ሰብ ዓዓቕሙ እንድሕሪ ጌሩ ኢዩ ሃገር ዝርከብ እንባለ ኣታሊሉ፡ ህዝብና ካኣ እታ ናጽነት ትባሃል ምስ መጸት ኩሉ ኣሎ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ነቲ ናይ ተንኮል ውሽጢ ስለ ዘይፈለጠን የማን ጸጋም ብዘይ ምርኣይ ንኹሉ ተቐቢሉዎ፡ ግን ኢዱ ኣይተኸፍለን። 

ህዝቢ እንተዘየለ ሃገር ብዘይ ህዝቢ ንመን ክኸውን፡ ገለን መትና ገለን ክንተርፋ እኮ ኢና ንቃለስ ዘለና፡ ድሕረና ዝመጽእ ወለዶ ካብ መግዛእቲ ወጺኡ ብኽብረት ክነብር እኮ ኢና ንመስዋእቲ ቅሩባት ኴና ንቃለስ ዘለና፡ ንኹሉ በጋባብ ንሓዞ ኢልና ምስቶም ቅኑዓት ሓደ ኴና ጠጠው ስለ ዘይበልና ከምታ ፅላማ እቲ ሱር መሰረትና ከጥፍኣ ዝደሊ  ጭፍራ ተኾብኪብናሎም መጺና ጌና ስርሖም ስለ ዘይወድኡ ማለት ኩልና ጨሪስና ስለ ዘይጠፋእና ካኣ ናይ ምብራስ ስርሖም ይቕጽልዎ ኣለው።

እቲ ክፈሉ እናበለ ደም ክሓልቦም ከሎ ካኣ፡ንዝጸገሞን ንዘይካኣለን እናካፍኤ ኩሉ ካብ መን ሓመቕኩ ኢሉ ዘላቶ ጸንቂቑን ከብዱ ኣሲሩን ንሃገረይን ንምእንታይ ዝጋደሉ ኣብ በረኻ ዘለው ኣሕዋተይን ኢሉ፡ ብተወፋይነት ተቓልሱ ነዚ መብዝሕትኡ ህዝቢ ከም ሓደ ውሕሉል ኣገባብ ቃልሲ ስለ ዝርኣዮ ንኻልእ ጎድናዊ ወጽዓታትን ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ምልኪ ዘእቱ ኣካይዳን ከስተብህለሉ ኣይካኣለን፡ ነቲ ነገር ብግቡእ ዝርእዮ እንተ ዝነብር ብሓቂዶ እቲ ዝጋደል ይጥቀምን ብስርዓት ይታሓዝ ኣሎን ትብል ሕቶ እክልቲ ኔራ፡ ግን ብዛፅባ እቲ ውድብ ዝብሎ ኣሚኑ ዝሰኸረ ጥራይ እምበር፡ ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ሜዳ ብዙሕ ግፍዒ ርእዮምን ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘይርትዓዊ ነገራት ኣለልዮምን ዝመጹ ጽን ኢሉ ዝሰምዖም ዋላ ሓደ ኣይነበረን።

                                                       
                         ። ይቕጽል ። 

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና 
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና                 
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...