አብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ምስ ኢሰያስ አፍወርቂ ዝገበርኩሞ ቃለ ምልልስ ምኽንያት ብምግባር ንኽልተ ዝተፈላለየ አረአእያ ዘለዎም ውልቀሰባት አቕሪብኩም ምዝርራብኩም ዝዝከር እዩ::
 
እቲ መደብ ሚዛናዊ ንክኽወን ምሕሳብኹም ዝምጎስ እኳ እንተነበረ:  አብ ተግባር ግና እቲ መደብ  ሚዛን ምሕላዉን ዘይምሕላዉን መዔቀኒ ብዘይምግባርኩምን ኣብቲ ኣተሓታትታ  እንተኾነ እውን  እቲ ዝቀረበ  ሕቶታት  ሚዛን ከተትሕዝዎ ዘይምፍታንኩም ብዙሕ ሕቶታትን ምጥርጣራትን  ኣላዒሉ እዩ:::

ቕድሚ ናብቲ ናይቶም ክልተ ዜጋታት ቃለ ምልልስ ውልቃዊ ርእይቶ ምሃበይ:  ብሓፈሽኡ ብዛዕባ እቲ ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝገበርኩሞ ሕቶን መልስን ብወገነይ  ዘለኒ  ትዕዝብትታ ከቀድም እደሊ::

ቀዳማይ:

ናይ መደብኩም ተኸታተልቲ ፡ ተወልደ ወልደገብሪኤል ናይ  ስርዓት ኢሰያስ ተደናጋጺ ሙኻኑ ብተደጋጋሚ  አብ ዝተፈላለዩ መደባት ክሕብሩን ተቃውሞኦም  ከስምዑን  ክገልጹን ምጽንሖም ዝዝከር እዩ::  ነቲ ርእይቶ ናይ ህዝቢ ጸማም ድምጺ ብምሃብ ሕጅውን ነቲ  ቃለ ምልልስ ብፍላይ ምስ በዓል ስልጣን ህግደፍ ብተወልደ ክግበር  ምውሳንኩም አብ ልዕሊ ተኸታተልትኹም ዘለኹም ዘይተገዳስነት አበርቲዑ እዩ ዘነጽሮ::: 

እቲ ቃለ ምልልስ አብ ነጻን ዲሞክራሲያዊት  ሃገር ይግበር ብምንባሩ እቲ መልሲ ናይ ኢሰያስ ዘይኮነስ እቲ ዝቀርብ ሕቶታት ከም ትጽቢት  ንኤሪትራውያን  እዋናውን አገድስን እዩ ኔሩ::  እዚ ክንሱ እቲ  ዝቀርብ ዝነበረ ሕቶታት ይኹን ባህርያት ናይ አተሓታትታ  ካብ ናይ ሙያዊ ጋዜጠኛ ዝረሓቀን ሚዛን ዝጎደሎን ናይ ሮግራጋት ሕቶታት ብምንባሮም ግና ንብዙሓት ከምዘሕዘነ ከይተንኸፍክዎ ክሓልፍ አይደልን::
 
እቲ ብኢሰያስ ዝወሃብ ዝነበረ መልስታት እውን መብዛሕትኡ ነቲ ዝተሓተቶ መልስ ኣይኮነን ዝህብ ዝነበረ ፡ ብተወሳኺ ካብ ሓቂ ዝረሓቁን መሰረት ዘይብሎም መሖጎሲ ዓያሹ እዮም ኔሮም::

እቲ ዝቀረበ መደብ ካብ ድልየትን ትጽቢታትትን ህዝብታት ኤሪትራን አመሪካን  ዝርአሓቀ: ሽውሃት ዓያሹ ንምርዋይ ተባሂሉ ዝተዳለወ  ፍረ አልቦ  ትያትር:  ሓታትን ተሓታትን ካብ ክውንነት ዝተኸወሉ: ኾነ ኢሎም ንሓቅታት ንክሓብኡ ዝተበገሱ ምንባሮም ንለባም ዝጠፍኦ አይመስለንን::

ካልአይ

ኢሰያስ አፍወርቂ ኣብ ኒውዮርክ አብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኽረኽብዎ ፈቲኖም ግና አይሰለጦምን:: አይሰለጦምን ጥራሕ ዘይኮነ አብቲ ዝዓረፈሉ ሆቴል ተጸብዮም ክወጽእ ከሎ ንዘቅረብሉ ሕቶ  ክምልስ አይኮነንን ነቶም ጋዜጠኛታት ምስ ረአየ ንድሕሪት ተመሊሱ ስጋዕ ደኺሞም ዝከድሉ ክጽበ እዩ መሪጹ ::   ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ኢሰያስ ዝምልሶ እኳ እንተኾነ  ምስ  ተወልደ  ወልደገብሪኤል  ቃለ ምልልስ ክገብር ዝመረጸሉ  ሚስጢር ግና እንታይ እዩ? እቲ መደብ መዓስ ዝተሓንጠጠ እዩ? 

ስልሳይ 

እቲ መደብ  አብ ናይ ትግርኛ ክፍለ ግዜ አብ ክልተ ተኸፊሉ ሰሉስን ዓርብን ንሰማዕቲ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ::  እቲ ዝገረመኒ ግና ቀዳማይ ክፋል  ሰሚዔ ነቲ ካልአይ ክፋል ንዓርቢ እንዳተጸበኩ ከለኹ ቕድሚ ብድምጺ ኣመሪካ ምዝርግሑ  ኩሉ እቲ ቃለምልልስ አብ መስከረም ዳት ኔት ተዘርጊሑ ምንባሩ እዩ:: ስለዚ እዚ ብኸመይ ክኸውን ክኢሉ? 
ድምጺ ኣመሪካ ምስ መስከረም ዳት ኔት ዘተአሳስሮም አበየናይ ነጥቢ እዩ`? 


ናብቲ  ሚዛናዊ ኣይነበረን ዝበልክዎ ሕቶ ክአቱ::

ቀዳማይ

እቲ መደብ እቶም ዕዱማት ነቲ ኢሰያስ ዝሃቦ መግለጺ እዮም ርእይቶ ክህብሉ ዝተሓበረ::  ምስ ዳኒኤል ረዘነ ዝተገብረ እውን አብ መግለጺ ኢሰያስ  ዘድሃበ እዩ ኔሩ::  ብአንጻሩ እቲ ምስ ኣለም ዘሞ ዝተገብረ ግና አብ ናይ ኢሰያስ ዘይኮነስ አብ ናይ  ዳኒኤል መልስታት ዝተሞርኮሰ ብምንባሩ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣይነበረን::   ክኽወን ዝነበሮ አለም ዘሞ ኢሰያስ ከምዚ ኢሉ ንስኻ እንታይ ርእይቶ አለካ እዩ ክበሃል ዝነበሮ:: 

ካልአይ

ብተደጋጋሚ ኣብ መደባትኩም ሰባት ከተቅርቡ ከለኹም ገለ ሰባት ነቲ ዝሓተትኽሞ መልሲ ምሃብ ገዲፎም ዘይተሓተትዎ ክምልሱ ከለዉ አብ ክንዲ ነቲ ሕቶ ክምልሱ ትውከስዎምን ትመልስዎምን:  አብ ካልእ አርእስቲ ኣትዮም ሃለውልወ ክብሉ ከለዉ ስቕ ኢልኩም ትሰምዕዎም ::   ካብዚ ሓደ  ሃለውሎው መልሲ ናይ አለም ዘሞ ክኸውን ከሎ ብዓቢኡ ድማ ናይ ኢሰያስ አፍወርቂ እዩ:::  

ኣለም ዘሞ እቲ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኤሪትራውያን ናይ ሕልና እሱራት: ንሱ ብዛዕባ ክልተ ግብጻውያን ካብ ሽወደን ንግብጺ ተወሲዶም ዝተአሰሩን ንሽወደን ንኻልአይ  ግዜ ንኸይአትዉ ዝተኸልከሉ አልዒሉ ዘይተባህለ ናይ ሓሶት መልሲ ዝሃቦ እዩ:: መንግስቲ ሽወደን ነቶም ክልተ ግዳያት ብዙሕ ሚልዮናት ካሕሳ ከምዝከፈሎም ኩሉ ዝፈልጦ ስለዝኾነ  ምስ ናይ ኤሪትራ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝተሓሕዝን ከም አብነት ዘጥቕስ ጉዳይ እውን አይነበሮን:: 

እቲ ኣለም ዘሞ ዝበሎ ብፍሉይ አርእስቲ  መልሲ ክህበሉ ስለዝኾኑ ነቲ ኣርእስቲ ንግዚኡ  ይውንዝፎ::  

ሳልሳይ:

እቲ ኣለም ዘሞ አብ ራድዮኹም ዝሃቦ ናቱ ድሕረ ባይቶ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቀ  እዩ:: አለም ዘሞ ነቲ ናይታ  ከተማ ምምሕዳር  ብዛዕባ ምኽንሻብ ይኹን ሕማማት ኤይድስ ዝምልከት ንስደተኛታት ዝህቦ ሓበሬታ  ብትግርኛ ንኽቱርጉም ዝተቆጸረ ምንባሩን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብቲ ስራሕ ተባሪሩ ስጋዕ ሕጂ ብሓገዝ ናይ መንግስቲ ዝነብር ሰነፍ ፍጥረት እዩ::

ከምዚ ዓይነት ሰብ ዝኾነ ይኩን ብዛዕባ ሰብአዊ መሰላት አፍልጦ ይኹን ተመኹሮ  ዘይብሉ መን ሙዃኑ ከየጻረኹም ናብ ረድዮኹም ዓዲምኹም ንናይ ምሁራት መልሲ ርእይቶ ንኽህብ ምዕዳምኹም ጌጋ ጌርኩም ክብለኹም እደሊ::



Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...