ኣቦ መምበር ወልደሱስ ዓማር ንሓደ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኣደስኪሉ።

ኣቦ መምበር ሰ-ደ-ህ-ኤ ወልደሱስ ዓማር። ኣብዚ ቅንያት እዚ ካብ ዕለት 02 ነሓሰ 2010 ዓ.ም ዝጀመረ 2ይ ስሩዕ  ኣኼባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ገለ ክፋል ፋጻሚ ሽማግለ እቲ ሰልፊ ብኣካል ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ እቶም ዝተረፉ ካልኦት ክኣ ብSkype ን4ይ መዓልቱ ዝቐጸለ ኣኼባ ከካይዱ ከም ዝቐነዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ  የረድእ።

ኣብዚ ኣኼባ እዚ እቲ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክትክእ ያኣዪ ዝሓልምን ብጽኑዕ ሕማም ስልጣን ዝዓወር ወልደሱስ ዓማር ንኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ስርርዕዊ ቤት ጽሕፈት ዞባ ኤውሮጳ ዝኾነ ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ካብ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ብምስግ  ከመይ ጌርካ ንሰባት ከተደስክል ከምእትኽእል ድሮ ክለማመዶ ጀሚሩ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ። ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ሰ-ደ-ህ-ኤን ሓላፊ ስርርዓዊ ጉዳይት ዞባ ኤውሮጳን፤ ዝኾነ ካብ ኣኼባ ዘስጎጎ ምኽንያት ዛጊት ተፈሊጡ ከምዘሎ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ዘይግሉጽን ጉጅላውን ነጻልን ኣሰራርሓ ከም ዘሎ።

ብጭብጢ ኣሰንዩ ኣቐዲሙ ብመንገዲ ኣቦ መምበር ወልደሱስ ዓማር ናብ ኩሎም ኣባላት ፈጸምቲ ኣካላት ኢሉ ሰዲዱ እንተነበረ በቲ ኣቦ መምበር ግን ተሓቢኡ ስለ ዝተረፈ ደጊሙ ብድሮ ምጅማር እቲ ኣኼባ ናብ ኩሎም ፈጸምቲ ኣካላት ብምቕራቡ ኣብ 1ይ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ኣቦ መምበርን ደገፍቱን ኣብ ክንዲ ነቲ ኣሎ ዝብሃል ሽግር ረጊኦም ክፈትሑ ዝፍትኑ ዝብል ሰፍ ዘይብል ስም ድሕሪ ምጥማቖም ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ክኣ ግደፉ እዚ ኣቕሪብዎ ዘሎ ትዕዝብትን  ክስን ቅኑዕን ንሕና እውን እንድግፎን ኢና ዝብሉ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል እናሃለዉ ብምኽንያት ዝተወደበ ናይ ብዙሓት ድምጺ (Majorities) ብኣቦ መምበርን ጭፍርኡን ካብ ኣኼባ ከም ዝስጎግን ከምዝድስክልን ተገይሩ ኣሎ።

ምንጪ ሓበሬታ ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ
ሎንዶን ዕለት 05 ነሓሰ 2010 ዓ.ም።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...