ንሓሰ 14, 2010
መልእክቲ EYC ኣብ ሲምፖዝዮም EYGM
“መንእሰይ ርእሲ ኩናት ሰላም”

ኣብዚ “ኤርትራዊ መንእሰይ ርእሲ ኩናት ሰላም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ EYGM ዝካየድ ዘሎ ሲምፖዝዮም ራኢና ክንካፈል ንዝገበርኩሙልና ዕድመ ብስም ኩሎም ኣባላት ኤርትራዊያን መእሰያት ንለዉጢ ነመስግነኩም።  ትሕዝቶ ጹሑፍና ኣብ ሰልስተ ዝተከፈለ ኮይኑ፣ ብቀዳምነት እቲ ነዚ ሲምፖዝዮም ከነካይድ ዝደረኸና ዘሻቅል ኩነታት ሃገርና ብከፊል ክንድሕስስ ኢና። እዚ ድማ ምእንቲ ኩሉና ኣብ ሓደ መበገሲ ባይታ ከምዘሎና ንምርዳእ እዩ። ቐጺልና ኣብ መስርሕ ሰላም ወይድማ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ለዉጢ ንዘለና ራእይ ከነካፊለኩም ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ ሰላማዊ ለዉጢ ንምዉሓስ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከበርክቶ ዝግብኦ ተራ ንምዝኽኻር ጽሑፍና ክንዛዝም ኢና።  እብዚ ሎሚ እዋን ኤርትራና በዘን ዘስዕቦ ሓረጋት ክትግለትጽ ትኽእል፣ ስቃይ ቁርጸተ ተስፋን ዕግበት ሕልናን። ብሰንኪ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዉልቐ መላኺ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃ ይርከብ ኣሎ። መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ተገፊፉ፣ ዓሌታዊነትን ኣዉራጃዉነትን ኣስፋሕፊሑ፣ ፍትሒ ኣልቦ ጉዕዙይ ምሕደራ ህግደፍ፣ ንህዝብና ኣደዳ ጥምየትን ስደትን ብምግባር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ባዕዳዊ ገዛኢ ሪኢዎ ዘይፈልጥን ስቓይ የሕልፍ ኣሎ። ከም ዉጺኢቱ ድማ ኤርትራዊያን መንእሰያት፣ ኣብ ዝተፈላልየ ሃገራት ዓለም ሰደተኛታት ብሙዃን፣ ንሉእላዊነት ሃገርና ብዝፈታተን መንገዲ ዋሕዞም ይቕጽል ኣሎ።  ገለ ካብቲ ኣብዘን ዚሓለፋ ዉሑዳት ዓመታት ክርአ ዝጸንሐ ዘሕዝን ፍጻመታት ንምጥቃስ፣-
ላዕሎዎት ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ዝርከቡዎም ቡዙሓት ዜጋታትና ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብዚ ኣተዉ ከይተባህሉ ብስርዓት ህግደፍ ተጨዉዮም ኣበይ ከም ዝኣተዉ ኣይፍለጥን።  ኤርትራ ብህዝቢ ዝጸደቀ ቅዋም ከይተግበረት፣ ብዘይ ልዕልና ሕጊ እትምሓደር ናይ ሽፍትነት ሃገር ኮይና ኣላ።

ብህሉዉ ኩነታት ሃገርና ተስፋ ዝቆረጹ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዝርከቡዎም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ናብ እግሮም ዝመርሖም በብዝረኸቡዎ ዕድል ናብ ስደት ይዉሕዙ ኣለዉ።ካብ ግፍዒ ኣረመናዊነት ስርዓት ሕግደፍ ዘምለጡ መንእሰያት ድማ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ ብሃሩርን ጽምኢ ማይን፣ ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን ብተመላከተለይ ብዓረር ይቕዘፉ። ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለም ቐለብ ዓሳታት ይኾኑ። ገለ መንእያ ድማ ኣብ ማዓስከር ሰደተኛታት ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ሊቢያን ካልኦትን ናይ ንእነትን ትምህርትን ዕድሚኦም እንዳሕለፉ ይሳቀዩ ኣለዉ።

ብምክንያት ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብዚ ሲምፖዝዮም ዘለና ዜጋታት ካብ ስድራናን ህዝብናን ንልዕሊ 10 ዓመት ተፈሊና ንነብር ኣለና። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሓደ ህጻን ክዓቢ ከሎ፣ ዶክቶር፣ ጠበቓ፣ ዳኛ፣ ምሃንድስ፣ ተጻዋቲ ኩዕሶ፣ ወይ’ዉን ብናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ማዕርግ ተመሪቁ ኣብ ዝልዓለ ናይ ምርምርን ሙሁዞን ደረጃ ንክበጽሕ፣ ባህግን ሕልምን ንኸጥሪ ዝዕድም ባይታ የብሉን። እንታይ ድኣ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ጉዱድ ወታሃደራዊ ዕስክርና ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ዝተቐረበሎም ኣማራጺ። እምበኣር ኩቡራት የሕዋት እዚ እዩ እቲ ሁሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን። እቲ ትማሊ ኤርትራና ብሰላምን ብፍትሕን ብብልጽግናን ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምን ኣብነት እትኸዉን፣ ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ዝነበረና ቅዱስ ሕልምን ባህግን፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታ ብቅልጡፍ ናህሪ ክበንን ብቐረባ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ኩሉ ኣብ ወገናትና ዝወርድ ዘሎ ስቃይን መከራን ግን ክሳብ ምዓስ ኢና ክንጻውሮ? ንሕና ከም ዜጋታት ክልተ ምርጫታት ኣለና። እቲ ሓደ ነዚ ኩሉ መከራን ጥምየትን ሕሰምን ስደትን ዝወርዶ ዘሎ ዉጹዕ ህዝብና፣ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ፍታሕ ባዕሉ ክመጸና እንዳ ጸለና ምጽባይ። እቲ ካልኣይ ድማ እምቢታና ብዓዉታ ብንቕላሕ፣ ንፍትሕን መሰል ህዝቢን ቡሩህ መጻኢ ኤርትራን ደዉ ኢልና ምቕላስ።

ኣብዚ ሲምፖዝዮም ብምስታፍኩም ጥራይ ምርጫኩም ቡሩህ የምስለና፣ እንተውሓደ ክትሰምዑ ወይእዉን ሓሳብ ንሓሳብ ክትለዋወጡ፣ ብዓቢኡ ድማ መሰል ኩሉ ዜጋ ዝሕለወላ፣ ልዕልና ሕጊ ዝነግሰላ ንሕዝባ ብሩህ ተስፋ እተዉሕስ ብልጽግቲ ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ሰለማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንለዉጢ እጃምኩም ከተበርክቱ ተበጊስኩም ከም ዘለኹም እዩ ዘረድኣና። ነዚ ህሉው ኩነታት በዲህና ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ክንቃለስ ኣሎና። ከምዝፍለጥ EYC ን EYGMን ገለ ካብተን ንነባሪ ሰላም ዝቃለሳ ዘለዋ ብዙሓት ማሕበራት እየን። ቅድሚ ኣገባባትን መንገድትታትን መስርሕ ሰለማዊ ቃልሲ ምድህሳስና ዕላማ ምንጻር ኣድላዪ ይመስለና እቲ ምንታይሲ ማእዝን ጉዕዞና ተገንዚብና ኩላትና ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዝኮንና ኤርትራውያን ኣንፈት መርከብ ቃልስና ብንጹር ራእይ ክንመርሕ ኣለና። ብዘይ ሓባራዊ ራእይን ዕላማን፣ በብዘለናዮ ብዘይ ውህደት ናብ ኩሉ መኣዝናት እንተድኣቅኒዕና፣ እቲ መላእ ህዝቢ ሃረር ዝብሎ ለውጢ ኣብ እንደልዮ ግዜ ኣይቅጭብጥን እዩ። 

ሕልምና ኤርትራ ብግዝኣተ ሕጊ ደኣምበር ብውልቀ ሰባት ዘይትምሓደር፣ ማዕርነት መሰልን ዜጋታት ዘኽብር ብህዝቢ ዝተመርጸ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘለዋ ብልጽግቲ ሃገር ክትከውን እዩ። ኣብ ኤርትራ ክትከል ንደልዮ መንግስቲ፣ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ብተሓታትነትን ግሉጽነት ዘመሓድር፣ ምሉእ ናጽነትን ሃይማኖትን ብነጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ካልእን መሰል ዘውሕስ፣ ህዝቡ መሪቑ ቆጽሊ ዘውድቀሉ ደኣምበር ብውልቀ መላክነት ኣነ ዝበልኩኹም ጥራይ ይኩን ዝብል፣ ብጉቦን ብልሽውናን ዘመሓድር መንግስቲ ኣየድልያን እዩ፣፣ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ህዝቢ ዝሰርሕ ድልየት ህዝቡ ዘማልእ ኣገልጋሊ ህዝቢ ደኣምበር ከምዝተተራእዩ መስልን ናጽነትን ህዝቢ ረጊጹ ዝከይድ ክከውን የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከምዝማምኦ ኣብ ዝመረጾ ግዜ መራሕቱ ክመርጽን ከውርድን ደኣምበር፣ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኮይጦም ዝረግጽዎ መራሕቲ ኣየፍቅድን እዩ።

ንኤርትራ ዘድልያ ትሕተ ቅርጻዊ ህንጸት ድማ፣ ናይ ትምህርት ምርምርን ኣካላት ሃኒጽካ ናይ መጻኢ ወለዶ መምህራን፣ ሓካይም፣ መሃንድሳት፣ ፖለቲከኛታት፣ ካልኦት ሰብ ሞያ ብምስልጣን ደኣምበር፣ ብግዱድ ጊላነት ዝህነጽ ክከውን የብሉን። ኤርትራና ዝተበታተነ ህዝባ ዝእከበላን ዝተሓቛቖፈላን ደኣምበር፣ ዘዝተወልደ ዝርሕቃ፣ ህዝባ እትበታትን ደም ደቃ ትሰቲ ሃገር ክትከውን የብላን። ኣብዚ ሎሚ እዋን እዞም ኣብ ላዕሊ ክዝርዘሩ ዝጸንሑ ቅዱሳት ሕልምታት ንክገሃዱ ተኣምር ዘድልዮም ክመስሉ ይክእሉ እዮም። እንተኮነ ግን መላእ ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣብ ከም በዓል EYC ን EYGMን ዝኣመሰላ ማሕበራት ብምጥርናፍ ዲሞክራስያዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምህናጽ እጃምና ከነበርክት ኣለና። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ናይ ህዝቡ ኤርትራ ሕልምታት ህያው ንምግባር ድማ ኣብ መኣዲ ዘተ ቀሪብና ብምምይጥ ደኣምበር ነንሕድሕድና ብምውንጃል “ንሕና” ኣንጻር “ንሳቶም” ዝብል ናይ ፖለቲካዊ ቁሩቁስ መፍትሒ ሽግርና ከምዘይከውን ኣሚና ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ መኣዲ ሰላም ንጽውዕ።

ንሕና ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፉ ኣንጻር ውልቀ መላክነት ዘቃልስ ንጹር ራእይን መደባትን ክንሕንጽጽ ይግብኣና። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ መንእሰይ ርእሰ ኩናት ሰላም ምዃኑ ዘመስክር ሓቂ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ጠለባት ህዝቡ ንምምላእ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳትፍ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምምራሕ ቀላሲ ተራ ክጻወት ኣለዎ። ንተግባራውነቶም ዝረጋገጸሉ መዐቀኒ ግዜ ወሲኑ፣ ሓጸርትን ነዋሕት መደባትን ብምስራዕ፣ ሰላም ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ንዘድሊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብምቅያስ መሪሕ ተራ ክጻወት ዘለዎ መንእሰይ ወለዶ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ሎሚ ብንጹር ራእይ ሓያል ጻዕርን ድልውነቱ ብምርግጋጽ ደጊም ሃገር ናይ መንእሰይ ወለዶ ምዃና ብምእማን፣ ለውጢ ኣምጺኡ ናብቲ ህዝቢ ዝደልዮ መኣዝን ክመርሓ ደኣምበር፣ ነቶም ቅድሚ ሕጅ ኣብዚ ዘላቶ ውድቀትን ዕንወትን ዘብጽሕዋ እንዳኣመራረ ክሳዱ ኣድኒኑ ካብ ሰማይ መና ዝጽበ ክከውን የብሉን። ንሕና ድማ ኣብዚ ሃገርና ዘላቶ ተስፋ ዘቑርጽ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቅልውላው፣ ኣናጊፉ ክመርሕ ዝክእል፣ ዘድሊ ፍልጠትን  ብቕዓትን ዘለዎ ኤርትራዊ መንእሰይ ከምዘለና ንኣምን። ይኹን እምበር ኤርትዊ መንእሰይ እቲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብስርዓት ህግደፍ ዝደሃክ ዘለዎ ግዳይ ምዃኑ መስክረለይ ዘድልዮ ሓቂ ኣይኮነን። ከም ውጽኢቱ ድማ ከም ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብና ንላዕሊ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክርእይ ዝደሊ መንእሰይ እዩ። ስለዚ ከም በዓል EYC ን EYGMን ዝኣመሰላ ማሕበራት ንኩሉ ህዝቡ ኤርትርራ ጠርኒፉ ከቃልስ ዝክእል ንጹር ራእይን መደባት ክሕንጽጻ ህያው ኣብነት ናይቲ እንደልዮ ሰላምን ብልጽናን ድማ ክኮነና ይግብኦ።
ቀላሲ ለውጢ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ምዃን ቀሊል ብድሆ ኣይኮነን። እምበኣር ገለ ካብቶም በዳህቲ ግን ከኣ ኣገደስቲ እንብሎም ክምለሱ ዝግብኦም ሕቶታት ክንጠቅስ፣-

ሓሳባት ጥራይ ኣብ ወረቐት ሰፊሮም ተፈጻምነቶም እንተዘይተራእዩ ንህዝቢ ተስፋ ከቑርጹ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ብኸመይ ይትግበሩ?ዝበዝሕ ክፋል ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ስለዝነብር ነዚ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ዘሎ ህዝቢ ብኸመይ ኣብዚ ቃልሲ ከነሳትፎ ንኽእል? ኣብ ትሕት ዝኮነ ይኹን ኩነታት ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝኮነ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ነጺልካ ወይ ኣብ ቃልሲ ከየሳተፍካ ውጽኢቱ ከምቲዝድለ ክከውን ስለዘይክእል፣ ንኹሉ ዜጋ ዝጥርንፍ መደባት ምሕንጻጽ ጥራይ ዘይኮነ ንግባረ እቶም መደባት ድማ ከነረጋግጽ ኣለና።

እምበኣር ሰለማዊ ለውጢ ንምጭባጥ በብሓደ ክንምልሶም ዘለና ሕቶታት  ኣለዉ፣-እቲ እንደልዮ መንገዲ ሰላም ከመይ ይመስል? ኣበይን ብኸመይን ይጅመር? መንከ ሓላፍነት ተሰኪሙ ክከታተሎን ክፍጽሞን ይግባእ? እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ተቓውሞ ደምበ ከምዘለዎ ኣብቲ እንደልዮ ሰለማዊ ለውጢ ከብጽሓና ይኽእል ድዩ? እዘን ዘለዋ ኤርትራውያን ፖለቲካዊያን ዉድውያን ተሰማሚዐን መሰጋገሪ መንግስቲ ብምዃን ነቲ ብድሕሪ ምውዳቕ ህግደፍ ክፍጠር ዝኽእል ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ክመልኣ ይኽእላ’ዶ? ካብ ኤርትራ ወጻኢ ናይ ስደት መንግስቲ ምምስራት የድልየና ድዩ? እንተድኣ ኣድላዪ ኮይኑ ከ ብኸመይ ክቐውም እዩ? እዘን ዘለዋ ናይ ተቓውሞ ፖለቲካውያን ውድባትከ በዚ ናይ ሕጂ ኣቃውምኣን እቲ ዘድሊ ፖለቲካዊ ብስለት ኣማሊአን ኣብቲ መሰጋገሪ እዋን ክመርሓና ይኽእላ ድየን? እንታይ ካልእ ኣመራጺታትከ ኣለና? ተራ ከም በዓል EYC ን EYGMን ዝኣመሰላ ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራትከ ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን እንታይ ክከውን እዩ? እዚ መሰጋገሪ እዋን መዓስ ክጅምር ኣለዎ? ሎሚ ግዚኡ ኣኺሉ ድዩ? እዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኢዱ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ ዘሎ መንእሰይከ ብኸመይ ከምዝለዓዓልን ዝሳተፍን ክንገብር ንኽእል? ኤርትራን ህዝባን ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ሕሰምን መከራን በጺሑ እንዳሃለወከ ስለምንታይ እዩ ብዙሕ መንእሰይ ኢዱ ኣጣሚሩ ክዕዘብ ዝመረጸ? ነዚ ንምቕያርከ እንታይ ከነመሓይሽ ይግብኣና?እዚ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። እዞም ሕቶታት እዚኣቶም በብሓደ ክንምልሶም እንተጀሚርና ግን ዕላማና ከቶ ኣይክንስሕትን ኢና። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ዋንነት እዚ ጉዳይ ተሰሚዕዎ በብዓቕሙ እጃሙ ከበርክት ንላቦ።

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ ንደሊ ሃገር እንተሃልዩ ሰለማዊ ቃልሲ ንዲምክራሲ፣ ንፍትሕን ግዝኣተ ሕጊን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝብጻሕ ዕላማ ዘይኮነስ ዓመታት ወይ ወለዶታት ዝወስድ መስርሕ እዩ። እዚ መስርሕ እዚ ካብ ሓንጎል ደቂ ሰባት እዩ ዝኸይድ። እዚ ንሕና ንቃለሰሉ ዘለና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ቀጻልነቱ ዝረጋገጽ ድማ ኩሉ ግዜ መሰሉ ፈሊጡ ፖለቲካዊ ብስለት ኣጥርዩ፣ ኣካል ናይቲ ለውጢ ክከውን ምስዝጅምር እዩ። ህዝቡ ኤርትራ ድማ ሓንሳብ ንለውጢ ኣሚኑ ኣብ ፍትሕን ግዝኣተ ሕጊን ዘለዎ ርድኢት ከርምቲ ዝግባእ ክብ እንተደኣ ኢሉ ብድሕሪኡ ዋልታ መሰሉ ብምዃን ካብ ዝኮነ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ደገ ትጻብኦ ክከላኸለሉ እዩ። ስለዚ እንተድኣ ኣብዚ እዋን በብእዋንኑ ዝጅምር ዘሎ ሰለማዊ ዲሞክራስያዊ መስርሕ፣ ህዝቡ እናነቓቕሐ ርድኢት ህዝብና ክብ እንተደኣ ኣቢልዎ ንመጻኢ እዚ ሰለማዊ መስርሕ ክዓግት ዝመጽእ ወለሓደ እኳ ኣይክህሉን እዩ። እዚ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ዝካየድ ህዝባዊ ሰለማዊ ለውጢ ድማ እቲ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ንጥቀመሉ እንኮ መንገዲ እዩ። በዚ ድማ ልኡላውነት ርግኣትን ሃገርናን መሰል፣ ክብረትን ማዕርነትን ህዝብና ተረጋጊጹ ብዘይተጻብኦ ንወለዶታት ክነብር እዩ።

ንዝገበርኩልና ዕድመ ደጊምና ነመስግን ብዛዕባ እዚ ጽሕፍ እዚን ብዛዕባ EYCን ሕቶ ወይ ርእይቶ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ጸሓፉልና።  This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...