ሰብ ብተስፋ ኢዩ ዝነብር። ትስፉውን ጽቡቕን መጻኢ ክህልዎ ካብ ዘለዎ ድልየት ተበጊሱ፡ ንሂወቱን መንብሮኡን፡ ብኽርእዮን ከማዕድዎን ዝኽእል ተስፋ ኢዩ ዝመዝኖ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና፡ ነዚ ኣብ ልዕሌና ተኾይጡ ዘሎ ግዕዘይ ምሕደራ ዘኸተሎ ሓለት ክንገልጾ እንከለና፡ ዋላ ንእሽቶይ ተስፋ ዘይትርእየሉ ጸልማት መጻኢን መንብሮን ኢዩ፡ ኢልና ፍርድና ነቐምጠሉ። ዕድላት ንዜጋታት ዝኸፍት፡ ንህዝቡ ዝሓሊ ምምሕዳር፡ ክትሰርሕ ክትተብዕ ክትነብር ተስፋ ኢዩ ዝህበካ። ርሃጽካ ተስፋ እትርእየሉ፡ ጻማ እውን እትረኽበሉ ድኻም ኢዩ። “ከምዚ ክኽውን እኽእል ከምዚ ክገብር እኽእል ኢየ” እንዳበልካ መጻኢኻ እትግምግመሉ ትስፉው ሃዋሁው ፈጢሩ ኣሎ ንብሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶና ከምዚ ዝዓይነቱ ተስፋ ተሓሪምዎ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ተስፋ ናብ ዝረኽበሉ ይስደድ ኣሎ።

ተስፋ ንምድማቓ መሪጸ።

እዚ ንእሽቶ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ኮይና፡ ነታ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ዝተመዝገበት ደቃቕ ብልጭታ ተስፋ ንምድማቓ መሪጸ ኣለኹ። ዋላ እኳ ንእሽቶይ ፍጻሜ ትኹን፡ መብረ ንኽኸውን ኣብቲ ኣዎንታ ክዓልብ መዲበ። እቲ ዋዕላ፡ እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ዓመታት ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ቃልሲ መምዩን ኣሪሙን፡ ኣብ ስራሕ ገጹ ንኽብገስ ካብ ኮነ ድልየቱ፡ ብዘይ ጉድለታት ክኸይድ ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን። ጉድለታቱ ከውሕድን ክእርምን ተስፋ እገብር። በዚ ሒዘዮ ዘለኹ ሓጺር ኣርእስቲ ግና፡ ኣብ ታሪኹን ጉድለታቱን መአረምትኡን ክዓልብ ኣይደለኹን። ምኽንያቱ ብዙሕ ተጻሒፍዎን ተዘሪብዎን ኢዩ። እንተኾነ ግና፡ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ንእሽቶይ ብልጭታ ተስፋ ተራእያ ኣላ። ንሳ ኢያ ኣገዲሳትኒ። ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ቖሪጹ ኣሎ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ዝኾነት ዓይነት ትኹን፡ ዋላ ነታ ንእሽቶይን ደቃቕን ተስፋ፡ ሃንቀው እንዳበለ ዝጽበያ ዘላ ሓይሊ ኢያ።

ድምጺ ህዝቢ በቲ ዋዕላ ተሰሚዑ።

ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ፡ ህዝቢ ባዕልና ኢና ሽማግለና (ሰክረታርያ) ንመርጽ ዝበለሉ ዋዕላ ከም ዝኾነ ሰሚዐ። እዚ በላበለው ዘይኮነስ ዝወዓሉ ኣብ ድምጺ ኣሰና ዝነገርዎ ኢዩ። ድምጺ ህዝቢ በቲ ዋዕላ ተሰሚዑ። ተሓጉሸ ከኣ። እቲ ዝበጽሓና ወረ፡ እታ ኣሰናዲኢት ሽማግለ ባዕላ ኣሽማት ሕጹያት ክትሮቑሕ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኦም ክመርጽ ዝብል ርእይቶ ከምዘቕረበት ኢዩ።

እዚ ኣጋባብ እዚ፡ ኣብ ኤርትራ በዚ ስርዓት እዚ፡ ኣብ ታሕተዋይ ምምሕዳሩ ዝጥቀመሉ ዝውቱር ዝኾነ፡ ኣብ ደው በሉለይ እሞ ክብለጸልኩም ዘትከለ ድሑር ባህሊ ገዛእቲ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዘየድልዮ ከምዝኾነ ብተሞክሮኡ ተማሂርዎ ኣሎ። ኣብ መንብሮኡ ስለዝስሓኖ ኸኣ፡ ኣይደግሞን እውን ይኸውን። እቲ ኣኼበኛ ዋዕላ፡ ርእይቶ ኣሰናዳኢት ርኡይ ጌጋ ስለዝኾነ፡ ቅቡል ኮይኑ ከምዘይረኸቦ፡ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ባዕሉ ዝደልዮም ሰባት ረቑሑ ክመርጽ መሰሉ ከምዝኾነ ረቲዑ። ሰክረታርያት ዋዕላ ብህዝቢ ተመሪጻ። ንእሽቶይ ተፍጻም፡ ግን ኸኣ መሰረት ተስፋ ከተንጽፍ እትኽእል ስለዝኾነት ክትንዓቕ ዘይኮነትስ፡ ክትደምቕ ኣለዋ እብል። ኣርስተይ ከኣ ኣብኣ ጥራይ ተሓጺሩ ይተርፍ።

ዝሓለፈ ተመኩሮታት ኣይተደግመን።

በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ከም ውልቀ ይኹን እኩብ “እዚ ኣይከውንን ኢዩ፡ ርእይቶና ክትቅበሉ ኣለኩም! ንሕና ካብ ዘቕረብናልኩም ሕጹያት ጥራይ ኢኹም ትመርጹ” ኢሎም ታዕታዕ ብምፍጣርን ብምጉብዕባዕ ካብቲ ዋዕላ ፍንጭራዕ ኢሎም ኣይወጹን። ዝሓለፈ ተመኩሮታት ኣይተደግመን። እዚ እውን ኣገዲሲ ነጥቢ ኢዩ። ናይ ቀደም ዝሓለፈ ፋሕፋሕ ይኣክል። ተጻዋርነት፡ ወይ ከኣ ብድሌት ህዝቢ ምቕያድ፡ ብተግባር ዝተኣታቶ ዘሎ ይመስል።

እቲ ጉዳይ ዋዕላ፡ ህዝቢ ጉዳዩ ባዕሉ ንኽውስን ዘብቅዕ ቃልሲ ንምክያድ ካብ ኮነ፡ (ኣብቲ ዕላማታት ናይ ኩለን ውድባት እውን፡ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ እኳ እንተሎ)፡ ኣብዚ ዋዕላ እዚ፡ ኣብ ምምራጽ ሰክረታርያ ብተግባር ንመጀመርያ ግዜ ድምጺ ህዝቢ ክስማዕ ግድነት ኮይኑ። ሰክረታርያ ነቲ ዋዕላ ዝመርሖን ዝቕይዶን ስልጣን ኢዩ። እቲ ነዚ ኹሉ ዓመታት ሸንኮለል ዘበለ ምብሓትን ቅሩቁስን ስልጣን ኢልና ደጋጊምና ካብ ገለጽናዮ፡ ኣብዚ ዋዕላ እዚኣ እቲ ህዝቢ ነታ ስልጣን መንዙዕዋ ኣሎ። ሕጂ’ኸ ናበይ?

ብሓጺሩ ህዝቢ ዝህቦ ርእይቶ ዘይሰምዕ ውድብ እንተድኣ ሃልዩ፡ ዘካይዶ ቃልሲ ንጥቕሚ ህዝቢ ዘይኮነስ ካልእ ኢዩ። ውድባት፡ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ህዝቢ ብምሕዋሰን፡ ፈትየን ይኹና ከይፈተዋ ኣብዚ መንቀራቕሮ እዚ ኣትየን ኣለዋ። ድሕሪ ደጊም ኣብ ቃልዕ ወጺአን እየን። በቲ ነንሕድሕደን ዝጸላለምኦ በለቓት ዘይኮነስ፡ በቲ ዓይነ ምስክር ኮይኑ ዝወዓለ ህዝቢ ክፍረዳ እየን። ኣብዚ ዋዕላ እዚ ህዝቢ ንኽሕወስ ዝገበረ ርእይቶ ንድሕነተን ወይ ንዕንወተን ዝኣመተ ኢዩ። ድሕሪ እዚ ዋዕላ እዚ፡ ንሕማቕ ይኹን ንጽቡቕ ብሚዛን ዝወዓለ ህዝቢ ክግለጻ ከም ዝኾና ይርድኣኒ። እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ፖለቲካዊ መድረኽ ባህርያቱ ዝቕየር ዘሎ እዋን ይመስል። ኩላትና ክንከታተሎ ዘሎና፡ ብልጭታ ተስፋ ኮይኑ ኸኣ ይርኣየኒ።

ግዱሳትን ተቓለስትን ኤርትራውያን።

ኣብዚ ዋዕላ እዚ፡ ብዙሓት ግዱሳትን ተቓለስትን ኤርትራውያን ተኻፊሎሞ ከም ዘለዉ እፈልጥ። ጉዳይ ህዝብና ክሕመስን ኣብ ዘይመንገዱ ክኸይድን እንተርእዮም ተቢዖም ዝቃወሙ፡ ክእርሙ ዝፍትኑ፡ እንተኾይኮነሎም ከኣ ንህዝቦም ዘእውዩ ዜጋታት ተኻፊሎሞ ኣለዉ። እዚ ሰክረታርያት እዚኣ ብህዝቢ ከምትምረጽ ዝገበሩ እውን ውጽኢት ቃልሶም ኢዩ ክብል እደፍር።

ጉዳይ ግሉጽነት።

ኣብ መጨረሽታ፡ እዚ ሰክረታርያ እዚኣ፡ ነጻን ህዝባዊትን ኮይና ትቕጽል ከም ዘላ ዘፍልጣ፡ ብግሉጽነታ ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ዝከኣል። ግሉጽነት ባህርያት ህዝባውነት ኢዩ። ተሰማዕነት ንኽትረክብ፡ ስልጣና ንኽሰፍሕ ንኽሕይል፡ ንዝመጹ ህዝባዊ ጉዳያት መንጸፍ ንኸተዳሉ፡ ኣብ ህዝቢ ንኽህልዋ ዝኽእል እምነት ንኸተደልድል፡ ንነብሳ እውን ክትስሕል እትኽእለሉ ኣገባብ፡ ብዝከኣል መጠን ዝሰርሓቶ መዓልታዊ ጸብጻባት ንህዝቢ ከተምሓላልፍ ምስ እትበቅዕ ጥራይ ኢዩ። ግቡኣ ኢዩ እውን። እዚ እትገብሮ ዘላ ጋዜጣዊ መግለጺ እኹል ኣይመስለንን። ዝተረፋ ዘሎ ግዜ ኣፋሪቓቶ እኳ እንተኾነት፡ ጉዳይ ግሉጽነት ክትምልከቶ ዘለዋ ኣገዳሲ ስራሕ ኢዩ።
 
ምኽንያቱ፡ እንተተዓሚጻ ህዝቢ ምዃኑ ዝዘርየላ ፍሉጥ ክነሱ፡ እንተዘይኣፍለጠቶን እንተዘይገለጸትሉን ግና፡ ዘራይ ከምዘይብላ ክትፈልጥ ኣለዋ። ስለዚ ግሉጽነታ ክትጸልኦ የብላን። ሓይላ ኢዩ። ህዝቢ ወግዓዊ መግለጺታታ ክረክብ ይጽበ ኣሎ። እቲ ቃልሲ ተቓውሞ ውድባት ኣብ ቃራና መንገዱ ደው ኢሉ ኣብ ምድምዳሙ ዝጎዓዝ ዘሎ ይመስል። ብወገን እተን ተኣኪበን ዝርከባ ተቓወምቲ ውድባት፡ እታ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ተረኺባ ዘላ ብልጭታ ተስፋ፡ ነዚ ጸላም ፖለቲካዊ መድረኽ እዚ፡ ብርሃና ቐዲዳ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ብምምራሕ፡ ኣብ ሓድሽን ትስፉውን መቐይሮ ከተእትዎ፡ ወይ ከኣ ብልጭታኣ ተዳኺሙን ቅሂሙን ካልእ ዓይነት ቃልሲ ከናዲ ከተገድዶን ኣብ መወዳእታ እዚ ዋዕላ ዝፍለጥ ጉዳይ ኢዩ።

ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ (08.08.10)


[በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣዝማሪኖ ዓምዲ ትግርኛ፡ ብዋሕዲ ሃይስፒድ ኢንተርነትን ተሳታፍነት መርበብን ኣብ ዋዕላ፡ ኣብ መግለጽታትን ኣርእስትታትን ናይ ኣንበብቲ ርእይቶ ኣብ ምቕራብን፡ ዘስዓቦ ምድንጓይ ይቕረታ እናሓተትና ንኣንበብትናን ጸሓፍትን ንትዕግስቶምን ምርድኦምን ነመስግን።]

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...