እዚ ቅሉዕ ጻዋዒት’ዚ ንኩሉ ኤርትራዊ/ት ናይ ፖለቲካ ዕቁባ ብምሕታት፡ ብጽሑፍን ከምኡ'ውን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪብኩም የማናይ ኢድኩም ሓፍ ኣቢልኩም ሚሒልኩምን ጢሒልኩምን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ምንባር ፍቃድ ንዝተለገሰልኩም ኣካላት ዝምልከት እዩ።

ናይ መንበሪ ፍቃድ ድሕሪ ምርካብኩም ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ምስ ኣካላት ስርዓት ህግደፍ ብምድንጋጽን ብምትሕብባርን ኣንጻር እቲ ዝመሓልኩምሉን ናይ መንበሪ ፍቃድ ንክትረክቡ ዘክኣለኩምን ጥርዓን ብተግባር ትሰርሑ ስለዘለኹም ብሕጊ ዘሓትትን ዘጠርዝን ጉዳይ እዩሞ ተቆጠቡ ዝብል ተደጋጋሚ መልእክትታት ሰዲድናልኩም ጸማም እዝኒ ሂብኩምና፡ ሕሉፍ ሓሊፍኩምውን ከምዚ ስእሉ ኣብታሕቲ ትሪእዎ ዘለኩምሓውና፤

    ታደሰ ዑቅባዝጊ

ኣብ ቀረባ ግዜ ግሪን ካርድ ዝረኸበ ኮይኑ፡ ከብቅዕ ብዘይ ሕፍረት ስእሉ ገቲሩ ኣብ ፌስቲቫላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ቀንዲ ተዋስኣይ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። ከምዚ ናይዚ ሓውና ዝተሓባበሩ ብዙሓት ምህላዎም ጭቡጥ ሰነድ ኣሎና፡ ሕጂ ድማ ስጉምቲ ክንወስድ ኣብ መድላው ኣሎና። ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ምሽቃጥ ገበን ስለዝኾነ ድሕሪ ሕጂ ከምዘብቅዕ ክንገብሮ ኢና። እንተኾነ ካብ ህግደፍ እግርኩምን ኢድኩምን መርሓቕኩም እምበር፡ ንህግደፍ ኣምሊኽኩም ንህዝቢ ኤርትራ ክትጭፍልቁ ምሕሳብኩም ድርብ ገበን እዩ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ብእውጅ መልክዑ ካብ ጌጋኩም ከምዝተኣረምኩም ብዕሊ ብጽሑፍ ንህዝቢ ኤርትራ ይቅርታ እንተሓቲትኩም ንጉዳይኩም ፍሉይ ጠመተ ክንገብረሉ ኢና፡ ከምአመልኩም እንተድኣ ብንዕቀትን ብድዓን ሪእኩሞ ግን ተሓተቲ ናይ ዘጋጥመኩም ጸገም ባዕልኻትኩም ምኻንኩም ክትፈልጡ ይግባእ።

ሓይሊ ዕማም ዋሽንግተን ድሲ።
08/11/2010

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...