ኣዲስ ኣበባ, 1/8/2010

ነዊሕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለዉጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ዝኽፈት ድሮ ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ። እዚ ታሪኻዊ እተሰምየ ብቐዳም 31 ሓምለ ብወግዒ ዝተኸፍተ ዋዕላ፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝመጹ ልዕሊ 350 ኤርትራዉያን ይሳተፍዎ ኣለው። ገጽ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፋይ ሪኢኻ ፍስሃን፡ ሃንቀዉታን ብቐሊሉ ተንበብ። ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒን ደሞክራስን ዓቕሉ ተጸንቂቑ: ንነባሪ ፍታሕ ቆሪጹ ዝተላዕለ ይመስል። ብርግጽ ድማ ካብ ኩሉ ቀጸላታት ሕብረተሰብን ቢሄራትን ናብዚ ዋዕላ ክውሕዙ ብምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኩሉ ኤርትራዊ በዚ ስርዓት ተተንኪፉ ስሚዒቱ ጥርዚ ደይቡ ከምዘሎ የርእየካ። መሰረታዊ ፍታሕ ሽግሮም ዘናዲ ዋዕላ ክካየድ ድማ ብልዑል ሃንቀውታ ኣብ ምዝታይ ኣለው። ኣጀማምርኡ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ’ዩ ይብሉ መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ።    

ዋዕላ ቅድሚ ምጅማሩ ዝኣተዉ ኣጋይሽ በብጉጅለ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሮም ኣልዒሎም ጉጅም ክብሉ እንክትሪኦም እንከለኻ፡ ንኩቱር ሃገራዊ ፍቕሮም ሪኺኻ ትምሰጥ። ኣስላማይ ይኹን ክስታናይ፡ ወዲ ከበሳ ይኹን ቆላ ብሓደ ተሓቓቒፎም፡ ዓሚቕ ናፍቖቶም ከውጽኡ እንክትሪኦም እንቋዕ እባ ወገኖም ኮንኩ ዘየብለካ ኣይኮነን። ዝዛረብዎ ቃንቋ እተፈላለየ፡ ዘድምጽዎ ቃና ግን ሓደ ኢዩ። ‘’ኤርትራ ሓንቲ ኢያ፡ ኣይትምቀል ኣይትመቓቐል፡ ዉልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከፋፊሉ ከናቁተና ንዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ሃቐነ ፍሹል ኢዩ። ዝብል ቃና ዳርጋ ካብ ኩሎም እቶም ዘዘራረብክዎም ተሳተፍቲ ዝስማዕ ቃል ኢዩ። 

ቀዳም ንግሆ ዋዕላ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ተሳተፍቲ ዋዕላ ዕሙር ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብቲ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ብቃንቋ ዓረብን ትግርኛን እተፈላለዩ ጭርሖታት ኣስሚዖም። ውድቐት ንስርዓት ህግደፍ፡ ኢሰያስ ብጎቦ ዓርበረቡ ይጽደፍ፡ ስደት ኤርትራውያን የብቕዕ፡ መሰል ስደተኛታት ይተሓሎ፡ ህዝብና ክርህዎ ህግደፍ ነዕንዎ፡ Yes We Can, ዝብሉን ካልእን እንዳቃልሑ ኣብ ቀጽሪ እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ኮሊሎም።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ እቲ ዋዕላ ዕዱማት ወከልቲ ሰንዓ ፎርም ኣብ እተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ተኸፊቱ። ኣብቲ መኽፈቲ ኣጋጣሚ ኣቦ ወንበር ኣዳላዊት ኮሚተ ዋዕላ ኣቶ በሽር ኢሳቕ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓያለ ማሕለኻታት ሰጊሩ እዚ ዋዕላ ጭቡጥ ብምኻኑ ዝስምዖ ደስታን ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ዘለዎ ተስፋን ገሊጹ። ቀጺሉ ድማ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ምክትል ኣቦ ወንበር ኣወሃሃዲት ኮሚተ ዋዕላ፡  ስለምንታይ እዚ ዋዕላ ብኣሳእል ሓርበኛታት ኣቦታት ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣንን ወቒቡ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ኤርትራውያን ኣቦታት ኣብ ናጽነት ዝነበሮም እምነትን ሓድነቶም ንምርኣይን ብክልቲኦም እተሓርዳ ክልተ ደርሆ ሓሪዶም ብሓባር ብምብልዖም ክሳዕ ክንደይ ዓሚቕ መልእኽቲ ከምዘማሓላለፉልና ንምዝኽኻር’ዩ ኢሉ። እዚ ድማ ኣብቲ ጸልማት እዋን ክሳብ ክንደይ መራሕትና በላሕቲ ከምዝነበሩ ዘርእየና’ዩ ዉን ኢሉ ወሲኹ።

 

ቀጺሉ መግለጺ ዘስምዐ ወኪል መንግስቲ ኢትዮጽያ ኣቶ ሙኽታር ከድር ሓላፊ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኢሂወደግ ኢዩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጽያን ንስርዓት ደርግ ንምውዳቕ ኣብ ሓንቲ ጉድጋድ ተቐቢሮም ኢዮም ብምባል ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ነባሪ ምኻኑ ኣስሚርሉ። ንሱ ብተወሳኺ ኢሂወደግ ንዘኸትልሉ ፖሊቲካዊ ብድሆታት ንጎድኒ ገዲፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ክወስድ ከፍቅድ ደጊፉ፡ ዉጽኢት ረፈረንደም ድማ ብደስታ ተቐቢልዎ ኢዩ። እዚ ድማ ንኽልቲኡ ህዝብታት ዘተኣማምን ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዩ።” ክብል ገሊጹ። ኣቶ ሙኽታር ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጽያ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ዝምድና ንምድልዳል ወትሩ ደገፉ ከምዝህብ ኣረጋጊጹ። “ ሽግር ኤርትራዉያን ብኤርትራዉያን ጥራይ’ዩ ክፍታሕ ዝኽእል፡ ዝኾነ ይኹን ካልእ ሓይሊ ሽግርኩም ክፈትሓልኩም ከምዘይኮነ ተገንዘቡ። ንመንግስቲ ኤርትራ ንምውዳቕ ንእተካይድዎ ጻርታት ግን ኩሉ ግዜ ደገፍና ክንህብ ኢና።” ድማ ኢሉ ብተወሳኺ።

ኣቶ ሙኽታር መደርኡ ምስ ዛዘመ ካብ ተሳተፍቲ ዋዕላ ዱሙቕ ጣቒዒት ተገይርሉ። ቀጹሉ ድማ ካብ ተሳተፍቲ ዋዕላ “እምቢ ንኲናት ሕራይ ንሰላም ዝብል ጭርሖ ብዓውታ ኣቃሊሖም።” 

ቀጺሉ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን መግለጺኦም ኣስምዖም። ኣባ ተወልደብርሃን ብኣካል ኣብቲ ዋዕላ ክርከቡ ስለዘይከኣሉ ብወኪሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ‘’ ህዝብና ካብቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት ንላዕሊ ናታትኩም ዘይምስምማዕ ዝያዳ ከምዘሳቕዮ ብሩህ ኢዩ። ንሕና ጻዕረ ሞት ሒዙና ክንሳቐ እንከለና ንስኻትኩም ግን ብስልጣን ትቖራቆሱ ኔርኩም ክብለኩም ኢዩ።’’ ብምባል ኣተሓሳሲቦም። ኣብ መጨረሽታ ኣቶ ተወልደብርሃን፡ ‘’ ውልቃዊ ጥቕምኹም ኣወንዚፍኩም፡ ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ጭቑን ህዝቢ ብምርኣይ ኣበርቲዕኩም ክትሰርሑ ንምሕጸነኩም። ብምባል ተላብዮም። 

ድሕሪዚ ድማ ወኪል ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራን፡ ወኪል ማሕበር ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታት ኣብ ስደትን፡ ወኪል ኤውሮጳን፡ ወኪል ካናዳን ኣብቲ ኣጋጣሚ በብተራ ናይ ደገፍ መልእኽቶም ኣስሚዖም። ኩሎም ድማ እዚ ዋዕላ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ዘለዎም ትምኒት ብምግላጽ ኣብ ጎድኒ እቲ ንጭቁን ህዝብና ሓራ ንምውጻእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከምዝስለፉ ኣረዲኦም።



ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወከሉ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት’ዉን ይሳተፉ ኣለው። ካብ ቅድሚ ምጅማር ዋዕላ ኣትሒዞም ቀጻሊ ምይይጥን ምልዉዋጥ ተመኩሮን ከካይዱ ጸኒሖም። እዞም መንእሰያት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ካናዳን፡ ኣወስትራልያን ኒውዝላንድን፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮያን ዝመጹ ኪኾኑ እንከለው፡ ዳርጋ ንኩለን ቢሄራት ኤርትራ’ዉን ዝውከሉ መንእሰያት ብምኻኖም፡ ሓደ ካብቲ መሳጢ ረቓሒ ኢዩ። ገለ ካብቲ ዘልዕልዎ ዘለው ኣርእስታት ድማ ሰብኣዊ መሰል ብመንጽር ቢሄራት፡ ደርባውን ቢሄራውን ጭቖና እንከሎ ብኸመይ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድልዱል ሰረት ክንጸፍ ይኽእል። ብተወከልቲ ቤሄራት ኩናማን፡ ዓፋርን ንዘጋጥሞም ዘሎ ጭቖና ብዝርዝር ብምግልጽ፡ እቶም ካልኦት ተሳተፍቲ’ውን ኣብቲ ኣርእስቲ ርጡብ ሪኢቶታት ኣፍሲሶም።  ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ነዚ ኩሉ ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር ዘሎ እቲ ዉልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እምበር ካብ ሓደ ወገን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝመንጨወ ከምዘይኮነ ዳርጋ ኣብ ሓባራዊ መደምደምታ በጺሖም። እዞም መንእሰያት ንዝህብዎ ኣዝዮ ብሱልን፡ ንነገራት ኣመዛዚንካ ናይ ምርኣይ ብቕዓቶምን ብሩህ ተስፋ መጻኢት ኤርትራ ዘርኢ ኢዩ። መንእሰያት ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባ እንዳተዋዓዉዐ ስለዝመ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 40 ዝበጽሑ መንእሰያት ይሳተፍዎ ኣለዉ። ክሳብ ምዝዛም እዚ ዋዕላ ድማ ክቕጽል ከምዝኾነን ኣብ መወዳእታ ዉሳነታትን ለበዋታትን ዘካየድዎ ርክብ ናብቲ ዋዕላ ከምዝቐርብን እቶም  ኣወሃሃድቲ እዚ መደብ ዝኾኑ መንእሰያት ይገልጹ። 

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ዋዕላ ብዘይዝኾነ ዕንቅፋት ብዓወት ንኽዛዘም ዝገብሮ ዘሎ ዘይተቖጠበ ደገፍ፡ ኩሎም ተጋባእቲ ኣድናቖቶምን ምስጋንኦም ካብ ምግላጽ’ዉን ኣይተቖጠቡን።

ስእሊ ብሙሉጌታ ዘርኣጋብር
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...