ትማሊ እቲ ናዕቢ ብተኹሲ ድሕሪ ምብታኑን ሎም'ውን ሓደ ሓደ መንእሰያት " ተሓቲትኩም ክትምለሱ ኢኹም" ተባሂሎም ከምእተኣስሩን ዓበይቲ ግን ከምዘይተተንከፉን ምንጭታትና ገሊፆም።

ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብዝተኸስተ ናይ መንእሰያት ናዕቢ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ተኹሲ ከም ዝተሰምዐ ምንጭታት ካብታ ከተማ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።

እቲ ናዕቢ ድሕሪ ምግጣሙ ሒደት ሰዓታት ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣስመራ ተቓውሞታት ከም ዘምሰየን፡ ፓሊስ ቶኽሲ ከም ዝኸፈቱን ብምግላጽ፡ ዜጋታቱ ክጥንቀቑ ተማሒጺኑ።

እቲ ፍጻሜ ምኽሳቱ ምስተገልጸ፡ ብዙሕ ከይደንጎየ፡ ነቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ዘርእን ምኽንያት ናይቲ ናዕቢ እንታይ ምኻኑ ዘረድእ፡ መግለጺ ሓጂ ሙሳ መሓመድ፡ ፕረዚደንት ቦርድ ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላምያ፡ ቅድሚ ምእሳሮም ዘርኢ፡ ሓጺር ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርግሑ እቲ ክስተት ክውን ምንባሩ መስኪሩ።

ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑርImage copyrightGG
ናይ ምስሊ መግለጺዝተኣሰሩ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር

ኣብታ ነቲ ዝተኻየደ ናዕቢ እተርኢ ሓጻር ቪድዮ፡ ድምጺ ተኹስን ህድማ ሰባትን ብንጹር'ዩ ዝረአን ዝስማዕን። እቲ ዝተሰምዐ ተኹሲ እንታይ ዓይነት ጉድኣት ከምዝወረደ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ይኹን እምበር፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እቲ ናዕቢ ከምዘጋጠመን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዝተበተንን ኣብ ትዊተር ሓቢሩ ኣሎ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ዛዕባ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ምኒስትሪ ዜና ደዊልና እኳ እንተነበርና፡ እቲ ምኒስተር ኣብ ኣኼባ ምህላዉ ስለዝተሓበርና ምዕባለታት ክንፈልጥ ኣይከኣልናን። ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክንረኽቦ ዝሓለንና ሓበሬታ እውን ኣይተዓወተን።

ብኻልእ ወገን ግን ኣባል ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ኣስመራ ሚስተር ዲየጎ ሶሊናስ እቲ ፍጻሜ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ከምዘጋጠመን ኣብ ሓጺር ግዜ ከምዝተበተንን ሕጂ ግን ኩሉ ነገር ርጉእ ምህላዉን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብኣንጻሩ ግን እሙናት ምንጭታት፡ ሎሚ እውን ኣኽርያ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ምህላዋን ሰባት ከምዝተአስሩ ሓቢሮም።

ንምዃኑ መንቀሊ እቲ ናዕቢ እንታይ እዩ?

ኣብ መፋርቐ መስከረም ናይዚ ዓመት፡ ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላምያ ናብ መንግስቲ ክትሰጋገር ዘዋሪ መልእኽቲ ክመዝበጽሓን ኮሚተታት ወለዲ እተ ቤት ትምህርቲ፡ እዛ ቤት ትምህርቲ ብገንዘብ ህዝቢ ስለዝተሰርሐት ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ከኣ ስለዝኾነት መንግስቲ ኣይወረሳን እዩ ኢሎም ከምዝተቓወሙን ምስ ተማሃሮን ወለድን ብኣኼባ ከምእተዘራረቡን ይሕብር።

ኣብቲ ብ 15/10/2017 ዝተኻየድ ብስእልን ድምጽን ኣብ ቪድዮ ክሊፕ ዝተቐረጸ ኣኼባ ወለድን ተማሃሮን፡ እስታዝ ሓጂ ሙሳ መሓመድ፡ "እቲ ዘምጻእኩሞ ሓሳብ ኣይድግፎን እየ። ምስ ሐሳብና ዘይሰማማዕ መምርሕን ትእዛዝን ተቐባልነት ከምዘይበሉን እታ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዘፍቅዶ ስነ-ምግባርን ባህልን ክትምራሕ ከምዝግባእ ፤ እተን ተሸፊነን ዝመጽኣ ተማሃሮ ደቅና እየን፡ ኣስላም እየን፡ ዝትንክፈን የሎን። ስለዚ ንሕና ንዝኾነ ክመጽእ ዝኽእል ነገር ቅሩባት ኢና ዘለና። ምኽንያቱ ሰብ ኣብ ሃይማኖቱን ስነ-ምግባሩን ዘይከናኸንን ዘይእሰርን ዘይመውትን የሎን" ኢሎም።

ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላምያImage copyrightGG

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መግለጺኦም ከኣ እቲ ኣኼበኛ ከጣቕዓሎም ይረአን ይስማዕን። እቶም ወዲ 93 ዓመት ኣቦ ቀጺሎም፡ " እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ 2800 ተማሃሮ ኣለዉዎ። 5600 ወለዲ ተማሃሮ እውን ኣለዉ። ስለዚ፡ ንኣስታት 10ሽሕ ዝገማገም ህዝቢ ከተሕርቖን ከተቕሕሮን ኣይግባእን እዩ። እዛ ቤት ትምህርቲ ከኣ ብገንዘብና ብገንዘብ ህዘቢ እያ ተሰረሓ። ሃይማኖት ከኣ፡ ካብ ሕማቕ ከልኪሉ ናብ ጽቡቐ እዩ ዝመርሕ። ንሕና ኣስላም ኢና፡ ሃይማኖትና ብዘፍቅደልና ሸሪዓ ከኣ ኢና ንእዘዝ።" ክብሉ ነቲ ተጋባኢ ገሊጾሙሉ። ብድሕረዚ ከኣ እዮም እቶም ኣቦ ተኣሲሮም።

ማእሰርቲ እዞም ውሩይን ቅቡልን እስታዝ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑርን ግዱድ ምስግጋር እታ ቤት ትምህርቲ ስዒቡ እዩ እምበኣር እቲ ትማሊዝተኸስተ ናይ ቅሬታ ናዕቢ ተኸሲቱ ይብሉ ምንጭታትና።

እቶም ከባቢ 100 ምዃኖም ዝተሓበረ ንሰልፊ ዝወጽኡ ተማሃሮ ዲያእ ኣብ ዓቢ መስጊድ ተኣኻኺቦም "ኣቦታትና ፍትሑልና፡ ቤት ትምህርትና ክፈቱልና" ኢሎም እናጨርሑ ናብ ጎደና ሓርነት ምስ ኣምረሑ እዩ ንምብታኖም ንሰማይ ተተኪሱን ዕግርግር ስዒቡን።

ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስተረኽበ ክንሕብረኩም ኢና።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...