ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ ብቀሊል ክግታእ ዘይተኻእለ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ተላቢዑ ኣሎ።

እቲ ለበዳ ንመጀመርያ ግዜ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን፡ ካብ ከባቢ ላዕላይ ጋሽ ዝመጹ'ሞ ሕማሞም ክንጸር ስለዘይተኻእለ ናብ ባረንቱ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ጋሽባርካ ዝተላእኩ ሰባት እዩ ተራእዩ። የግዳስ ብሰንኪ ኣብ መላእ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ውድቀት ሕክምናዊ ትሕተ-ቅርጺ ኣብቲ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ እቲ ሕማም ሽሮኽ ምዃኑ ክሳብ ዝፍለጥ ኣብ ከባቢ እቲ ሆስፒታል ጀሚሩ ንሰፊሕ ከባቢታት ዞባ ጋሽ ባርካ ተላቢዑ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ዳርጋ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም እዩ፡ እቲ ሕማም ዳርጋ ናብ ሃገራዊ ለበዳ ከምዝተሰጋገረ ኣሚኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባዊ ሕክምናታት ንዝርከቡ ሓካይም ብዛዕባኡ ሓቢርዎም።

ሰኑየ-ሰሉስ ዝነበረ ዕዳጋታት ላዕላይ ጋሽ፡ ብሰንኪ ዝተራእየ ከቢድ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ካብ ከተማ ባረንቱ ጀሚርካ ክሳብ ብዙሓት ንኣሽቱ ዓድታት ዕዳጋታት ጥሪት ተዓጽዩ፡ ምንቅስቃስ ህዝብን ጥሪትን ተኸርዲኑ፡ ጽኑዕ ሓለዋን ምክትታልን ቀንዩ።

ብዛዕባዚ ንሓደ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ክፍሊ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝሰርሕ ናይ ክንክንጥዕና ( public health) ክኢላ ኣብ ዝሃበና ሓበሬታ " ኣብ ኤርትራ በብእዋኑ ከጋጥም ንዝኽእል ለበዳታት ዝቆጻጸር፡ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ምክልኻል ክፍሊ(National Epidermic Emergency Response Team) ስለዘየለ፡ ለበዳ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ብሃታሃታ ናይ ምክልኻልን ፍወሳን ክፍሊ ክሳብ ትቀውም፡ ለበዳ ናብ ምሉእ ሃገር ክላባዕ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ ይብል።

ድሮ እቲ ለበዳ ካብቲ መጀመርያ ዝተራእየሉ ከባቢታት ላዕላይ ጋሽ ሰጊሩ ናብ ዞባ ደቡብ ማለት ከባቢ ማይድማ ተላቢዑ ስለዘሎ፡ ሓንቲ ናይ ለበዳ ምቁጽጻር ጋንታ፡ ናብ ከባቢ ማይድማ ተላኢኻ ኣላ።

እቲ ሓበሬታ ብምሽፋንን፡ ብምዕፋንን ዝልለ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ልሙድ ብዛዕባዚ ለበዳ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።

ሕማም ሸሮኽ ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን ሓደ ምሉእ ጥዕና ዝውንን እኹል ሰብ፡ ኣብ ሰዓት ካብ ፍርቂሊትሮ ክሳብ ሓደሊትሮ ዝኸውን ፈሳሲ ካብ ነብሱ የጥፍእ፡ በዚ መዐቀኒ ድማ ክሳብ 10 ሚእታዊት ሚዛን ሰብነት ይጎድል። እቲ ሕሙም ብቅልጡፍ ነቲ ካብ ነብሱ ዝጠፈአ ፈሳሲ ዝትክእ ሕክምና ምስዘይረክብ ድማ ናይ ሙማት ዕድሉ ካብ 50 ክሳብ 70 ሚእታዊት ይኸውን። እዚ ኣሃዝ ንእኹላት ሰባት (adults) ኣብ ግምት ዘእተወ ኾይኑ፡ ኣብ ህጻናትን ቆልዑትን እቲ ናይ ሞት ሓደጋ ብ ዓሰርተዕጽፊ ይዓቢ፡ ነብሰጾራት ድማ በዚ ሕማም ምስ ዝጥቅዓ፡ ጸይረነኦ ዘለዋ ዕሸል ናይ 50 ሚእታዊት ናይ ሙማት ተኽእሎ ኣለዎ። ዓርቢ ሓርነት፡ ዜጋታት ካብ ለበዳ ንምክልኻል ከባብያዊ ጽሬት ክሕልዉ፡ ብከላ ንምክልኻል ኣብ ጽሬት መግብን ማይን ጥንቃቀታት ክገብር፡ ምልክታት ሕማም ሸሮኽ ዝኾኑ ከም ማይሩዝ መሰል ዘየቋርጽ ውጽኣት፡ ረሸሽታ፡ ከምኡ'ድማ ማይ መሰል ዘየቋርጽ ተምላስ ምስ ዝረኣዮም ብቅልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይመክር።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...