ድሕሪ ዘሕዝን ፍጻሜ ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኣስመራ ኣሰካፊ ዝኾነ ወረ ንፋስ ይነፍስ ኣሎ። ንሱ ከኣ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ንዝተፈላለየ ኣባላት ናይቲ ብደምህት (ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ) ዝፍለጥ ሰራዊት ኣብ ኣስመራ ግፋን ካልእ ጽጥታዊ ንጥፈታትን ከካይድ ከም ዝተራእየ ተሓቢሩ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ምርኣይ ከገድስ ኢዩ። ደምህት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓርነትን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝንቀሳቐስ ውድብ ኮይኑ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ምሉእ ደገፍ ዘለዎ ውድብ ኢዩ። እዚ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ እትዮጵያ እናሰሎኸ ኣንጻር ሰራዊት እትዮጵያ ናኣሽቱ መጥቃዕትታት ዘካይድ ውድብ፡ መዕስከራቱ መደበር ታዕሊሙን ስንቁን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ተለቪዥን ኤርትራን ረድዮን ውን ናይ ኣየር ግዜ ተሰሊዕሉ፡ ብፍሉይ ክንክን ብፕረስደንት ኢሰያስ ክኹስኮስ ዝጸንሐ ውድብ ኢዩ።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ 2001 ንፍርቂ ኣባላት መሪሕነት ናይ መንግስቲ ኤርትራን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው፡ ዓቕሚ ሰራዊት ኤርትራ ብቐጻሊ ከንቆልቁል ተራእዩ። ዓቕሚ ሰብ ናይቲ ኣብ 2001 ዝነበረ ሰራዊት ሎሚ ሓደ ርብዒ ናቱ ውን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ሞራል ሰራዊት ብቐጻሊ ዝትንክፍ ቃለ መሕትትን መግለጺታት ምውጻእን፡ ምንቁልቋል ናብራ ናይ ቤተሰብ ናይ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ዝተራእየ ናይ መግብን ከም ክዳውንቲ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ጠለባት ምስኣንን፡ ዲክታቶርያዊ ኣመራርሓ ናይ ገለ መራሕቲ ሰራዊትን ዝፈጠሮ ጸቕጥን ብድምር ምስ ካልእ ዝተፈላለየ ረቃሒታት ሰራዊት ኤርትራ ስማዊ ናብ ዝኾነሉ ደረጃ በጺሑ።

ኩነታት ሰራዊት ኤርትራ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ንናይ ጎረበብቲ ሃገራት ተቓወምቲ ኣብ ምዕጣቕን ምኹስኳስን ብዓቕሚ ኤርትራ ከቢድ ዝኾነ ወጻኢታት ኣካይዱ። ገለ ካብዞም ውድባት ንምጥቃስ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ሓርነት ውድብ ፡ ናይ ትግራይ ደምህት ፡ ናይ ሶማልያ ኣልሸባብ ኣብ ኤርትራ ምሉእ ዘይጉዱል ደገፍን ውሕስነትን ከም ዝረኽቡ ተገይሩ። ብፍላይ ምስ ሶማላውያን ውድባት ዝነበሮ ምድንጋጽ፡ ኣብ ዓይኒ ኣሜሪካን ዞባዊ ውድባትን ከም ዝኣቱ ገይርዎ። ምስኡ ስዒቡ ከኣ ፡ ኣቲ ክሳብ ሎሚ ዝጣርዓሉ እገዳ ንኽስከሞ ተገዲዱ። ወላኳ እቲ እገዳ ምስ ተነብረ ሶማላውያን መራሕቲ ውድባትን ብዓለም ለኻዊ ናይ ሽበራ ገበን ተጠርጠርቲ ከምቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዓበይቲ ሆቴላት ከም ድላዮም ካብ ምርጣጥ እንተ ተነፍጎም፡ ካብ ኢሰያስ ዝረኽብዎ ሓገዝ ብተዘዋዋሪ ኣየቋረጸን። እቲ እገዳ’ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። እቲ ዋጋ ከኣ ህዝቢ ይኸፍሎ ኣሎ።

ኩነታት ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ከምዚ እንከሎ፡ እቲ ብኢሰያስ ብፍሉይ ዝሕንቅቕ ውድብ ደምህት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክዕንትር ተራእዩ። ኣብ ደማስ ከባቢ ጋሕቴላይ ፡ እቲ ውድብ ክዕስክር እንከሎ፡ ነዚ ዝርእዩ ዝነበረኡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን መራሕቶምን ኣብ ምድንጋር ኣተዉ። እቲ ውድብ፡ ኣብ ደቡብ ምስ ዘላ ጎረቤት ሃገር ጉዳዩ። ኣብ ደማስ ካብ ኣስመራ 70 ኪሎመተር ርሒቁ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ርዱእ መልሲ ኣይተዋህበን። እቲ ካብቲ ኣብቲ ጥቕኡ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ዝሓሸ መነባብሮን ስንቅን ዝነበሮ ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ብረቱ ዓጢቑ፡ ኣብ ፈቐዶ ክዕንድር ተራእዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ውን ፡ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ኣብ መንጎ ኣባላት ኤርትራዊ ሰራዊትን ናይ ደምህት ኣባላትን ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ዝበጽሕ ምንህሃር ተራእዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት  ኣብ ፖለቲካዊ ገስጋስ ኤርትራ ኣገዳሲ ምዕባለታት መጺኡ። ፕረሲደንት ኢሰያስ ብስም መንግስትን ውድብን ዝገብሮ ዝነበረ ብዙሕ ንጥፈታት ናይ ውልቁ ምልኪ ምዃኑ ዘነጽር ብዙሕ ፍጻሜታት ተራእዩ። ድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርያ ናይዛ ዓመት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘጋጥመ ረጽሚን ዝሰዓበ ክሳራታትን፡ ብዙሕ ጉዳት ኵውጽእ ጀሚሩ። ድሕሪ ኩናት፡ ናይታ ኣብቲ ኩናት ዝተሳተፈት ክፍለሰራዊት ገምጋም ድሕሪ ምግባሩ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ናይቲ ክሳራ፡ ብሰንኪ ስእነት ባተሪ ኣድላዪ ናይ ረድዮ ርክብ ክግበር ስለዘይተኻእለ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ከኣ፡ ኣብ ርእሲ ሓዘን ናይቶም ዝተሰውኡ ኣባላት፡ ብመንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዘሎ ዘይተገዳስነት ዘርኢ ብምንባሩ፡ ንጽብሒቱ ፡ ብዙሓት ካብቲ ኣሃዱ ንኢትዮጵያ ሰሊሞም።

ብድሕሪ’ዚ ፍጻሜ ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ፡ ኩለን ኣሃዱታት ሰራዊት ካብ ኣስመራን ከባቢኣን ክርሕቃ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ብዘይካ፡ ውሑዳት ናቱ ናይ ፍሉያት ሓይልታት ከኣ ወላ’ቲ ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ዝነበሮ ጭናፍር ሰራዊት ውን ካብ ኣስመራ ሓግሒጉ ኣውጸኦ። እዚ ፍጻመ ፡ እዚ ኣብ ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ቅርሕንትን ሕቶታትን ዘለዓዓለ ፍጻመ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ፕረሲደንት ኣሰያስ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ሰራዊት፡ ንጀነራል ስብሓት ከይተረፈ ብቐጻሊ ከነኣእስን ፡ ባጀት ሰራዊት ብምዕጻው ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ብዝኸፍአ ከማህምን ተራእዩ። ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ንህዝቢን ሰራሕተኛታን መንግስትን ብሕትን  ብረት ከዕጥቕን ጀሚሩ። ብድሕርዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ንፕረሲደንት መብርሂ ክህቦም ሓቲቶም። ገለ ካብቶም ኣብዚ መብርሂ ዝሓተቱ ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ናይ 21 ጥሪ ስርሒት ዝተሳተፉ ኢዮም ነይሮም። ከም በዓል መጀር ጀነራል ፍሊጶስን መጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስን ውን ኣባላት ናይቲ ሕቶን ምዕዝምዛምን እኳ እንተነበሩ፡ ካብቲ ምንቅስቓስ ብኸመይ ተሪፎም ፡ ወይ ካልእ ውዲት ኔርዎም ኢዩ ፡ ንጹር ኣይኮነን።

ኣብ ጥሪ 21 ፡ ዝዓበየ መደብ ሒዙ ዝተበገሰ ፡ ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ጥራይ ዝደየበ ናይ ሰራዊት ምንቅስቓስ ተኻይዱ። እዚ ናይ ለውጢ ስርሒት ፡ ገለ ካብቶም ኣብቲ መደብ ዝተበገሱ እሞ እንተስ ብውዲት ፡ እንተስ ካብ መጀመርይኡ ፡ ካልእ ዕላማ ስለዝነበሮም ዘይተሓወስዎ ፡ ክዕወት ኣይተኻእለን። ብመስዋእቲ ወዲ ዓሊን፡ ድሕሪ 2001 ዝበዝሕ ምእሳር ሓለፍቲ ዝተራእየሉ ኣጋጣምን ከኣ፡ ተሪር ዝኾነ ስንብራት ገዲፉ ዝሒሉ ኣሎ።

እቲ ከም ኣብ ኩለን ከተማታትን ገጠራትን ብሓይሊ ዝዓጠቐ፡ ክሳብ ደቂ ሱሳን ሰብዓን ወለዲን ዝተፈላለየ ከቢድ ሕማም ዘለዎም ውልቀሰባትን ከይተረፎ ዝኣተውዎ ፡ ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ውድብ፡ ዕላምኡ ብንጹር ኣይተፈልጠን። ፕረሲደንት ብልሳኑ ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ቀደም ዝነበረን ዘይተርፍ ኣካል ናይ ህዝቢ ምዃኑን ገሊጹ። ኣብ ግዜ ሰላም፡ ዝኾነ ይኹን ተጻብኦ ኣብ ዘይብሉ፡ እሞ ከኣ ነቲ ዝነበረ ሰራዊት ኣሳጒግካን ኣዳኺምካን ንህዝቢ ምዕጣቕ ግን ናይ ጣቋ ከም ዘይምዃኑ ህዝቢን ሰራዊትን ብቐጻሊ ኣብ ኣኼባታት ከይተረፈ ዓው ኢሉ ተዛሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ግዜ ሳልሳይ ወራር ዝተራእየ፡ “ንዓ ዕጠቕ” ምባል ዘድልዮ ህዝቢ ኣይኮነን፡ እኳ ደኣ፡ መንግስቲ  “ንዓ ግደፍ”እናበሎም ዋኒኖምን ስድሮኦምን ገዲፎም ክንዓጥቕ ኢና ዝበሉን ዝበላን ዜጋታት ዝሓቖፈ ህዝቢ ኢዩ።

ብኣብ ከባቢ ሕምብርቲ ሓጺር ኮርስ ዝወሰዱ፡ ኮተቴ ዓለምቲ ፡ ዝተጣየሱ ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ንላዕለዎት ሓለፍትን ፡ ሰብ መዕርግ ኣባላት ሰራዊትን ፡ ጋም ማን ፡ ኣነጻጽር ፡ ኣንከባልል ኢሎም ክዕልሙ እቲ ጉዳይ ውርደት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምግባርን፡ “ምልኪ” ኢሰያስ ንምርኣይን ዝተገብረ ኢዩ ነይሩ። ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ንግሆ ንግሆ ፡ ዘብዘብ ክብሉን ምስ ደቂ ደቆም ብረት ከነጻጽሩን፡ ዕላማ ናይቲ ነገር ኣብ ልዕሊኦም ውርደትን ምሽክዕላልን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መግለጺ የብሉን።

እዚ ጉዳይ ምዕጣቕ ክጅምር ከሎ፡ መጀመርያ፡ “ጽጥታት ከባቢ ንምሕላውን” ብዝብል ካብ ምምሕዳር ዝተላእከ መጸውዒታት ኢዩ ተተግቢሩ ። ታዕሊም ተጀሚሩ፡ ህዝቢ ብረት ዓጢቑ። ዕላምኡ ንምንታይ ኢልካ እንተተሓተ፡ ንሰረቕቲ ተባሂሉ። ፖሊስ የለዉን ድዮም? ሰረቕቲ እንተረኣና ኸ ተኩስና ዲና ክንቀትሎም ? ክሳብ ክንድዚ ዝተጋነነ ናይ ገበን ኩነታት ከ ኣለና ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ኣይተዋህቦምን። ኣብታ ብብዝሒን ዓይነትን ገበን፡ ዝሓሸ ኩነታት ኣለዋ እንዳበልና ንንየተላ ከተማ፡ ክሳብ ህዝቢ ዝዓጥቀሉ እንታይ ዓይነት ገበን ኢዩ መጺኡ እንተተባህለ፡ እቲ ምኽንያት ንሱ ዘይኮነስ፡ ካልእ ዝዓበየ ተንኮል ከም ዘሎ ዘርኢ ኢዩ።

ንሓጺርታዕሊም ዝተባህለ ህዝቢ፡ ታዕሊሙ ወዲኡ ፡ ኣይተፋነወን ግን። ልክዕ ከም ምዱብ ሰራዊት ፡ ሓካይም፡ ሰብ ታክሲ ፡ ነጋዶ ፡ ጋዜጠኛታት ወዘተ ዋርድያ ክሕልዉን፡ ወሳኒ ኣገዳስነት ዘይብሉ ማእቶታዊ ስራሓትን ክጽመዱ ተገዲዶም።

ጎኒ ጎኒ እዚ፡ ቀረብ ማይን ኤለክትሪሲትን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአ፡ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልልውላው ተፈጢሩ።

ኩነታት ኣብ ከምዚ ከሎ፡ ህዝቢ ሞራሉ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ሰራዊት ኣብ ዝተዳኸመሉን ዝተጓነየሉን፡ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝኾነ በማኢት ኣሽሓት ዝቑዘር መንእሰይ ሃገር ራሕሪሑ ኣብ ፈቐዶ ስደት ኣብ ዝሰፈረሉን፡ ኮታ ኤርትራዊ ብጸቕጢ ናይቲ ንነዊሕ ዓመታት ብሜላ ብኢሰያስ ዝተሃንደሰ ውዲት ሞራሉ ኣውዲቑ፡ ከመይ ጌሩ ነብሱ ጥራይ ይድሕን ኣብ ዝሓስበሉ መድረኽ ተበጺሑ። ፍቕሪን ስኒትን፡ ካብ መሰረታዊ ኣህዱታት ስድራቤትን ጉርብትናን ጀሚሩ ንኽልሕልሕ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ጽቕጥታት ተሃንዲሶም።

ካልእ ይትረፍ ናይ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ብዘይ ጸገም ክሽፍን ዝኽእል ኣታዊ ናይ ዕደና ወርቅን ካልእ ማዕድናትን፡ ኣበይ ከም ዝኣተወ ኣይተፈልጠን። ፕረሲደንት ኣብ ማዕከናት ዜና ቀሪቡ፡ ከም ዝተወድአን፡ ቀደሙ ውን ዘይጠቅም ከም ዝነበረ፡ እኳ ደኣ ንህዝቢ ኣብ ርእሲኡ ብዕዳ ይእውዶ ምዃኑን ገሊጹ።

ኩነታት ሃገር ከምዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንእኩይ ገጽ ኣኢሰያስን፡ ናይቲ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ከጠንቅቑሉ ዝጸንሑ ፡ ኣዝዩ በሊሕን ሰራምን መደባቱ ዘርኢ ምዕባለ ተኸሲቱ።

እቶም ብዋጋ ህዝብን ሰራዊቱን፡ ብቐጻሊ ከዐንትሮም ዝጸንሐ ኣባላት ደምህት ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ብምዕስካር፡ ንከተማ ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ከበብኦም ከም ትኣቱ ጌርዋ። እዞም ሰራዊት፡ ብፕረሲደንት ብቐጥታ ዝእዘዙ ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝኾነ ስጉምቲ ንኸይውሰድን፡ ካብኡ ዝመጽእ ዝኾነ ትእዛዝ ብዘይ ንሕስያ ዘተግብሩን፡ ብባጤራ ዶላር ዝኽፈሉ ዕሱባት ኢዮም። ልክዕ ከምቲ፡ ፕረሲደንት መዓመር ኣል ቃዛፊ፡ ኣብ ኣጋ ምውዳቑ ናይ ውልቁ ብዙሕ ዝኽፈሉ ኣፍሪቃውያን ወተሃደራት ዝዓሰቦ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ውን እዚ ሜላዚ ተኸቲልዎ ኣሎ።

እዚ ስዒብና ንገልጾ ሓበሬታ ንኽትኣምንዎ ከጸግመኩም ኢዩ። ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ዘለዎ ህጽጽ ኣገዳስነት ብምስትብሃል ግን፡ ብዕቱብ ክትርእይዎ ንምሕጸን።

ፕረሲደንት ኢሰይስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከርእዮ ዝጸንሐ ናይ ዘይርጉእነት መንፈስ ብዙሕ ትንታነታት ኵወሃቦ ጸኒሑ ኢዩ። ምዝዛም ዕምረ ስልጣኑ ግዲ ተራእይዎ፡ ብዙሕ ዘደንጹ ስጉምትታት ኵወስድ ተራእዩ። እብ ዝሓለፈ ወርሒዝገበሮ ህጽጽ ዕጹው ኣኼባ ብዘይ ሕብእብእ፡ ነቶም ምስኡ ተሪፎም ዘለው ግን ዘይኣምኖም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን’ውን ንስልጣኑ ክትንክፍ ንዝብገስ ዝኾነ ምንቅስቓስ ወይ ሰብ ክሕምሽሽ ምዃኑ ብነድሪ ገሊጽሎም። ዕላማ ህዝባዊ ምዕጣቕ ኣስመራ ናብ ሞቓድሾ ንምቕያር  ምዃኑ፡ መንእሰይ ኤርትራ ሃገር ከድሕነሉ ኣብ ዘይክእል ቦታ ከም ዘሳጎጎን፡ ነቶም ሰብኡት ዝብሎም መጋልድልቱ ከም ዘጥፍኦምን እቶም ምስኡ ተሪፎም ዘለዉ ከም ሰብኡት ከም ዘይቆጽሮምን ኣጉባዕቢዕሎም። ብሓጺሩ፡ ብድሕሪኡ፡ እዛ ሃገር ኣብ ጸልማት ከም ትኣቱ ኢዩ ኣጠንቂቑ።

እዚ ሓበሬታ’ዚ ንምእማኑ ዘሸግር ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን። ክዝረበሉ ኣለዎ ዶ የብሉን? ዝብል’ውን ብዙሕ ክትዕ ኣካይድና? ኣባላት ደምህት ብረት ዓጢቖም ኣብ ማእከል እታ ደምና ዘፍሰስናላ ርእሰከተማ ኣስመራ ክድብሉን፡ መንእሰያት ደቅና ክገፉን ምስ ረኣና ግን፡ እዚ ብህጹጽ ኩሉ ህዝቢ ክፈልጦ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ወሲንና።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ብፍላይ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን ተጋደልትን፡ “ሃገር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ፡ ብዘይ ሕብእብእ ትዝመት ኣላ”፡ “ተበራበሩ!” ንብል። ዝተጋደልናሉ ዕላማ ተጨውዩ፡ ሃገር ንውልቃዊ ዕላማ ናይቲ ብጻይና ዝመሰለና ሰብ ትውዕል ኣላ። ዋጋ ናይዚ ተጀሚሩ ዘሎ መድረኽ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ፡ ንኤርትራዊ መንነትን ልኡላውነትን ኣብ ሓደገኛ መስመር ዝእቱ ከቢድ ጉዳይ ብምዃኑ፡ ጻውዒትና ንኹሉ ሰራዊት ኤርትራን መሪሕነቱን ነመሓላልፍ።

 

ዓወት ንሓፋሽ!

ካብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ

ኣስመራ 27 / 10/ 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...