ደምዳሚ መግለጺ ካላኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ግንባር

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

 

ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እቲ ካብ ዝተመደበሉ እዋን ደንጉዩ ዝተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 13-16 ጥሪ 2011 ኣብ ኢትዮጽያን ሺወደንን ብዓወት ኣሰላሲሉ፡፡ ኣብዚ ኣኼባኡ’ዚ  ባይቶና ብመሰረት’ቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ ዓበይቲ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያትን ውሽጣዊ ውድባዊ ኩነታትን ብኹሉ መዳያቱ  መርሚሩን ኣጽኒዑን ብኡ ደረጃ ከኣ መፍትሒታት ንምድላይ ዝኣመተ ሰፊሕ ክትዓት ብምክያድ ውድብና ኣብ ጎድኒ ኩለን ውድባት ተቃውሞ ኤርትራን በርገሳውያን ማሕበራትን ባሕሪያዊ ቦትኡ ወሲዱ ታሪኻዊ እጃሙ ክጻወት ዘብቅዖ ውሳኔታት ኣጽዲቁ፡፡

ከምኡውን  ባይቶና እኩብ ድምር ናይ ዲክታቶራዊ ስርዓት (ህግደፍ) ምምሕዳራዊ ሳዕቤናቱ ንሃገርና ናብ ዕንወትን ብኡ ኣቢሉ ከኣ  ናብ ገምገም ፍሹል ሃገር ኣብጺሕዋ ኣብ ዘሎ እዋንን፡ ጸረ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ልምዓትን ቅሳነትን ሰላምን ዝኾነ ምልካዊ መርሆኡ ብትምክሕትን ድርቅናን ኣብ ዝቅጽለሉን ኣዋን እዩ ተኻይዱ፡፡  እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ከኣ እዚ ንህዝብናን ንሃገርናን ንሓደጋታት ዘሳጥሕ ኩነታት  ብናሀሪ እናኣንቆልቐለን ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ንምእላይ ኣብ ክንዲ ዝጽዕር፡ ስርዓት ህግደፍ ድሕረይ ሰዕሪ ኣይብቆላ ካብ ዝብል ዘንባዕ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳሰባ ነቂሉ ኢዱ ዓጺፉ ምዕዛብ ጥራይ ዘይኮነ ከም ወትሩ ንሓፈሻዊ ርእይቶ ህዝብና ንምድንጋርን ተዶጊሉ ዘሎ ተቃውሞ ህዝብና ከይልዓልን ከይባራዕን ተዋስኦታቱ ምቅጻል ኣዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኩሎም ሓይልታት ተቃውሞን በርገሳዊ ማሕበራትን ንህጹጽ ናይ ሃገር ምድሓን ዕማም ምእንቲ ብብቅዓት ክምክቱ ዓቅምታቶም ኣብ ክሊ ሓደ ስሙር ናይ ቃልሲ እስትራትጂ ክጥርነፉ ካብ ዝሓለፈ እዋን ንላዕሊ መድረኽ ይጠልቦም፡፡

ነዚ መንቀሊ ብምግባር ባይቶና ዝሓለፈ ሓጺር ናይ ኣመራርሓ ተመክርኡ ብነቐፌታ ድሕሪ ምግምጋም ኣብ መጻኢ ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ ኩሉ ነቲ ኣብ መስረሕ ጉዕዞ ናይ ስራሕ ዝተረአ ሕጽረታትን ጉድልታትን ንምውጋድ ክሰርሕ ምኽኑ ኣርጋጊጹ፡፡ ካብዚ መንፈስ’ዚ ብምብጋስን፡ ብክፉት ልቦና ኣእምሮን  ባይቶ መድርኻዊ መደባትን ኣብ ተግባር ንምውዓሉ ዝሕግዝ ኣገባብ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቀሚጡ፡፡

ውድባዊ ኣድማዕነት ኣብ ኩሉ መደያት ንምምዕባል ዝበለጸ ኣገባብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምትእትታው ምኻኑ ብምግንዛብ ባይቶና ነቲ ኣብ መስረሕ ጉዕዞ ስራሓትና ዝተረአ ሕጽረታትን ጉድልታትን ንምውጋድ ዘብቐዓና ኣብ መስርሕ ዝሓለፈ ጉዕዞና ንተራና ንምልማስ ክፈታተነና ዝጸንሐ ውሽጣዊ ጸገማት ኣሊና ኩሉ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቅምታትና ኣብ ኣድማዕነት ተራ ውድብና ብብቅዓት ክነዋፍርን ክንጸምድን ዘኽእለና፡ ኣቶ ኣሕመድ ኢብራሂም (ስክረተር) ኣቦ-ወንበር ባይቶ፡ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ኣቦ-ወንበር ፈጻሚ ኣካልን ከምኡ ውን ንዝተረፈ ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ኣካል ዘጠቃልል መሰረታዊ ናይ ኣመራርሓ ምቅይያራት ብምግባር  ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ሓድነት ማእከል ዝገበረ ዝተማለአ መደባት ሰሪዑ ኣሎ፡፡

ባይቶና ኩለን ውድባትን ፓርትታት ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ነቲ ኩሉ ዝውንናኦ ስብኣውን ንያታውን ዓቅምታት ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ኣስትራትጂ ማለት  ብመሰርት ስልታዊ ሓድነታዊ እማመ ኣብ  ዝተሓተ ናይ ስምምዕ ፕሮግራም  ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ብምጥርናፍ ወይ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ስምምዕ ዝተመርኮሰ ስሙር እስትራትጅካዊ ግንባር ንምጥርናፍ ይጽውዕ፡፡ ነዚ ተረድኦ እዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ባይቶና ዝኾነ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤዴኪ) ኣባልነት ብወግዒ ዝጠለበ ውድብ ናይ ኣባል ምኻን መሰሉ ሕልው ክኸውን ይርኢ፡፡  ኣብዚ መዳይዚ ማእከላይ ባይቶ እቲ ካብ ባሕርያዊ ኣባልነትና ኣብ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝገለለና ውሳኔ ፈጻሚ ኣካል ኪዳን ሕጋውን ስርዒታውን መሰረት ዘይብሉ ግጉይ መርገጽ ምንባሩ ይኣምን፡ ንቐጻሊ እውን ኣባልንትና ኣብ ኪዳን ክንመልስ ከይተሓለለ ክጽዕር ምኽኑ የረጋግጽ፡፡

ባይቶና ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ ከም ሓደ ልሉይ ተረኽቦ ኣብ ተጋድሎ ሓይልታት ተቃውሞ ምኻኑ መዚኑ፡ በቲ ካብኡ ዝወጸ ኣገዳሲ ውሳኔታት ብፍላይ ከኣ ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ዝርከብ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሰያዊ ለውጢ ንምዕዋት ምእዙዘንቱ እናኣረጋገጸ፡  ንምዕዋቱ ዘድሊ ኩሉ ናይ ዓወት ረቓሒታት ንምውህላል ምስ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ብምትሕብባር ክቃልስ ምኽኑ ይእውጅ፡፡

ኣብ መደምደምታ ባይቶና ንኩሎም እቶም ንኣኼና ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን ከይግበር ክሰናኽሉና ዝጸነሑ ዕንቅፋታት ንምስጋርን ኣኼባና ዕዉት ክኸውንን ዝሓገዙና ኣካላት ኩሎም ብልቢ የመስግን፡፡ ከምኡውን  ባይቶና ነቲ ህዝብና ኣብ ሃገሩ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ወትሩ ደገፋቶም ዘቅረቡልና ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጽያን ሰንዓ ፎርምን ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርትታትን  መንግስታውን ዘይመንግስታውን ውድባትን የሞጉስ፡፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ከም ዕድል ብምውሳድ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ቢኒ ዓሊ ዘውደቐ ሰላማዊ ምልዕዓል ጅግና ህዝቢ ቱኒዝያ ደረት ዘይብሉ ደገፍ የቕርብን ሙሉእ ዓወት ይምነየሉን፡፡

     

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማኣከላይ ባይቶ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

  16 ጥሪ 2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...