ወከልቲ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያ ለዉጢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይውሕዙ
ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ክግበረሉ ዝጸንሐ ሰፊሕ ምድላዋት ብምጽፋፉ ካብ መላእ ዓለም፡ ወከልቲ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጋዜጠኛታት ፡ ጸሓፍትን፡ ስነ-ጥበኛታትን ወከልቲ ማዓስከር ስደተኛታት፡ ማሕበር መንእሰያትን ደቀኣንስትዮን፡ ዉልቀሰባትን ወከልቲ ማዕከናት ዜናን፡ ከምኡ እዉን ኣብ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዝርከባ ዉድባትን፡ ካብ ኣባልነት ኪዳን 10 ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ድማ 18 ፖሊቲካዉያን ዉዱባትን ብወከልተን ኣቢለን ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዕለት 27 ሓምለ ጀሚረን ብተኸታታሊ ይዉሕዙ ኣሎዉ። እዚ ዋዕላ ቀዳም 31 ሓምለ ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልታት መመላእታ ጽዑቕ ክትዓት ኣብ እተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ከካይድ ትጽቢት ይግበረሉ። ዛጊት ነዚ ዋዕላዚ ዜናዊ ሽፋን ንምግባር ወከልቲ እተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ውን ድሮ ኣትዮም ይርከቡ። ገለ ካብ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢከምኡ’ውን ብዘይካ እቶም ብወለንቶኦም ንስራሓት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንምስላጥ ኣቐዲሞም ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ብርክት ዝበሉ ምያዉያን፡ ዛጊት ጥራይ ልዕሊ ሰለስተ ሲሶ ካብ ጠቕላላ ተሳተፍቲ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣሎዉ።
ሓሙስ ምሸት ካብ ኣመሪካን ካናዳን ዝመጹ ሓያለ ደቀንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ 40 ተሳተፍቲ’ዉን ኣትዮም ኣለዉ።ዝተረፉ ተሳተፍቲ ዋዕላ ድማ ኣብ ዝተመደበሎም ቦታ ክርከቡ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ በዚ ዘሎ ሃዋህው ዕዉት ዝኾነ ዋዕላ ኪካየድ ዘሎ ተኽእሎታት ልዑል ይመስል።
እዚ ዋዕላ እዚ ንኩሉ ቀጸላታት ሕብርተሰብ ኤርትራ ዘሳተፈ ብምኻኑ ድማ ብዓይነቱ ፍሉይ ይገብሮ። ብገለ ማዕከናት ዜና ዝተዘረበ ንዘይምዑርይ ተሳትፎ እዚ ዋዕላ ዝምልከት ነቀፌታ ድማ ” ምንጪ እቲ ሓበሬታ ካባይ ምኻኑ ኣይፈልጥን፡ እቲ ሓቂ ግን ምዑሩይ ቁጽሪ ካብ ክልቲኡ ቐጸላታት ኢዮም ዝሳተፍዎ ዘለዉ።” ኪብል ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ምክትል ኣቦ ወንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ገሊጹ።
መሓሪ ኣብራሃም
ካብ ጉጅለ ሜዲያ ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ
29-30 ሓምለ 2010
ኣዲስ ኣበባ

