መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብ2009ን መፈለምታ 2010ን ስራሕ በዚሕዎም ነይሩ። ካብ ዙሑል ማይ ሓሊፉ ንዲሲ ዘቋረረ በረድ ይደፈኣሎም ግዲ ኢሉ ሳምንታት ኣይጸንሐን፣ ናይ ቀንዲ ተዋሳኣይ ህ.ግ.ደ.ፋ.ዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት፣ የማነ ገብረኣብ ንብረት ንኽድስክል ተኣዚዙ።

ብዕለት ሚያዝያ 6፣ 2010 ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ከምዝወጸን ኣብ መርበባቶም ከምዝገለጽዎን፣ ኣብ ትሕቲ “ህዝባዊ ግንባር 40 ዓመት መሪሕ ስነ-ሓሳብን ግብርን” ዝብል ቴማ ኣብ በርሊን 6ይ ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣካይዶም። ንፍትሕን ደሞክራስንክ? እዘን ኩል ግዜ ዝጥቀሙለን ቃላት ኣብዚ ፈጺሞም ረሶዖመን ቀንዮም። “ፍሮይድያን ስሊፕ” ይብሉ ፈረንጂ።  

ስምን ቁጽርን እንታይ ኢዩ ዝብል ሕቶ ክመጽእ ይኽእል። መርበብ ኣዝማሪኖ ብዛዕባ 40 ዓመት፣ ተቖጻጻርነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ ብምትኳር ጽሑፋት፣ ዋዛ፣ ቪድዮን ኣቕሪቡ ኔሩ። ብድሕር’ዚ ህ.ግ.ደ.ፍ. ነታ “40” ትብል “ወሲዶማ”። “ገመል፣ ስለምንታይ ትንነዊ? ኣመል”።

እቲ ካብ ሃይለ ሰላሰ ዩኒቨርስቲ ወጺኡ፣ ብ1960ታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዘተኣታተዎ ዓይነት ተግባራት፣ ተጻባኣይ ኢሉ ናይ ዝግምቶ ሓይሊ፣ ባእታ፣ ሰብ፣ ጉጅለ፣ ሃገር፣ ወዘተ. ዝኾነ ነገር “ምምንጣልን” ናብ ናቱ ጥቕሚ ንኽውዕል ምፍታን ኢዩ። ስለዚ ሎሚ “40 ዓመት” ትማሊ “ነጻነት” “ፍትሒ” “ሓርነት” “ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ” ኢሉ ኢዩ ኣብዚ በጺሑ። ስነ ምግባር ዘይምህላዉ ፈጺሙ ዘብርህ ነታ ሓንትን እንኮን ግፍዐኛ “ግንባሩ” ህዝባዊ ግንባር ን”ደሞክራስን ፍትሕን” ኢሉ ምስማዩ ኢዩ።

ኤርትራ ፕሮፋይል ብዛዕባ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝወጸ ብመንሱር ኑረዲን ክጸሓፍ እንከሎ እቲ ናይ የማነ ስም ናብ የማን* ተለዊጡ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ብትግርኛ “ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ዝረጋገጽ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ብሞያ፣ ትምህርትን ድሲፕሊንን ምስ ዝሕይሉ ምዃኑ” ይብል። ብእንግሊዝ ድማ “Equipping Eritrean youth both inside and outside the country with skills, knowledge and discipline is vital for securing national interests”.

እንታይ ማለት እዩ? ናይ መን ሃገራዊ ረብሓ ኢዮም እዞም መንእሰያት ከሕይሉ ዝምደብ ዘሎ? ሰብ ብሰብ እዩ ዝግዛእን ዝመሓደርን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ። ዳርጋ ኣብ 4ይ ትውልዲ (ካብ 1993 ጀሚሮም “ዙራ ሃገርካ” ብዝብል መጸዋዕታ ዝዕደሙን ዘለዉን ኣብ ነንሓሰ ዝኽዱን ኣይንረስዕ) በጺሖም ዘለዉ ሰባት እዮም እዚኦም።

እስኪ ብ2009ን ብ2010ን መንእሰያት  ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮሙኒስታዊ ጭርሖታትን ንርአ።

ሰሜን ኣሜሪካ፤
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.

መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብጥቅምቲ 20 2010 ሓድሽ መጽሔት “መሪሕ” ኣውጺኦም። ነዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘውጽአ፣ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ መንእሰያት ኣወሃሃድን ወድባዊ ጉዳያት ሓላፊ ዳዊት ሃይለ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ መግለጺኡ ንንያት ተስፋዝግን ኣድያም ተኸስተን ኣመስጊኑ። ጭርሖ “ሓያልን ልዑል ንቕሓትን ሃገራዊ ዝኾነ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ምህናጽ” ይብል። ናይ ኣየነይቲ ሃገር “ሃገራዊ”? ዝብል ሕቶ ይለዓል።

ኣብ ዋሸንግተን ዝርከቡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓድሽ ዓመት በዓል ኣብ ዳብል ትሪ ሆተል ኣካይዶም። ኣብዚ ሆተል እዚ ሶፍያ፣ ኢብራሂም፣ ተወልደ፣ ፍረወይኒን ዘርኣይ ሃይለን ዝርከብዎም ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ብመስከረም 26፡ 2001 ብኣምባሳደራት ሃይለ መንቆርዮስ፣ ሕብረት በርሀን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ዝተጀመረ ኣኼባ ፋሕ ዘበሉሉ ቦታ እዩ። ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. “ተልእኾና ተዓዊቱ” እናጨርሑ ናብ 600 ለ ቤት ጽሕፈት ክምለሱ እንከለዉ፣ መርበብ ኣዝማሪኖ ንመፈለምታ “ብረኪንግ ዜና” ብዝብል ነቲ ፍጻመ ንዓለም ኣቃሊዓቶ። 

መንእስያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዋሺንግተን ዲሲ ንቕሓት በብሓንቲ ከተማ ብዝብል ተማ መሰረት፣ ኣባል ኤምባሲ ኤርትራ ብርሃነ ገብረሂወት ሰሎሞን ታሪኽ ኤርትራ ኣምሂሩ።

ሚንያፖሊስ - ሚኒሶታ፤
መንእስያት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ብግዜ ልደት ንህጻናት መጻወቲ ዝኸውን ወፈያን ብታንክስ ጊቪንግ ትልሂት ኣካይዶም። ቀደም ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ ሎሚ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝገብርዎ ንጥፈታት ብ”መዓራዊ ቃላትን”ን ብ”ሕግን” ዝተሸፈነ ኢዩ። ሃገራዊ ስሚዒትን ናፍቖት ስድራን እናመዝመዙ ንብዙሕ ዓመታት ኣታሊሎም ኢዮም። ንኣብነት ካብዞም ኣብ ሚኒሶታ ዝርከቡ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጓል ዘርኣይ ሃይለ ኣላ። እዚኣ ነታ ብ2001 ብኣባላት ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተወሲዳ ዝተሸርበትን ድሃይ ዘይብላን፣ ብ1970ታት ንኽትጋደል ካብ ኣሜሪካ ዝኸደት መርየም ሓጎስ ሓንቲ ጓላ እያ ማለት እዩ። ናይ ሚኒሶታ ህ.ግ.ደ.ፋዊ ጉዳያት ብጆን ገብረታትዮስ ዝበሃል ኢዩ መግለጽታቱ ዘውጽእ።

ደንቨር - ኮሎራዶ፤
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. (ኣስማት የብሉን መግለጽታቶም በቲ ቁሩብ ዝረኣናዮ)

መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ደንቨር ብጥቅምቲ 9፣ 2009 መደረ እተካይድ ጋሻን ደረፍቲ “ቆርጫጭ”ን በኺታ ዓሊን ዝርከብዎ በዓል ኣካይዱ። ብጥቅምቲ 21 ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ በዓል ብምንኣድ ሓደ ካብቲ “ናይዚ በዓል ዓወት በቲ ዝረኸቦ ደገፍ ክምጠን ይከኣል። ኣብ ውሽጢ ከተማ ደንቨር ዝርከብ ምፍልላይን ብድሆታትን ዝርከባ ከተማ፣ ዝተፈላለዩ ኣባላት ሕብረተ ሰብ ኣብ ትሕቲ ክልተ ኣርእስታት ማለት ሃገራውነትን (ንሃገርካ ብምድጋፍን ከምኡ እውን ሃገራዊ ባህልኻ ልዕሊ ኩሉ ነገር)ን ሓርበኝነትን ከሳትፍ ኪኢሉ ኣሎ” ይብል። ቪድዮ ናይዚ በዓል እንሆ። ኣብ ኣሜሪካን በዚ ሎምን። ባዕልኹም ፍረዱ። ብእንግሊዝ …..”united under two key themes, nationalism (support of one's country and/or national culture above other things) and patriotism (love of and/or devotion to country).”

ኣትላንታ ጆርጅያ፤
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ጋዜጣዊ መግለጺ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣትላንታ፣ ብቢንያም ተስፋልደት ዝተባህለ እዩ ተላኢኹ። እዚኦም እውን ኣብ ደንቨር ብዝነበሩ ክልተ ደርፍቲ ዝተሰነየ በዓል ብጥቅምቲ 19፣ 2009 ኣካይዶም። ኣብዚ ተረኽቦ ኤርትራዊ ማሕበረ ኮም ጆርጅያ ናብ ኤርትራ (ንኽነብሩ) ንዝኸዱ ሰባት 20 ነጻ ቲኬት ሃቡ። እዚ በዓል እዚ ቀንዲ ዘድሃበሉ ጉዳይ ዓንዲ ናይ “ሃገራዊ ውህደት” ዝብል ነይሩ። ናይ ኣየነይቲ ሃገር ውህደት? ብእንግሊዝ እንሆ ቨርበቲም “..YPFDJ’pillars “National Harmony”.

ኒው ዮርክ
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ኣክሽን ደይ ኣካይዶም። “ኣብ ኒው ዮርክ ዝምቕማጦም ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኣምባሳደርነቶም ንመንግስቶም ኣርእዮም” ይብል እዚ መግለጺ። ብ”ወትሩ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዓወት ንሓፋሽ” ብምባል ይድምድም። እቲ መግለጺ ብቦርዶሊ ክፍላይ ዝተባህለ እዩ ተዘርጊሑ። ብተወሳኺ ኣብ ናይ ሓድሽ ዓመት በዓሎም ንናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዓዲሞም።

ዳላስ-ተክሳስ
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ዶክተር ጊድዮን ኣባይ ኣስመሮም ብዕለት 6, 2010 ኣብ ዳላስ ተክሳስ ተሳቲፉ። ኣብ ኣሜሪካ ዝግበር ናይ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.ጉዳይ እዩ ዝኸይድን ዝዛረብን። ናይ ደቡባዊ ምብራቕ (ዞባታት ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ) ወረዳ ዝተገብረ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሪትሪት ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትርዮ ኤርትራ ማለት ሃ.ማ.ደ.ኤ. NUEW ስለዝነበሩ ይብል እቲ መግለጺ ባና ዘርኡ ብዛዕባ ኩሚዩኒቲ ሳምራዊት ብርሃነ ድማ ብዛዕባ ዎርክሾብ ተዛሪበን።


ቶሮንቶ-ካናዳ።
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ኣብቲ ጉዳዮም “ንሕተት ንሕቶ” ብዝብል ተማ ምስ ፍናን ደስታ ቃለ መሕትት ኣካይዶምን ኣብ መርበቦም ኣውጺእምዎን። ካብቲ ሕቶታትን መልስታትን ገለ ገለ፤
ሕቶ፡ “YPFDJ Media - You are handling political affairs and research of your chapter; this is a very important area of work for YPFDJ to make sure our history, culture and values are passed on to this generation, how is YPFDJ doing in this regard and how is the role of PFDJ members and officials?”
መልሲ፡”Fnan - Although we are making encouraging progress, politics is still a taboo to many youth. Some choose to define it narrowly as a divisive thing and fear getting into discussions about it. The task of raising awareness is difficult and cannot be completed in a day and our leadership is aware of this. Our task has been to encourage discussion and debate. We have the full support of the local PFDJ both at the local and national level. Our local PFDJ teams work with us on organizing events and have been vital for the development of the YPFDJ in Toronto.”
ሕቶ፡ “YPFDJ Media - What were the biggest highlights of the conference for you?”
መልሲ፡ “Fnan -………………..Whether it was a book drive to send books to fill the shelves of Eritrea ’s schools and libraries or money being sent to support the martyrs’ trust fund, I was assured that there had been a smooth transfer of responsibility from one generation to another.” ባዕልኹም ፍረዱ። እንተዘይተተርጎመ ይሓይሽ።

ኤውሮጳ። ጀነቫ - ስዊስ
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ካብ ጥቅምቲ 9-10፡ 2010 Trainer (TOT) ዝብል ኣካይዶም። ኣብ ዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ “ካብ ስዊስ፣ ኖርወይ፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ደንማርክ፣ ዓዲ ጥልያን፣ ፈረንሳን ጀርመንን ዝመጹ ካብ 60 ንላዕሊ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምዝነበሩን፣ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ምንቅስቓስ መንእሰያት ተራእዩ ብዘይፍለጥ ኣገባብ ከምዝተኣክቡ ገሊጹ። እቲ ኣኼባ ብሻርዠ ድኣፈር (Charge d’Affaire) ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣቶ በረኸት ወልደዮውሃንስ ኣብ ስዊስ ተኸፊቱ። ኣቶ በረኸት ወልደዮውሃንስ፣ “መንእሰያት ኤርትራ ብዘይ ድፊኢት ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ሃገራዊ ግቡኦም ንኸበርክቱ ምምጽኦም ኣብ መፈጸምታ ንኽበጽሕ ዘለዎ ትምኒት” ገሊጹ። ኣቶ ስለሺ ኢድሪስ፣ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ወኪል ኣብ ስዊስ ድማ ነቶም ተሳተፍቲ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ ዕውት ሰሚናርን ዝደልዩዎ ዕላማ ንኽበጽሕዎ ዘለዎ ተስፋ ገለጹ። ብድሕሪ’ዚ ኣቦ መንበር መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣቶ ቴድሮስ ጎይትኦም ነቲ እኬባ ከፊቱዎ። ቀንዲ ኣጋይሽ ናይዚ ኣኼባ ዶክተር ተስፋይ ኣርዓዶምን ኣቶ ዳንኤል ገዛኢ ነይሮም።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ኣብቲ ጠውቑ ምባል ሎምስ ዘድሊ ኣይመስለናን።
ለባማት ኣንበብቲ ኣለዉና፣ ኣለዋና። ንኺድ ጥራይ.....ምፍላጥ ዝመስልዎ የልቦን። 

ጀርመን፡
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ጀርመን ናይ ደረፍቲ ውራይ ስፖንስር ጌሮም። እቲ መግለጺ ብሓድሽ ጎይትኦም እዩ ተላኢኹ።

ኦስሎ-ኖርወይ
መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ.
ብታሕሳስ 4፣ 2009 ዝተኻየደ መፈለምታ “ብድሆ” ናይ ደርፊ ምሽት ብተድሮስ ያሬድ ምክትል ኣቦ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተኺፊቱ። ብድሕሪ ዝክረ ሰማእታትን ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ፣ ኣደ መንበር መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኦስሎ ስምረት ኪዳነ ተዛሪባ። ብድሕሪ’ዚ ተኽለ መንግስቱ፣ Head of Public & Community Affairs ኤምባሲ ኤርትራ ሽወደን፣ ኣገዳስነት ምንቅስቓስ መንእሰያትን ተርኦም ኣብ ኤርትራን ስደትን ጠቒሱ።

ኣብዚ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሙዚቃ ጉጅለ ነቶም ተሳተፍቲ ከዘናግዑ መጺኦም ነይሮም። ዘይተሓስበ ዝመጸ ውሩይ ጋሻ ኮመዲ “ሳንድያጎ” ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ኣለዎ። ሓዳስ ኤርትራ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. መንግስቲ ልሳን ክትከውን እንከላ ነጻ ጋዜጣታት ኣብቲ ሃገር የለዋን። ኣብ ኤርትራ ብህ.ግ.ደ.ፍ. ዝምወልን ዝካየድን ኣብ ወጻኢ ሃገራት እናዞረ መዘናግዒ ዘካይድ ፍሉይ ጉጅለ ባህሊ ኣሎ። እዚ ጉጅለ እዚ እዩ ኸኣ ኣብዚ ናይ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከዘናግዕ ዝቐነየ።

ስካንዲነቭያ
መንእስያት ህ.ግ.ደ.ፍ.
ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ዝኾኑ ተኽለ መንግስቱን ተድሮስ ጎይትኦምን ኣብዚ ናይ መንእስያት ህ.ግ.ደ.ፍ. መኽፈቲ ኣስሚዖም።

ዓዲ እንግሊዝ
መንእስያት ህ.ግ.ደ.ፍ.

መጋቢት 8 መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብምውህሃድ በዓል ተኻይዱ። ኣብዚ እውን ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንተሳተፍቲ ኣዘናጊዖም። ካልእ፤ ብዛዕባ ዋንነትን መጻኢ ዕድል ምውሳን ተኽእሎ ኣብ ትሕቲ ዝብል ተማ፣ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኣባላት መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣኼባ ኣካይዶም። መደረ ዝኸፈተ ዳንኤል ብርሃነ ክኸውን እንከሎ፣ ብስራት ዘርእዝግን ዮዲት ተኸስተ ድማ ሕሉፍ መደረ ዶክተር ተስፋይ ኣርዓዶም ምርኲስ ብምግባር “ብዛዕባ መሪሕነት..” ኣስተምህሮ ኣስሚዐን። ቀንዲ ተንቀሳቓሳይ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሲራክ ባህልቢ፣ ሕሉፍ መደረ ዳንኤል ገዛኢ ምርኲስ ብምግባር ንሱ’ውን ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብዚ ጉዳይ፣ ኣምባሳድር ኤርትራ ተስፋሚኪኤል ገራህቱን ሓላፊት ህዝባዊ ጉዳያት ሓረጉ ተስፋማርያምን፣ ተሳቲፎምን ኣምባሳደር ዘረባ ኣስሚዑን። ሲራክ ባህልቢ ክነብር ናብ ኤርትራ ከይዱ ኣሎ ይብሃል።

 

እዚ ኢዩ ዓቕሚ ናይ ኣቕረብቲ ንግዜኡ። ደሞክራሲ ኽመጽእ ዝቃለስ እየ ዝብል ጸላእቱን ተጻባእቱን ዝገብርዎ እንትድኣ ዘይፈሊጡ ከመይ ጌሩ እዩ ኣብ ሽቶኡ ክበጽሕ ዝኽእል? መልሲ ፍልጠት ጥራሕ እዩ። ነፍስ ወከፍ ደሞክራሲያዊ ካብ ነብሱ እዩ ዝመሓደር ዘሎ። ካብ ኣፍሪቃ ዝመጽእ ሓገዝ የብሉን። ካብዚ ዝሓይሽ እንተደኣ ኣለኩም፣ ሃየ እንሆ ፈረስ እንሆ ግልጎል......

*ፎነቲክ ዝኾነ ኣጸሓሕፋ ግዕዝ ንኣስማት ከተጋጊ ብዙዕ ዕድል ኣይህብን ኢዩ። ጽሑፍ ላቲን ግን ኮምፕዩተራት ሓንቲ ፊደል እኳ እንተተቐይራ ካልእ ሰብ እዩ ዝመስለን። ነዚ ንምንጻር እዩ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...