ጸሓፊት “ኣጂፕ” ኣብ ጎደና 22

መብራት ክፍሎም፣ ተጋዳሊት ነበር (መጣየሲ ትርከብ ኣይትርከብ ኣይተጻረየን)፣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብቲ ብ”ጎደና 22” ዝፍለጥ ለካቲት 22፣ 2010 ዝተገብረ ናይ ዋሺንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፋ። 

ናይ መንግስቲ ስራሕተኛ፣ መብራት ክፍሎም፣ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ግንቦት 24፣ 1991 ብ”ኣጂፕ” ዝፍለጥ መደበር ፖሊስ ዋና ኸተማ ኣስመራ ከም ተራ ጸሓፊት ኮይና ትሰርሕ ከምዝነበረት ስለዝሕበር፣ ብዛዕባ እሱራት ዓሚቝን ዝርዝራዊን ኣፍልጦ ኣለዋ ይበሃል።

ብለካቲት 22፣ 2010 ኣብ ጎድኒ ፋሽስታዊን ስድነታዊ ስርዓት ኢሳያስ ደው ብምባል፣ እዞም ኣብዚ ስእልታት እትርእይዎም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ናይ ኣጽዋር ምሻጥን ምግዛእን፣ መገሻ እገዳ ናይ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ከምኡ እውን ምስ ስርዓት ዝተሓሓዘ ናይ ውልቅን ትካላዊ ንብረታት ንዘደስክል ውሳነ፣ ን”ምቅዋምን” ን”ምስራዝን” ዝተሳተፉሉ ስልፊ እዩ ኔሩ። እዚ ብሕቡራት መንግስታት ብሕጊ ኣባላት ሃገራት፣ ኤርትራውን ወሲኹ፣ ዝሓለፈ ውሳነ እዩ። ስርዓት ኢሳያስን ኣተግበርቱን ናይ መፈራርሕን ናብ “ዓድኹም” ኣይትኣትዉን ኢኹምን፣ ናይ ኤርትራ ዜግነትኩም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ እዩን፣ ካልእ ተመሳሳሊ ምኽንያታት ብምቕራብ ንተሰልፍቲ “ጎደና 22” ከውጽኦም ኪኢሉ እዩ፡፡ ንዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ> (1)። እዚኣቶም በብውልቆም ንግሆ ሰኑይ መዓልቲ፣ በረድ ኣብ ዝሸፈና ከተማ ዋሽንግተን ንኽሳተፉ ዝመረጹ ሰባት እዮም።  
መብራት ክፍሎም፣ በዓል ቤታ ንኽጋደል ናብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ምስተጸንበረ፣ ክልተ ንኣሽቱ ቆልዑ ሒዛ ንዑዑ ተኸቲላ ወጺኣን፣ ኣብ ጅልሃንቲ ሱዳን፣ መደበር ስደትኛታት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ናይ “ኣደታት” ጸኒሓ።  ብድሕሪ ገለ እዋን ብሃገራዊ መትከል ኣብ ገድሊ ዝተንጸበረት ሓርበኛ እያ። መብራት ክፍሎም በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተን እያ። እዚኣቶም ኣብ ኤርትራ ይነብሩን ቀንዲ ኣብዚ ሰልፊ መሳተፊኣ ነዚኣቶም ናብ ኣሜሪካ ንምውጻእ እዩ ይበሃል። መብራት ክፍሎም ናብ ሜዳ ምስተሰለፍት ኣብ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ንነዊሕ ዓማውቲ ድሕሪ ምስራሓን እምንቲ ምዃና ምስተረጋገጸን ኢዩ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ናይ መደበር ፖሊስ ስራሕ ዝተዋህባ። 

 

ኤርትራ ብ”ደርማሳዊት ቤት ማእሰርቲ” እትፍለጥ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራትን ዘለዋ፣ ኣብ ሙሉእ ርግጺን ቁጽጽርን ውልቀ መላኽን ገባቲ ምስጢራዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እትርከብ ሃገር እያ። ናይ “መንግስቲ ስራሕተኛ” ብሕዝብን ሃገርን ገንዘብን ቀረጽን ዝሰርሕን ብእኡ ተሓታትነት ዘለዎን ኣምርን ምዃኑ ኣብ ኤርትራ ዳርጋ ዝተረስዐ ጉዳይ እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ። ናይ ሎሚ ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ቀደም ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ንፖሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ከምዝጥቀመለን ብለካቲት 22 ዝወጸት ኣኽበረት “ሃይሉ” ምስ ሓዋ ዝወጸ ጸብጻብ ተመልከት።

ዓይኒ ኢንተርነት ድያስፖራ፤ ኣብ ሙሉእ ዓለም ናይ ዝርአ ማዕከናት ዝከታተል ሓድሽ ናይ ዜና ዓምዲ እዩ። ነቶም ነዚ ንኽንገብር ዝተሓባባሩናን ነጻ ሓሳባቶምን ርእይቶታቶምን መረጋገጺ ሰነዳትን ብምስዻድ፣ መሰል ናይ ምዝራብን ሓሳብ ምግላጽን ኣብ ግብሪ ዝተርጉሙ ዘለዉ ነመስግን።  ዝድንጒ ዘሎ ክሳብ ዝጻረ ኢዩ። 

(1)
Part 3: The Experience of Eritrean Refugees (# 11 paragraph)
Coercion of Eritreans in Exile

The tragic reality for Eritreans who flee the country is that once they have escaped, they—and particularly their families—are still not entirely safe from repressive actions by the Eritrean government. In a small country with a relatively small population (4 million), the local administrations in towns and rural areas usually have a clear idea of who is where. And as described, the government has made it clear that it considers every Eritrean who leaves the country illegally to be a traitor to the nation. Once a person leaves the country they are, in effect, treated as fugitives by the government and if returned are treated as criminals who will face detention, torture, and sometimes death.

There are a variety of ways in which the Eritrean government exerts pressure on exiles for both financial and political reasons. The government expects all Eritreans in the diaspora to pay a two percent tax on income. While taxing expatriates may be a legitimate state function, the manner in which the Eritrean government coerces individuals into paying this income presents serious human rights concerns. If refugees or other Eritrean expatriates do not pay the two percent tax then the government typically punishes family members in Eritrea by arbitrarily detaining them, extorting fines, and denying them the right to do business by revoking licenses or confiscating land.

The two percent tax is not only a financial mechanism, however. The government also uses it to consolidate its control over the diaspora population by denying politically suspect individuals essential documents such as passports and requiring those who live in Eritrea to provide ‘clearance’ documents for their relatives who live abroad—essentially coercion to ensure that their relatives have paid the two percent expatriate income tax demanded by the government.[329]

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...