ብርሃነ ወልዱ፣ ኣቦ መንበር ብለካቲት 22 ዝተኻየደ “መኸተ” ኣንጻር ናይ ሕቡራት መንግስታት እገዳ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ዝበሃልን፣ ኣብዚ ኣሳእል ከም ቀንዲ ኣሳሳዪ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተዋሰአን፣ ናብ ኣስመራ ብሰኑይ 22 መጋቢት ከይዱ። ቁመቱ ነዊሕን ጉልቡትን ኮይኑቀይሕ ጃከትን ቆቢዕ ለቢሱ ናብዝን ናብትን ክብል ዝረአ ዘሎ እዩ። ቆቢዕ ምልባሱ መንነቱ ካብ ምሕባእ ኣየድሓኖን።

ብርሃነ ወልዱ ኣስታት 57+ ዝዕድሚኡ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ጡረታ ዝወጽአን ሰብ ኢዩ። ቅድሚ ሎሚ ብድሕሪ ምምልላሱ ናብ ኤርትራ፣ ካብ ሓዳሩ ዝተፈትሐን፣ ነጭ በረር ማለት ነጻ ሰብ እዩ። ብድሕሪ እገዳ ናይ ሕቡራት መንግስታት ማለት ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ካብ መገሻ ዝዕቅብ ውሳነ ድሕሪ ምብያኑ፣ ናብ ኣስመራ ኣብ ምምልላስ ዝርከቡ ተሳተፍትን ወደብትን ናይ ለካቲት 22 ሰልፊ ኣብ ጠመተ ወዲቖም ኣለዉ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ ርእሲ ናይ መገሻ እገዳ፣ ኣጽዋር ናብን ካብን ኤርትራ ንኸይሽየጥን፣ ምስቲ ስርዓት ዝተተሓሓዘ ትካላትን ውልቀሰባት እውን ብኡኡ ከምዝቕየዱ በይኑን ኣብ ኣውስትራልያን ኤውሮጳን ገለ ክፋሉ እውን ኣብ ስዊስ ኣብ ግብሪ ዊዒሉ ኢዩ።

እገዳ እንታይ በለብርሃነ ወልዱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበየ፣ መበቆሉ ኣዂሩር፣ ኣከለጉዛይ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኢዩ። ብዛዕባ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝገበሮ ቃለ ምሕትት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ዝግበር ዝምድና ተዛሪቡ። ፍሉይ ክእለት ኣምሓርኛ ስለዘለዎ ኣብቲ ዝግበር ካልኣዊ ዝምድና ምስ ውድባት ገለ ተራ ክጻወት ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምት ኣሎ። እቲ እገዳ ንላዕለዎት ሓለፈቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ሰበስልጣን ኤርትራን ጥራሕ ኢዩ ካብ መገሻ ዝዕቅብ።  

ንሕና ኢና መንግስቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት እገዳ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ከምዘሻቐሎም ዝእምት፣ ኣብ ውሽጥን ብፍላይ ኣብ ወጻእን ብኣምባሳደራቶም ኣቢሎም ዝተፈላለዩ ሰላማዊ ሰልፍታትን “መኸተ” ኣንጻር እገዳ ኣካይዶም ኢዮም። ካብቲ ዘካይድዎ “መኸተ” ድማ ናይቲ ዝቕመጥዎ ሃገር ዘይኮነስ፣ ናይታ ገዲፎማ ዝመጹ ናይ ኤርትራ፣ መንግስትን ስርዓትን ጭርሖታትን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣሳእልን፣ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ዝብል ብእንግሊዝ ከይተረፈ “We are him, he is us” ዝብሉ ታበላታትን ጻዊዒትን ኣብ ምቕባልን ዘድሃበ ኢዩ ኔሩ።

ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና

ብርሃነ ወልዱ ኣሜሪካዊ ዜጋን፣ ናይ ምንቅስቓስን መሰሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሕልዉን ስለዝኾነ ምጋሹ ኣይኮነን እቲ ዜና። ቅድሚ ሎም’ውን ዝተመላለሰን እኳ ድኣ ቀጥታዊ ርክብ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጌሩን ዝብል ወረ ስለዝነበረ እውን ኣይኮነን። ዜና ድያስፖራ ብወግዒ ኣብ ጽርግያ ኣሜሪካ ዝወጽአን ብቐጻሊ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ምድጋፉን ኩነት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ግምት ብምእታዉን ኢዩ ነዚ ዘውጽእ ዘሎ።

ዶክተር ተስፋይ ኣርዓዶምን ብርሃነ ወልዱ ነቶም ኣብቲ ጎደና 22 ምስኡ ዝወዓሉ፣ ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ኣሜሪካውያን ከም በዓል ዶክተር ተስፋይ ኣርዓዶምን (ካብ የማን ካልኣይ) ካልኦትን ይስዕብ ኣሎ።

 www.eritreana.com for pictures


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...