ጭርናዕ ሕዝቢ ኣብ ኬንያ ከርክቡ?

ጭርናዕ ሕዝቢ ኣብ ኬንያ ከርክቡ?
 
እንተሃደምካ ኣይገድፉ
ሱቕ እንተበልካ ኣይገድፉ
እንተሃነጽካሎም ኣየመስግኑ
እንተደነንካሎም ኣይልግሱ
 
ሰብ ንሰብ ብሰብ የሳድዱ
ገንዘብ ከይሰርሑሉ ጮማ ይሓርዱሉ
ስልጣን ሽፍታ ነገድፍ ኣመሉ
 
ተዓዛቢ

መንግስቲ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምሉእ ዓለምን ዝርከብ ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣገልገልቲ ኣቕሽሽትን ሃለቃታትን እናሃደነ ዘጥፍኦም ዘሎ፣ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ንዝርከቡ ቀሺ ብርሃነን ናይ ኪዳነ ምህረት ቤተ ክርስትያንውን ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ወሪድዎ ይርከብ። መንግስቲ ህግደፍ ኣቐዲሙ ምስ ገለ ኣባላት ናይቲ ቤተ ክርስትያን ኣካየድቲ ብምሽራኽ ናይቲ ቤተ ክርስትያን ገንዘብ ዓሚጹ ከም ዝወሰዶ ዝዝከር እዩ። ነዚ ዝተቓወሙ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ካህን ቀሺ ሓድገምበስ ንምቕንጻሎም ብዙሕ ፈተና ምስ ኣካያደ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ዑቕባ ከም ዝደሓኑ ይፍለጥ። መተካእታኦም መሳርሒ ህግደፍ ይኾኑ እዮም ተባሂሎም ካብ ኣስመራ ተመሪጾም ብዮፍታሄን ብኣባ ሉቃንስ ተሰንዮም ዝመጹ ቀሺ ብርሃነ፣ ሃገራዊ ቀሺ ኣምጺእናልኩም ተቐበልዎ ተባሂሉ ዝተገደደ ምእመን ኬንያ ነቶም ቀሺ ተቐቢሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከካይድ ጸኒሑ። እንተ ኾነ፣ ቀሺ ብርሃነውን ከምቲ ህግደፍ ኣሚኖም ዘምጽእዎም ኮይኖም ኣይተረኸቡን።

ካዝና ቤተ ክርስትያን ከፊቶም ክህቡ ፍቓደኛ ብዘይምዃኖምን ምትእትታው ህግደፍ ኣብ ቤተ ክርስትያን ጌጋ እዩ ስለ ዝበሉን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2009 ዮፍታሄን ኣባ ሉቃስን ምስ ኤምባሲን ሓደ ሓደ መሰልቶምን ተመሳጢሮም፣ ንቀሺ ብርሃነ ከፈራርህዎምን ኣብ ትሕቲ ኤምባሲ ኮይኖም ክሰርሑን ዝሃብዎም ትእዛዝ ክቕበሉ ሃብቲ ናይቲቤተ ክርስትያን ኣብ ምሉእ ትሕቲ ምቁጽጻር ኤምባሲ ክኸውን ክሰማምዑ ክቕበሉን፣ እንተዘይተቐበሉ ግን ተኣሲሮም ናብ ኣስመራ ክምለሱ ምዃኖም ምስናይ ምጉብዕባኡ እኳ እንተ ኣፈራርህዎም፣ ቀሺ ብርሃነ ገንዘብ ቤተክርስትያን ንህግደፍ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባሎም፣ ምጥፋእን ምቕንጻል ሰብን ዝኣመሉ ደም ሰብ ዝሰቲ ስርዓት ህግደፍ ብለይቲ ዝቐትሉ ሰባት ብምልኣኽ ኣብ መደቀሲኦም ሰይሮም ብምእታው፣ ንብረት ቤተ ክርስትያን ብምሉኡ ዘሪፎም ወሲደሞ፣ እቶም ቀሺ ግን ብፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ደገ ስለ ዘምሰዩ ካብ ሞት ድሒኖም።

ንዝሓለፈ ተኸታታሊ ክልተ ሰሙን ብሰለይቲ ህግደፍ ክጭወዩን ክቕንጸሉን ብዙሕ ምክትታል ክግበረሎም ቀንዩ፣ ካብ ዕለት 4 ጥሪ 2010 ጀሚሮም ግን ካብቲ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ገጽ ህግደፍን ተገሊሎም ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ይርከቡ ኣለዉ። መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ዘቐመጦ የፍታሄን መጋበርያኡ ዝኾኑ ኣባ ደስቁሮስ ዘይተቐበለ ዝኾነ ቀሺ ይኹን ሃለቃ ሞትን ማእሰርትን ይወርዶም ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ቀሺ ብርሃነ፣ እሙን መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ንብዙሓት ውሉድክህነት ተዋህዶ ዘበሳበሱ ቀሺ እዮም። እንተኾነ፣ "ኢድ ሓላፊት እያ" ከምዝበሃል እቲ እኩይ ስርዓት ንዕኦምን ውን ኣብ መወዳእታስ ኣይነሓፎምን። ፓትርያርክ ተዋህዶ ኣቡን ኣንጦንዮስ ክግፍዑ ከለዉ ካብቶም ዘጣቕዑ ዝነበሩ ሰባት ምንባሮም ብቐረባ ዝፈልጥዎም ሰባት ይሕብሩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...